← Ezekiel (24/48) → |
1. | ኣብ መበል ታስዐይቲ ዓመት ኣብታ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡ |
2. | ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ስም እዛ መዓልቲ እዚኣ ጽሐፍ። ንጉስ ባቢሎን ሎሚ መዓልቲ ናብ የሩሳሌም ቀረበ። |
3. | ነታ ኸዳዕ ቤት ምስላ ንገራ በሎምውን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ድስቲ ሰኽትት፡ ሰኽትቶ ማይ ድማ ኣዕርቐሉ። |
4. | ምታሩ፡ ኲሉ ጽቡቕ ምታር ዘበለ፡ እግርን ክሳድን፡ ናብኡ ኣክቦ፡ በቲ ሕሩይ ኦኣጽሚውን ምልኣዮ። |
5. | ካብቲ መጓሰ ኸኣ ሕሩይ ውሰድ፡ ነቲ ዓጽሚ ድማ ኣብ ትሕቲኡ ዀሚርካ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ኣዕጽምቲ ምእንቲ ኺበስል፡ ኣጸቢቕካ ኣፍልሓዮ። |
6. | ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነታ ምምራታ ዘይለቅቕ ብምምራት ዝዘዐገት ድስቲ፡ ብዓልቲ ደም ዝዀነት ከተማ ወይለኣ። ነቲ ምታር ብምታሩ ኣውጽኣዮ፡ ዕጭ ኣይወደቖን። |
7. | ደማ ኣብ ማእከላ እዩ እሞ፡ ኣብቲ ልሙጽ ከውሒ ሐደገቶ። ብሓመድ ክትከድኖ እኳ ኣብ ምድሪ ኣይከዐወቶን። |
8. | ንምልዕዓል ነድርን ንምፍዳይ ሕነን እቲ ደማ ምእንቲ ኸይክወል፡ ኣብ ልሙጽ ከውሒ ኣኽዖኽዎ። |
9. | ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነውን ብርቱዕ መግሃር ክኣጒድ እየ እሞ፡ ነታ ብዓልቲ ደም ዝዀነት ከተማ ወይለኣ፡ |
10. | ኣዕጻው ኰምር፡ ሓዊ እጐድ፡ ነቲ ስጋ ኣጸቢቕካ ኣብስሎ፡ ነቲ መረቕ ኣዚኻ ኣፍልሓዮ፡ ነቲ ኣዕጽምቲ ኸኣ ኣሕርሮ። |
11. | ምእንቲ ኺውዕን እቲ ኣስራዚ ድማ ኪረስንን ኣብ ውሽጡ ዘሎ ዛዕጉ ኺመክኽን ኣቲ ምምርቱ ኸኣ ኪጠፍእንሲ፡ ጥራዩ ኣብ ልዕሊ ጓህሪ ሰኽትቶ። |
12. | ጻዕራ ኸንቱ እዩ፡ ምምራታ በርቲዑ እዩ እሞ፡ ብሓዊ እኳ ኣይለቅቕን እዩ። |
13. | ኣብ ርስሓትኪ ርኽሰት ኣሎ። ኣጽርየክስ ኣይጸሬኽን ኢኺ እሞ፡ ሃና ነድረይ ክሳዕ ዝወሰልኪ ኻብ ርስሓትኪ ኣይክትጸርይን ኢኺ። |
14. | ኣነ እግዚኣብሄር እየ እተዛረብክዎ። ኪኸውን እዩ፡ ክገብሮ ድማ እየ። ንድሕሪት ኣይክምለስን፡ ኣይክምሕርን፡ ኣይክጥዐስን ድማ እየ። ከም መገድኽን ከም ግብርኽን ኪፈርዱኺ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። |
15. | ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡ |
16. | ኣታ ወዲ ሰብ፡ እንሆ፡ ንተድላ ኣዒንትኻ ብወቕዒ ኽምንጥለልካ እየ። ንስኻ ድማ ኣይትሕዘን፡ ኣይትብከ፡ ኣይትንባዕውን፡ |
17. | ስቕ ኢልካ እህህ በል፡ ንምዉታት ከም ዚልቀሶም ጌርካ ኣይተልቅስ፡ ርእስኻ ደኣ ብመጠምጠምያ ጠምጥም፡ ኣሳእንካ ኣብ ኣእጋርካ ኣእቱ፡ ጭሕምኻ ኣይትኽደን እንጌራ ሓዘንቲውን ኣይትብላዕ። |
18. | ነቲ ህዝቢ ንግሆ ተዛረብክዎ፡ ንምሸቱ ኸኣ ሰበይተይ ሞተት፡ ንጽብሒቱ ድማ ከምቲ እተኣዘዝክዎ ገበርኩ፡ |
19. | እቲ ህዝቢውን፡ እቲ እትገብሮ ዘሎኻስ ንኣና እንታይ ማለት ምዃኑዶ ኣይትገልጸልናን ኢኻ በለኒ። |
20. | ኣነ ድማ፡ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡ ኢለ መለስኩሎም፡ |
21. | ንቤት እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በሎም፡ እንሆ፡ እታ ሓበን ሓይልኹም፡ እታ ተድላ ኣዒንትኹም፡ እታ ናፍቖት ነፍስኹም፡ ቤት መቕደሰይ ከርክሳ እየ። እቶም ድሕሬኹም ዝሐደግኩምዎም ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም። |
22. | ንስኻትኩም ከኣ ከምቲ ዝገበርክዎ ኽትገብሩ ኢኹም። ጭሕምኹም ኣይክትከድኑን፡ እንጌራ ሓዘንቲውን ኣይክትበልዑን፡ |
23. | መጠምጠምያኹም ኣብ ርእስኩም፡ ኣሳእንኩም ኣብ ኣእጋርኩም ኪኸውን እዩ። ዋይዋይ ኣይክትብሉን ኣይክትበኽዩን ከኣ ኢኹም፡ ግናኸ ብሰሪ ኣበሳኹም ክትማስኑ፡ ነንሓድሕድኩም ከኣ እህህ ክትብሉ ኢኹም። |
24. | ህዝቅኤል ከኣ ኣርኣያ ኪዀነልኩም እዩ፡ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ዘበለ ዂሉ ኽትገብሩ ኢኹም። እዚ ምስ መጸ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። |
25. | ኣታ ወዲ ሰብ ከኣ፡ በታ ንሓይሎም፡ ንሓጐስ ክብረቶም፡ ንተድላ ኣዒንቶም፡ ነቲ ናፍቖት ልቦም፡ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ኣነ ኻብኦም ዝወስደላ መዓልቲ፡ |
26. | በታ መዓልቲ እቲኣ ዘምለጠ ኣብ እዝንኻ ኼስምዓካ ኺመጸካ እዩ። |
27. | በታ መዓልቲ እቲኣ ዘምለጠ ምስ መጸ ኣፍካ ኪኸፍት እዩ፡ ክትዛረብ ድሕርዚ ኸኣ ዓባስ ኣይክትከውንን ኢኻ። ከምኡ ንስኻ ኣርኣያ ኽትኰኖም ኢኻ፡ ኣነ፡ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ኪፈልጡ እዮም። |
← Ezekiel (24/48) → |