Ezekiel (24/48)  

1. ኣብ መበል ታስዐይቲ ዓመት ኣብታ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡
2. ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ስም እዛ መዓልቲ እዚኣ ጽሐፍ። ንጉስ ባቢሎን ሎሚ መዓልቲ ናብ የሩሳሌም ቀረበ።
3. ነታ ኸዳዕ ቤት ምስላ ንገራ በሎምውን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ድስቲ ሰኽትት፡ ሰኽትቶ ማይ ድማ ኣዕርቐሉ።
4. ምታሩ፡ ኲሉ ጽቡቕ ምታር ዘበለ፡ እግርን ክሳድን፡ ናብኡ ኣክቦ፡ በቲ ሕሩይ ኦኣጽሚውን ምልኣዮ።
5. ካብቲ መጓሰ ኸኣ ሕሩይ ውሰድ፡ ነቲ ዓጽሚ ድማ ኣብ ትሕቲኡ ዀሚርካ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ኣዕጽምቲ ምእንቲ ኺበስል፡ ኣጸቢቕካ ኣፍልሓዮ።
6. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነታ ምምራታ ዘይለቅቕ ብምምራት ዝዘዐገት ድስቲ፡ ብዓልቲ ደም ዝዀነት ከተማ ወይለኣ። ነቲ ምታር ብምታሩ ኣውጽኣዮ፡ ዕጭ ኣይወደቖን።
7. ደማ ኣብ ማእከላ እዩ እሞ፡ ኣብቲ ልሙጽ ከውሒ ሐደገቶ። ብሓመድ ክትከድኖ እኳ ኣብ ምድሪ ኣይከዐወቶን።
8. ንምልዕዓል ነድርን ንምፍዳይ ሕነን እቲ ደማ ምእንቲ ኸይክወል፡ ኣብ ልሙጽ ከውሒ ኣኽዖኽዎ።
9. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነውን ብርቱዕ መግሃር ክኣጒድ እየ እሞ፡ ነታ ብዓልቲ ደም ዝዀነት ከተማ ወይለኣ፡
10. ኣዕጻው ኰምር፡ ሓዊ እጐድ፡ ነቲ ስጋ ኣጸቢቕካ ኣብስሎ፡ ነቲ መረቕ ኣዚኻ ኣፍልሓዮ፡ ነቲ ኣዕጽምቲ ኸኣ ኣሕርሮ።
11. ምእንቲ ኺውዕን እቲ ኣስራዚ ድማ ኪረስንን ኣብ ውሽጡ ዘሎ ዛዕጉ ኺመክኽን ኣቲ ምምርቱ ኸኣ ኪጠፍእንሲ፡ ጥራዩ ኣብ ልዕሊ ጓህሪ ሰኽትቶ።
12. ጻዕራ ኸንቱ እዩ፡ ምምራታ በርቲዑ እዩ እሞ፡ ብሓዊ እኳ ኣይለቅቕን እዩ።
13. ኣብ ርስሓትኪ ርኽሰት ኣሎ። ኣጽርየክስ ኣይጸሬኽን ኢኺ እሞ፡ ሃና ነድረይ ክሳዕ ዝወሰልኪ ኻብ ርስሓትኪ ኣይክትጸርይን ኢኺ።
14. ኣነ እግዚኣብሄር እየ እተዛረብክዎ። ኪኸውን እዩ፡ ክገብሮ ድማ እየ። ንድሕሪት ኣይክምለስን፡ ኣይክምሕርን፡ ኣይክጥዐስን ድማ እየ። ከም መገድኽን ከም ግብርኽን ኪፈርዱኺ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
15. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡
16. ኣታ ወዲ ሰብ፡ እንሆ፡ ንተድላ ኣዒንትኻ ብወቕዒ ኽምንጥለልካ እየ። ንስኻ ድማ ኣይትሕዘን፡ ኣይትብከ፡ ኣይትንባዕውን፡
17. ስቕ ኢልካ እህህ በል፡ ንምዉታት ከም ዚልቀሶም ጌርካ ኣይተልቅስ፡ ርእስኻ ደኣ ብመጠምጠምያ ጠምጥም፡ ኣሳእንካ ኣብ ኣእጋርካ ኣእቱ፡ ጭሕምኻ ኣይትኽደን እንጌራ ሓዘንቲውን ኣይትብላዕ።
18. ነቲ ህዝቢ ንግሆ ተዛረብክዎ፡ ንምሸቱ ኸኣ ሰበይተይ ሞተት፡ ንጽብሒቱ ድማ ከምቲ እተኣዘዝክዎ ገበርኩ፡
19. እቲ ህዝቢውን፡ እቲ እትገብሮ ዘሎኻስ ንኣና እንታይ ማለት ምዃኑዶ ኣይትገልጸልናን ኢኻ በለኒ።
20. ኣነ ድማ፡ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡ ኢለ መለስኩሎም፡
21. ንቤት እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በሎም፡ እንሆ፡ እታ ሓበን ሓይልኹም፡ እታ ተድላ ኣዒንትኹም፡ እታ ናፍቖት ነፍስኹም፡ ቤት መቕደሰይ ከርክሳ እየ። እቶም ድሕሬኹም ዝሐደግኩምዎም ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም።
22. ንስኻትኩም ከኣ ከምቲ ዝገበርክዎ ኽትገብሩ ኢኹም። ጭሕምኹም ኣይክትከድኑን፡ እንጌራ ሓዘንቲውን ኣይክትበልዑን፡
23. መጠምጠምያኹም ኣብ ርእስኩም፡ ኣሳእንኩም ኣብ ኣእጋርኩም ኪኸውን እዩ። ዋይዋይ ኣይክትብሉን ኣይክትበኽዩን ከኣ ኢኹም፡ ግናኸ ብሰሪ ኣበሳኹም ክትማስኑ፡ ነንሓድሕድኩም ከኣ እህህ ክትብሉ ኢኹም።
24. ህዝቅኤል ከኣ ኣርኣያ ኪዀነልኩም እዩ፡ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ዘበለ ዂሉ ኽትገብሩ ኢኹም። እዚ ምስ መጸ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
25. ኣታ ወዲ ሰብ ከኣ፡ በታ ንሓይሎም፡ ንሓጐስ ክብረቶም፡ ንተድላ ኣዒንቶም፡ ነቲ ናፍቖት ልቦም፡ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ኣነ ኻብኦም ዝወስደላ መዓልቲ፡
26. በታ መዓልቲ እቲኣ ዘምለጠ ኣብ እዝንኻ ኼስምዓካ ኺመጸካ እዩ።
27. በታ መዓልቲ እቲኣ ዘምለጠ ምስ መጸ ኣፍካ ኪኸፍት እዩ፡ ክትዛረብ ድሕርዚ ኸኣ ዓባስ ኣይክትከውንን ኢኻ። ከምኡ ንስኻ ኣርኣያ ኽትኰኖም ኢኻ፡ ኣነ፡ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ኪፈልጡ እዮም።

  Ezekiel (24/48)