Ezekiel (23/48)  

1. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡
2. ኣታ ወዲ ሰብ፡ ክልተ ኣንስቲ፡ ሓንቲ ዘዲኤን ኣዋልድ ነበራ።
3. እዚኣተን ኣብ ግብጺ ኣመንዘራ። ገና በዋልደን ከለዋ ኣመንዘራ፡ ኣጥባተን ተጸቕጠ፡ እቲ ድንግል ሕጽነን ኣብኡ ተደርቀቐ።
4. ስማተን ከኣ፡ እታ ዓባይ ኦሆላ፡ እታ ሓብታ ድማ ኦሆሊባ ይበሀላ ነበራ። ናተይ ኰና፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለዳ። ስማተን ከኣ፡ ኣሆላ ሰማርያ እያ፡ ኦሆሊባ ድማ የሩሳሌም እያ።
5. ኦሆላ ኸኣ ናተይ ከላስ ዘመወት። ፍትወታ ኣብቶም ፈተውታ ኣብ ኣሶራውያን ጐረባብታ ዀነ።
6. ንሳቶም ሰማያዊ ሃሪ እተኸድኑ መሳፍንትን መኳንንትን፡ ኲላቶምውን መልክዔኛታት ኣባጽሕ፡ ኣብ ኣፍራስ ዚቕመጡ ፈረሰኛታት ነበሩ።
7. ምስ ኲላቶም ሕሩያት ኣወዳት ኣሶር ከኣ ኣመንዘረት፡ ፍትወት ኣብ እተላዕላ ምስ ኲሎም ጣኦታቶም ድማ ረኸሰት።
8. ምስናይ እዚ ኸኣ ነቲ ምስቶም፡ ብጓላ ኸላ፡ ምስኣ ዝደቀሱን ድንግል ሕጽና ዝደርቀቑን ዝሙቶም ዝኸዐዉላን ግብጻውያን ምዝማዋ ኣይሐደገትን።
9. ስለዚ ኣብ ኢድ እቶም ፈተውታ፡ ብፍትወት ምሳታቶም ነዲዳ ዝነበረት፡ ኣብ ኢድ ኣወዳት ኣሶር መጦኽዋ።
10. ንሳቶም ከኣ ዕርቃና ቐልዑ፡ ነወዳታን ነዋልዳን ማረኽዎም፡ ንእኣ ድማ ብሰይፊ ቐተልዋ። ኣብ ማእከል ኣንስቲ ኽፉእ ስም ወጻ፡ ኣብ ልዕሊኣውን ፍርዲ ተፈርደ።
11. ኦሆሊባ ሓብታ ኸኣ እዚ ረኣየት፡ ብፍትወታ ኻብኣ ገደደት፡ ምንዝርንኣ ድማ ካብ ምንዝርና ሓብታ በዝሔ።
12. ምስቶም ጐረባብታ ደቂ ኣሶር፡ መሳፍንትን መኳንንትን፡ ዜሐብን ክዳውንቲ እተኸድኑ፡ ኣብ ኣፍራስ እተቐመጡ ፈረሰኛታት፡ ኲሎም መልክዔኛታት ኣባጽሕ፡ ብፍትወት ነደደት።
13. ንሳውን ከም ዝረኸሰት ርኤኹ፡ ክልቲኤን ሓደ መገዲ ኸዳ።
14. ንሳ ግና ብምንዝርንኣ ሓለፍ በለት፡ ኣብ መንደቕ ከኣ ስእሊ ሰብኡት፡ ምስሊ ከለዳውያን ብቐይሕ ቀለም ተሳኢሉ።
15. ቅናት ኣብ ሕቚኦም ተዐጢቖም፡ ገፊሕ መጠምጠምያ ኸኣ ኣብ ርእሶም፡ ኲላቶም መኳንንቲ፡ ኣብታ እተወልዱላ ሃገር ከለዳውያን ምስሊ ደቂ ባቢሎን ዚመስሉ ረኣየት።
16. በዒንታ ምስ ረኣየቶም ኣባታቶም ብፍትወት ነደደት፡ ናብ ሃገር ከለዳውያን ድማ ልኡኽ ለኣኸትሎም።
17. ደቂ ባቢሎን ከኣ ናብኣ መጺኦም ምስኣ ብፍትወት ደቀሱ፡ ብምንዝርናኦም ድማ ኣርከስዋ። ብኣታቶም ምስ ረኸሰት፡ ነፍሳ ኻብኦም ኣግለሰት።
18. ዝሙታ ምስ ገለጸት፡ ዕርቃና ምስ ቀልዔት፡ ከምቲ ነፍሰይ ካብ ሓብታ ዘግለሰት፡ ካብኣ ድማ ነፍሰይ ኣግለሰት።
19. ግናኸ ብዘመን ንእስነታ ኣብ ሃገር ግብጺ ዘመንዘረቶ ዘኪራስ፡ ምንዝርናኣ ኣብዝሔት።
20. ምስቶም ዘመውቲ፡ ስጋኦም ከም ናይ ኣድጊ ስጋ፡ ዘርኦም ከም ዘርኢ ኣፍራስ ዝዀነ ኸኣ፡ ብፍትወት ነደደት።
21. ከምኡ፡ እቶም ግብጻውያን ኣጥባት ጒርዝነት ከሎኪ ዝደርቀቑኺ፡ ርኽሰት ንእስነትኪ ዘከርኪ።
22. ስለዚ፡ ኣቲ ኦሆሊባ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ነቶም ነፍስኺ ኻባታቶም ዘግለሰት ፈተውትኺ ኸተንስኣልኪ እየ። ኪጻረሩኺ ኸኣ ኻብ ኲሉ ወገን ከምጽኦም እየ።
23. ባቢሎናውያንን ኲሎም ከለዳውያንን ጴኮድን ሾዓን ቆዓን፡ ምስኦም ከኣ ኲሎም ኣሶራውያንን፡ መልክዔኛታት ኣባጽሕ፡ መሳፍንትን መኳንንትን ኲላቶም ኣብ ኣፍራስ እተቐመጡ ሓላቑን ውሩያትን፡
24. ንሳቶም ኣጽዋርን ሰረገላታትን መንኰራዂርን ሒዞም፡ ምስ ብዙሕ ከተቴ ህዝብታት ኪጻረሩኺ ኺመጹ እዮም። ገለብን ዋልታን ቊራዕ ርእስን ሒዞም ብዙርያኺ ኺቃወሙኺ እዮም። ኣነ ኸኣ ፍርዲ ኽህቦም እየ፡ ንሳቶምውን ከም ፍርዶም ኪፈርዱኺ እዮም።
25. ቅንኣተይ ከውርደልኪ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ብነድሪ ኺመዓዐቱኺ እዮም። ኣፍንጫኽን ኣእዛንክን ኪቘርጹ እዮም፡ እቲ ኻባኺ ዚተርፍ ድማ ብሰይፊ ኺወድቕ እዩ። ነወዳትክን ነዋልድክን ኪማርኽዎም፡ እቲ ኻባኺ ዚተርፍውን ብሓዊ ኪዂመም እዩ።
26. ክዳውንትኺ ኪቕንጥጡኺ፡ ክቡር ስልማትኪ ኺወስዱልኪ እዮም።
27. ኣዒንትኺ ናባታቶም ቊሊሕ ከይተብልን፡ ድሕርዚ ኸኣ ግብጺ ኸይትዝክርንሲ፡ ነቲ ኻብ ግብጺ ዝጀመረ ርኽሰትክን ምንዝርናኽን መወዳእታ ኽገብረሉ እየ።
28. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ናብ ኢድ እቶም እትጸልእዮም፡ ናብ ኢድ እቶም ነፍስኺ ኻብኦም ዘግለሰት ክውፍየኪ እየ እሞ፡
29. ብጽልኢ ኺካየዱኺ፡ ኲሉ ጻማ ድኻምኪ ኺወስዱልኪ፡ ዕርቕትን ንውልቅክን ገይሮም ኪሐድጉኺ እዮም። ናይ ምንዝርናኺ ዕርቃን ርኽሰትክን ምንዝርናኽን ኪግለጽ እዩ።
30. ደድሕሪ ህዝብታት ዒልዒል እናበልኪ ስለ ዝመንዘርኪ፡ ብጣኦታቶም ከኣ ስለ ዝረኸስኪ፡ እዚ ነገር እዚ ኺወርደኪ እዩ።
31. ብመገዲ ሓብትኺ ኸድኪ፡ ስለዚ ኸኣ ኣነ ናታ ጽዋእ ኣብ ኢድኪ ኽህበኪ እየ።
32. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንስኺ እታ ዓማቚን ገፋሕን ዝዀነት ጽዋእ ሓብትኺ ኽትሰትዪ ኢኺ። ብዙሕ እትሕዝ እያ እሞ መሰሓቕን መላገጽን ክትኰኒ ኢኺ።
33. እታ ጽዋእ ሓብትኺ ሰማርያስ ጽዋእ መሰክሕን ጥፍኣትን እያ እሞ፡ ብስኽራንን ብሓዘንን ክትመልኢ ኢኺ።
34. ኣነ እየ እተዛረብኩ፡ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እሞ፡ ክትሰትይያን ክትጽንቅቕያን ገልዑ ኸኣ ክትነኽስን፡ ኣፍ ልብኺ ድማ ክትስንጥቕን ኢኺ።
35. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንስኺ ረሲዕክኒ፡ ብድሕሪ ዝባንኪ ድማ ደርቢኽኒ ኢኺ እሞ፡ ንስኺውን ርክሰትክን ምንዝርናኽን ጹሪ።
36. እግዚኣብሄር ከኣ በለኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንኦሆላን ንኦሆሊባን ክትፈርደለን ዲኻ እምበኣርስ ጽያፈን ንገረኒ።
37. ዘምየን እየን እሞ፡ ኣብ ኣእዳወን ደም ኣለወን፡ ምስ ጣኦታተን ዘምየን፡ ነቶም ንኣይ ዝወለዳኦም ደቀን፡ ሓዊ ኺበልዖምሲ፡ ብእኡ ኣሕለፋኦም።
38. ኣብ ርእሲኡውን እዚ ገበራኒ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ መቕደሰይ ኣጸየፋ፡ ሰናብተይ ከኣ ኣርከሳ፡
39. ደቀን ንጣኦታተን ምስ ሐረዳኦም፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኼርክስኣ ናብ መቕደሰይ መጻ። እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ማእከል ቤተይ ከምዚ ገበራ።
40. ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ነቶም ካብ ርሑቕ ዚመጹ ሰብኡት ለኣኻሎም። ልኡኽ ተላእኮም፡ እንሆውን መጹ። ተሐጸብክሎም፡ ኣዒንትኺ ተዀሐልክሎም፡ ብስልማትውን ተሰለምክሎም።
41. ኣብ ጽቡቕ ዓራት ተቐመጥኪ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኸኣ ሰደቓ ተዳልዩ ነበረ፡ ኣብ ልዕሊኡውን ዕጣነይን ዘይተይን ኣንበርኪ።
42. ኣብኣ ድምጺ ሕጉሳት ሰብ ነበረ። ናብቲ ብዙሕ ህዝቢ ድማ ሰብ ሳባ ኻብ በረኻ ኣምጽኡ። ንሳቶም ከኣ ኣምበር ኣብ ኣእዳወን፡ እጹብ ዘውዲውን ኣብ ኣርእስተን ገበሩ።
43. ሽዑ ኣነ ብዛዕባ እታ ብዝሙት ዝኣረገት፡ ሎሚ ድማ ምስኣ የመንዝሩ ኣለዉ፡ በልኩ።
44. ከምቲ ናብ ኣመንዝራ ዚኣትዉ፡ ናብኣ ኣተዉ። ከምኡውን ናብተን ርኹሳት ኣንስቲ ኦሆላን ኦሆሊባን ኣተዉ።
45. ጻድቃን ሰባት ከኣ፡ ዘመውቲ ስለ ዝዀና ኣብ ኣእዳወን ድማ ደም ስለ ዘለወን፡ ከምቲ ንዘመውቲ፡ ከምቲ ነተን መፍሰስቲ ደም ዚፍረደን ገይሮም፡ ኪፈርድወን እዮም።
46. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣኼባ ህዝቢ ኸውጽኣለን እየ እሞ፡ ንምምራኽን ንዘመተን ኣሕሊፈ ኽህበን እየ።
47. ኣኼባ ኸኣ ብዳርባ እምኒ ኪቐትልወን፡ በስያፎም ኪቘራርጽወን፡ ነወዳተንን ነዋልደንን ኪቐትልዎም፡ ኣባይተንውን ብሓዊ ኼንድዱ እዮም።
48. ኲላተን ኣንስቲ ኸምቲ ምንዝርናኽን ከይገብራ፡ ምእንቲ ኺምዐዳስ፡ ንምንዝርና ኻብታ ሃገር ከጥፍኦ እየ።
49. ምንዝርናኽን ኣብ ልዕሌኽን ኬንብሩልክን እዮም፡ ሓጢኣት ጣኦታትክን ድማ ክትጾራ ኢኽን። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጣ ኢኽን።

  Ezekiel (23/48)