| ← Ezekiel (22/48) → | 
| 1. | ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡ | 
| 2. | ኣታ ወዲ ሰብ፡ ክትፈርድዶ ኢኻ ነዛ ኸተማ ደምዶ ኽትፈርዳ ኢኻ እምበኣርስ ኲሉ ጽያፉ ኣፍልጣ። | 
| 3. | እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎውን በል፡ ጊዜኣ ምእንቲ ኺበጽሕ፡ ኣብ ማእከላ ደም እትኽዑ፡ ንርእሳ ኸተርክስ ከኣ ጣኦታት እትገብር ከተማ እያ። | 
| 4. | በቲ ዝኸዖኽዮ ደምኪ በደልኪ፡ በቲ ዝገበርክዮ ጣኦታት ድማ ረኸስኪ። መዓልትታትኪ ኣቕረብኪ፡ ዓመታትኪውን ኣሕጸርኪ። ስለዚ ንህዝብታት መጻረፊ፡ ንኹሉ ሃገራት ከኣ መላገጺ ገበርኩኺ። | 
| 5. | ኣቲ ርኹስ ዝወሬኺ፡ ዕግርግር ዝመልኣኪ ዝቐረቡኽን ዝረሐቑኽን ኬላግጹልኪ እዮም። | 
| 6. | እንሆ፡ እቶም መሳፍንቲ እስራኤል፡ ነፍሲ ወከፍ ከከም ሓይሉ፡ ደም ንምፍሳስ ኣባኺ ነበሩ። | 
| 7. | ኣባኺ ነቦን ነደን ነዐቑ፡ ኣብ ማእከልኪ ንመጻእተኛ ገፍዑ፡ ኣባኺ ንዘኽታምን ንመበለትን ጨቈኑ። | 
| 8. | ነቲ ናተይ ቅዱስ ነገራት ነዐቕኪ፡ ንሰናብተይ ኣርከስኪ። | 
| 9. | ንምፍሳስ ደም ኣባኪ ሓመይቲ ነበሩ፡ ኣባኺ ኣብቶም ኣኽራን በልዑ፡ ኣብ ማእከልኪ ኸኣ ሕሰም ገበሩ። | 
| 10. | ኣባኺ ሓፍረት ኣቦ ገለጹ፡ ኣባኺ ሰበይቲ በቲ ጊዜ ደም መርገማ ኣዋረዱ። | 
| 11. | ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ብጻዩ ርኽሰት ገበረ፡ ሓደ ድማ ንሰበይቲ ወዱ ኣርከሰ፡ ሃደ ኻልእውን ኣባኺ ንሓብቱ ጓል ኣቦኡ ኣነወረ። | 
| 12. | ደም ምእንቲ ኼፍስሱ፡ ኣባኺ ደርሆ ተቐበሉ፡ ኣኻዕበትክን ኣሕረጥክን፡ ብዓመጽ ካብ ብጻይኪ ረባሕኪ፡ ንኣይውን ረሳዕኪ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። | 
| 13. | እንሆ እምበኣር፡ በቲ ብዘይ ቅንዕና ዝረባሕክዮን በቲ ኣብ ማእከልኪ ዝኸዖኽዮ ደምን ኢደይ ኣጣቓዕኩ። | 
| 14. | በታ ግብረይ ኣባኺ ዝገበረላ መዓልትስ ልብኺዶ ኪቐውም ወይስ ኣእዳውኪ ኺጸንዓ እየን ኣነ እግዚኣብሄር እየ እተዛረብኩ እሞ ክገብሮ እየ። | 
| 15. | ኣነ ኣብ ማእከል ህዝብታት ፋሕ ከብለኪ፡ ናብ ሃገራት ከኣ ክዘርወኪ፡ ርስሓትኪውን ካባኺ ኸጥፍኦ እየ። | 
| 16. | ብሰሪ ርእስኺ ኣብ ቅድሚ ህዝብታት ክትረኽሲ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ክትፈልጢ ኢኺ። | 
| 17. | ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡ | 
| 18. | ኣታ ወዲ ሰብ እቶም ቤት እስራኤል ሓርኢ ሓጺን ኰኑኒ፡ ኣብ ማእከል እቶን ከ ኲላቶም ኣስራዝን ቈርቈሮን ሓጺንን ዓረርን እዮም። ሓተላ ብሩር ኰኑ። | 
| 19. | ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኲላትኹም ሓርኢ ሓጺን ኢኹም እሞ፡ ስለዚ እንሆ፡ ኣብ ማእከል የሩሳሌም ክእክበኩም እየ። | 
| 20. | ከምቲ ኺመክኽ ኢሎም፡ ሓዊ ምእንቲ ኺነፍሑሉ፡ ንብፉርን ኣስራዝን ሓጺንን ዓረርን ቈርቈሮን ኣብ ማእከል እቶን ዚእክብዎ፡ ከምኡ ኸኣ ብቚጥዓይን ብነድረይን ክእክበኩምን ኣብኡ ኸእትወኩምን ከምክኸኩምን እየ። | 
| 21. | ክእክበኩም ሓዊ ነድረይ ድማ ክነፍሓልኩም እየ። ኣብ ማእከላውን ክትመኩ ኢኹም። | 
| 22. | ከምቲ ብሩር ኣብ ማእከል እቶን ዚመክኽ፡ ከምኡ ኣብ ማእከላ ኽትመኩ ኢኹም። ንስኻትኩምውን፡ ኣነ እግዚኣብሄር ነድረይ ኣብ ልዕሌኹም ከም ዘፍሰስኩ፡ ክትፈልጡ ኢኹም። | 
| 23. | ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡ | 
| 24. | ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንእኣ፡ ንስኺ ዘይጸሬኺ፡ ብመዓልቲ ዂራውን ዝናም ዘይዘነመኪ ሃገር ኢኺ፡ ኢልካ ንገራ። | 
| 25. | ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ነብያታ ተማሓሒሎም ኣለዉ፡ ከምቲ ንግዳይ ሰላሊዑ ዚጓዝም ኣንበሳ፡ ነፍሳት ወሐጡ፡ መዝገብን ክቡር ነገርን ወሰዱ፡ ኣብ ማእከላውን መበላሉ ኣብዝሑ። | 
| 26. | ካህናት ሕገይ ኣፍረሱ፡ ነቲ ናተይ ቅዱስ ነገራት ኣርከሱ፡ ነቲ ቅዱስ ካብቲ ዘይቅዱስ ኣይፈለዩን፡ ኣብ መንጎ ርኹስን ንጹህን ዘሎ ልዩነት ኣየፍለጡን፡ ካብ ሰናብተይ ኣዒንቶም ዐመቱ፡ ኣነውን ኣብ ማእከሎም ረኸስኩ። | 
| 27. | መሳፍንታ ኣብ ውሽጣ፡ ብዘይ ቅንዕና ኺረብሑስ፡ ደም እናፍሰሱ፡ ነፍሳት እናጥፍኡ፡ ከምቶም ንግዳይ ዚሰላልዑ ተዃሉ እዮም። | 
| 28. | ነብያታ፡ ከንቱነት እናረኣዩ፡ ሓሶት እናጠንቈሉሎም፡ እግዚኣብሄር ዘይተዛረበስ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እናበሉ ብዘይቀውም ጸብሪ ለቕለቑሎም። | 
| 29. | እቲ ህዝቢ እታ ሃገር ዐመጸ፡ ከተረ፡ ንሽጉርን ድኻን ገፍዔ፡ ንመጻእተኛውን ብዘይ ፍርዲ ኣጨነቐ። | 
| 30. | ኣነ ኸየጥፍኣስ፡ ነቲ ቐጽሪ ዜጣጥእ ምእንቲ እታ ሃገርውን ኣብ ቅድመይ ኣብቲ ምንቃዕ ዚቐውም፡ ኣብ ማእከሎም ሓደ ሰብኣይ ደሌኹ፡ ግናኸ ሓደ እኳ ኣይረኸብኩን። | 
| 31. | ስለዚ ኸኣ ኲራይ ኣብ ልዕሊኦም ኣፍሰስኩ፡ ብሓዊ ነድረይ ኣጥፋእክዎም፡ መገዶም ኣብ ልዕሊ ርእሶም መለስኩሎም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። | 
| ← Ezekiel (22/48) → |