Ezekiel (21/48)  

1. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡
2. ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ የሩሳሌም ኣቢልካ ምለስ፡ ቃልካ ኸኣ ናብቲ ቅዱስ ስፍራታት ኣንጠብጥብ፡ ንሃገር እስራኤል ከኣ ኣንጻር ተነበየሉ።
3. ነታ ሃገር እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገራ፡ እኔኹ ኣንጻርኪ እየ፡ ሰይፈይ ከኣ ካብ ሰንገባኡ ኽመልሖ፡ ካባኺውን ጻድቃንን ረሲኣንን ከጥፍእ እየ።
4. ንጻድቃንን ረሲኣንን ካባኺ ኸጥፍኦም እየ እሞ፡ ስለዚ ንዂሉ ስጋ ኺወቅዕ ካብ ደቡብ ክሳዕ ሰሜን ሰይፈይ ካብ ሰገባኡ ኺምላሕ እሮኡ።
5. ስጋ ዘበሉ ዂሎም ከኣ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ሰይፈይ ካብ ሰገባኡ ኸም ዝመላሕኩ፡ ኪፈልጡ እዮም፡ ኣይኪምለስን ድማ እዩ።
6. ስለዚ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ቈዝም፡ ብምስባር ሓቛቚኻ፡ ብመሪር ቃንዛ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ቈዝም።
7. ኪኸውን ከኣ እዩ፡ እንታይ ኴንካ ትቚዝም ኢሎም እንተ ሐተቱኻ፡ ንስኻ፡ በቲ ዝመጽእ ወረ ዂሉ ልቢ ኺመክኽ፡ ኲለን ኣእዳው ድማ ወለል ኪብላ፡ ኲሉ መንፈስ ከኣ ኪሕለል፡ ኲሉ ኣብራኽውን ከም ማይ ኪፈስስ እዩ፡ ኢልካ ምለሰሎም። እንሆ፡ ይመጽእ ኣሎ፡ ኪፍጸም ድማ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
8. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡
9. ኣታ ወዲ ሰብ፡ ተነበ በልውን፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ሰይፊ፡ ሰይፊ በሊሑን ተወልዊሉን ኣሎ፡ በል።
10. ምእንቲ ኺሐርድ በሊሑ፡ ምእንቲ ማሕማሕ ኪብል ተወልዊሉ። እምበኣርሲ ብእኡዶ ኽንሕጐስ ኢና በትሪ ወደይ ንዂለን ኣዕጻው ትንዕቀን ኣላ።
11. ብኢድ ምእንቲ ኺተሐዝ፡ ኪውልውል ሀቦ። እቲ ሰይፊ ናብ ኢድ ቀታሊ ምእንቲ ኺውፈ፡ ተሳሕለን ተወልወለን።
12. ኣታ ወዲ ሰብ፡ እዚ ኣብ ህዝበይን ኣብ ኲሎም መሳፍንቲ እስራኤልን ኪኸውን እዩ እሞ፡ ጨርሕ፡ ዋይዋይ ከኣ በል። ምስ ህዝበይ ንኣደዳ ሰይፊ ተዋሂቦም እዮም፡ ስለዚ ሰለፍካ ውቓዕ።
13. ምዕዛብ መጸ፡ እታ እትንዕቕ በትሪ እኳ ኻብ ዘይትህሉስ፡ እንታይ ደኣ እዩ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
14. ኣታ ወዲ ሰብ፡ ተነበ በእዳውካ ኸኣ ኣጣቕዕ። እቲ ሰይፊ ሰለስተ ጊዜ ይካዕበት፡ እቲ ሰይፊ ናይቶም ክሳዕ ሞት ዝቘሰሉ፡ እቲ ሰይፊ ናይቲ ኽሳዕ ሞት ዝቘሰለ ዓብዪ እዩ ናብ ቤቶም ዚኣቱ።
15. ልቦም ምእንቲ ኺመክኽ፡ ዕንቅፋቶም ከኣ ኪበዝሕሲ፡ ኣንፊ ሰይፊ ናብ ኲሉ ኣፍደጌታቶም ኣቢለ ኣንበርኩ። ኣየ፡ ከም በርቂ መስመስ ይብል፡ ኪሐርዱሉ ኸኣ ተሳሒሉ ኣሎ።
16. ስሕለትካ ናብ ዘበሎ ተዳሊኻ ንየማን ወይስ ንጸጋም ኪድ።
17. ኣነ ድማ ኣእዳወይ ከጣቕዕ፡ ሃና ነድረይውን ከውጽእ እየ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ ተዛሪበዮ ዘሎኹ።
18. መሊሱውን ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ
19. ኣታ ወዲ ሰብ፡ ሰይፊ ንጉስ ባቢሎን ዚሐልፈለን ክልተ መገዲ ንኣኻ ግበር፡ ክልቲኤን ካብ ሓደ ሃገር ይውጽኣ። መሓበርታ ኸኣ ግበር፡ ኣብ ርእሲ እታ ናይታ ኸተማ መገዲ ግበሮ።
20. ሰይፊ ናብ ራባት ናይ ደቂ ዓሞን፡ ናብ ይሁዳ ኸኣ ናብታ ዕርድቲ የሩሳሌም ኪመጽእስ፡ መገዲ ኽትገብር ኢኻ።
21. እቲ ንጉስ ባቢሎን ምእንቲ ኺጥንቊል፡ ኣብታ ቓራና መገዲ፡ ኣብ ርእሲ ኽልቲኤን መገዲ ደው ኢሉ ኣሎ፡ ፍላጻታት የነኒ፡ ንጣኦታት ቤቱ ይጥይቕ፡ ከብዲ ይጥምት ኣሎ።
22. ኣብኡ መፍረስ ዕርዲ ኺተክል፡ ንዘመራ ውግእ ኣፉ ኪኸፍት፡ ንሆይታ ውግእ ዓው ኢሉ ኺጭድር፡ ኣብ መንጽር ደጌታት ከኣ መፍረስ ዕርዲ ኼቕውም፡ ሓመድ ኲዒቱውን ዕርዲ ኺነድቕሲ፡ ኣብ የማነይቱ ናብ የሩሳሌም እተመልክት ዕጭ ኣላቶ።
23. ማሕላ ምሒሎም ክነሶምሲ፡ እዚ ጠንቈላ እዚ ሓሶት ኰይኑ ኺረኣዮም እዩ። ንሱ ግና፡ ምእንቲ ኺትሐዙ፡ ኣበሳኦም ኬዘክር እዩ።
24. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ገበንኩም ተቐሊዑ፡ ሓጢኣትኩም ብዂሉ ግብርኩም ብምርኣዩ፡ ኣበሳኹም ስለ ዘዘከረኩም፡ ዝኽርኹም ተዘኪሩ እዩ እሞ፡ ስለዚ ብሓያል ኢድ ክትተሐዙ ኢኹም፡ ይብል ኣሎ።
25. ኣታ በዚ ኣበሳ ዚፍጸመሉ ጊዜ መዓልትኻ ዝበጽሔ ርኹስ ረስእ መስፍን እስራኤል፡
26. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ዘውዲ ቐንጥጥ፡ ኣኽሊል ኣውጽእ። እዝስ ከምዚ ዘለዎ ዀይኑ ኣይኪነብርን እዩ። እቲ እተዋረደ ልዕል ይበል፡ እቲ ልዕል ዝበለ ኸኣ ይዋረድ።
27. ጥፍኣት፡ ጥፍኣት፡ ጥፍኣት ካባይ ኪመጻ እዩ። እቲ ኣነ ንእኡ ዝህቦ ብዓል ፍርዲ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ እዚ ኸኣ ኣይኪነግርን እዩ።
28. ንስኻ ድማ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ተነበ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዛዕባ ደቂ ዓሞንን ብዛዕባ ጸርፎምን ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገር በልውን፡ ኣብ ልዕሊ ኽሳድ እቶም በዚ ኣበሳ ዚፍጸመሉ ጊዜ መዓልቶም ዝበጽሔ ቕቱላት ረሲኣን ኼንብሩኽስ፡ ከንቱነት ኪርእዩልኪ፡ ጠንቈላ ሓሶት ከኣ ኪናገሩልኪ ኸለዉ፡ ሰይፊ፡ ሰይፊ ተመሊሑ ኣሎ። ኪሐርድን ኪጐምምን መስመስ ኪብልን ተወልዊሉ ኣሎ።
29. ንስኻ ድማ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ተነበ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዛዕባ ደቂ ዓሞንን ብዛዕባ ጸርፎምን ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገር በልውን፡ ኣብ ልዕሊ ኽሳድ እቶም በዚ ኣበሳ ዚፍጸመሉ ጊዜ መዓልቶም ዝበጽሔ ቕቱላት ረሲኣን ኼንብሩኽስ፡ ከንቱነት ኪርእዩልኪ፡ ጠንቈላ ሓሶት ከኣ ኪናገሩልኪ ኸለዉ፡ ሰይፊ፡ ሰይፊ ተመሊሑ ኣሎ። ኪሐርድን ኪጐምምን መስመስ ኪብልን ተወልዊሉ ኣሎ።
30. ናብ ሰገባኡ ኽተቶ። ኣብታ እተፈጠርካላ ቦታ፡ ኣብታ እተወለድካላ ሃገር ክፈርደካ እየ።
31. ኲራይ ኣብ ልዕሌኻ ክኽዕዎ፡ ሓዊ ነድረይ ድማ ኡፍ ክብለልካ፡ ናብ ኢድ እቶም ከም ኣራዊት ዝበሉ፡ ምጥፋእ ዝተግበሮም ሰባት ክውፍየካ እየ።
32. ብልዒ ሓዊ ኽትከውን ኢኻ፡ ደምካ ኣብ ማእከል ሃገር ኪክዖ እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ እየ እሞ፡ ዚዝክረካ የልቦን።

  Ezekiel (21/48)