Ezekiel (20/48)  

1. ኰነ ኸኣ፡ ኣብታ ሳብዐይቲ ዓመት ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ኣብቲ ሓምሳይ ወርሒ ሓያሎ ሰባት ካብ ዓበይቲ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ኪጥይቑ መጺኦም ኣብ ቅድመይ ተቐመጡ።
2. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡
3. ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነቶም ዓበይቲ እስራኤል፡ ክትሐቱኒዶ መጺእኩም ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣነ ህያው እየ፡ ብኣኻትኩም ኣይሕተትን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኢልካ ንገሮም።
4. ክትፈርደሎም ዲኻ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ክትፈርደሎም ዲኻ ጽያፍ ኣቦታቶም ኣፍልጦም።
5. በሎምውን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በታ ንእስራኤል ዝሐሬኹላ መዓልቲ፡ ሽዑ ንዘርኢ ቤት ያእቆብ ኢደይ ኣልዐልኩ፡ ኣብ ሃገር ግብጺ ድማ ተገለጽኩሎም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፡ ኢለውን ኢደይ ኣልዐልኩሎም።
6. በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ሃገር ግብጺ ኸውጽኦም፡ ናብታ ኣነ ዝሐሬኹሎም ጸባን መዓር ዚውሕዛ፡ ካብ ኲለን ሃገራት እትበልጽ ሃገር ከእትዎም፡ ኢለ ኢደይ ኣልዐልኩሎም።
7. ኣነ ኸኣ። ነፍሲ ወከፍኩም ጽያፍ ዓይኑ ይደርቢ፡ ብጣኦታት ግብጺ ድማ ኣይትርከሱ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፡ በልክዎም።
8. ንሳቶም ግና ተጻረሩኒ፡ ምስማዔይ ከኣ ኣበዪ፡ ነፍሲ ወከፎም ጽያፍ ዓይኑ ኣይደርበየን፡ ጣኦታት ግብጺውን ኣይሐደገን። ሽዑ ኣብ ማእከል ሃገር ግብጺ ሃና ዂራይ ክወጸሎምሲ፡ ነድረይ ኣብ ልዕሊኦም ክኽዑ እየ፡ በልኩ።
9. ግናኸ እዚ ዝገበርክዎስ ምእንቲ ስመይ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ማእከሎም ዝነበሩ እሞ ኣነ ንኣታቶም ካብ ሃገር ግብጺ ብምውጽኤይ ኣብ ቅድሚኦም እተፈለጥኩሎም ህዝብታት፡ ከይትሐስር ኢለ እየ ዝገበርክዎ።
10. ካብ ሃገር ግብጺ ኸኣ ኣውጻእክዎም፡ ናብ በረኻውን ኣምጻእክዎም።
11. ሕጋጋተይ ሀብክዎም፡ ነቲ፡ ሰብ እንተ ገበሮ ብህይወት ዚነብረሉ፡ ፍርደይ ከኣ ኣፍለጥክዎም።
12. ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ እቲ ዚቕድሶም ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡስ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኦምን ትእምርቲ ምእንቲ ኪዀና ኢለ፡ ሰናብተይ ሀብክዎም።
13. ግናኸ ቤት እስራኤል ኣብ በረኻ ኸድዑኒ፡ ከም ትእዛዛተይ ኣይተመላለሱን። ነቲ፡ ሰብ እንተ ገበሮ ብህይወት ዚነብረሉ፡ ፍርደይ ከኣ ኣበይዎ፡ ንሰናብተይውን ኣዝዮም ኣርከስዎ። ሽዑ ኣብቲ በረኻ ኸጥፍኦምሲ፡ ነድረይ ደኣ ክኽዕወሎም በልኩ።
14. ግናኸ ምእንቲ ስመይ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እቶም ኣብ ቅድሚኦም ዘውጻእክዎም ህዝብታት ከይትሐስር ኢለ እየ ዝገበርክዎ።
15. ልቦም ንጣኦታቶም ስለ ዝሰዐበ፡ ፍርደይ ኣብዮም ከም ሕጋጋተይ ከኣ ኣይተመላለሱን፡ ሰናብተይ ድማ ኣርኪሶም እዮም እሞ፡ ናብታ ዝሀብክዎም፡ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ካብ ኲላተን ሃገራት ከኣ እትበልጽ ሃገር ኣይከእትዎምን እየ ኢለ ኣብ በረኻ እኳ ኢደይ ኣልዐልኩሎም።
16. ልቦም ንጣኦታቶም ስለ ዝሰዐበ፡ ፍርደይ ኣብዮም ከም ሕጋጋተይ ከኣ ኣይተመላለሱን፡ ሰናብተይ ድማ ኣርኪሶም እዮም እሞ፡ ናብታ ዝሀብክዎም፡ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ካብ ኲላተን ሃገራት ከኣ እትበልጽ ሃገር ኣይከእትዎምን እየ ኢለ ኣብ በረኻ እኳ ኢደይ ኣልዐልኩሎም።
17. ግናኸ ዓይነይ ነሐፈቶም እሞ ኣየጥፋእክዎምን፡ ኣብቲ በረኻ ጠሪሰ ኣይወዳእክዎምን።
18. ኣብ በረኻ ኸኣ ንደቆም፡ ከምቲ ሕጋጋት ኣቦታትኩም ኣይትመላለሱ፡ ፍርዶም ድማ ኣይትሐልዉ፡ ብጣኦታቶምውን ኣይትርከሱ፡ በልኽዎም።
19. ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፡ ከም ሕጋጋተይ ተመላለሱ፡ ፍርደይ ከኣ ሐልዉ ግበርዎውን።
20. ንሰናብተይ ቀድሱ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምዃነይ ክትፈልጡስ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ትእምርቲ ኪዀና እየን።
21. ግናኸ እቶም ደቂ ኸድዑኒ፡ ከም ሕጋጋተይ ኣይተመላለሱን፡ ነቲ፡ ሰብ እንተ ገበሮ ብህይወት ዚነብረሉ፡ ፍርደይ ኪገብርዎ ኢሎም ኣይሐለውዎን፡ ንሰናብተይውን ኣርከሱ። ሽዑ ኣብቲ በረኻ ሃና ቚጥዓይ ክወጸሎም ነድረይውን ክኽዕወሎም እየ፡ በልኩ።
22. ኣነ ግና ኢደይ መለስኩ፡ ምእንቲ ስመይ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እቶም ኣብ ቅድሚኦም ዘውጻእክዎም ህዝብታት፡ ከይትሐስር ኢለ እየ ዝገበርክዎ።
23. ሕጋጋተይ ኣበዩ፡ ንሰናብተይ ኣርከሱ፡ ኣዒንቶም ንጣኦታት ኣቦታቶም ሰዐባ እምበር፡ ፍርደይ ኣይገበሩን እዮም እሞ፡ ኣነ ኣብ ህዝብታት ፋሕ ከብሎም፡ ናብ ሃገራት ክዘርዎም እየ ኢለ፡ ኣብቲ በረኻ እኳ ኢደይ ኣልዐልኩሎም።
24. ሕጋጋተይ ኣበዩ፡ ንሰናብተይ ኣርከሱ፡ ኣዒንቶም ንጣኦታት ኣቦታቶም ሰዐባ እምበር፡ ፍርደይ ኣይገበሩን እዮም እሞ፡ ኣነ ኣብ ህዝብታት ፋሕ ከብሎም፡ ናብ ሃገራት ክዘርዎም እየ ኢለ፡ ኣብቲ በረኻ እኳ ኢደይ ኣልዐልኩሎም።
25. ምስናይ እዚ ኣነውን ጽቡቕ ዘይኰነ ትእዛዛት፡ ብህይወት ኪነብሩሉ ዘይከኣሎም ፍርድታት ሀብክዎም።
26. ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ምእንቲ ኺፈልጡስ፡ ከባድሞም ኢለ፡ በቲ ማሕጸን ኣዲኡ ዝኸፈተ ዂሉ ብሓዊ ዘሕለፍዎ መባኦም ገይረ ኣርከስዎም።
27. ስለዚ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንቤት እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮም፡ በዚ ድማ ኣቦታትኩም ንኣይ ብምጥላሞም ጸረፉኒ።
28. ናብታ ኽህቦም እየ ኢለ ኢደይ ዘልዐልኩላ ሃገር ምስ ኣእቶኽዎም፡ ኣብኡ ንዂሉ በሪኽ ኲርባን ንዂሉ ልሙዕ ኦምን ጠመቱ፡ መስዋእቶም ድማ ኣብኡ ሰውኡ፡ ኣብኡ ኸኣ ዜዀሪ መባእ ኣቕረቡ፡ ኣብኡ ድማ ጥዑም መኣዛኦም ዐጠኑ፡ ኣብኡውን መስዋእቲ መስቲኦም ከዐዉ።
29. ኣነ ኸኣ፡ እዚ ናብኡ እትኸድዎ ዘሎኹም በሪክ እንታይ እዩ በልክዎም። በዚ ኸምዚ ስሙ ኽሳዕ ሎሚ ባማ ይሰምይዎ ኣለዉ።
30. ስለዚ ንቤት እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮም፡ ንስኻትኩም ከም መገዲ ኣቦታትኩም እናኸድኩም ረኸስኩም፡ ነቲ ፍንፋን ነገሮም እናሰዐብኩም ዘሞኹም።
31. መባእኩም ከተቕርቡ ውሉድኩም ድማ ብሓዊ ኸተሕልፉ ኸሎኹም፡ ክሳዕ ሎሚ ብዂሉ ጣኦታትኩም ትረኽሱ ኣሎኹም። ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እሞኸ ኣነዶ ብኣኻትኩም ክሕተት እየ ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ብኣኻትኩም ኣይክሕተትን እየ።
32. ንሕና፡ ከምቶም ህዝብታትን ዓሌታት ሃገራትን፡ ንዕጭን እምንን ከነምልኽ፡ ኢልኩም ኣብ ሓሳብኩም ጠብላሕ ዚብለኩም ከቶ ኣይኪኸውንን እዩ።
33. ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ብብርቱዕ ኢድን ብእተዘርግሔት ቅልጽምን ብእተኻዕወ ነድርን ርግጽ ክነግሰኩም እየ።
34. ብብርቱዕ ኢድን ብእተዘርግሔት ቅልጽምን ብእተኻዕወ ነድርን ካብቶም ህዝብታት ከውጽኣኩም፡ ካብቲ እተዘሮኹምዎ ሃገራትውን ክእክበኩም እየ።
35. ናብ በረኻ ህዝብታት ከኣ ክወስደኩም፡ ኣብኡውን ገጽ ንገጽ ናብ ፍርዲ ኽንኣቱ ኢና።
36. ከምቲ ምስ ኣቦታትኩም ኣብ በረኻ ሃገር ግብጺ እተፋረድኩ፡ ከምኡ ድማ ምሳኻትኩም ክፋራርድ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
37. ብትሕቲ በትረይ ከሕልፈኩም፡ ናብ መኣስር ኪዳን ከኣ ከእትወኩም እየ።
38. ነቶም ካባይ ዝዐለዉን ዝኸድዑን ካባኻትኩም ክፈልዮም ካብቲ ጓና ዀይኖምዎ ዘለዉ ሃገር ከኣ ከውጽኦም እየ። ግናከ ናብ ሃገር እስራኤልሲ ኣይኪኣትዉን እዮም። ንስኻትኩም ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
39. ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ምስማዕ ካብ ኣቤኹምንስ፡ ኪዱ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ንጣኦታትኩም ኣምልኹ። ድሕርዚ ግና ንቅዱስ ስመይ ብመባእኩምን ብጣኦታትኩምን ኣይከተርክስዎን ኢኹም።
40. ኣብቲ ቅዱስ ከረነይ፡ ኣብቲ በሪኽ ከረን እስራኤል፡ ቤት እስራኤል ዘበሉ ዂሎም ኣብታ ሃገር ኬምልኹኒ እዮም። ኣብኡ ተሐጒሰ ክቕበሎም እየ፡ ኣብኡውን ንመስዋእትኹምን ነቲ በዂሪ እቶም መባእኩምን ምስ ኲሉ እተቐደሰ ነገርኩም ክደልዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
41. ካብ ህዝብታት ምስ ኣውጻእኩኹም፡ ካብቲ ፋሕ ኢልኩምዎ ዝነበርኩም ሃገራት ድማ ምስ ኣከብኩኹም፡ ከም ምኡዝ ሽታ ብኣኻትኩም ባህ ክብል፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እቶም ህዝብታት ከኣ ብኣኻትኩም ክቕደስ እየ።
42. ንስኻትኩምውን፡ ናብ ሃገር እስራኤል፡ ናብቲ ነቦታትኩም ክህቦም እየ ኢለ ኢደይ ዘልዐልኩሉ ሃገር ምስ ኣእቶኹኹም፡ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
43. ኣብኡ ኸኣ ንመገድታትኩምን ነቲ ዝረኸስኩምሉ ግብርኹምን ክትዝክሩ ኢኹም፡ በቲ ዝገበርኩምዎ ዘበለ ዂሉ እከይ ድማ ነፍስኹም ኬስካሕክሕ እዩ።
44. ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ከምቲ እኩይ መገድኹምን ከምቲ ብልሽዊ ግብርኹምን ዘይኰነስ፡ ምእንቲ ስመይ ኢለ ምስ ገበርኩልኩም፡ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
45. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡
46. ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገስካ ናብ ደቡብ ኣቢልካ ምለስ፡ ናብ ደቡብ ከኣ ቃልካ ኣንጠብጥብ፡ ነቲ ኣብ ደቡብ ዘሎ ዱር መሮር ድማ ተነበየሉ።
47. ነቲ ዱር ደቡብ ከኣ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ፡ ኢልካ ንገሮ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኣባኻ ሓዊ ኽኣጒድ እየ፡ ነተን ኣባኻ ዘለዋ ዂለን ጥሉላት ኣእዋምን ንዂሉ ንቑጻት ኣእዋምን ሞዂ ኬብለን እዩ። እቲ ነዳዲ ሃልሃልታ ድማ ኣይኪጠፍእን፡ ካብ ደቡብ ክሳዕ ሰሜን ከኣ ኲሉ ገጽ ብእኡ ኺነድድ እዩ።
48. ኲሉ ስጋውን፡ እቲ ዝኣጐዶስ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ፡ ኪርኢ እዩ። ኣይኪጠፍእን እዩ።
49. ሽዑ ኣነ፡ ኣየ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንሳቶም ብዛዕባይ፡ እዝስ ምስላታት እዩ ዚምስል፡ ይብሉ ኣለዉ፡ በልኩ።

  Ezekiel (20/48)