Ezekiel (2/48)  

1. ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ብእግርኻ ደው በል እሞ ኽዛረበካ እየ፡ በለኒ።
2. ኪዛረበኒ ኸሎ ኸኣ፡ መንፈስ ኣተወኒ፡ ብእግረይ ድማ ደው ኣበለኒ፡ ነቲ ዚዛረበኒውን ሰማዕክዎ።
3. በለኒውን፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ናብ ደቂ እስራኤል፡ ናብቶም ካባይ ዝዐለዉ ዓለወኛታት ህዝብታት እልእከካ ኣሎኹ። ንሳቶምን ኣቦታቶምን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ተጻሪሮምኒ ኣለዉ።
4. ናብ እዞም ገጾም ዝተረረ፡ ልቦም ዝሐረነ ደቂ እሰደካ ኣሎኹ። ንስኻ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በሎም።
5. ንሳቶም ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፡ እንተ ሰሚዖም እንተ ኣብዮም፡ ኣብ ማእከሎም ነብዪ ኸም ዝነበረ ኺፈልጡ እዮም።
6. ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንእኦም ኣይትፍርሃዮም፡ ንቓላቶም ከኣ ኣይትፍርሃዮ፡ ምንም እኳ ምስ ኣምዔን እሾዂን እንተ ዀንካ፡ ኣብ ማእከል ዕንቅርቢታት ተቐሚጥካ ኽነስኻስ፡ ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፡ ንቓላቶም ኣይትፍርሃዮ፡ ገጾምውን ኣየሰምብድካ።
7. ዓለውቲ እዮም እሞ፡ እንተ ሰሚዖምኻ፡ እንት ኣብዮምኻ፡ ቃለይሲ ንገሮም ደኣ።
8. ንስኻ ግና ኣታ ወዲ ሰብ፡ ዝብለካ ዘሎኹ ስማዕ። ከምታ ዓላዊት ቤት ዓላዊ ኣይትኹን፡ ኣፍልካ ኽፈት፡ እዚ ዝህበካ ዘሎኹ ድማ ብልዓዮ።
9. ጠመትኩ እሞ እንሆ፡ ኢድ ናባይ ኣቢላ ተዘርጊሓ፡ እንሆውን፡ ኣብኣ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ነበረት።
10. ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድመይ ገንጸላ፡ ብውሽጣን ብግዳማን ተጽሒፍዋ ነበረ። ኣብኣ ኸኣ ድጕዓን ብኽያትን ዋይዋይታን ተጽሒፍዋ ነበረ።

  Ezekiel (2/48)