| ← Ezekiel (2/48) → | 
| 1. | ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ብእግርኻ ደው በል እሞ ኽዛረበካ እየ፡ በለኒ። | 
| 2. | ኪዛረበኒ ኸሎ ኸኣ፡ መንፈስ ኣተወኒ፡ ብእግረይ ድማ ደው ኣበለኒ፡ ነቲ ዚዛረበኒውን ሰማዕክዎ። | 
| 3. | በለኒውን፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ናብ ደቂ እስራኤል፡ ናብቶም ካባይ ዝዐለዉ ዓለወኛታት ህዝብታት እልእከካ ኣሎኹ። ንሳቶምን ኣቦታቶምን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ተጻሪሮምኒ ኣለዉ። | 
| 4. | ናብ እዞም ገጾም ዝተረረ፡ ልቦም ዝሐረነ ደቂ እሰደካ ኣሎኹ። ንስኻ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በሎም። | 
| 5. | ንሳቶም ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፡ እንተ ሰሚዖም እንተ ኣብዮም፡ ኣብ ማእከሎም ነብዪ ኸም ዝነበረ ኺፈልጡ እዮም። | 
| 6. | ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንእኦም ኣይትፍርሃዮም፡ ንቓላቶም ከኣ ኣይትፍርሃዮ፡ ምንም እኳ ምስ ኣምዔን እሾዂን እንተ ዀንካ፡ ኣብ ማእከል ዕንቅርቢታት ተቐሚጥካ ኽነስኻስ፡ ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፡ ንቓላቶም ኣይትፍርሃዮ፡ ገጾምውን ኣየሰምብድካ። | 
| 7. | ዓለውቲ እዮም እሞ፡ እንተ ሰሚዖምኻ፡ እንት ኣብዮምኻ፡ ቃለይሲ ንገሮም ደኣ። | 
| 8. | ንስኻ ግና ኣታ ወዲ ሰብ፡ ዝብለካ ዘሎኹ ስማዕ። ከምታ ዓላዊት ቤት ዓላዊ ኣይትኹን፡ ኣፍልካ ኽፈት፡ እዚ ዝህበካ ዘሎኹ ድማ ብልዓዮ። | 
| 9. | ጠመትኩ እሞ እንሆ፡ ኢድ ናባይ ኣቢላ ተዘርጊሓ፡ እንሆውን፡ ኣብኣ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ነበረት። | 
| 10. | ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድመይ ገንጸላ፡ ብውሽጣን ብግዳማን ተጽሒፍዋ ነበረ። ኣብኣ ኸኣ ድጕዓን ብኽያትን ዋይዋይታን ተጽሒፍዋ ነበረ። | 
| ← Ezekiel (2/48) → |