Ezekiel (18/48)  

1. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡
2. ስለምንታይ ኢኹም ኣብ ሃገር እስራኤል እዚ ምስላ እዚ፡ ኣቦታት መጺጽ ዘቢብ በልዑ እሞ ነስናን እቶም ውሉድ ኰኸወ፡ ኢልኩም እትምስሉ
3. ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። እዚ ምስላ እዝስ ድሕርዚ ኣብ እስራኤል ኣይክትምስልዎን ኢኹም።
4. እንሆ፡ ኲለን ነፍሳት ናተይ እየን፡ ከምታ ነፍሲ እቲ ወላዲ ኸምኡውን ነፍሲ እቲ ውሉድ ናተይ እያ። እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ንሳ ኽትመውት እያ።
5. ጻድቕ ሰብ እንተሎ፡ ቅንዕናን ጽድቅን ከኣ እንተ ገበረ፡
6. ኣብ ኣኽራን እንተ ዘይበልዔ፡ ኣዒንቱ ድማ ናብቶም ጣኦታት ቤት እስራኤል ቊሊሕ እንተ ዘይበላ፡ ሰበይቲ ብጻዩ እንተ ዘየራኸሰ፡ ኣብ ሰበይቲ ኸኣ ብጻግኒኣ እንተ ዘይቀረበ፡
7. ንሓደ እኳ እንተ ዘይገፍዔ፡ ንብዓል ዕዳ ታሕዚ እንተ መለሰሉ፡ ንሓደ እኳ እንተ ዘይዐመጸ፡ እንጌራኡ ንጥሙይ እንተ ሀበ፡ ንዕሩቕ ከኣ ክዳን እንተ ኸደነ፡
8. እንተ ዘየኻዕበተን እንተ ዘየሕረጠን፡ ኢዱ ኻብ ዓመጽ እንተ ኸልከለ፡ ኣብ መንጎ ሰባት ከኣ ቅንዕና እንተ ፈረደ፡
9. ብሕጋጋተይ እንተ ተመላለሰ፡ ጽድቂ እናገበረ ፍርደይ እንተ ሐለወ፡ ንሱ ጻድቕ እዩ፡ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
10. ግናኸ ንሱ ዓማጺ፡ ከዓው ደም፡ ካብዚ ነገረ እዚ ኸኣ ሓደ ግዛዕ ዚገብር ውሉድ እንተ ወለደ፡
11. እዚ ዂሉ ዘይገብር፡ ኣብ ኣኽራን ዚበልዕ፡ ሰበይቲ ብጻዩ ዜርክስ፡
12. ንነዳይን ንድኻን ዚገፍዕ፡ መንዚዑ ዝወስድ፡ ታሕዚ ዘይመልስ፡ ኣዒንቱ ናብ ጣኦታት ዝቘላሕታኤን፡ ፍንፋን ነገር ዚገብር፡
13. ዜኻዕብትን ዜሕርጥንሲ፡ ንሱዶ ብህይወት ኪነብር እዩ ያእ፡ ንሱ ኣይኪነብርን እዩ። እዚ ዂሉ ፍንፋን ነገር እዚ ገይሩ እዩ እሞ፡ ሞት ኪመውት ደሙ ኸኣ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ።
14. እንሆ ኸኣ፡ ንሱ ውሉድ እንተ ወለደ፡ እሞ ኣቦኡ ዝገበሮ ዂሉ ሓጢኣት ዚርእን ዚፈርህን ከምኡ ዝበለውን ዘይገብር፡
15. ኣብ ኣኽራን ዘይበልዕ፡ ኣዒንቱ ድማ ናብ ጣኦታት ቤት እስራኤል ቊሊሕ ዘየብል፡ ሰበይቲ ብጻዩ ዘየርክስ፡
16. ንሓደ እኳ ዘይገፍዕ፡ ታሕዚ ዘይሕዝ፡ መንዚዑ ዘይወስድ፡ እንጌራኡ ንጥሙይ ዜብልዕ፡ ንዕሩቕውን ክዳን ዚኸድን፡
17. ንድኻ ኸይገፍዕ ኢዱ ዚመልስ፡ ሓረጣን ካዕበትን ዘይወስድ፡ ፍርደይ ዚገብር፡ ብሕገይ ዚመላለስ፡ ንሱ ብህይወት ኪነብር እዩ እምበር፡ ብሰሪ ኣበሳ ኣቦኡ ኣይኪመውትን እዩ።
18. ኣቦኡ ዓመጸኛ ስለ ዝነበረ፡ ንሓዉ መንዚዑ ስለ ዝጐድኤ፡ ኣብ ማእከል ህዝቡ ኸኣ ሰናይ ዘይኰነ ስለ ዝገበረ፡ እንሆ፡ ብኣበሳኡ ኺመውት እዩ።
19. ንስኻትኩምሲ፡ ስለምንታይ እዩ እቲ ወድስ ኣበሳ ኣቦኡ ዘይጸውር ትብሉ ኣሎኹም። እቲ ወዲ፡ ቅንዕናን ጽድቅን ገይሩ ንዂሉ ሕጋጋተይ ሐልይዎን ገይርዎን እዩ እሞ፡ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር እዩ።
20. እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ እያ እትመውት። ውሉድ ኣበሳ ወላዲኡ ኣይኪጸውርን፡ ወላዲውን ኣበሳ ውሉዱ ኣይኪጸውርን እዩ። ጽድቂ እቲ ጻድቕ ኣብ ርእሱ ኪኸውን፡ ረሲእነት እቲ ረስእ ድማ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ።
21. ግናኸ እቲ ረሲእ ካብቲ ዝገበሮ ዂሉ ሓጢኣቱ እንተ ተመልሰ፡ ኲሉ ሕጋጋተይ ከኣ እንተ ሐለወ፡ ቅንዕናን ጽድቅን ድማ እንተ ገበረ፡ ንሱ ብርግጽ ብህይወት ኪነብር፡ ኣይኪመውትን ከኣ እዩ።
22. ካብቲ ዝገሀሶ ምግሃስሲ ሓንቲ እኳ ኣይክትዝከረሉን፡ በቲ ዝገበሮ ጽድቂ ብህይወት ኪነብር እዩ።
23. ንሞት ረሲእዶ እፈቱ እየ ፍታወይሲ ኻብ መግዱ ኺምለስ፡ ብህይወት ከኣ ኪነብርዶ ግዳ ኣይኰነን ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
24. እቲ ጻድቕከ ኻብ ጽድቁ እንተ ተመልሰ፡ እንተ ኣበሰ እሞ ከምቲ ረሲእ ዚገብሮ ዂሉ ፍንፋን ነገር እንተ ገበረስ፡ ብህይወትዶ ኺነብር እዩ ካብቲ ዝገበሮ ጽድቂ ሓንቲ እኳ ኣይክትዝከርን እያ። በቲ ዝጠለሞ ጥልመትን በቲ ዝገበሮ ሓጢኣትን ኪመውት እዩ።
25. ንስኻትኩም ግና፡ መገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይኰነን፡ ትብሉ ኣሎኹም። እምበኣርሲ፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ስምዑ፡ ካንዶ መገደይ እዩ ዘይቅኑጵ ዘይቅኑዕሲ መገድታትኩምዶ ግዳ ኣይኰነን
26. ጻድቕ ካብ ጽድቁ እንተ ተመልሰ እሞ፡ እንተ ኣበሰ ብእኡ ኸኣ እንተ ሞተ፡ ብሰሪ እቲ ዝገበሮ ኣበሳኡ እዩ ዝመውት።
27. ግናኸ እቲ ረሲእ ካብቲ ዝገበሮ ረሲእነቱ እንተ ተመልሰ፡ ቅንዕናን ጽድቅን ከኣ እንተ ገበረ፡ ንሱ ንነፍሱ ብህይወት ኬንብራ እዩ።
28. ካብ ኲሉ እቲ ዝገበሮ ግህሰቱ ኣስተንቲኑ ስለ እተመልሰ፡ ንሱ ርግጽ ብህይወት ኪነብር፡ ኣይኪመውትን እዩ።
29. ግናኸ ቤት እስራኤልሲ፡ መገዲ እግዚኣብሄር ኣይቅኑዕን እዩ፡ ይብሉ ኣለዉ። ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ካንዶ መገድታተይ እዩ ዘይቅኑዕ ዘይቅኑዕሲ መገድታትኩምዶ ግዳ ኣይኰነን
30. ስለዚ፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም መገድኹም ክፈርደኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ተመለሱ፡ ኣበሳኹም መዓንቀፊ ኸይኰነኩምሲ፡ ካብ ኲሉ ግህሰትኩም ተመለሱ።
31. ነቲ ዝገሀስኩምዎ ግህሰት ካባኹም ደርብዩ፡ ሓድሽ ልብን ሓድሽ መንፈስን ድማ ግበሩ። ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ስለምንታይ እትሞቱ
32. ኣነስ ሞት ሓደ እኳ ኣይፈቱን እየ እሞ፡ ተመለሱ ብህይወት ከኣ ንበሩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

  Ezekiel (18/48)