Ezekiel (17/48)  

1. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ፡
2. ኣታ ወዲ ሰብ። ንቤት እስራኤል ሕንቅሕንቅሊቶይ ንገሮም፡ ምስላውን መስለሎም።
3. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካውን ተዛረብ፡ ገዚፍ ዘኽናፉ፡ ነዊሕ ዝመንገብገቡ፡ ዓንጥዓንጦራይ ክንቲት ዝመልኦ ዓብዪ ንስሪ ኣብ ሊባኖስ መጸ እሞ ርእሲ ጨንፈር እታ ኦም ጽሕዲ ወሰደ።
4. ነቲ ርእሲ ጨንፈራ ሰልዖ፡ ናብ ሃገር ነግዲ ወሰዶ፡ ኣብ ከተማ ነጋዶ ኸኣ ኣንበሮ።
5. ካብታ ሃገር ድማ ጫለዳ ወሰደ፡ ኣብ ፍርያም ግራት ከኣ ተኸላ፡ ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማይ ድማ ከም ዕቦል ገይሩ ስፍራ ኣትሐዛ።
6. ንሳ ዐበየት፡ ጨናፍራ ናብኡ ዘበለ፡ ሱራ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ሰፊሕ ዝሓረጋ፡ ሓጺር ዝጒንዳ ኦም ወይኒ ዀነት። በዚ ኸምዚ ጨንፈር እትጭንፍርን፡ ጠጥዒ እትጥጥዕን ኦም ወይኒ ዀነት።
7. ገዚፍ ዝኽንፉ፡ ብዙሕ ዝኽንቲቱ ኻልእ ዓብዪ ንስሪ ነበረ። እንሃ ኸኣ፡ እዛ ኦም ወይኒ እዚኣ፡ ንሱ ማይ ኬስትያ ኢላ፡ ካብቲ እተተኽለቶ ቦታ ናብኡ ኣቢላ ሱር ዘርግሔት፡ ሓረጋ ድማ ናብኡ ኣቢላ ኣውፈረት።
8. ጨናፍር ምእንቲ ኸተውጽእ፡ ፍረ ኸተፍሪ፡ ክብርቲ ኦም ወይኒውን ክትከውንሲ፡ ኣብ ጽቡቕ ግራት ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማይ ተተኺላ ነበረት።
9. በል ድማ፡ ክትልምዕዶ እያ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ምእንቲ ኽትነቅጽሲ ሱራዶ ኣይኪምንቈስን፡ ፍሪኣኸ ኣይኪቚረጽን እዩ እቲ ኻብኣ ዝጨብጨበ ዂሉ ቘጽልስ ኣይኪነቅጽን ድዩ ሱራ ንምምንቋስ ሓያል ቅልጽምን ብዙሕ ህዝብን ኣየድልን እዩ።
10. እንሆ፡ ምትካልሲ ተተኺላ ኣላ፡ ክትልምዕዶ እሞ እያ ንፋስ ምብራቕ ምስ ተንከያስ፡ ሓሸውሸው ኢላዶ ኣይክትነቅጽን እያ ኣብታ ዝበቘለትላ ቦታ ኽትነቅጽ እያ።
11. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡
12. እምበኣርሲ ነቲ ተጻራሪ ቤት፡ እዚ እንታይ ማለት ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም በሎም። ንገሮም ከኣ፡ እንሆ፡ እቲ ንጉስ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም መጸ፡ ንንጉሳን መሳፍንታን ሒዙ ናብኡ ናብ ባቢሎን ማረኾም።
13. እታ መንግስቲ ኽትሐምቕ እሞ ከይትትንስእ፡ ብምሕላው ኪዳና ኸኣ ምእንቲ ኽትቀውምሲ፡ ካብ ዘርኢ ቤት መንግስቲ ወሲዱ ምስኡ ኺዳን ኣተወ ማሕላ ድማ ኣምሐሎ። ነቶም ኣውራታት እታ ሃገርውን ምስኡ ወሰዶም።
14. እታ መንግስቲ ኽትሐምቕ እሞ ከይትትንስእ፡ ብምሕላው ኪዳና ኸኣ ምእንቲ ኽትቀውምሲ፡ ካብ ዘርኢ ቤት መንግስቲ ወሲዱ ምስኡ ኺዳን ኣተወ ማሕላ ድማ ኣምሐሎ። ነቶም ኣውራታት እታ ሃገርውን ምስኡ ወሰዶም።
15. ግናኸ ንሱ ኻብኡ ዐለወ፡ ኣፍራስን ብዙሕ ህዝብን ኪህብዎ ልኡኻቱ ናብ ግብጺ ሰደደ። ኪሰልጦዶ እሞ እዩ ከምዚ ዝበለ ዚገብርሲ ኼምልጥዶ እዩ ጠላም ኪዳንከ የምልጥዶ እዩ
16. ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣብታ እቲ ንእኡ ዘንገሶ ዚነብረላ ዘሎ ቦታ፡ ናይቲ ማሕላኡ ዝጠለመሉ፡ ኪዳን ዘፍረሰሉ ንጉስ፡ ምስኡ ዀይኑ፡ ኣብ ማእከል ባቢሎን ኣብኣ ኺመውት እዩ።
17. ብዙሕ ሰብ ኪቐትሉ ኢሎም ዕርዲ ኺዐርዱን ግምቢ ኺሰርሑን ከለዉ፡ ፈርኦን ከኣ ምስቲ ብርቱዕ ሰራዊቱን ብዙሕ ህዝብን ኰይኑ ኣብ ውግእ ኣይኪረድኦን እዩ።
18. ነቲ ኺዳን ብምፍራሱ ማሕላ ንዒቑ፡ ኢድ ጠቒዑስ እዚ ዂሉ ገይሩ እዩ እሞ፡ ኣይኬምልጥን እዩ።
19. ስለዚ፡ ኣነ ህያው እየ፡ እቲ ዝነዐቖ ማሕላይን እቲ ዘፍረሶ ኺዳነይን ብርግጽ ናብ ርእሱ ኸውርደሉ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
20. መርበበይ ክዝርግሓሉ እየ፡ ብመፈንጠራይ ከኣ ኪተሐዝ እዩ፡ ናብ ባቢሎን ድማ ክወስዶ፡ ኣብኡውን በቲ ንኣይ ዝዐመጽሉ ዓመጻ ምስኡ ናብ ፍርዲ ኽኣቱ እየ።
21. ኲሎም ህዱማቱ ምስ ኲሎም ጭፍራኡ ብሰይፊ ኺወድቁ፡ እቶም ዝተረፉ ኸኣ ኣብ ኲሉ ንፋሳት ኪዝረዉ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ከም እተዛረብኩ ድማ ክትፈልጡ ኢኹም።
22. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነ ኸኣ ካብ ርእሲ እቲ ነዊሕ ጽሕዲ ወሲደ ኸንብሮ እየ። ካብቲ ላዕላይ ጠጥዒ ሓንቲ ለውለው እትብል ሰሊዔ፡ ኣብ ክብ ዝበለ በሪኽ ከረን ክተኽላ እየ።
23. ኣብቲ በሪኽ ከረን እስራኤል ክተኽላ እየ። ክትጭንፍርን ክትፈርን፡ ግሩም ዝዀነት ጽሕዲውን ክትከውን እያ። ኲለን ኣዕዋፍን ክንፊ ዘለወን ዘበላን ኣብ ትሕቲኣ ኺነብራ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ጨናፍራ ኺነብራ እየን።
24. ኲለን ኣእዋም መሮር ከኣ ነታ ነዋሕ ኦም ለጠቕ ዝበለት ኦም ከኣ ክብ ዘበልኩ፡ ነታ ልምዕቲ ኦም ዘንቀጽኩ፡ ነታ ንቕጽቲ ኦም ከኣ ዘጠጣዕኩ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ ኺፈልጣ እየን። ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣሎኹ፡ ክገብሮ ድማ እየ።

  Ezekiel (17/48)