Ezekiel (16/48)  

1. ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ በለኒውን፡
2. ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንየሩሳሌም ጽያፋ ኣፍልጣ፡
3. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንየሩሳሌም ከምዚ ይብላ ኣሎ፡ ኢልካውን በላ። ሱርክን ወለዶኽን ካብ ሃገር ከንኣናውያን እዩ፡ ኣቦኺ ኣሞራዊ እዩ፡ ኣዴኺ ኸኣ ሔታዊት እያ።
4. ብናይ ምውላድክስ፡ በታ እተወለድክላ መዓልቲ እትቢ ሕምብርትኺ ኣይተኣትበን፡ ምእንቲ ኽትጸርይስ ብማይ ኣይተሐጸበክን፡ ብጨው ኣይተቐባእክን፡ ኣይተጠቕለልክንውን።
5. በታ እተወለድክላ መዓልትስ ነፍስኺ ስለ እተናዕቀ፡ ኣብቲ ጋህ ዝበለ መሮር ድኣ ተደርቤኺ። ሓደ ግዛዕ ካብዚ ኺገብረልኪ ኢሉ ራሕሪሑ ብለውሃት ቊሊሕ ዝበለኪ ዓይኒ የልቦን።
6. ብኣኺ ሐለፍኩ፡ ኣብ ደምኪ ጠንቀላዕላዕ ክትብሊ ኸሎኺ ኸኣ ርኤኹኺ እሞ፡ ኣቲ ኣብ ደምኪ ዘሎኺ፡ ብህይወት ንበሪ፡ በልኩኺ። እወ፡ ኣብ ደምኪ ዘሎኺ ብህይወት ንበሪ፡ በልኩኺ።
7. ከም ብቚሊ ግርሁ ኣእላፋት ገይረ ኣብዛሕኩኺ። ንስኺ ድማ ዘለግ በልኪ፡ ዓቤኺ፡ ኣዚኺ ኸኣ መልካዕሊ፡ ኣጥባት ገበርኪ፡ ጸጒርኺውን በቘለ፡ ግናኸ ንስኽስ ጥራይክን ዕርቕትን ነበርኪ።
8. ብኣኺ ሐሊፈ ርኤኹኺ፡ እንሆ ኸኣ፡ ጊዜኺ፡ እቲ ጊዜ ፍትወት ነበረ። ዘፈር ክዳነይ ኣብ ልዕሌኺ ዘርጊሔ፡ ዕርቃንኪ ኸወልኩ። መሐልኩልኪ፡ ኪዳን ኣቶኹልኪ፡ ናተይውን ኰንኪ፡ ይብል እግዚኣብሄ ኣምላኽ።
9. ብማይ ሐጸብኩኺ፡ ካብ ደምኪ ኣጽሬኹኺ፡ ብዘይቲ ድማ ቀባእኩኺ።
10. ብወርቀዘቦ እተጠልፈ ኸደንኩኺ፡ ብቘርበት የባራረብ ሳእኒ ቐጻዕኩልኪ፡ ብሻሽ ኣዕጠቕኩኺ፡ ብሃሪውን ከደንኩኺ።
11. ብስልማት ሰለምኩኺ፡ ኣብ ቀላጽምኪ ኣምባር፡ ኣብ ክሳድኪ ኸኣ ሕንጥልጥል ኣሰርኩልኪ።
12. ቀለቤት ኣብ ኣፍንጫኺ፡ ኲትወ ኣብ ኣእዛንኪ፡ ዘውዲ ግርማ ድማ ኣብ ርእስኺ ገበርኩልኪ።
13. በዚ ኸምዚ ብወርቅን ብሩርን ተሰለምኪ፡ ሻሽን ሃርን መርግፍን ተወንዘፍኪ፡ ኲእኩእ ስርናይን መዓርን ዘይትን በላዕኪ። ኣዚኺ መልካዕኪ፡ ክሳዕ ንግስቲ ምዃን ከኣ በጻሕኪ።
14. በቲ ኣነ ዝሰለምኩኺ ግርማ እቲ መልክዕኪ ፍጹም ኰይኑ እዩ እሞ፡ ብምኽንያቱ ወሬኺ ኣብ ማእከል ህዝብታት ወጸ፡ ይብል እግዚኣህቤር ኣምላኽ።
15. ንስኺ ግና ብመልክዕኪ ተኣመንኪ፡ ስለ ናእዳ ስምኪ ኢልኪ ኣመንዘርኪ፡ ንማን ሓላፍ መገዲ ንእኡ ኽትኰኒ፡ ምንዝርናኺ ኣቕረብክሉ።
16. ካብ ክዳውንትኺ ወሲድኪ፡ ውሩዕ በረኽቲ ስፍራ ሰራሕኪ እሞ ኣብኡ ኣመንዘርኪ። ከምዚ ዝበለስ ኣይተገብረን ኣይኪግበርን ከኣ እዩ።
17. እቲ ኣነ ዝሀብኩኺ ጽቡቕ ስልማትኪ ወርቀይን ብሩረይን ኣልዐልኪ፡ ምስልታት ሰብኣይ ንኣኺ ገበርኪ፡ ምሳታቶም ድማ ኣመንዘርኪ።
18. ክዳን ወርቀ ዞቦኺ ኣልዒልኪ ከደንክዮም፡ ዘይተይን ዕጣነይን ከኣ ኣብ ቅድሚኦም ኣቕረብኪ።
19. ነቲ ኣነ ዝሀብኩኺ እንጌራይ፡ እቲ ብእኡ ዝምግበኪ ዝነበርኩ ዂእኩእ ሓርጭ ስራናይን ዘይትን መዓርን ንመኣዛ ሽታ ኣብ ቅድሚኦም ቀረብክዮ። እዚ ተገይሩ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
20. ነቶም ንኣይ ዝወለድክዮም ኣወዳትክን ኣዋልድክን ካ ምእንቲ ኺውሕጥዎም፡ ኣልዒልኪ ሰዊእክዮም። ንደቀይ ሐሪድኪ፡ ብሓዊ ኣሕሊፍኪ ዝወፌኽዮምሲ፡ እዚ ምንዝርናኺዶ ውሒዱኪ እዩ
21. ነቶም ንኣይ ዝወለድክዮም ኣወዳትክን ኣዋልድክን ካ ምእንቲ ኺውሕጥዎም፡ ኣልዒልኪ ሰዊእክዮም። ንደቀይ ሐሪድኪ፡ ብሓዊ ኣሕሊፍኪ ዝወፌኽዮምሲ፡ እዚ ምንዝርናኺዶ ውሒዱኪ እዩ
22. ኣብ ኲሉ ጽያፍክን ምንዝርናኽን ከሎኺ፡ ነቲ ጥራይክን ዕርቕትን ኴንኪ ኣብ ደምኪ ጠንቀላዕላዕ እትብልሉ ዝነበርኪ ዘመን ንእስነትኪ ኣይዘከርክን።
23. ድሕሪ ዂሉ እዚ ኽፍኣትኪ፡ ወይለኺ፡ ወይለኺ፡ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡
24. ንስኺ ልዕል ዝበለ ስፍራ፡ ብዂሉ መተሓላለፍ መገዲውን በሪኽ ስፍራ ሰራሕኪ።
25. ኣብ ኲሉ ወሰን መገዲ ኽብ ዝበለ ስፍራ ገበርኪ፡ ንመልክዕኪ ኣፈንፈንክዮ፡ ንዂሉ ሓላፍ መገዲ ድማ ኣእጋርኪ ኣርኤኺ፡ ምንዝርናኺውን ኣብዛሕኪ።
26. ምስቶም ስጋኦም ዝገዚፍ ጐረባብትኺ ግብጻውያን ዘሞኺ፡ ኲራይ ንምልዕዓል ከኣ ዝሙትኪ ኣብዛሕኪ።
27. ስለዚ እንሆ፡ ኢደይ ኣብ ልዕሌኺ ዘርጋሕኩ፡ ንመግብኺ ኸኣ ኣጒደልክዎ፡ ንፍቓድ እተን ዚጸልኣኺ፡ በቲ ርኹስ መገድኺ ዚሐፍራ ዘለዋ ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ወፌኹኺ።
28. ኣይጸገብክን እሞ፡ ምስ ደቂ ኣሶራውያን ዘሞኺ። ምሳታቶም ድማ ዘሞኺ፡ ኣይጸገብክን ከኣ።
29. ምስናይ እዚ ኸኣ ዝሙትኪ ናብ ምድሪ ኸንኣን ክሳዕ ምድሪ ከለዳውያን ኣብዛሕኪ፡ ግናኸ በዚውን ኣይጸገብክን።
30. ኲሉ እዚ ግብሪ እታ ዘይትሐፍር ኣመንዝራ እትገብሪ ኣብ ኲሉ ወሰን መገድታት ልዕል ዝበለ ስፍራ፡ ኣብ መተሓላለፊ መገዲውን በሪኽ ስፍራ እትሰርሒ፡ ዋጋ ስለ ዝነዐቕኪ ኸም ካልኦት ኣመናዝር ኣይነበርክን፡ ከመይ ዝበለ ብልሽዊ ዀን እዩ እቲ ልብኺ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
31. ኲሉ እዚ ግብሪ እታ ዘይትሐፍር ኣመንዝራ እትገብሪ ኣብ ኲሉ ወሰን መገድታት ልዕል ዝበለ ስፍራ፡ ኣብ መተሓላለፊ መገዲውን በሪኽ ስፍራ እትሰርሒ፡ ዋጋ ስለ ዝነዐቕኪ ኸም ካልኦት ኣመናዝር ኣይነበርክን፡ ከመይ ዝበለ ብልሽዊ ዀን እዩ እቲ ልብኺ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
32. ኣብ ክንዲ ሰብኣያ ጓኖት እትፈቱ ዘማዊት ሰበይቲ ዀንኪ።
33. ንዂለን ኣመናዝር ህያባት ይወሀበን፡ ንስኺ ግና ንዂሎም ፈተውትኺ ህያባት ሀብክዮም። ካብ ኲሉ ወገን መጺኦም ምሳኺ ኺዝምዉ ብህያብ ሐባበልክዮም።
34. ንምምንዛር ዚስዕበኪ ዜብልክስ፡ በቲ ምምንዛርኪ ኻልኦት ኣንስቲ ዘይገበራኦ ገበርኪ። ንስኺ ኣብ ክንዲ ናይ ምንዝርናኺ ህያብ ምቕባልሲ፡ ምእንቲ ኸተመንስሪ ህያብ ሀብኪ፡ ካልኦት ዘይገበራኦ ገበርኪ።
35. ስለዚ፡ ኣቲ ዘማዊት፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዒ፡
36. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብምንዝርናኺ ምስ ፈተውትኺ ርኽሰትኪ ስለ እተኻዕወ፡ ነውርኺ ኸኣ ስለ እተቐልዔ፡ ብሰሪ ዂሎም እቶም ፍንፋናት ጣኦታትክን፡ ብሰሪ እቶም ንኣታቶም ዝወፌኽዮም ደቅኽን፡
37. ስለዚ እንሆ፡ ንዂሎም እቶም ባህ ዘበሉኺ ፈተውትኽን፡ ንዂሎም እቶም ዝፈቶኽዮምን ንዂሎም እቶም ዝጸላእክዮምን ክእክቦም እየ። ካብ ኲሉ ወገን ንምጽራርኪ ኽእክቦም እየ፡ ኲሉ ዕርቃንኪ ምእንቲ ኺርእዩ፡ ንዕርቃንኪ ኣብ ቅድሚኦም ክቐልዖ እየ።
38. ኣነውን ከምቲ ዘመውትን መፍሰስቲ ደምን እተፈርዳሉ ገይረ ኽፈርደኪ፡ ናይ ነድርን ናይ ቅንኣትን ደም ከውርደልኪ እየ።
39. ኣብ ኢዶም ኣሕሊፈ ኽህበኪ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ነቲ ልዕል ዝበለ ስፍራኺ ኼፍርሱ፡ በረኽቲ ስፍራኺ ድማ ኪፍንጥሱ፡ ክዳውንትኺ ኺገፉ፡ ጽቡቕ ስልማትኪ ኪቕንጥጡ፡ ጥራይክን ዕርቕትን ገይሮም ኪሐድጉኺ እዮም።
40. ብዘይ ሰብ ናብኺ ኼውጽኡ እዮም፡ ንሳቶም ከኣ ብዳርባ እምኒ ኪቐትሉኺ፡ ብሰይፎም ድማ ኪቘራርጹኺ እዮም።
41. ነባይትኺ ብሓዊ ኼንድዱ፡ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ኣንስቲ ኸኣ ኪፈርዱኺ እዮም፡ ኣነውን ምንዝርናኺ ኸሕድገኪ እየ፡ መሊስኪ ድማ ዋጋ ኣይክትህብን ኢኺ።
42. በዚ ኸምዚ ሃና ነድረይ ክወጸልኪ፡ ቅንኣተይ ከኣ ኪርሕቀልኪ እዩ፡ ክሀድእ ብድሕርዚውን ኣይክዂርን እየ።
43. ዘመን ንእስነትኪ ኣይዘክርክን፡ ብዂሉ እዚ ነገር እዚ ኸኣ ኣዀሪኽኒ ኢኺ እሞ፡ እንሆ፡ ኣነውን፡ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ጽያፍኪ እዚ ነውሪ እዚ ኸይትውስኽስ፡ መገድኺ ኣብ ርእስኺ ኽመልሶ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
44. እንሆ፡ እቶም ዚምስሉ ዂላቶም፡ ከምታ ኣደ ኸምኡውን እታ ጓላ፡ ኢሎም ብኣኺ ኺምስሉ እዮም።
45. ንስኺ ጓል እታ ንሰብኣያን ደቃን ዝጸልኤት ኣዴኺ ኢኺ። ንስኺ ሓብቲ እተን ንሰብኡተንን ደቀንን ዝጸልኣ ኣሓትኪ ኢኺ። ኣዴኺ ሔታዊት፡ ኣቦኺ ኸኣ ኣሞራዊ ነበረ።
46. እታ ምስ ኣዋልዳ ኣብ ጸጋምኪ ዘላ ዓባይ ሓብትኺ ሰማርያ እያ፡ እታ ምስ ኣዋልዳ ኣብ የማንኪ ዘላ ንእሽቶ ሓብትኺ ኸኣ ሶዶም እያ።
47. ንስኺ ግና ብመገደን ኣይከድክን፡ ከምቲ ፍንፋን ነገረን ከኣ ኣይገበርክን። እዚ ቐሊሉክስ፡ ብዂሉ መገድኺ ደኣ ኻብኤን ገደድኪ።
48. ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ሶዶም ሓብትኺ፡ ንሳን ኣዋልዳን፡ ከምቲ ንስኽን ደቅኽን ዝገበርክናኦ ኣይገበራን።
49. እንሆ፡ እቲ ኣበሳ ሶዶም ሓብትኺ እዚ ነበረ፡ ትዕቢትን ጽጋብ እንጌራን ትህኪትን ኣብኣን ኣብ ኣዋልዳን ነበረ፡ ግናኸ ኢድ እቲ ጭኑቕን ድኻን ኣይደገፈትን።
50. ዕቡያት ነበራ፡ ኣብ ቅድመይ ከኣ ፍንፋን ነገር ገበራ፡ እዚ ምስ ርኤኹ ድማ ኣጥፋእክወን።
51. ሰማርያስ ፍርቂ ሓጢኣትኪ እኳ ኣይገበረትን። ንስኺ ግና ጽያፍኪ ኻብኤን ኣብዛሕኪ፡ ብዂሉ እቲ ዝገበርክዮ ጽያፍኪውን ነሓትኪ ኣጽደቕክየን።
52. ንስኺ ኸኣ ነቲ ነሓትኪ ዝፈረድክሉ ነውሪ ተሰከሚ። በቲ ኻብኤን ዚረክስ ዝገበርክዮ ሓጢኣትኪ ንሳተን ካባኺ ይጸድቃ። ነሓትኪ ኣጽዲቕክየን ኢኺ እሞ፡ ሕፈሪ ነውርኺውን ጹሪ።
53. ነውርኺ ኽትጾሪ፡ በቲ ዝገበርክዮ ዂሉ ኸኣ ክትሐፍሪ፡ በዚ ኸምዚ ድማ ከተጸናንዕየንሲ፡ ምርኮኤን፡ ምርኮ ሶዶምን ኣዋልዳን፡ ምርኮ ሰምርያን ኣዋልዳን፡ ምርኮ እቶም ኣብ ማእከለን ዘለዉ ምሩኻትኪ ኽመልስ እየ።
54. ነውርኺ ኽትጾሪ፡ በቲ ዝገበርክዮ ዂሉ ኸኣ ክትሐፍሪ፡ በዚ ኸምዚ ድማ ከተጸናንዕየንሲ፡ ምርኮኤን፡ ምርኮ ሶዶምን ኣዋልዳን፡ ምርኮ ሰምርያን ኣዋልዳን፡ ምርኮ እቶም ኣብ ማእከለን ዘለዉ ምሩኻትኪ ኽመልስ እየ።
55. ኣሓትኪ ሶዶምን ኣዋልዳን ናብቲ ናይ ቀደም ሃለዋተን ኪምለሳ እየን፡ ሰማርያን ኣዋልዳን ናብቲ ናይ ቀደም ሃለዋተን ኪምለሳ እየን፡ ንስኽን ኣዋልድክን ድማ ናብቲ ቀደም ሃለዋትክን ክትምለሳ ኢኽን።
56. ከምቲ በዋልድ ሶርያን ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ዂሎምን፡ በተን ኣብ ኲሉ ወገን ዜነውራኺ ዝነበራ ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያንን እተጸረፍክሉ ጊዜ፡ ክፍኣትኪ ኸይተቐልዔ ኸሎ፡ በቲ መዓልቲ ዂርዓትኪ እታ ሓብትኺ ሶዶም ብኣፍኪ እኳ ኣይተረቚሔትን።
57. ከምቲ በዋልድ ሶርያን ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ዂሎምን፡ በተን ኣብ ኲሉ ወገን ዜነውራኺ ዝነበራ ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያንን እተጸረፍክሉ ጊዜ፡ ክፍኣትኪ ኸይተቐልዔ ኸሎ፡ በቲ መዓልቲ ዂርዓትኪ እታ ሓብትኺ ሶዶም ብኣፍኪ እኳ ኣይተረቚሔትን።
58. እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ፡ ኪዳን ብምፍራስኪ ማሕላ ዝነዐቕኪ ኢኺ፡ ኣነውን ከምቲ ዝገበርክዮ ኽገብረኪ እየ፡ ይብል ኣሎ እሞ፡ ምንዝርናኽን ጽያፍክን ትጾሩ ኣሎኺ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
59. እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ፡ ኪዳን ብምፍራስኪ ማሕላ ዝነዐቕኪ ኢኺ፡ ኣነውን ከምቲ ዝገበርክዮ ኽገብረኪ እየ፡ ይብል ኣሎ እሞ፡ ምንዝርናኽን ጽያፍክን ትጾሩ ኣሎኺ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
60. ኣነ ግና ነቲ ብዘመን ንእስነትኪ ምሳኺ ዝኣተኽዎ ኺዳን ክዝክሮ፡ ዘለኣለማዊ ኺዳን ከኣ ከጽንዓልኪ እየ።
61. ነሓትኪ፡ ነተን ካባኺ ዚዐብያን ዚንእሳን ኣሓትኪ፡ ክትቅበልየን ከሎኺ፡ ብኺዳንኪ ዘይኰነስ፡ ኣዋልድኪ ኪዀና ኽህበኪ ኸሎኹ፡ ሽዑ መገድኺ ኽትዝክርን ክትሐፍርን ኢኺ።
62. ኲሉ እቲ ዝገበርክዮ ይቕረ ምስ በልኩልኪ፡ ንእኡ ዘኪርኪ ኽትሐንኪ፡ ካብ ሕንኪ እተላዕለ ኣፍኪ ከቶ ኸይትኸፍትስ፡ ኪዳነይ ኬጽንዓልኪ እየ፡ ንስኺውን እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጢ ኢኺ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
63. ኲሉ እቲ ዝገበርክዮ ይቕረ ምስ በልኩልኪ፡ ንእኡ ዘኪርኪ ኽትሐንኪ፡ ካብ ሕንኪ እተላዕለ ኣፍኪ ከቶ ኸይትኸፍትስ፡ ኪዳነይ ኬጽንዓልኪ እየ፡ ንስኺውን እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጢ ኢኺ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

  Ezekiel (16/48)