| ← Ezekiel (15/48) → |
| 1. | ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡ |
| 2. | ኣታ ወዲ ሰብ፡ ኦም ወይኒ፡ እቲ ኣብ ማእከል ኣእዋም ዱር ዘሎ ሓረግሲ፡ ብምንታይ እዩ ኻብቲ ኻልእ ኣእዋም ዚበልጽ |
| 3. | ብእኡ ስራሕ ኪገብሩስ፡ ካብኡዶ ዕጨይቲ ይወስዱ እዮም ኣቕሓ ኺሰቕሉሉስ፡ ጸዋሪትከ ኻብኡዶ ይወስዱ እዮም |
| 4. | እንሆ፡ ሞዂ ኪብል ኣብ ሓዊ ይድርበ፡ እቲ ሓዊ ኸኣ ንኽልቲኡ ጨንፈሩ ይበልዖ፡ እቲ ማእከሉውን ይሐርር፡ ንገለ ስራሕዶ ይጠቅም እዩ |
| 5. | እንሆ፡ ብደሓኑ ኸሎ እኳ ንስራሕ ዘይጠቐመስ፡ ሓዊ ምስ በልዖን ምስ ኣሕረሮን ግዳ ኸመይ ኢሉ ገለ ስራሕ ኪግበሮ ይከኣል |
| 6. | ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይብል ኣሎ ከምቲ ኣብ ማእከል ኣእዋም ዱር ብሓዊ ሞዂ ኪብል ዝወፌኽዎ ኦም ወይኒ፡ ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ኸኣ ከምኡ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። |
| 7. | ንምጽራሮም ገጸይ ናባታቶም ክመልስ እየ፡ ካብ ሓዊ ወጹ፡ ግናኸ ሓዊ ኺበልዖም እዩ። ንምጽራሮም ገጸይ ናባታቶም ክመልስ ከሎኹ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። |
| 8. | ስለ ዝጠለሙ፡ ነታ ሃገር ከባድማ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። |
| ← Ezekiel (15/48) → |