Ezekiel (15/48)  

1. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡
2. ኣታ ወዲ ሰብ፡ ኦም ወይኒ፡ እቲ ኣብ ማእከል ኣእዋም ዱር ዘሎ ሓረግሲ፡ ብምንታይ እዩ ኻብቲ ኻልእ ኣእዋም ዚበልጽ
3. ብእኡ ስራሕ ኪገብሩስ፡ ካብኡዶ ዕጨይቲ ይወስዱ እዮም ኣቕሓ ኺሰቕሉሉስ፡ ጸዋሪትከ ኻብኡዶ ይወስዱ እዮም
4. እንሆ፡ ሞዂ ኪብል ኣብ ሓዊ ይድርበ፡ እቲ ሓዊ ኸኣ ንኽልቲኡ ጨንፈሩ ይበልዖ፡ እቲ ማእከሉውን ይሐርር፡ ንገለ ስራሕዶ ይጠቅም እዩ
5. እንሆ፡ ብደሓኑ ኸሎ እኳ ንስራሕ ዘይጠቐመስ፡ ሓዊ ምስ በልዖን ምስ ኣሕረሮን ግዳ ኸመይ ኢሉ ገለ ስራሕ ኪግበሮ ይከኣል
6. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይብል ኣሎ ከምቲ ኣብ ማእከል ኣእዋም ዱር ብሓዊ ሞዂ ኪብል ዝወፌኽዎ ኦም ወይኒ፡ ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ኸኣ ከምኡ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።
7. ንምጽራሮም ገጸይ ናባታቶም ክመልስ እየ፡ ካብ ሓዊ ወጹ፡ ግናኸ ሓዊ ኺበልዖም እዩ። ንምጽራሮም ገጸይ ናባታቶም ክመልስ ከሎኹ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
8. ስለ ዝጠለሙ፡ ነታ ሃገር ከባድማ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

  Ezekiel (15/48)