Ezekiel (14/48)  

1. ሓያሎ ኻብቶም ዓበይቲ እስራኤል ከኣ ናባይ መጺኦም፡ ኣብ ቅድመይ ተቐመጡ።
2. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡
3. ኣታ ወዲ ሰብ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ንጣኦታቶም ኣብ ልቦም ኣሕዲሮምዎም ኣለዉ፡ ነቲ መዓንቀፊ ኣበሳኦም ከኣ ኣብ ቅድሚ ገጾም ኣቚሞምዎ ኣለዉ። ከመይ ኢለ ደኣ በዚኣቶም ክሕተት እየ
4. ስለዚ ተዛረቦም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ሓደ እኳ ኻብ ቤት እስራኤል፡ ጣኦታቱ ኣብ ልቡ ዜሕድር፡ ነቲ መዓንቀፊ ኣበሳኡ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ገጹ ዜቕውም፡ ኣብ ነብዪውን ዚመጽእ ዘበለ፡ ኲላቶም ብሰሪ ጣኦታቶም ካባይ ዘምቢሎም እዮም እሞ፡ ንቤት እስራኤል ብልቦም ምእንቲ ኽሕዞምሲ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ከም መጠን ብዝሒ ጣኦታቱ ኽመልሰሉ እየ፡ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮም።
5. ስለዚ ተዛረቦም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ሓደ እኳ ኻብ ቤት እስራኤል፡ ጣኦታቱ ኣብ ልቡ ዜሕድር፡ ነቲ መዓንቀፊ ኣበሳኡ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ገጹ ዜቕውም፡ ኣብ ነብዪውን ዚመጽእ ዘበለ፡ ኲላቶም ብሰሪ ጣኦታቶም ካባይ ዘምቢሎም እዮም እሞ፡ ንቤት እስራኤል ብልቦም ምእንቲ ኽሕዞምሲ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ከም መጠን ብዝሒ ጣኦታቱ ኽመልሰሉ እየ፡ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮም።
6. ስለዚ ንቤት እስራኤል በሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ተመለሱ፡ ካብ ጣኦታትኩም ተመለሱ፡ ካብ ኲሉ ጽያፍኩም ከኣ ገጽኩም ምለሱ።
7. ሓደ እኳ ኻብ ቤት እስራኤል ወይስ ካብቶም ኣብ እስራኤል ዚነብሩ ዘለዉ መጻእተኛታት ካባይ ዚርሕቕ፡ ንጣኦታቱ ኣብ ልቡ ዜሕድር፡ ነቲ መዓንቀፊ ኣበሳኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ገጹ ዜቕውም፡ ንኣይ ኪሐተሉ ኢሉውን ናብ ነብዪ ዚመጽእ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ባዕለይ ክመልሰሉ እየ።
8. ነዚ ሰብኣይ እዚ ንምህንዳድ ኣነ ገጸይ ክመልሰሉ፡ ንምልክትን ምሳሌን ከኣ ክገብሮ፡ ካብ ማእከል ህዝበይውን ከጽንቶ እየ፡ ንስኻትኩምውን እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
9. ቤት እስራኤል ህዝበይ ኪዀኑ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እምበር፡ ድሕርዚ ኻባይ ከይዝምብሉ፡ ሕጊ ብምፍራሶም ዘበለ ዂሉ ኸኣ ከይረኽሱስ፡ እቲ ነብዪ እኳ ተጠቢሩ ቓል እንተ ተዛረበ፡ ነቲ ነብዪ እቲ ኣነ እግዚኣብሄር እየ ዝጠበርክዎ። ኢደይ ናብኡ ኽዝርግሕ እየ እሞ ካብ ማእከል ህዝበይ እስራኤል ከጥፍኦ እየ። በደሎም ድማ ኪጾሩ እዮም፡ በደል እቲ ነብዪ ማዕረ በደል እቲ ሓታቲኡ ኪኸውን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
10. ቤት እስራኤል ህዝበይ ኪዀኑ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እምበር፡ ድሕርዚ ኻባይ ከይዝምብሉ፡ ሕጊ ብምፍራሶም ዘበለ ዂሉ ኸኣ ከይረኽሱስ፡ እቲ ነብዪ እኳ ተጠቢሩ ቓል እንተ ተዛረበ፡ ነቲ ነብዪ እቲ ኣነ እግዚኣብሄር እየ ዝጠበርክዎ። ኢደይ ናብኡ ኽዝርግሕ እየ እሞ ካብ ማእከል ህዝበይ እስራኤል ከጥፍኦ እየ። በደሎም ድማ ኪጾሩ እዮም፡ በደል እቲ ነብዪ ማዕረ በደል እቲ ሓታቲኡ ኪኸውን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
11. ቤት እስራኤል ህዝበይ ኪዀኑ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እምበር፡ ድሕርዚ ኻባይ ከይዝምብሉ፡ ሕጊ ብምፍራሶም ዘበለ ዂሉ ኸኣ ከይረኽሱስ፡ እቲ ነብዪ እኳ ተጠቢሩ ቓል እንተ ተዛረበ፡ ነቲ ነብዪ እቲ ኣነ እግዚኣብሄር እየ ዝጠበርክዎ። ኢደይ ናብኡ ኽዝርግሕ እየ እሞ ካብ ማእከል ህዝበይ እስራኤል ከጥፍኦ እየ። በደሎም ድማ ኪጾሩ እዮም፡ በደል እቲ ነብዪ ማዕረ በደል እቲ ሓታቲኡ ኪኸውን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
12. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡
13. ኣታ ወዲ ሰብ፡ ሃገር ኣዝያ ጠሊማ ኣባይ ሓጢኣት እንተ ገበረት፡ ኣነ ኸኣ ኢደይ እንተ ዘርጋሕኩላ፡ ነቲ ምርኩስ እንጌር ድማ እንተ ሰበርኩላ፡ ጥሜት ከኣ እንተ ሰደድኩላ፡ ሰብን እንስሳንውን እንተ ኣጽነትኩላ፡
14. እዞም ሰለስተ ሰብኣይ፡ ኖህን ዳንኤልን እዮብን፡ ኣብኣ እኳ እንተ ጸንሑ፡ ንሳቶምሲ ብጽድቆም ነታ ነፍሶም ጥራይ ደኣ መናገፍዋ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
15. ብሰሪ እቶም ኣራዊት ሓደ እኳ ብእኣ ምሕላፍ ክሳዕ ዚስእን፡ ምድረ በዳ ገይሮም ክሳዕ ዜጥፍእዋ፡ ኣነ ሕሱማት ኣራዊት ኣብ ማእከል እታ ሃገር እንተ ፈኖኹ፡
16. እዞም ሰለሰተ ሰብኣይ እኳ ኣብኣ እንተ ጸንሑ፡ ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንሳቶምሲ ንርእሶም ጥራይ ደኣ ምተናገፉ እምበር ነወዳት ወይስ ነዋልድ ኣይመናገፉን፡ እታ ሃገር ከኣ ምባደመት።
17. ወይስ ንሰብን እንስሳን ካብኣ ኼጽንትሲ፡ ሰይፊ ኣብ ማእከል እታ ሃገር ይሕለፍ፡ ኢለ ንሰይፊ ናብታ ሃገር እንተ ኣምጻእኩ፡
18. እዞም ሰለስተ ሰብኣይ ኣብኣ እኳ እንተ ጸንሑ፡ ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንሳቶምሲ ንርእሶም ጥራይ ደኣ ምተናገፉ እምበር፡ ነወዳት ወይስ ነዋልድ ኣይመናገፉን።
19. ወይስ ሰብን እንስሳን ካብኣ ኸጽንትሲ፡ ፌራ ናብታ ሃገር እቲኣ እንተ ሰደድኩ፡ ቊጥዓይ ከኣ ብደም እንተ ኽዖኹ፡
20. ኖህን ዳንኤልን እዮብን እኳ ኣብኣ እንተ ጸንሑ፡ ንሳቶምሲ ብጽድቆም ንነፍሶም ጥራይ ደኣ መናገፉ እምበር፡ ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ወዲ ወይስ ጓል ኣይመናገፉን።
21. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ሰብን እንስሳን ካብኣ ኸጽንትሲ፡ ነተን ኣርባዕተ ብርቱዓት ፍርደይ፡ ሰይፍን ጥሜትን ሕሱማት ኣራዊትን ፌራን፡ ኣብ የሩሳሌም ምስ ዝሰድድውን፡
22. እንሆ፡ ዜውጽእዎም ኣወዳትን ኣዋልድን ገለ ተረፍ ኬምልጡ እዮም። እንሆ ኸኣ፡ ንሳቶም ናባኻትኩም ኪመጹ እዮም፡ ንብረቶምን ግብሮምን ድማ ክትርእዩ ኢኹም፡ ንስኻትኩምውን በቲ ኣነ ኣብ የሩሳሌም ዘውረድክዎ መዓትን በቲ ዘውረድኩላ ዂሉን ክትጸናንዑ ኢኹም።
23. ንብረቶምን ግብሮምን ምስ ርኤኹም፡ ንምጽንናኦኩም ኪዀኑ እዮም። ኲሉ እቲ ዝገበርክዎስ ብዘይ ምኽንያት ከም ዘይገበርክዎ ኽትፈልጡ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

  Ezekiel (14/48)