Ezekiel (13/48)  

1. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡
2. ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነቶም ዚንበዩ ዘለዉ ነብያት እስራኤል ኣንጻሮም ተነበየሎም፡ ነቶም ካብ ልቦም ሀንዲሶም ዚንበዩ ዘለዉውን፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ ኢልካ ንገሮም።
3. እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ነቶም ገለ ኸይርእዩስ ንመንፈስ ርእሶም ዚስዕቡ ዓያሱ ነብያት ወይለኦም፡ ይብል ኣሎ።
4. ኣታ እስራኤል፡ ነብያትካ ኸም እተን ኣብ ምድረ በዳ ዚነብራ ወኻሩ እዮም።
5. በታ መዓልቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኲናት ቀጥ ኢልኩም ክትቈሙስ፡ ናብቲ ፍራስ ኣይወጻእኩምን፡ ኣብ ዙርያ ቤት እስራኤልውን ቀጽሪ ኣይሰራሕኩምን።
6. እቶም እግዚኣብሄር ከይለኣኾምሲ፡ እግዚኣብሄር ይብል ኣሎ፡ ኢሎም ቃሎም ከም ዚፍጸም ዘተስፈዉ፡ ከንቱነትን ትንቢት ሓሶትን እዮም ዝረኣዩ።
7. ኣነ ኸይተዛረብኩስ ንስኻትኩም፡ እግዚኣብሄር ይብል ኣሎ፡ እትብሉ ዘሎኹም፡ ከንቱ ራእይዶ ኣይኰነን ዝርኤኹምዎ ትንቢት ሓሶትዶኸ ኣይኰነን እተዛረብኩምዎ
8. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ከንቱነት ስለ እተዛበርብኩም ሓሶትውን ስለ ዝርኤኹም፡ ስለዚ እኔኹ ተሀንዲደኩም ኣለኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
9. ኢደይ ከኣ ነቶም ከንቱነት ዚርእዩን ሓሶት ዚንበዩ ዘለዉ ነብያት ተጻሪታቶም ኣላ። ንሳቶም ኣብ ባይቶ ህዝበይ ኣይኪህልዉን፡ ኣብ ደብተር ቤት እስራኤል ድማ ኣይኪጸሐፉን፡ ናብ ሃገር እስራኤል ከኣ ኣይኪኣትዉን እዮም፡ ንስኻትኩም ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
10. ሰላም ዜልቦስ፡ ሰላም ኣሎ፡ ኢሎም ንህዝበይ ስለ ዘስሐትዎ፡ እወ ስለ ዘስሐትዎ፡ ንሱ መንደቕ እንተ ነደቐ፡ እንሆ፡ ንሳቶም ብዘይ ቀውም ጸብሪ ይልቕልቕዎ ኣለዉ።
11. ነቶም ብዘይ ቀውም ጸብሪ ዚልቅልቅዎስ፡ ኪወድቕ እዩ፡ በሎም። ዚደማስስ ዝናም ኪዘንም እዩ፡ ኣቱም ኣእማን በረድ፡ ክትወድቁ ኢኹም፡ ህቦብላ ንፋስ ከኣ ኬፍርሶ እዩ።
12. እንሆ፡ እቲ መንደቕ ምስ ፈረሰ፡ እቲ ዝለቕለቕኩምሉ ጸብርስ ኣበይ ኣሎዶ ኣይኪብሉኩምን እዮም
13. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብነድረይ ህቦብላ ንፋስ ክፍኑ፡ ብዂራይ ድማ ዚደማስስ ዝናም ከዝንም፡ ብነድረይውን ዜጥፍእ ኣእማን በረድ ከውርድ እየ።
14. ነቲ ብዘይ ቀውም ጸብሪ ዝለቕለቕኩምዎ መንድላቕ ከፍርሶን ናብ ምድሪ ኸውድቖን እየ። መሰረቱውን ጋህ ኪብል እዩ። ንሱ ኺወድቕ እዩ፡ ንኻትኩም ከኣ ኣብ ማእከሉ ኽትጠፍኡ ኢኹም እሞ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
15. ነቲ መንደቕን ነቶም ብዘይ ቀውም ጸብሪ ዝለቕለቕዎን ሃና ነድረይ ክወጸሎም እየ። ኣነ ድማ፡ እቲ መንደቕ የሎን፡ እቶም ዝለቕለቕዎውን የለዉን፡ ክብለኩም እየ።
16. ንሳቶም እቶም ብዛዕባ የሩሳሌም ዚንበዩ፡ ሰላም ዜልቦስ ራእይ ሰላም ዚርእዩላ ዘለዉ ነብያት እስራኤል እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
17. ንስኻውን ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብተን ካብ ልበን ሃንዲሰን ዚንበያ ኣዋልድ ህዝብኻ ኣብል ኣንጻረን ድማ ተነበየለን፡
18. ንነፍሳት ኬፈንጥራስ፡ እተን መኼዳ ንዂሉ ዂርናዕ ኣእዳው ዚሰፍያን ንዓብይን ንንእሽቶም ኲሉ ርእሲ ድማ መጐልበቢ ዚገብራን ወይለኤን። ነፍሳት ህዝበይ ትፍንጥራ፡ ነፍሳትክንዶ ኸተድሕና ኢኽን ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኢልካ ንገር።
19. ንስኻትክን ነተን ዘይሞታ ነፍሳት ንሞት እናወፌኽን፡ ነተን ብህይወት ኪነብራ ዘይግብኤን ነፍሳት ከኣ ህይወተን እናኣድሐንክን፡ ነቲ ሓሶት ዚሰምዕ ህዝበይ እናሐሶኽናሉ፡ ምእንቲ ዕሙኺቲ ስገምን ቈረርስ እንጌራን ኣብ ህዝበይ ተርክሳኒ ኣሎኽን።
20. ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ነተን ንነፍሳት ከም ኣዕዋፍ እትፍንጥራለን መኼዳታትክን ተሀንዲደየን ኣማዕኹ፡ ካብ ቅልጽምክን ድማ ክቐደን፡ ነተን ነፍሳት፡ እወ ነተን ከም ኣዕዋፍ ዝፈንጠርክናኤን ነፍሳት ሓራ ኸውጽኤን እየ።
21. ነቲ መጐልበቢታትክን ድማ ክቐዶ፡ ንህዝበይ ከኣ ካብ ኢድክን ከድሕኖም እየ፡ ከይተፈንጥራኦምውን ኣብ ኢድክን ኣይኪዀኑን እዮም እሞ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጣ ኢኽን።
22. ንልቢ እቲ ጻድቕ፡ ኣነ ኽሕዝኖ ዘይደሌኹስ፡ ንስኻትክን ብሓሶት ስለ ዘሕዘንክናኦ፡ እቲ ረሲእ፡ ካብ መገዲ ረሲእነት ከይምለስ እሞ ከይድሕንሲ፡ ኣእዳዉ ስለ ዘበርታዕክን፡
23. ስለዚ ከንቱነት ኣይክትርእያን፡ ድሕርዚ ኸኣ ትንቢት ኣይክትንበያን ኢኽን። ንህዝበይውን ካብ ኢድክን ከናግፎ እየ እሞ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጣ ኢኽን።

  Ezekiel (13/48)