Ezekiel (12/48)  

1. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡
2. ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንስኻስ ኣብ ማእከል ዓላዊት ቤት ትነብር ኣሎኻ። ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፡ ኣዒንቲ ንምርኣይ ዘለዎም፡ ዘይርእዩ፡ ኣእዛን ከኣ ንምስማዕ ዘለዎም፡ ዘይሰምዑ እዮም።
3. ስለዚ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ከም ስደተኛ ዄንካ ተበትብ ኣዳሉ እሞ ኣብ ቅድሚኦም ብመዓልቲ ተበገስ። ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፡ ምናልባሽ እንተ ኣስተንተኑ፡ ኣብ ቅድሚኦም ካብ ስፍራኻ ናብ ካልእ ስፍራ ጒዐዝ።
4. ከምቲ ተበትብ ስደት፡ ንተበትብካ ኣብ ቅድሚኦም ብመዓልቲ ኣውጽኣዮ። ከምቲ ንስደት ዚወጽእ ሰብ ኴንካ፡ ኣብ ቅድሚኦም ምሸት ውጻእ።
5. ኣብ ቅድሚኦም ነቲ መንደቕ ኣንኲሎ፡ ብእኡ ድማ ኣውጽኣዮ።
6. ኣብ ቅድሚኦም ኣብ መንኲብካ ጹሮ፡ ምስ ጸልመተ ድማ ኣውጽኣዮ። ንቤት እስራኤል መመሰሊ ገይረካ እየ እሞ፡ ነዛ ምድሪ ምእንቲ ኸይትርእያ። ገጽካ ተዐመት።
7. ከምቲ ዝኣዘዘኒ ገበርኩ፡ ንተበትበይ፡ ከም ተበትብ ስደት ገይረ፡ ብመዓልቲ ኣውጻእክዎ፡ ምሸት ከኣ ነቲ መንደቕ ብኢደይ ኣንኰልክዎ። ምስ ጸልመተ ድማ፡ ኣብ መንኲበይ ጾይረ ኣብ ቅድሚኦም ኣውጻእክዎ።
8. ንጽብሒቱ ኸኣ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡
9. ኣታ ወዲ ሰብ፡ ቤት እስራኤል፡ እዛ ዓላዊትሲ ቤትሲ፡ እንታይ ደኣ እዩ እትገብሮ ዘሎኻ ኢላዶ ኣይተዛረበትካን
10. እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ፡ እዚ ጾር እዚ ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዘሎ መስፍንን ነቶም ኣብ ማእከላ ዘለዉ ዂሎም ቤት እስራኤልን እዩ፡ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፡
11. በልውን፡ ኣነ ምሳሌኹም እየ። ከምቲ ኣነ ዝገበርክዎ፡ ከምእች ኺገብርዎም እዮም፡ ንሳቶም ብስደት ናብ ምርኮ ኪኸዱ እዮም።
12. እቲ ኣብ ማእከሎም ዘሎ መስፍን፡ ኣብ መንኲቡ ጾይሩ፡ ምስ ጸልመተ ኺወጽእ እዩ። ምእንቲ ኼውጽእዎስ፡ ነቲ መንደቕ ኬንኲልዎ እዮም። ነታ ምድሪ በዒንቱ ኸይርእያ ድማ ገጹ ኺዕመት እዩ።
13. መርበበይ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ እዝርግሓሉ፡ ብመፈንጠራይ ድማ ይተሐዝ። ናብ ባቢሎን፡ ናብ ምድሪ ከለዳውያን ከምጽኦ እየ፡ ግናኸ ኣብኣ ኺመውት ክነሱስ ኣይኪርእያን እዩ።
14. ንዂላቶም ኪሕግዝዎ ኢሎም ዚኸብዎን ንዂሎም ሰራዊቱን ናብ ኲሉንፋሳት ፋሕ ከብሎም፡ ሰይፈይ ድማ ደድሕሪኦም ክመዝዝ እየ።
15. ኣብ ምእከል ህዝብታት ምስ ዘሮኽዎምን ኣብ ማእከል ሃገራት ፋሕ ምስ ኣበልክዎምን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።
16. ካባታቶም ግና ኣብቶም ዚመጽዎም ህዝብታት ኲሉ ፍንፋን ነገሮም ምእንቲ ኼዘንትዉስ፡ ካብ ሰይፍን ጥሜትን ፌራን ሒዶት ከትርፍ እየ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።
17. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡
18. ኣታ ወዲ ሰብ፡ እንጌራኻ ራዕራዕ እናበልካ ብላዕ፡ ማይካ ኸኣ ብፍርሃትን ብሰንፈላልን ስተ።
19. ንህዝቢ እዛ ሃገር እዚኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዛዕባ እቶም ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ሃገር እስራኤልን ዚነብሩስ፡ ሃገሮም ብሰሪ ዓመጽ ኲሎም እቶም ዚነብርዋ፡ ምስቲ ኣብኣ ዘሎ ኽትባድም እያ እሞ፡ እንጌራኦም ብሰንፈላል ኪበልዑ፡ ማዮም ድማ እናስካሕክሑ ኺሰትዩ እዮም። እዘን ሰብ ዚነብረለን ዘሎ ኸተማታት ኪዐንዋ እየን፡ እታ ሃገር ድማ ክትባድም እያ፡ ንስኻትኩምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም፡ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም።
20. ንህዝቢ እዛ ሃገር እዚኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዛዕባ እቶም ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ሃገር እስራኤልን ዚነብሩስ፡ ሃገሮም ብሰሪ ዓመጽ ኲሎም እቶም ዚነብርዋ፡ ምስቲ ኣብኣ ዘሎ ኽትባድም እያ እሞ፡ እንጌራኦም ብሰንፈላል ኪበልዑ፡ ማዮም ድማ እናስካሕክሑ ኺሰትዩ እዮም። እዘን ሰብ ዚነብረለን ዘሎ ኸተማታት ኪዐንዋ እየን፡ እታ ሃገር ድማ ክትባድም እያ፡ ንስኻትኩምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም፡ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም።
21. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡
22. ኣታ ወዲ ሰብ፡ ኣብ ሃገር እስራኤል፡ ዘመን ይነውሕ፡ ራእይ ዘበለ ዂሉውን ይጠፍእ ኣሎ፡ ኢልኩም እትምስሉስ እንታይ ምስላኡ እዩ እዚ
23. ስለዚ በሎም፡ ከምዚ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ነዚ ምስላ እዚ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ፡ ኣብ እስራኤል ከኣ መሊሶም ኣይኪምስልዎን እዮም። ንስኻ ግና፡ ዘመንን መፈጸምታ ዂሉ ራእይን ይቐርብ ኣሎ፡ ኢልካ ደኣ ንገሮም።
24. ስለዚ ኣብ ማእከል ቤት እስራኤል ድሕርዚ ኸንቱ ራእይን ሓሳዊ ትንቢትን ኣይኪኸውንን እዩ።
25. ኣነ እግዚኣብሄር እየ እሞ፡ ኣነ እየ ዝዛረብ። እቲ ዝዛረቦ ቓል ከኣ ኪፍጸም ኣይኪድንጒን ድማ እዩ። ኣቱም ዓላዊት ቤት፡ ብዘመንኩም ቃል እዛረብ፡ እገብሮውን ኣሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
26. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡
27. ኣታ ወዲ ሰብ፡ እንሆ፡ ቤት እስራኤልሲ፡ እቲ ዚርእዮ ራእይ ንዚመጽእ ነዊሕ ዘመን እዩ፡ ንርሑቕ ዘሎ ግዝያት ድማ እዩ ዚንበ ዘሎ፡ ይብሉ ኣለዉ።
28. ስለዚ በሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ድሕርዚ ኻብተን ቃላተይሲ ሓንቲ እኳ ኣይክትድንጒን እያ። እታ እተናገርክዋ ቓል ከኣ ክትፍጸም እያ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኢልካ ንገሮም።

  Ezekiel (12/48)