Ezekiel (11/48)  

1. መንፈስ ኣልዐለኒ፡ ናብቲ ወገን ምብራቕ፡ ናብቲ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ዚርኢ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ወሰደኒ። እንሆ ኸኣ ኣብቲ ደገ ኣፍ ዕስራን ሓሙሽተን ሰብኣይ ነበሩ፡ ኣብ ማእከሎም ድማ ነቶም መሳፍንቲ ህዝቢ፡ ያኣዛንያ ወዲ ዓዙርን ፈላጥያ ወዲ በናያን ርኤኽዎም።
2. በለኒ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እዚኣቶም ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ሕሰም ዚጠልፉ፡ እኩይ ዚመኽሩ ሰባት እዮም።
3. ንሳቶም ድማ፡ ኣይቀረበን፡ ኣባይቲ ንስራሕ፡ ንሳ ድስቲ እያ፡ ንሕና ኸኣ ስጋ ኢና፡ ይብሉ ኣለዉ።
4. ስለዚ ኣንጻሮም ተነበየሎም፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ተነበ፡ በለኒ።
5. መንፈስ እግዚኣብሄር ከኣ ኣባይ ወረደ እሞ፡ እግዚኣብሄርሲ፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ንስኻትኩም ከምዚ ትብሉ ኣሎኹም፡ ኣነውን ሓሳባት ልብኹም እፈልጦ እየ። ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙሃት ቀተልኩም፡ ነደባባያታ ኸኣ ብቕቱላት መላእኩምዋ፡ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮም፡ በለኒ።
6. መንፈስ እግዚኣብሄር ከኣ ኣባይ ወረደ እሞ፡ እግዚኣብሄርሲ፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ንስኻትኩም ከምዚ ትብሉ ኣሎኹም፡ ኣነውን ሓሳባት ልብኹም እፈልጦ እየ። ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙሃት ቀተልኩም፡ ነደባባያታ ኸኣ ብቕቱላት መላእኩምዋ፡ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮም፡ በለኒ።
7. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቶም ኣብ ማእከላ ዘንበርኩምዎም ቅቱላት፡ ንሳቶም ስጋ እዮም፡ ንሳ ኸኣ ድስቲ እያ፡ ንስኻትኩም ግና ካብ ማእከላ ኽትወጹ ኢኹም።
8. ሰይፊ ፈራህኩም፡ ሰይፊ ድማ ከምጽኣልኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
9. ካብ ማእከላ ኸውጽኣኩም፡ ናብ ኢድ ጓኖት ከኣ ከሕልፈኩም፡ ፍርዲውን ኣባኻትኩም ክገብር እየ።
10. ብሰይፊ ኽተወድቁ ኢኹም፡ ኣብ ወሰን እስራኤል ክፈርደኩም እየ፡ ንስኻትኩምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
11. እዛ ኸተማ እዚኣ ድስቲ ኣይክትኰነልኩምን፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ማእከላ ስጋ ኣይክትኰኑን ኢኹም፡ ኣብ ወሰን እስራኤል ክፈርደኩም እየ።
12. ንስኻትኩምሲ ፍርዲ እቶም ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ኣህዛብ ገበርኩም እምበር፡ ከም ትእዛዛተይ ኣይተመላለስኩምን፡ ፍርደይ ከኣ ኣይገበርኩምን እሞ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
13. ኰነ ኸኣ፡ ኣነ ኽንበ ኸሎኹ፡ ፈላጥያ ወዲ በናያ ሞተ። ሽዑ ብግምባረይ ተደፊኤ ዓው ኢለ፡ ኣየ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ነቶም ትርፎፍያ እስራኤልዶ ብጥራስ ከተጥፍኦም ኢኻ ኢለ ጨራሕኩ።
14. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መጸ፡
15. ኣታ ወዲ ሰብ፡ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ እዮም ነሕዋትካ፡ እወ ነሕዋትካ፡ ነቶም ኣዝማድካን ንቤት እስራኤል ዘበሉ ዂሎምን፡ ካብ እግዚኣብሄር ርሐቑ፡ እዛ ሃገር ንኣና ንርስቲ ተውሂባትና እያ። ዝበልዎም።
16. ስለዚ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ናብ ማእከል ህዝብታት እኳ እንተ ኣርሐቕክዎም፡ ኣብ ማእከል ሃገራትውን እንተ ዘሮኽዎም፡ ኣብቲ ዘዚመጽዎ ሃገራት ንቕሩብ ጊዜ መቕደስ ክዀኖም እየ፡ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮም።
17. ስለዚ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ካብቶም ህዝብታት ክእክበኩም፡ ካብቲ ፋሕ ኢልኩምዎ ዘሎኹም ሃገራት ከኣ ክኣኻኽበኩም፡ ሃገር እስራኤልውን ክህበኩም እየ፡ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮም።
18. ናብኣ ኸኣ ኪመጹ እዮም፡ ኲሉ እቲ ኣብኣ ዘሎ ዜስገድግድ ነገራት ኲሉ ጽያፍን ድማ ካብኣ ኼርሕቅዎ እዮም።
19. ብትእዛዛተይ ምእንቲ ኺመላለሱ፡ ንፍርደይ ከኣ ኪሕልዉን ኪገብርዎን፡ ሓደ ልቢ ኽህቦም፡ ሓድሽ መንፈስ ድማ ኣብ ውሽጥኹም ከሕደረልኩም እየ። ካብ ስጋኦም ናብ እምኒ ልቢ ኸውጽእ፡ ናብ ስጋ ልቢውን ክህቦም እየ። ንሳቶም ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።
20. ብትእዛዛተይ ምእንቲ ኺመላለሱ፡ ንፍርደይ ከኣ ኪሕልዉን ኪገብርዎን፡ ሓደ ልቢ ኽህቦም፡ ሓድሽ መንፈስ ድማ ኣብ ውሽጥኹም ከሕደረልኩም እየ። ካብ ስጋኦም ናብ እምኒ ልቢ ኸውጽእ፡ ናብ ስጋ ልቢውን ክህቦም እየ። ንሳቶም ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።
21. ግናኸ እቶም፡ ልቦም ንልቢ እቶም ፍንፋናት ነገሮምን ጽያፎምን ዚስዕብስ፡ መገዶም ኣብ ርእሶም ክመልሰሎም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
22. ሽዑ እቶም ኪሩቤል ኣኽናፎም ኣልዐሉ፡ እቲ መንኰራዂር ከኣ ጐጐብኦም ነበረ፡ ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ድማ ኣብ ላዕሊ፡ ኣብ ልዕሊኦም ነበረ።
23. ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ካብ ማእከል እታ ኸተማ ተላዕለ እሞ ኣብ ልዕሊ እቲ ብወገን ምብራቕ እታ ኸተማ ዘሎ ኸረን ቈመ።
24. መንፈስ ድማ ኣልዐለኒ፡ በቲ መንፈስ ኣምላኽ ከኣ ብራእይ ናብ ምድሪ ከለዳውያን፡ ናብቶም ምሩኻት ወሰደኒ። እቲ ዝርእዮ ዝነበርኩ ራእይ ድማ ካብ ቅድመይ ህልም በለ።
25. ኣነ ኸኣ እቲ እግዚኣብሄር ዘርኣየኒ ዂሉ ቓላት ነቶም ምሩኻት ነገርክዎም።

  Ezekiel (11/48)