Exodus (9/40)  

1. ኣግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ናብ ፈራኦን ኣቲኻ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እብራውያን ከምዚ ይብል ኢልካ ተዛረቦ፡ ንህዝበይ ኬገልግሉኒ ይኺዱ ሕደጎም።
2. ንስኻ ግና ምሕዳጎም ኣቢኻ፡ ገና እንተ ሕዝካዮም፡
3. እንሆ ኢድ እግዚኣብሄር መሮር ኣብ ዘለዋ ማልካ፡ ኣብ ኣፍራስ ኣብ ኣእዱግ፡ ኣብ ኣግማል፡ ኣብ ኣሓን ኣብ ኣብጊዕን ብኣዝዩ ብርቱዕ ሕማም ክትከውን እያ።
4. ኣግዚኣብሄር ድማ ኣብ መንጎ ማል እስራኤልን ኣብ መንጎ ማል ግብጻውያንን ምፍልላይ ኪገብር እዩ፡ ካብ ኩለን ናይ ደቂ እስራኤል ገለኳ ኣይትመውትን።
5. እዝጊኣብሄር ድማ ከምዚ ኢሉ ጊዜ ቖረጸ፡ እግዚኣብሄር ጽባሕ ኣብዛ ሃገር እዚኣ እዚ ነገርዚ ኺገብር እዩ።
6. ንጽባሒቱ ኸኣ እግዚኣብሄር እዚ ነገርዚ ገበረ። ኩለን ማል ግብጺ ድማ ሞታ፡ ካብ ማል ደቂ እስራኤል ግና ሓንቲ እኳ ኣይሞተትን።
7. ፈርኦን ከኣ ለኣኸ፡ እንሆ፡ ካብ ማል እስራኤል ሓንቲ እኳ ኣይሞተትን። ልቢ ፈርኦን ግና ተረረ፡ ነቲ ህዝቢውን ኣይሓደጎን።
8. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን፡ ሓንቲ ሓሙኹስቲ እቶን ኣእዳውኩም መሊእኩም ውሰዱ፡ ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ናብ ሰማይ ኣቢሉ ፋሕ የብሎ።።
9. ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ተጎጓ ኪኸውን እዩ። ኣብ ኩላ ምድሪ ግብጺ ድማ ኣብ ሰብን ኣብ ማልን ፎቕፎቕ ዚብል ሕበጥ ኪኸውን እዩ በሎም።
10. ሽዑ ሓሙኹስቲ ኣቶን ወሲዶም ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ደው በሉ። ሙሴ ኸኣ ናብ ሰማይ ኣቢሉ ፋሕ ኣበሎ። ኣብ ሰብን ኣብ ማልን ድማ ፎቕፎቕ ዝበለ ሕበጥ ኮነ።
11. ኣብቶም ጠንቁልትን ኣብ ኩሎም ግብጻውያንን ሕበጥ ክነ፡ እሞ እቶም ጠንቆልቲ ኸኣ በቲ ሕበጥ ምኽንያት ኣብ ቅድሚ ሙሴ ደው ኪብሉ ኣይከኣሉን።
12. ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝበሎ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንልቢ ፈርኦን ኣትረሮ፡ እዞ ኣይሰምዖምን።
13. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ ጽባሕ ኣንጊህካ ተንስእ፡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ከኣ ደው በል እሞ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እብራውያን ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንህዝበይ ኬገልግሎኒ፡ ይኺዱ ሕደጎም።
14. ኣብ ኹላ ምድሪ ኸማይ ዝበለ ኸም ዜልቦ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ በዛ ጊዜ እዚኣ ድማ ኩሉ መዓተይ ናብ ልብኻን ናብ ገላውኻን ናብ ህዝብኻን ክሰድድ እየ።
15. ሕጂ ኸኣ ንስኻን ህዝብኻን ካብ ምድሪ ኽትጸንቱስ፡ ኢደይ ዘርጊሔ ብፌራ ምወቕዕኩኻ ነይረ።
16. ግናኸ ሓይለይ ከርእየካ፡ ስመይ ድማ ኣብ ኩላ ምድሪ ምእንቲ ኽውረ፡ ብእኡ ምኽንያት ኣነብርኩኻ።
17. ከይትሓድጎዶ ገና ኣብ ህዝበይ ትዕበ ኣሎኻ።
18. እንሆ ካብ እትስረት መዓልቲ ኽሳዕ ሕጂ ኸምኡ ዝበለ ኣብ ግብጺ ዘይኮነ፡ ጽባሕ ከምዛ ግዜ እዚኣ ብርቱዕ በረድ ከውርድ እየ።
19. ኣብ መሮር ኣብ ኣትረኽበን ናብ ቤት ኣብ ዘይአተወን ኩሉ ሰብን እንስሳን በረድ ኪወርድ እዩ። ኪሞቱ ኸኣ እዮም። ስለዚ ሕጂ ልኢኸካ ማልካክን ኣብ መሮር ዘሎካ ኹሉን ኣክብ።
20. ካብ ገላው ፈርኦን እቲ ንቓል እግዚኣብሄር ዝፈርሄ ዘበለ፡ ሰቡን ማሉን ናብ ኣባይቲ ኣህደመ።
21. እቲ ልቡ ናብ ቃል እግዚኣብሄር ዘየቕለበ ድማ፡ ሰቡን ማሉን ኣብ መሮር ሓደገ።
22. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ኢድካ ናብ ሰማይ ኣቢልካ ዘርግሕ እማ፡ ናብ ኩላ ምድሪ ግብጺ ናብ ልዕሊ ሰብን ናብ ልዕሊ ማልን ናብ ልዕሊ ኹሉ ብቑሊ ግራሁ ኣብ ምድሪ ግብጽን በረድ ኪወርድ እዩ በሎ።
23. ሙሴ ኸኣ በትሩ ናብ ሰማይ ዘርግሔ፡ እግዚኣብሄር ድማ ነጉድን በረድን ሰደደ፡ ሓዊ ኸኣ ናብ ምድሪ ወረደ። እግዚኣብሄር ድማ ናብ ምድሪ ግብጺ በረድ ኣዝነመ።
24. በረድ ከኣ ኾነ፡ ኣብ ማእከል እቲ በረድ ድማ ሓዊ ይዋኛጨፍ ነበረ። ሰብ ካብ ዚቕመጣ ኣብ ኩላ ምድሪ ግብጺ ኸምኣ ዝበለ ዘይኮነ ኣዝዩ ብርቱዕ ነበረ።
25. እቲ በረድ ከኣ ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ኣብ መሮር ንዘሎ ኹሉ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ ወቕዔ፡ እቲ በረድ ድማ ንኹሉ ኣእዋም መሮርውን ሰባበሮ።
26. ኣብታ ደቂ እስራኤል ዝነበርዋ ምድሪ ጌሽን ጥራይ በረድ ኣይነበረን።
27. ፈርኦን ከኣ ልኢኹ ንሙሴን ንኣሮንን ጸዊዑ ሕጂ ሓጣእኩ። እግዚኣብሄር ጻድቕ እዩ። ኣነን ህዝበይን ከኣ በደልቲ ኢና።
28. ነጉዲ ኣምላኽን በረድን ኪኣክልሲ፡ ናግዚኣብሄር ለምኑ፡ ሽዑ ኽሓድጎኩም እየ፡ ደጊም ድማ ኣብዛ ኣይትቑሙን፡ በሎም።
29. ሙሴ ኸኣ ካብ ከተማ ምስ ወጻእኩ፡ ኣእሳወይ ናብ እግዚኣብሄር ክዝርግሕ እየ። ምድሪ ናይ እግዚኣብሄር ምዃና ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ነጉዲ ይሓድግ፡ ደጊም ከኣ በረድ ኣይከውንን።
30. ንስኻን ገላውኻን ግዳ ገና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዘይፈራህኩም እፈልጥ ኣሎኹ በሎ።
31. ስገም ሰዊት፡ እንጣጢዕ ከኣ ጉዑ ነበረ እሞ፡ እቲ ስገምን እንጣጢዕን ተወቕዔ።
32. ስርናይን ስዔልትን ግና ድሑር ዘርኢ እዩ፡ እሞ ኣይተወቕዔን።
33. ሙሴ ድማ ካብ ፈርኦን ካብ እታ ኸተማን ወጸ ኣእዳው ኸኣ ናብ እግዚኣብሄር ዘርግሔ፡ ነጉድን በረድን ድማ ሃደገ፡ ዝናምውን ናብ ምድሪ ኣይዘነመን።
34. ፈርኦን ከኣ ዝናምን በረድን ነግይድን ከም ዝሓደገ ምስ ረኣየ፡ ሓጢኣት ወሰኸ፡ ንሱን ገላውኡን ድማ ልቡ ኣትረረ።
35. ኣሞ ኸምቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ዝበሎ፡ ልቢ ፈርኦን ተረረ፡ ንደቂ እስራኤል ከኣ ኣይሓደጎምን።

  Exodus (9/40)