Exodus (8/40)  

1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ናብ ፈርኦን ኬድካስ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ንህዝበይ ኬልግለኒ ይኺድ ሕደጎ።
2. ንስኻ ሕዳጉ እንተ ኣቤኻ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣነ ንኹላ ሃገካ ብቑርዖብ ፈለኽለኽ ኪብል እዩ።
3. እቲ ርባ ድማ ብቑርዖብ ፈለኽለኽ ክብል እዩ፡ ደይበን ከኣ ናብ ቤትካን ናብ ሕልፍኚ መደቀሲኻን ናብ ዓራትካን ናብ ቤት ገላውኻን ናብ ህዝብኻን ናብ ኣታውንካን ናብ ገበራኻን ኪኣትዋ እየን።
4. ናባኻን ናብ ህዝብኻን ናብ ኩሎም ገላውኻን ቁርዖብ ኬድይባኹም እየን በሎም።
5. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ንኣሮን ናብ ልዕሊ ወሓዚትን ርባታትን ናብ ቀላያትን ኢድካ ምስ በትርኻ ዘርግሕ እሞ፡ ናብ ልዕሊ ሃገር ግብጺ ቑርዖብ ኣደይብ በሎ።
6. ኣሮን ከኣ ኢዱ ናብ ልዕሊ ማያት ግብጺ ዘርግሔ፡ እተን ቁርዖብ ድማ ደይበን ንምድሪ ግብጺ ኸደናኦ።
7. እቶም ጠንቆልቲ ድማ ብስራዮም ከምኡ ገበሩ፡ ናብ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ቑርዖብ ኣደየቡ።
8. ሽዑ ፈራኦን ንሙሴን ንኣሮንን ጸዊዑ ካባይን ካብ ህዝበይን ቁርዖብ ኬርሕቐለይ፡ ንእግዚኣብሄር ለምኑለይ። ኣነ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኪስውእ ይኺድ ክሓድጎ እየ በሎም።
9. ሙሴ ንፈርኦን ኣተን ቁርዖብ ካባኻን ካብ ኣባይትኻን ኪጠፍኣ እሞ ኣብ ርባ ጥራይ ኪተርፋስ ምእንታኻን ምእንቲ ገላውኻን ምእንቲ ህዝብኻን ንመኣዝ ከም ዝልምን ብኽብረትካ ቑረጸለይ፡ በሎ።
10. ንሱ ድማ ንጽባሕ በለ፡ እሞ ከም እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኼምዜልቦ ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ከምቲ ዝበልካዮ ይኹን።
11. እዘን ቁርዖብ ካባኽን ካብ ኣብይትኻን ካብ ገላውኻ ካብ ህዝብኻን ኪርሕቃ ኣብ ርባ ጥራይ ኪተርፋ እየን፡ በለ።
12. ሙሴን ኣሮንን ከኣ ካብ ፈርኦን ወጹ። ሙሴ ድማ ብዛዕባ እተን ናብ ፈርኦን ዘምጽኤን ቁርዖብ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ።
13. እግዚኣብሄር ድማ ከምቲ ሙሴ ዝበሎ ገበረ። እተን ቁርዖብ ከኣ ካብ ኣባይትን ካብ ደነብን ካብ መሮርን ሞታ።
14. እናኣከቡ ኾመርወን፡ እታ ምድሪ ኸኣ በድበደት።
15. ፈርኦን ግና ዕረፍቲ ኸም ዝኾነ ምስ ረአየ፡ ልቡ ኣትረረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸኣ ኣይሰምዖን።
16. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ንኣሮንን፡ በትርኻን ዘርግሕ ነቲ ደበቑበቛ ምድሪ ውቕዓዮ፡ ኣብ ኩላ ምድሪ ግብጺ ድማ ጻጹት ኪኸውን እዩ በሎ።
17. ከምኡ ኸኣ ገበሩ። ኣሮን ኢዱ ምስ በትሩ ዘርጊሑ ነቲ ደበቑቦቛ ምድሪ መቕዖ፡ ናብ ሰብን ናብ ማልን ድማ ጻጹት ኮነ። ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ኹሉ ደበቑበቋ ጻጹት ኮነ።
18. እቶም ተንቆልቲ ድማ ብስራዮም ጻጹት ከኣ ኣብ ሰብን ኣብ ማልን ኮነ።
19. እቶም ጠንቆልቲ ድማ ንፈርኦን እዚኣ ኣጻብዕ ኣምላኽ እያ በልዎ። ልቢ ፈርኦን ግና ተረረ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸኣ ኣይሰምዖምን።
20. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ጽባሕ ኣንጊህካ ተንስእ፡ ናብ ቅድሚ ፈርኡን ከኣ ደው በል። እንሆ ናብ ማይ ይወጽእ ኣሎ እሞ በሎ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ንህዝበይ ኬገልግለኒ ይኺድ ሕደጎ።
21. ንህዝበይ እንተ ዘይሓደግካዮ ድማ እንሆ ናባኻን ናብ ገላውኻን ናብ ህዝብኻን ናብ ኣባይትኻን ጽንጽያ ኸልቢ ኽሰድድ እየ። ኣባይቲ ግብጻውያንን እታ ዚነብሩላ ምድርን ከኣ ብጽንጽያ ኸልቢ ኺመልኣ እየ።
22. በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ኣብ ማእከል ምድሪ ምዃነይ ምእንቲ ኺፈልጥ፡ ነታ ህዝበይ ዝነብረላ ምድሪ ጎሴን ጽንጽያ ኼልቢ ዜብላ ገይረ ኽፈልያ እየ።
23. ኣብ መንጎ ህዝበይን ኣብ መንጎ ህዝብኻን ምፍልላይ ክገብር እየ። እዚ ትእምርቲ እዚ ጽባሕ ክኸውን እየ።
24. እግዚኣብሄር ድማ ከምኡ ገበረ። ናብ ቤት ፈርኦን ናብ ቤት ገላውኡን ብዙሓት ዕስሌታት ጽንጽያ ኸልቢ መጹ። ኣብ ኩላ ሃገር ግብጺ ድማ እታ ምድሪ ብጽንጽያ ኸልቢ ተበላሸወት።
25. ሽዑ ፈርኦን ንሙሴን ናኣሮንን ጸዊዑ፡ ኪዱ ኣብዛ ሃገር ንኣምላኽኩም ሰውኡ በሎም።
26. ሙሴ ግና እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና እንስውኦ፡ ርኽሰት ግብጻውያን እዩ እሞ፡ ከምዚ ኼግበር ኣይቅኑዕን። እቲ ርኽሰት ግብጻውያን ዝኾነ ኣብ ቅድሚኦም ኣንተ ሰዋእናስ፡ ብዳርባ እምኒዶ ኣይቀትሉናን፡
27. ከምቲ ዚብለና ዘሎ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንስውእሲ፡ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ናብ በረኻ ንኺድ በለ።
28. ፈርኦን ከኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ባአረኻ ኽትስውኡሉ ኽሓድገኩም እየ። ምእንታይ ድማ ለምኑ፡ ኣርሒቕኩም ደኣ ኣይትኺዱ በለ።
29. ሙሴ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣነ ኻባኻ እወስእ ኣሎኹ፡ ንእግዚኣብሄር ድማ ክልምን እየ። እቶም ጽንጽያ ኸልቢ ኸኣ ካብ ፈራኦንን ካብ ገላውኡን ካብ ህዝቡን ጽባሕ ኪኸዱ እዮም። ፈራኦን ግዳ ነቲ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኪስውእ ምሕዳጉ ኸይኣቢ፡ መሊሱ ኣይጠብረና በለ።
30. ሙሴ ድማ ካብ ፈራኦን ወጸ፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ለመነ።
31. እግዚኣብሄር ድማ ሙሴ ኸም ዝበሎ ገበረ። ነቶም ጽንጽያ ኸልቢ ኻብ ፈርኦንን ካብ ገላውኡን ካብ ህዝቡን ሓደኳ ኸይተረፈ ኣርሓዎም።
32. ፈርኦን በዛ ግዜ እዚኣ ድማ ልቡ ኣትረረ፡ ንህዝቢ ኸኣኣ ኣይሓደጎን።

  Exodus (8/40)