Exodus (7/40)  

1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ርኤ፡ ኣነ ፈርኦን ኣምላኽ ገብርኩኻ፡ ኣሮን ሓውካ ድማ ነብዩኻ ይኹን።
2. ንስኻ ኣቲ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ኹሉ ነግር፡ ኣሮን ሓውካ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ካብ ምድሩ ይውጽኡ ኺሓድጎም፡ ንፈርኦን ይንገሮ።
3. ኣነ ግና ንልቢ ፈርኦን ከጽንዖ እየ፡ ኣብ ምድሪ ግብጺ ድማ ትእምርትታተይን ተኣኣምራተይን ኽብዝሖ እየ።
4. ፈራኦን ከኣ ኣይኪሰምዓኩምን እየ። ኣነ ኸኣ ኢደይ ኣብ ግብጺ ኽንብር እየ፡ ንሰራዊተይ፡ ንህዝበይ ደቂ እስራኤል፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ዓበይቲ ፍርድታት ከውጽኦም እየ።
5. ግብጻውያን ድማ፡ ኢደይ ናብ ግብጺ ዘርጊሔ ንደቂ እስራኤል ካብ ማእከሎም ምስ ኣውጻእኩ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ፡ ኪፈልጡ እዮም።
6. ሙሰኢን ኣሮንን ድማ ከምኡ ገበሩ።
7. እቲ ምስ ፈርኦን ኪዛረቡ ኸለው ኸኣ፡ ሙሴ ወዲ ሰማንያ ዓመት፡ ኣሮን ድማ ወዲ ሰማንያን ሰለስተን ዓመት ኮይኖም ነበሩ።
8. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡
9. ፈርኦን፡ ተኣምራት ኣርእዩኒ፡ ኢሉ እንተ ተዛረበኩም፡ ንኣሮን በትርኻ ወሲድካ ናብ ቅድሚ ፈርኦን ደርብያ እሞ፡ ተመን ክትከውን እያ፡ በሎ።
10. ሙሴን ኣሮንን ከኣ ናብ ፈራኦን ኣተው፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ድማ ከምኡ ገብሩ። ኣሮን ኣብ ቅድሚ ፈርኦንን ኣብ ቅድሚ ገላውኡን በትሩ ደርበየ፡ ተመን ከኣ ኾነት።
11. ፈርኦን ድማ ነቶም ጠንቁልቲ ግብጺ፡ ብስራዮም ከምኡ ገብሩ።
12. ነፍስ ወከፎም በበትሮም ደርበዩ፡ ኣትማን ከኣኾና። በትሪ ኣሮን ግና ነተን ኣባትሮም ወሐጠተን።
13. ልቢ ፈርኦን ድማ ተረረ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸኣ ንኣታቶም ኣይስምዖምን።
14. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ልቢ ፈርኦን ተረረ፡ ነቲ ህዝቢ ኸይሓድጎ አበየ።
15. ጽባሕ ንግሆ ናብ ፈርኦን ኪድ። እንሆ ናብ ማይ ኪወጽእ እዩ ኣሞ፡ እታ ንተመን እተለወጠት በትሪ ኣብ ኢድካ ወሲድካ ኣብ ገምገም ርባ ደው ኢልካ ተራኸቦ።
16. በሎ ኸኣ እግዚኣኣብሄር ኣምላኽ እብራውያን፡ ንህዝበይ ኣብ በረኻ ኸገልግሉኒ ሕደጎም፡ እንሆ ድማ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣይሰማዕካን፡ ኢሉ ናባኻ ለኣኸኒ።
17. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ በዚ ኽትፈልጥ ኢኻ፡ እንሆ ኣነ በዛ ኣብ ኢደይ ዘላ በትሪ ነቲ ኣብ ርባ ዘሎ ማይ ክወቕዖ እየ። ንሱ ድማ ናብ ደም ኪልወጥ እዩ።
18. እቲ ኣብ ርባ ዘሎ ዓሳውን ይመውት። እቲ ርባ ድማ ይጻይእ፡ ግብጻውያን ከኣ ካብቲ ርባ ማይ ምስታይ ይፍንፍኑ፡
19. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ። ንኣሮን በትርኻ ወሲድካ ናብ ልዕሊ ማያት ግልጽ፡ ናብ ልዕሊ ወሓዝቶምን ናብ ልዕሊ ርባታቶምን ናብ ልዕሊ ቐላያቶምን ናብ ልዕሊ ኹሉ መዕዎር ማዮምን፡ ኢድካ ዘርግሕ እሞ፡ ደም ክኸውን እዩ፡ ኣብ ኣቕሓ ዕጨይትን ኣብ ኣቕሓ እምንን ኣብ ኩላ ምድሪ ግብጺ ደም ክኸውን እዩ በሎ።
20. ሙሴን ኣሮንን ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ከምኡ ገበሩ። ንሱ ኸኣ በትሩ ኣልዒሉ ኣብ ቅድሚ ፈርኦንን ኣብ ቅድሚ ገላውኡን ነቲ ኣብ ርባ ዘሎ ማይ ወቕዖ። እቲ ኣብ ርባ ዘሎ ኹሉ ማይ ከኣ ናብ ደም ተለወጠ።
21. እቲ ኣብ ርባ ዘንበረ ዓሳ ድማ ሞተ። እቲ ርባውን ጸይኤ። ግብጻውያን ከኣ ካብቲ ርባ ማይ ክሰትዩ ኣይከኣሉን፡ ኣብ ኩላ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ደም ኮነ ።
22. እቶም ጠንቆልቲ ግብጺ ድማ ብስራዮም ከምኡ ገበሩ። ልቢ ፈርኦን ከኣ ተረረ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ ኣይሰምዖምን።
23. ፈራኦን ነዚ እኳ ድማ ኣብ ልቡ ኣየእተዎን እሞ ተመሊሱ ናብ ቤቱ ኣተወ።
24. ነቲ ማይ ርባ ኺሰትይዎ ኣይከኣሉን እሞ፡ ኩላቶም ግብጻውያን ዚስተ ማይ ደልዮም፡ ኣብ ዙርያ እቲ ርባ ኾዐቱ።
25. እግዚኣብሄር ነቲ ርባ ኻብ ዚወቕዖ ሾብዓተ መዓልቲ ኣኸለ።

  Exodus (7/40)