| ← Exodus (5/40) → | 
| 1. | ድሕርዚ ድማ ሙሴን ኣሮንን ናብ ፈርኦን ኣቶም በልዎ፡ እግዚኣሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፡ ንህዝበይ ኣብ በረኻ በዓል ኪገብሩለይ ሕደጎም። | 
| 2. | ፈርኦን ድማ፡ እቲ ቓሉ ሰሚዔ ንእስራኤል ዝሐድግሲ፡ ኣግዚኣብሄር መን እዩ፡ ንእግዚኣብሄር ኣይፈልጥ፡ ንእስራኤል ከኣ ኣይሓድግ በለ። | 
| 3. | ንሳቶም ድማ፡ ኣምላኽ እብራውያን ተራኺቡና እዩ እሞ፡ ፌራ ወይ ሴፍ ምእንቲ ኸየውርደልናስ፡ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ናብ በረኻ ኼድና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንስውኣሉ፡ በጃኻ ፍቐደልና፡ በልዎ። | 
| 4. | ንጉስ ግብጺ ኸኣ፡ ዎ ሙሴን ኣሮንን፡ ስለምንታይ ነዚ ህዝቢ ኻብ ዕዮኡ ተብኩርዎ ኣሎኹም፡ ናብ ዕዮኹም ኪዱ በሎም። | 
| 5. | ፈርኦን ድማ፡ እንሆ እዚ ህዝቢ ሕጂ ኣብዛ ሃገር በዚሑ እዩ። ካብ ዕዮኦም ከኣ ተዕርፍዎም ኣሎኹም በለ። | 
| 6. | ፈርኦን በታ መዓልቲ እቲኣ ነቶም ሓላቑ ህዝብን መዕየይቶምን ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፡ | 
| 7. | ደጊም ባዕላቶም ከይዶም ሓሰር ይእክቡ ኣምበር፡ ነቶም ህዝቢ ኸም ቐደምኩም ንመስርሕ ጡብ ሓሰር ኣይትሀብዎም። | 
| 8. | ቁጽሪ ጡብ ድማ ከምቲ ቐደም ዚገብርዎ ዝነብሩ ዝግብርዎም፡ ካብኡ እኵ ኣይተጉድሉ። ሃካያት እዮም እሞ፡ ስለዚ ንኣምላኽና ኽንስውእ ንኺድ፡ ኢሎም ይጠርዑ ኣለው። | 
| 9. | ነዞም ሰባት እዚኦም፡ ናብ ዘረባ ሓሶት ከየቕልቡ፡ ዕዮ ይኸበዶም፡ ንእኡ ድማ ይዕየዩ። | 
| 10. | ሽዑ እቶም ሓላቑ ህዝብን መዕየይቶምን ወጺኦም፡ ነቶም ህዝቢ በልዎም፡ ፈርኦን ከምዚ ይብል፡ ሓሰር ኣይህበኩምን እየ፡ | 
| 11. | ናብ እትረኽቡሉ ኼድኩም ባዕላትኩም ሓሰር ኣከቡ። ካብቲ ዕዮኹም ግና ገለ ኣይጉደል። | 
| 12. | እቲ ህዝቢ ኸኣ ኣብ ክንዲ ሓሰር ብርዒ ኽእክብ፡ ናብ ኩላ ምድሪ ግብጺ ፋሕ በለ። | 
| 13. | እቶብ ሓለቑ ድማ፡ እቲ ነንመዓልቱ ምልኡ ኢሎም ሀወኽዎም። | 
| 14. | ነቶም ካብ ደቂ እስራኤል መዕየይቲ ኪኾኑ፡ ሓለቑ ፈርኦን ዝሸምዎም ድማ፡ እቲ እተመደበልኩም ዕዩ ጡብ ደኣ ትማልን ሎምንከ ኸምይ ከም ቀደምኩም ዘይመላእኩም፡ ኢሎም ገረፍዎም። | 
| 15. | እቶም መዕየይቲ ደቂ እራኤል ከኣ ናብ ፈርኦን ከይዶም ጠርዑ፡ ስለምንታይ ንገላውኻ ኸምዚ ትገብረና ኣሎኻ፡ | 
| 16. | ንገላውኻ ሓሰር ኣይህቡን ጡብ ግበሩ ድማ ይብሉና። እንሆ ኸኣ፡ ገላውኻ እዩ፡ በሉ። | 
| 17. | ንሱ ግና ንስኻትኩም ሃካያት ኢኹም፡ ሃካይት ኢኹም። ስለዚ፡ ንእግዚኣብሄር ክንስውእ ንኺድ ትብሉ ኣሎኹም። | 
| 18. | ሕጂ ድማ ኪዱ ዕየዩ። ሓሰር ኣይትወሀቡን፡ እቲ ምዱብ ቁጽሪ ጡብ ግና ክትህቡ ኢኹም። | 
| 19. | ካብቲ ነናይ መዓልቲ ቑጽሪ ጡብ ኣይተጉድሉ፡ ምስ በልዎም፡ እቶም መዕየይቲ ደቂ እስራኤል ከም ዝገደዶም ረኣዩ። | 
| 20. | ካብ ፈርኦን ኪወጹ ኸለው ድማ፡ ንሙሴን ንኣሮንን ተጓነፍዎም፡ ንስቶም ኪረኽብዎም ደው ኢሎም ነበሩ። | 
| 21. | በልዎም ድማ፡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦንን ኣብ ቅድሚ ገላውኡን ጨናና ኣኽፋእኩም፡ ንምቕታልና ኸኣ ሴፍ ኣብ ኢዶም ኣትሓዝኩምዎም። ስለዚ እግዚኣብሄር ይርኤኹም ይፍረድ ድማ። | 
| 22. | ሙሴ ኸኣ ናብ እግዚኣብሄር ተመሊሱ ጐይታይ፡ ከምይ ነዚ ህዝቢ እዚ ኣኽፋእካሉ፡ ስለምንታይከ ነዚ ለኣኽካኒ፡ ድማ በለ። | 
| 23. | ካብታ ናብ ፈርኦን ከይደ ብስምካ እተዛርብካላ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ኣኽፍኣሉ ንህዝብኻ ድማ ከቶ ኣየድሓንካዮን፡ ከኣ በለ። | 
| ← Exodus (5/40) → |