Exodus (40/40)    

1. እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2. በቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብቲ ወርሒ ኸኣ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ነቲ ማሕደር ድንኳን ምርኻብ ትኸሎ።
3. ነቲ ታቦት ምስክር ድማ ኣብኡ ኣንበሮ፡ ነቲ መጋረጃ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ታቦት ጋርዶ።
4. ነቲ ሰደቓ ናብኡ ኣእቲኻ ድማ፡ እቲ ኣእቡኡ ዚንበር ኣቓሑ ስርዓሉ። ቀዋሚ ቐንዴል ኣእቲኻ ከኣ፡ እቲ ቐንዴሉ ኣንብረሉ።
5. ነቲ መዕጠኒ መሰውኢ ወርቂ ድማ ኣብ ቅድሚ ታቦት ምስክር ኣንብሮ፡ ነቲ መጋረጃ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ ማሕደር ግበሮ።
6. ነቲ መሰውኢ ምሕራር ድማ ኣብ ቅድሚ ኣፍ ደገ ማሕደር ድንኳን ምርኻብ ግበሮ።
7. ነቲ ገበራ ድማ ኣብ መንጎ ድንኳን ምራኻብን መሰውአን ኣንብሮ ማይ ከኣ ግበረሉ።
8. ነቲ ኣጸድ ድማ ኣብ ዙርያኡ ገብሮ።
9. ዘይቲ ቕብእእት ወሲድካ ኸኣ ነቲ ማሕደርን ኣብኡ ንዘሎ ኹሉን ቅባእ፡ ንእኡን ንኹሉ ኣቓሑኡን ቀድሶ እሞ ቅዱስ ይኸውን።
10. ንመሰውኢ ምሕራርን ንኹሉ ኣቕሑኡን ድማ ቅብኣዮ፡ ነቲ መሰውኢ ቐድሶ ኣሞ እቲ መሰውኢ ቅዱስ ቅዱሳን ይኸውን።
11. ነቲ ገብራን ንኣእጋሮኡን ከኣ ቅብኣዮን ቀድሶን።
12. ንኣሮንን ንደቁን ድማ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣቕሪብካ ብማይ ሕጸቦም።
13. ንኣሮን ነቲ ቅዱስ ኣልባስ ከዲንካ ድማ ክህነይ ኪኸን፡ ቅብኣዮን ቀድሶን።
14. ንደቁ ኸኣ ኣቕሪብካ ቐመውሽ ታሕቲ ኽደኖም።
15. ነቦኦም ከም ዝቐባእካዮ፡ ንኣታቶም ድማ ካህናተይ ኪኾኑኒ ቕብኣዮም። እቲ ምቕባኦም ከኣ ንውሉድ ወለዶኣኦም ንኽህነት ዘለኣለም ይኹነሎም።
16. ሙሴ ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኹሉ ገበረ፡ ከምኡ ገበረ።
17. ኾነ ኸኣ፡ እቲ ማሕደር ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ ኣብ ካልኣይቲ ዓመት፡ በታ ወርሒ ድማ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ተተኽለ።
18. ሙሴ ኸኣ ነቲ ማሕደር ኣቖሞ፡ ኣእጋሩ ተኺሉ ነቲ ኣልዋሑ ደው አበሎ፡ ጋድማቱ ኣእተወ ኣዕኑዱውን ተኸለ።
19. ነቲ ድንኳን ከኣ ብልዕሊ እቲ ማሕደር ዘርግሖ፡ ኣብ ልዕሊኣኡ ድማ መደረብታ እቲ ድንኳን ገብረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበረ።
20. ነቲ ምስክር ወሲዱ ኸኣ ናብ ታቦት ኣእተዎ እሞ ነታ ታቦት መሰላታት ገበረሉ፡ ነቲ መኽደን መተዓረቒ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ታቦት ኣንበሮ።
21. ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ነቲ ታቦት ናብ ውሽጢ ማሕደር ኣእተውዎ፡ ነቲ ዚጋርድ መጋረጃ ድማ ሰቐሎ እሞ ነታ ታቦት ምስክር ጋረደሉ።
22. ነቲ ሰደቓ ኸኣ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ብሸነኽ ሰሜን ማሕደር፡ ብወጻኢ እቲ መጋረጃ ገብሮ።
23. ነቲ ዚስራዕ እንጌራ ድማ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰርዖ።
24. ነቲ ቐዋሚ ቐንዴል ድማ ኣብቲ ድንኳን ምርኻብ፡ ኣብ መንጽር ሰደቓ ብሸነኽ ደቡብ ማሕደር ኣንበሮ።
25. ነቲ ቕልዒ ቐንዴል ከኣ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብርሆ።
26. ነቲ መሰውኢ ወርቂ ድማ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ቅድሚ መጋረጃ ኣንበሮ።
27. ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፡ ኣብኡ ምኡዝ ዕጣን ዐጠነ።
28. ነቲ መጋረጃ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ማሕደር ድንኳን ምርኻብ ኣንበሮ፡ ኣሞ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን ኣብኡ ኣዕረገ።
29. ነቲ ገበራ ድማ ኣብ መንጎ ድንኳን ምርኻብን መሰውእን ኣንቢሩ፡ ንምሕጻብ ዚኸውን ማይ ኣዕረቐሉ።
30. ነቲ ገበራ ድማ ኣብ መንጎ ድንኳን ምርኻብን መሰውእን ኣንቢሩ፡ ንምሕጻብ ዚኸውን ማይ ኣዕረቐሉ።
31. ሙሴን ኣሮንን ደቁን ከኣ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ካብኡ ይሕጸቡ ነበሩ።
32. ናብ ድንኳን ምርካብ ምስ ኣተውን፡ ናብ መሰውኢ ምስ ቀረቡን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ይሕጸቡ ነበሩ።
33. ኣብ ዙርያ ማሕደርን መሰውእን ከኣ ኣጸድ ኣቖመ፡ ነቲ ኣፍ ደገ ኣጸድ ድማ መጋረጃ ጋረደሉ። ሙሴ ኸኣ ነቲ ዕዮ ፈጸሞ።
34. ሽዑ ነቲ ድንኳን ምርኻብ ደበና ኣጎልበቦ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ነቲ ማሕደር መልኦ።
35. እቲ ደበና ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዝዐረፈ፡ እቲ ኽብሪ እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ማሕደር መሊእዎ ስለ ዝነበረ፡ ሙሴ ናብ ድንኳን ምርኻብ መሊእዎ ስለዝነበረ፡ ሙሴ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኪአቱ ኣይከኣለን።
36. ብኹሉ እቲ ምጉዓዞም ደበና እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ኹሉ ቤት እስራኤል ብመዓልቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ነበረ፡ ብለይቲ ኸኣ ሓዊ ነበሮ እሞ፡ ደቂ እስራኤል ብኹሉ ምጉዓዞም እቲ ደበና ኻብ ልዕሊ እቲ ደበና ኻብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ምስ ዚልዐል፡ ይነቕሉ ነበሩ። እቲ ደበና እንተ ዘይተላዕለ ግና፡ ክሳዕ እታ ዚልዐለላ መዓልቲ ኣይነቐሉን ነብሩ።
37. ብኹሉ እቲ ምጉዓዞም ደበና እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ኹሉ ቤት እስራኤል ብመዓልቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ነበረ፡ ብለይቲ ኸኣ ሓዊ ነበሮ እሞ፡ ደቂ እስራኤል ብኹሉ ምጉዓዞም እቲ ደበና ኻብ ልዕሊ እቲ ደበና ኻብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ምስ ዚልዐል፡ ይነቕሉ ነበሩ። እቲ ደበና እንተ ዘይተላዕለ ግና፡ ክሳዕ እታ ዚልዐለላ መዓልቲ ኣይነቐሉን ነብሩ።
38. ብኹሉ እቲ ምጉዓዞም ደበና እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ኹሉ ቤት እስራኤል ብመዓልቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ነበረ፡ ብለይቲ ኸኣ ሓዊ ነበሮ እሞ፡ ደቂ እስራኤል ብኹሉ ምጉዓዞም እቲ ደበና ኻብ ልዕሊ እቲ ደበና ኻብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ምስ ዚልዐል፡ ይነቕሉ ነበሩ። እቲ ደበና እንተ ዘይተላዕለ ግና፡ ክሳዕ እታ ዚልዐለላ መዓልቲ ኣይነቐሉን ነብሩ።

  Exodus (40/40)