Exodus (4/40)  

1. ሙሴ ድማ፡ እንሆ ንሳቶም እግዚኣብሄር ኣይተራእየካን፡ ኪብሉኒ እዮም እሞ፡ ኣይኣምኑንን፡ ቃለይውን ኣይሰምዑን እዮም፡ ኢሉ መለሰ።
2. እግዚኣብሄር ድማ እዛ ኣብ ኢድካ ዘላ እንታይ እያ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ በትሪ በለ።
3. ንሱ ድማ ናብ ምድሪ ደርብያ በሎ። ናብ ምድሪ ደርበያ፡ ተመን ከኣ ኾነት። ሙሴ ድማ ካብ ቅድሚኡ ሀደመ።
4. እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ፡ ኢድካ ዘርግሕ እሞ፡ ብዓለሊኣኡ ሓዞ በሎ። ኢዱ ዘርጊሑውን ሓዞ፡ ኣብ ኢዱ ኸኣ በትሪ ኾነ።
5. እዚ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም፡ ኣምላኽ ኣብርሃም፡ ኣምላኽ ይስሃቅ፡ ኣምላኽ ያእቆብ ከም እተራእየካ፡ ምእንቲ ኸኣምኑ እዩ።
6. እግዚኣብሄር ድማ ወሲኹ፡ ኢድካ ናብ ትሽትሽካ ኣእቱ፡ በሎ። ናብ ትሽትሹ ኸኣ ኣእተዋ። ምስ ኣውጽኣ ድማ እንሃ፡ ኢዱ ብለምጺ ኸም በረድ ጻዕድያ ነበረት።
7. ኢድካ ናብ ትሽቱሽካ ኣእቱ፡ ከኣ በለ። ኢዱ ናብ ትሽትሹ ኣእተወ። ካብ ትሽትሹ ምስ ኣውጽአ ድማ፡ እንሃ፡ መሊሳ ኸምቲ ኻልእ ስጋኡ ኾነት።
8. ኪኸውን ድማ እዩ፡ እንተዘይኣመኑኻ፡ ንቓል እቲ ቐዳማይ ትእምርቲ እንተ ዘይሰምዑ ንቓል እቲ ዳሕራይ ትእምርቲ ኺኣምኑ እዮም።
9. ኪኸአን ከኣ እዩ፡ ነዚ ኽልተ ትእምርቲ እዚ እንተ ዘይኣመኑ፡ ንቓልካውን እንተ ዘይሰምዑ ካብቲ ርባ ማይ ውሰድ እሞ፡ ናብቲ ንቑጽ ክዖዎ። እቲ ኻብ ርባ ዝወሰድካዮ ማይ ከኣ ኣብቲ ንቑጽ ምድሪ ደም ኪኸውን እዩ።
10. ሙሴ ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ኣየ ጐይታይ ኣነ ኣፈይ ወታእ፡ ልሳነይ ኮርታዕ እየ እሞ፡ ትማሊ ኾነ፡ ቅድሚ ትማሊ ኾነ፡ ሕጂ ንባርያኻ ምስ ተዛረብካኒውን፡ ኣነ ተዛራቢ ሰብ ኣይኮንኩን፡ በሎ።
11. እግዚኣብሄር ድማ፡ ንሰብ ኣፍ ዝገበረሉ መን እዩ፡ ወይ ዓባስ ወይ ጸማም ወይ ዚርኢ ወይ ዕውር ዝገብሮኸ መን እዩ፡፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣይኮንኩን፡
12. ሕጂ ኺድ ኣነ ምስ ኣፍካ ኾይነ፡ እቲ እትዛረቦ ኽምህረካ ኣየ፡ በሎ
13. ሽዑ ኹራ እግዚኣብሄር ብሙሴ ነደደ በሎ ኸኣ፡ ኣሮን ሓውካ፡ እቲ ሌዋዊዶ የሎን፡ ንሱ ጽቡቕ ተዛረቢ ምዃኑ እፈልጥ ኣሎኹ። እንሆ ኽኣ ንሱ ኪቕበለካ ይወጽእ ኣሎ፡ ምስ ረአየካ ድማ ብልቡ ኺሕጎስ እዩ።
14. ሽዑ ኹራ እግዚኣብሄር ብሙሴ ነደደ በሎ ኸኣ፡ ኣሮን ሓውካ፡ እቲ ሌዋዊዶ የሎን፡ ንሱ ጽቡቕ ተዛረቢ ምዃኑ እፈልጥ ኣሎኹ። እንሆ ኽኣ ንሱ ኪቕበለካ ይወጽእ ኣሎ፡ ምስ ረአየካ ድማ ብልቡ ኺሕጎስ እዩ።
15. ንስኻ ንእኡ ኽትዛረቦ ኢኻ፡ እቲ ቓላት ድማ ኣብ ኣፉ ኣንብር። ኣነ ኸኣ ምስ ኣፍካን ምስ ኣፉን ኮይነ እቲ እትገብርዎ ኽምህረኩም እየ።
16. ኪኸውን ከኣኣ እዩ፡ ንሱ ኣፍ ይኾነካ፡ ንስኻ ድማ ከም ኣምላኽ ትኾኖ፡ ንሱ ኣብ ክንዳኻ ንህዝቢ ይዛረብ።
17. ነዛ በትሪ እዚኣ ኸኣ፡ እቲ ትእምርትታት ክትገብረላ፡ ኣብ ኢድካ ውሰዳ።
18. ሙሴ ኸደ፡ ናብ ሓሙኡ የትሮ ተመሊሱ ኸኣ፡ ናብቶም ኣብ ግብጺ ዘለው ኣሕዋተይ ተመሊሰ፡ ገና ብህይወት እንተ ኣልዮም ደኣ ክርኢ ክኸይድ በሎ።
19. ሙሴ ኸኣ ሰበይቱን ደቁን ወሲዱ ኣብ ኣድጊ ኣወጢሕዎም፡ ናብ ምድሪ ግብጺ ተመልሰ። ሙሴ ድማ ነታ በትሪ ኣምላኽ ኣብ ኢዱ ወሰዳ።
20. ሙሴ ኸኣ ሰበይቱን ደቁን ወሲዱ ኣብ ኣድጊ ኣወጢሕዎም፡ ናብ ምድሪ ግብጺ ተመልሰ። ሙሴ ድማ ነታ በትሪ ኣምላኽ ኣብ ኢዱ ወሰዳ።
21. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ናብ ግብጺ ኽትምለስ ኢልካ ኽትከይድ ከሎኻ ተኣምራት ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ክትገብረን ተጠንቀቕ። ኣነ ግና ልቡ ኬጽንዕ እየ፡ ንሱ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ኣይሓድጎን።
22. ንፈርኦን ድማ ክትብሎ ኢኻ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ እስራኣኤል በኹሪ ወደይ እዩ፡
23. እሞ ንወደይ ኬገልግለኒ ይኺድ ሕደጎ፡ ኢለካ ነበርኩ፡ ግናኸ ምሕዳጉ ኣቤኻ። እንሆ ኣነ ንበኹሪ ወድኻ ክቐትል እየ።
24. ኮነ ድማ፡ ሙሴ ኣብ መገዲ ኣብ ሓደ መሕደሪ ኸሎ፡ እግዚኣብሄር ተራኸቦ፡ ኪቐትሎውን ደለየ።
25. ሽዑ ጺጶራ ጽልጽሊ ወሲዳ፡ ዕልቦ ወዳ ገዘረት፡ ናብ እእጋሩ ደርብያቶ ኸኣ፡ ንስኻ ንኣይ ናይ ደም መርዓዊ ኢኻ፡ በለት።
26. ካብኡ ኸኣ ኣልገሰ። ሽዑ ድማ፡ ብምኽንያት ናይ ደም መርዓዊ ኢኻ፡ በለት።
27. እግዚኣብሄር ከኣ ናሮን፡ ኪድ ንሙሴ ኣብ በረኣኻ ተቐበሎ፡ በሎ። ከይዱ ድማ ኣብ ከረን ኣምላኽ ተጓነፎ፡ ሰዐሞ ኸኣ።
28. ሙሴ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ብእኡ ዝለኣኾ ኹሉ ቓልን እቲ ዝኣዘዞ ኹሉ ትእምርትታትን ናኣሮን ነገሮ።
29. ሙሴን ኣሮንን ከኣ ከይዶም ንኹሎም ዓበይቲ ደቂ እስራኤል ኣከቡ።
30. ኣሮን ድማ እቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ እተዛረቦ ኹሉ ነገር ኣዛረቦም። እቲ ትእምርትታት ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ገበሮ።
31. እቲ ህዝቢ ድማ ኣመነ። እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ከም ዝበጽሖም፡ ጸበብኦምውን ከም ዝረኣየ ምስ ሰምዑ ፍግም ኢሎም ሰገዱ።

  Exodus (4/40)