Exodus (39/40)  

1. ድማ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ኣብ መቕደስ ዜልግለሉ ኣልባስ ኣገልግሎት ኣጸቢቖም ገበሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ ንኣሮን ቅዱሳት ኣልባስ ገበረሉ።
2. ነቲ ኤፎድ ካብ ወርቅን ሰማያውን ሓብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ገበሮ።
3. ነቲ ወርቂ ቐጥቂጦም ኣርቀቕዎ፡ ምስ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን ብናይ ፈላጥ ብልሓት ክእለም፡ ከም ፈትሊ ገይሮም ቀደድዎ።
4. ንሓድሕዱ እተላገበ መናኩብ ገብረሉ፡ ንሓድሕዱ ብኽልቲኡ ወሰኑ ተላገበ።
5. እቲ ኣብ ልዕሊ ኤፎድ ዝነበረ እሞ ዚዕጠቖ ብብልሓት እተገብረ ቕናት ድማ ሓደ ዓይነት ዝስራሑ ምስኡ ብሓደ ነበረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ካብ ወርቅን ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ተገብረ።
6. ኣዕናቕ ኣምኒ ብትትዖ ወርቂ እተኸበ፡ ከም ኣቓራርጻ ማሕተም ስም ደቂ እስራኤል እተቐርጾ ገብሩ።
7. ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፡ እቲ ኣእማን ንመዘከርታ ደቂ እስራኤል ኪኸውን፡ ኣብ መንኩብ ኤፎድ ገበሮ።
8. ነቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድማ ብብልሓት ፈላጥ እተገብረ፡ ከምቲ ስራሕ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ገበሮ። ነቲ ሳንቃ ኣፍልቢ ድርብ ገብርዎ፡ ምንዋሑ ስድሪ፡ ወርዱ ኸኣ ስድሪ ድርብ ነበረ።
9. ነቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድማ ብብልሓት ፈላጥ እተገብረ፡ ከምቲ ስራሕ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ገበሮ። ነቲ ሳንቃ ኣፍልቢ ድርብ ገብርዎ፡ ምንዋሑ ስድሪ፡ ወርዱ ኸኣ ስድሪ ድርብ ነበረ።
10. ኣርባዕተ መስርዕ ኣዕናቑ ከአ ኣዘነቑሉ። ኣብ ቀዳማይ መስርዕ ሳርድዮንን ቶጳዝዮንን ስመራግዶስን።
11. ኣብ ካልኣይ መስርዕ ድማ፡ ሰመንጉንን ሰፊሮስን ኣልማዝን።
12. ኣብ ሳልሳይ መስርዕ ከኣ፡ ህያክቶስን ኣካትን ኣሚቲስጦስን።
13. ኣብ ራብዓይ መስርዕ ድማ፡ ክሪሶሊትን ኦሪክስን ያስጲስን። ኣብቲ መዛነቒኡ ብትቶዖ ወርቂ ተከቢቡ ነበረ።
14. እቲ ኣእማን ድማ ከምቲ ስማት ደቂ እስራኣኤል፡ ከምቲ ስሞም ኦኣሰርተው ክልተ ነበረ። ነቶም ዓሰርተው ክልተ ነገድ ነፍሲ ወከፍ በብስሙ ኸም ቅርጺ ማሕተም ተቐርጸ።
15. ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ሰንሰላታት ካብ ጽሩይ ወርቂ ኸም ኣገባብራ ገመድ ብምጥዋይ ገበሩ።
16. ክልተ ትትዖ ወርቅን ክልተ ቐለቤትን ወርቅን ገብሩ እሞ ነቲ ኽልተ ቐለቤት ኣብ ክልተ መኣዝን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ገበርዎ።
17. ነቲ ክልተ ትትዖ ወርቂ ድማ ኣብቲ ኽልተ ቐለቤት ኣብ ወሳስን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ገበርዎ።
18. ነቲ ኽልተ ኻልእ ኣምፊ ናይቲ ኽልተ ትትዖ ድማ ኣብቲ ኽልተ መዘነቒ ኣጋጢሞም፡ ኣብቲ ኽልተ መንኩብ ኤፎድ ብሸነኽ ቅድሚት ገበርዎ።
19. ክልተ ቐለቤት ወርቂ ሰሪሖም ድማ ናብቲ ኽልተ ወሰን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ኣብ ሸነኽ ኣጎድ ዘሎ ውሽጣዊ ጥርዚ ገበርዎ።
20. ድማ ክልተ ቐለቤት ወርቂ ገብሩ እሞ ኣብ ክልቲኡ መንኩቡ ኤፎድ ባትሕቲ ብሸነኽ ቅድሚት ኣብ ልዕሊ እቲ ብብልሓት እተገብረ ቕናት ኤፎድ ኣብ ጥቓ ኣፍ ልቢ ኣብ ልዕሊ ኣቲ ብብልሓት እተገብረ ቕናት ኤፎድ ኪኸውን፡ ካብቲ ኤፎድ ድማ ከይፍለስ፡ ነቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ብቐላብቱ ምስ ቀላብቲ ኤፎድ ብሰማያዊ ገመድ ኣሰርዎ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ።
21. ድማ ክልተ ቐለቤት ወርቂ ገብሩ እሞ ኣብ ክልቲኡ መንኩቡ ኤፎድ ባትሕቲ ብሸነኽ ቅድሚት ኣብ ልዕሊ እቲ ብብልሓት እተገብረ ቕናት ኤፎድ ኣብ ጥቓ ኣፍ ልቢ ኣብ ልዕሊ ኣቲ ብብልሓት እተገብረ ቕናት ኤፎድ ኪኸውን፡ ካብቲ ኤፎድ ድማ ከይፍለስ፡ ነቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ብቐላብቱ ምስ ቀላብቲ ኤፎድ ብሰማያዊ ገመድ ኣሰርዎ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ።
22. ነቲ ናይ ኤፎድ ቀምሽ ላዕሊ ድማ ኩሉ ብሰማያዊ ኻብ እተአለመ ዓለባ ገበሮ።
23. እቲ ኣብ ማእከል እቲ ቐምሽ ዘሎ ኣፍ ምእንቲ ኸይቅደድ፡ ከም ኣፍ ድርዒ ገይሩ ነቲ ኣፍ ዙርያኡ ቐምቀሞ።
24. ነቲ ቐምሽ ከኣ ኣብ ታሕቲ ዘፈሩ ኻብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጹሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ሮማናት ገበሩሉ።
25. ቃጽላት ኣብ መንጎ እቲ ሮማናት፡ ኣብ ዘፈር እቲ ቐምሽ ዙርያኡ ኣብ መንጎ ሮማናት ገብርዎ።
26. ምእንቲ ኼገልግሉሉ፡ ሓደ ቓጽልን ሓደ ሮማናት፡ ሓደ ቓጽልን ሓደ ሮማንን ኣብ ዘፈር እቲ ቐምሽ ብዙርያኡ ገበሩ።
27. ንኣሮንን ንደቁን ድማ ካ ልሕጺ እንጣጢዕ ብማእለማ እተአለመ ቐመውሽ ታሕትን፡
28. መጠምጠምያ ኸኣ ኣብ ልሕጺ እንጣጢዕ ፡ ጌጸኛ ቀበውዕ ድማ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ፡ ስሬታትውን ካብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕ፡
29. እቲ ኻብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ብምጥላፍ እተዐየ ቕናት ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ገበሩ።
30. ነቲ ቅዱስ ኣኽሊል ድማ ካብ ጽሩይ ወርቂ ብሊቃ ገብረሉ፡ ኣብኡ ኸኣ ከም ኣቓራርጻ ማሕተም ገይሮም፡ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ፡ ዚብል ጽሕፈት ጸሓፉሉ።
31. ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ኸኣ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መጠምጠምያ ኺእሰር፡ ኣብኡ ሰማያዊ ፍሕሶ ገበሩሉ።
32. ከምኡ ኹሉ ዕዮ ማሕደር ድንኳን ምርኻብ ተወድኤ። ደቂ እስራኤል ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ኹሉ ገብሩ፡ ከምኡ ገብሩ።
33. ድማ ነቲ ማሕደር፡ ነቲ ድንዃንን ኩሉ ኣቓሑኡን ኣቑላፉን ኣልዋሑን ጋድማቱን ኣዕኑዱን ኣእጋሩን ናብ ሙሴ ኣምጽእዎ።
34. እቲ መደረብታ እተቐረጸ ቑራብቲ ደዓውልን እቲ መደረብታ ቑራብቲ ተሃስን እቲ ዚጋረድ መጋረጃን።
35. ታቦት ምስክርን መሰላታቱን መኽደን መተዓረቕን፡
36. ኣቲ ሰደቓ ምስ ኩሉ ኣቓሑኣኡን እንጌራ ምርኣይን።
37. እቲ ጽሩይ ቀዋሚ ቐንዴል ምስ ቅልዒ ቐነዲሉ፡ እቲ ዚዳሎ ቕልዒ ቐነዲልን ኩሉ ኣቓሑኡን ዘይቲ ንቐዋሚ ቐንዴልን፡
38. መሰውኢ ወርቅን ዘይቲ ቕብኣትን ምኡዝ ዕጣንን መጋረጃ ኣፍ ደገ ድንኳንን።
39. መሰውኢ ኣስራዚ፡ እቲ መጋረዲኡ ኣስራዚ፡ መሰላታቱን ኩሉ ቕብኣትን ገብራን ኣጋሮኡን።
40. መጋረጃታት ኣጸድ፡ ኣዕኑድን ኣእጋሩን መጋረጃታት ኡፍ ደገ ኣጸድን፡ ኣግማዱን ሸኻውልቱን ኩሉ ኣቓሑ ንኣገልግሎት፡ ማሕደር ንድንኳን ምርኻብ።
41. እቲ ንኣገልግሎት መቕደስ ዚኸውን ኣልባስ ኣገልግሎት፡ ቅዱሳት ኣልባስ ኣሮን ካህንን ናይ ደቁ ኣልባስ ክህነትን፡
42. ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ኹሉ፡ ደቂ እስራኤል ንኹሉ ዕዮ ኸምኡ ገበርዎ።
43. ሙሴ ድማ ንኹሉ ዕዮ ረኣዮ፡ እንሆ ኸኣ ገይሮምዎ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፡ ከምኡ ገበሩ። ሙሴ ድማ መረቖም።

  Exodus (39/40)