Exodus (37/40)  

1. በሳልኤል ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ታቦት ገበረ፡ ምንዋሑ ኽልተ ኣመትን ፈረቓን፡ ምግፋሑ ኸኣ እመትን ፈረቓን፡ ምብራኹውን እመትን ፈረቓን ነበረ።
2. ውሽጢ ግዳሙን ድማ ብጽሩይ ወርቂ ለበጦ። ዙርያኡ ኸአ ኣኽሊል ወርቂ ገበረሉ።
3. ኣርባዕተ ቐለቤት ወርቂ ኣፍሲሱ ኣብ ኣርባዕቲኡ እግሩ፡ ክልተ ቐለቤት ብሓደ ሸነኽ፡ ክልተ ቐለቤት ከኣ ብኻልኣይ ሸነኽ ገበሮ።
4. መሰላታት ከኣ ካብ ዕጨይቲ ሸጢም ገይሩ ብወርቂ ለበጦ።
5. እቲ ታቦት ብእኡ ምእንቲ ኺጽወር ድማ፡ ነቲ መሰላታት ናብቲ ኣብ ጎቦታት ታቦት ዘሎ ቐላብቲ ኣእተዎ።
6. መኽደን መተዓረቒ ኸኣ ካብ ጽሩይ ወርቂ፡ ክልተ እመትን ፈረቓን ዝምንዋሑ፡ እመትን ፈረቓን ምግፋሑ ገበረ።
7. ክልተ ኩሩቤል ድማ ካብ ወርቂ ገበረ። ብምቕጥቃጥ ሰሪሑ፡ ንመኽደን መተዓረቒ ኣብ ክልተ ወሰኑ ገበሮም።
8. ኣደ ኩሩቤል በዚ ወሰንቲ፡ ነቶም ኩሩቤል ምስቲ መኽደን መተዓረቒ ብሓደ ገይሩ፡ ኣብ ክልቲኡ ወሰኑ ገበሮም።
9. እቶም ኩሩቤል ከኣ ንሓድሕዶም ገጽ መለሶም። ኣኽናፎም ልዕል ኣቢሎም ዘርጊሖም፡ ንመኽደን መተዓረቒ በኽናፎም ከወልዎ። ገጽ እቶም ኩሩቤል ናብ መኽደን መተዓረቒ ኣቢሉ ነበረ።
10. ሰደቓ ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ገበረ፡ ምንዋሑ ኽልተ እመት ምግፋሑውን እመት፡ ምብራኹ ኸኣ እመትን ፈረቓን ነበረ።
11. ብጽሩይ ወርቂ ለበጦ፡ ነቲ ዙርእይኡ ድማ ኣኽሊል ወርቂ ገበረሉ።
12. ነቲ ዙርያኡ ኸኣ ጋት ዝምግፋሑ ክቡስ ገበረሉ፡ ነቲ ኽቡስ ከኣ ኣብ ዙርያኡ ኣኽሊል ወርቂ ገበረሉ።
13. ኣርባዕተ ቐለቤት ወርቂ ኣፍሰስሉ፡ ነትን ቀላብቲ ድማ ኣብቲ ኣርባዕተ እግሩ ዘሎ ኣርባዕተ መኣዝኑ ገበረን።
14. እቲ ቐላብቲ፡ መሰላታት ምእንቲ ኺኣትዎ እሞ እታ ሰደቓ ብእኡ ኺጽወር ኣብ ጥቓ እቲ ኽቡስ ነበረ።
15. እቲ ሰደቓ ብእኡ ኺጽወር፡ ነቲ መሰላታት ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ገበሮ ብወርቂ ድማ ለበጦ።
16. እቲ ኣብ ሰደቓ ዚንበር ኣቓሑ፡ ሒላባቱውን ጭሔሎታቱን ጽዋኣቱን እቲ መስዋእቲ መስተ ዚኽዕወሉ ኹስኩስትታትን፡ ካብ ጽሩይ ወርቂ ገበሮ።
17. ቀዋሚ ቐንዴል ድማ ካብ ጽሩይ ወርቂ ገብረ። ንቐዋሚ ቐንዴል ምስ እግሩን ዘንጉን ብምቕጥቃጥ ገበሮ። ጽዋኣትይን ከበብቱን ዕምባባታቱን ምስኡ ብሓደ ነበረ።
18. ካብ ጎባታቱ ሽዱሽተ ጨንፈር፡ ካብቲ ቐዋሚ ቐንዴል ብሓደ ጎቡኡ ስለስተ ጨንፈር፡ ካብቲ ቐዋሚ ቐንዴል ብኻልኣይ ጎቡኡ ድማ ሰለስተ ጨንፈር ወጹ።
19. ኣብ ሓደ ጨንፈር፡ ዕምበባ ለውዚ ዚመስል ሰለስተ ጽዋእ መምስ ክበብን ዕምባባን ነበረ። ኣብቲ ኻብ ቀዋሚ ቐንዴል ዝወጸ ሹድሹተ ጨንፈር ከምኡ ነበረ።
20. ኣብቲ ቐዋሚ ቐንዴል ከኣ ዕምበባ ለውዚ ዚመስል ኣርባዕተ ጽዋእ መምስ ክበቡን ዕምበባታቱን ነበረ።
21. ኣብ ትሕቲ እቲ ኻብኡ ዝወጸ ኽልተ ጨንፈር ሓደ ኽበብ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻብኡ ዝወጸ ኽልተ ጨንፈር ከኣ ሓደ ኽበብ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻብኡ ዝወጸ ኽልተ ቸንፈር ድማ ሓደ ኽበብ። እሞ እቲ ኻብኡ ዝወጸ ሽዱሽተ ጨንፈር ከምኡ ነበረ።
22. ከበብቶምን ጨናፍሮምን ምስኡ ሓደ አነበረ። ኩሉ ኻብ ጽሩይ ወርቂ ብምቕጥቃጥ ሓደ ኾይኑ ተሰርሔ።
23. ሾብዓተ ቕልዒ ቐንዴል ድማ ገበረሉ፡ መሳቐይኡን መዋህለል ርስሓቱን ካብ ጽሩይ ወርቂ ገበረሉ።
24. ንእኡን ንኹሉ ኣቓሑኡን ብሓደ ታለንት ጽሩይ ወርቂ ገበሮ።
25. መስውኢ ዕጣን ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ገበረ። ምንዋሑ እመት፡ ምግፋሑ ኸኣ እመት፡ በርባዕቲኡ ወገን ማዕረ፡ ምብራኹ ድማ ክልተ እመት ኣቕርንቱ ኸኣ ምስኡ ሓደ ነበረ።
26. ላዕላዩን ጎቦታት ዙርያኡን ኣቕርንቱን ብጽሩይ ወርቂ ለበጦ፡ ዙርያኡ ድማ ኣኽሊል ወርቂ ገበረሉ።
27. ክልተ ቐለቤት ወርቂ ገይሩ ኸኣ ብኽልተ ጎቦኡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣኽሊል ገበሮ። እቲ መሰላታት ምእንቲ ኺአትዎ ብእኡ ኺጽወር፡ ብኽልተ ሸነኹ እጥበቕ።
28. ነቲ መሰላታት ከኣ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ገይሩ፡ ብወርቂ ለበጦ።
29. ነቲ ቅዱስ ዘይቲ ቕባኣትን ነቲ ጽሩይ ምኡዝ ዕጣንን ድማ ከም ብልሃት እቶም ገብርቲ ጥዑም ጨና ገብሮ።

  Exodus (37/40)