Exodus (36/40)  

1. በሳልኤል ኦሆልያብን ኩሎም ጥበብ ልቢ ዘለዎም ሰባትን ንኣገልግሎት መቕደስ ዚኸውን ኹሉ ዕዮ ምዕያይ ኪፈልጡ፡ እግዚኣብሄር ጠበብን ምስትውዓልን ዝሀቦም፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኹሉ ነግር ኪገብሩ እዮም።
2. ሙሴ ድማ ንቤሳልኤልን ንኦሆልያብን ንኹሎም ጥበበኛ ልቢ ዘለዎም ሰባትን፡ እግዚኣብሄር ኣብ ልቦም ጥበብ ዘሕደረሎም፡ መጺኦም ነዚ ዕዮዚ ኸዐዩ ቦም ዝደረኾም ጸውዔ።
3. ንሳቶም ከኣ ነቲ ደቂ እስራኤል ኣቲ ናይ ፍታው ህያቦም ግና ንግሆ ንግሆ የምጽኡ ነበሩ።
4. እቶም ንኹሉ ዕዮ መቕደስ ዘዐዩ ዝነበሩ ኹላቶም ጥበበኛታት ነፍሲ ወከፎም ከካብቲ ዚዐይዎ ዝነበሩ ዕዮኦም መጹ።
5. ንሙሴ ኸኣ፡ እዚ ህዝቢ ነቲ እግዚኣብሄር ኪግብር ዝኣዘዞ ዕዮ ንምዕያይ ሓለፋ እቲ ዜድሊ የምጽእ ኣሎ፡ ኢሎም ተዛረብዎ።
6. ሽዑ ሙሴ፡ ሰባኣይ ኮነ ወይ ሰበይቲ ንመቕደስ ኪህብ ኢሉ ደጊም ኣይዕየ ኢሎም ኣብ ሰፈር ኪእወጅ አዘዘ ኣሞ እቶም ህዝቢ ኸይምጽኡ ተኸልከሉ።
7. እቲ መተዓየዩ ንኹሉ ዚዐየ ዕዮ ዚኣክል ነበረ፡ ተረፈ እኳ።
8. እቶም ነቲ ዕዮ ዝነብሩ ኹሎም ጥበበኛ ልቢ ዘለዎም ነቲ ማሕደር ብዓሰርተ ዓለባ ገበርዎ። ካብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ሰማያውን ሕብሪ ደም ጽሩይ ቀይሕን ምስናይ ብብልሓት እተዐየ ኩሩቤል ገበርዎ።
9. ምንዋሕ እቲ ሓደ ዓለባ ዕስራን ሾሞንተን እመት፡ ወርዲ እቲ ሓደ ዓለባ ኸኣ ኣርባዕተ እመት ነበረ፡ ስፍሪ ኹሉ ዓለባታት ማዕረ ነበረ።
10. ነቲ ሓሙሽተ ዓለባታት ንሓድሕዱ ኣጋጠሞ፡ ነቲ ሓሙሽተ ዓለባታት ድማ ንሓድሕዱ ኣጋጠሞ።
11. ኣብቲ ቐዳማይ ኣተጋጠመ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ኻብ ሰማያዊ ፈትሊ መኽንትቦታት ገበረ። ኣብቲ ኻልኣይ እተጋጠመ ድማ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ኸምኡ ገበረ።
12. ኣብቲ ሓደ ዓለባ ሓምሳ መኸንትቦ ገበረ። ኣብቲ ኻልኣይ እተጋጥመ ኸኣ፡ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ሓምሳ መኻንትቦ ገበረ። እቲ መኸንትቦታት ድማ ንሓድሕዱ ኸም ዝራኸብ ገበሮ።
13. ሓምሳ ቑልፊ ወርቂ ኸኣ ገበረ እሞ ነቲ ዓለባታት በቲ ኣቑላፍ ንሓድሕዱ ኣጋጠሞ። እቲ ድንኳን ከኣ ሓደ ኾነ።
14. ንመደረብታ እቲ ማሕደር ድማ ካብ ጸጉሪ ጤል ዓለባታት ገበረ። ነቲ ዓለባታት ዓሰርተው ሐደ ገበሮ።
15. ምንዋሕ ሓደ ዓለባ ሰላሳ እመት፡ ወርዲ እቲ ሓደ ዓለባ ድማ ኣርባዕተ ኣመት ነበረ። እቲ ዓሰርተው ሃደ ዓለባ ኸኣ ስፍሩ ማዕረ ነበረ።
16. ነቲ ሓሙሽተ ዓለባ ንበይኑ፡ ነቲ ሹድሹተ ዓለባ ኸኣ ንበይኑ ኣጋጠሞ።
17. ኣብቲ ቐዳማይ እተጋጠመ ኣብ ጠርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ሃምሳ መኸንትቦ ገበረ። ኣብቲ ኻልኣይ እተጋጠመ ኸኣ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ሓምሳ መኸንትቦ ገበረ።
18. እቲ መደረብታ ኺታጠም እሞ ሓደ ኪኸውንሲ፡ ሓምሳ ቑልፊ ኣስራዚ ገብረ።
19. ነቲ መደረብታ ድማ ካብ እተቐረጸ ቑራብቲ ደዓውል መኽደን ገበረ። ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ቆርበት ተሃስ ካልእ መኽደን ገበረ።
20. ነቲ ማሕደር ከኣ ኣብ ዕጨይቲ ሽጢም ደቅ ዚብል ኣልዋሕ ገበረ።
21. ምንዋሕ ሓደ ሉሕ ዓሰርተ እመት ምግፋሕ ሓደ ሉሕ ከኣኣ እመትን ፈረቓን ነበረ።
22. ነንሓደ ሉሕ ከክልተ ንሓድሕዱ እተጛጠመ ሸኻል ገበረ፡ ንኹሉ እቲ ኣልዋሕ ማሕደር ከምኡ ገበረ።
23. እሞ ነቲ ማሕደር ዚኸውን ኣልዋሕ፡ ዕስራ ሉሕ ብሸነኽ ደቡብ ገበረ።
24. ኣብ ትሕቲ እቲ ኻልእ ኣልዋሕ ከኣ ነቲ ኽልተ ሸኻሉ ኽልተ እግሪ ገበረ።
25. በቲ ኻልኣይ ወገኑ ነቲ ማሕደር፡ ብሸነኽ ሰሜን ድማ ዕስራ ሉሕ።
26. ምስ ኣርብዓ ብሩር እግሩ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ክልተ እግሪ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ክልተ እግሪ ገበረ።
27. ብሸነኽ ድሕሪኣኡ ነቲ ማሕደር፡ ብሸነኽ ምዕራቡ ድማ ሹድሱተ ሉሕ ገበረ።
28. ነቲ ማሕደር ብሸነኽ ድሕሪኡ ኸኣኣ ንኾረንዑ ኽልተ ልሉሕ ገበረ።
29. እዚ ኻብ ታሕቲ ጀሚሩ ድርብ ነበረ፡ ክሳዕ ላዕሊ ኽሳዕ እቲ ቐዳማይ ቀለቤት፡ ብመልኡ ኸምኡ ነበረ። ንኽልቲኡ ኣብቲ ኽልተ ኹርናዕ ከምኡ ገበረ።
30. እቲ ኣልዋሕ ሾሞንተ፡ እቲ ብሩር ኣእጋሩ ኸኣ ዓሰርተው ሹዱሽተ እግሪ፡ ኣብ ተትሕቲ ሃደ ሉሕ ክልተ እግሪ ነበረ።
31. ጋድማት ድማ ካብ ዕጨይቲ ሸጢም ገበረ፡ ብሓደ ሸነኽ ማሕደር ንዘሎ ኣልዋሕ ሓሙሽተ፡
32. ብኻልኣይ ሸነኽ ማሕደር ንዘሎ ኣልዋሕ ከኣ ሓሙሽተ ጋድም፡ ብድሕሪ ማሕደር ብሸነኽ ምዕራቡ ንዘሎ ኣልዋሕ ድማ ሓሙሽተ ጋድም ገበረ።
33. ነቲ ማእከላይ ጋድም ከኣ ብማእከል እቲ ኣልዋሕ ገይሩ ኻብቲ ሓደ ወሰን ናብቲ ኻልኣይ ወሰን ከም ዚሓልፍ ገበሮ።
34. ነቲ ኣልዋሕ ብወርቂ ለበጦ፡ እቲ ጋድማት ዚኣትዎ ቐላብቱ ድማ ካብ ወርቂ ገበሮ፡ ነቲ ጋድማትውን ብወርቂ ለበጦ።
35. ነቲ መጋረጃ ድማ ምስናይ ብብልሓት ፈላጥ ኣተገብሩ ኩሩቤል ገይሩ፡ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ገብሮ።
36. ኣርባዕተ ዓንዲ ሽጢም ድማ ገበረሉ። ብወርቂ ኸኣ ለበጦ። መሰቓቐሊኡውን ካብ ወርቂ ነበረ። ኣርባዕተ እግሪ ብሩር ድማ ብፍሲ ገበረሉ።
37. መጋረጃ ኣፍ ደገ ድንኳን ከኣ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ገይሩ ጠለፎ።
38. ነቲ ሓሙሽተ ኣዕኑዱ ድማ ምስ መሰቓቐሊኡ ገበሮ። በቲ ጉልላቱን ኣዛንጉን ብወርቂ ለበጦ። እቲ ሓሙስተ እግሩ ኸኣ ኣስራዚ ነበረ።

  Exodus (36/40)