| ← Exodus (36/40) → | 
| 1. | በሳልኤል ኦሆልያብን ኩሎም ጥበብ ልቢ ዘለዎም ሰባትን ንኣገልግሎት መቕደስ ዚኸውን ኹሉ ዕዮ ምዕያይ ኪፈልጡ፡ እግዚኣብሄር ጠበብን ምስትውዓልን ዝሀቦም፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኹሉ ነግር ኪገብሩ እዮም። | 
| 2. | ሙሴ ድማ ንቤሳልኤልን ንኦሆልያብን ንኹሎም ጥበበኛ ልቢ ዘለዎም ሰባትን፡ እግዚኣብሄር ኣብ ልቦም ጥበብ ዘሕደረሎም፡ መጺኦም ነዚ ዕዮዚ ኸዐዩ ቦም ዝደረኾም ጸውዔ። | 
| 3. | ንሳቶም ከኣ ነቲ ደቂ እስራኤል ኣቲ ናይ ፍታው ህያቦም ግና ንግሆ ንግሆ የምጽኡ ነበሩ። | 
| 4. | እቶም ንኹሉ ዕዮ መቕደስ ዘዐዩ ዝነበሩ ኹላቶም ጥበበኛታት ነፍሲ ወከፎም ከካብቲ ዚዐይዎ ዝነበሩ ዕዮኦም መጹ። | 
| 5. | ንሙሴ ኸኣ፡ እዚ ህዝቢ ነቲ እግዚኣብሄር ኪግብር ዝኣዘዞ ዕዮ ንምዕያይ ሓለፋ እቲ ዜድሊ የምጽእ ኣሎ፡ ኢሎም ተዛረብዎ። | 
| 6. | ሽዑ ሙሴ፡ ሰባኣይ ኮነ ወይ ሰበይቲ ንመቕደስ ኪህብ ኢሉ ደጊም ኣይዕየ ኢሎም ኣብ ሰፈር ኪእወጅ አዘዘ ኣሞ እቶም ህዝቢ ኸይምጽኡ ተኸልከሉ። | 
| 7. | እቲ መተዓየዩ ንኹሉ ዚዐየ ዕዮ ዚኣክል ነበረ፡ ተረፈ እኳ። | 
| 8. | እቶም ነቲ ዕዮ ዝነብሩ ኹሎም ጥበበኛ ልቢ ዘለዎም ነቲ ማሕደር ብዓሰርተ ዓለባ ገበርዎ። ካብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ሰማያውን ሕብሪ ደም ጽሩይ ቀይሕን ምስናይ ብብልሓት እተዐየ ኩሩቤል ገበርዎ። | 
| 9. | ምንዋሕ እቲ ሓደ ዓለባ ዕስራን ሾሞንተን እመት፡ ወርዲ እቲ ሓደ ዓለባ ኸኣ ኣርባዕተ እመት ነበረ፡ ስፍሪ ኹሉ ዓለባታት ማዕረ ነበረ። | 
| 10. | ነቲ ሓሙሽተ ዓለባታት ንሓድሕዱ ኣጋጠሞ፡ ነቲ ሓሙሽተ ዓለባታት ድማ ንሓድሕዱ ኣጋጠሞ። | 
| 11. | ኣብቲ ቐዳማይ ኣተጋጠመ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ኻብ ሰማያዊ ፈትሊ መኽንትቦታት ገበረ። ኣብቲ ኻልኣይ እተጋጠመ ድማ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ኸምኡ ገበረ። | 
| 12. | ኣብቲ ሓደ ዓለባ ሓምሳ መኸንትቦ ገበረ። ኣብቲ ኻልኣይ እተጋጥመ ኸኣ፡ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ሓምሳ መኻንትቦ ገበረ። እቲ መኸንትቦታት ድማ ንሓድሕዱ ኸም ዝራኸብ ገበሮ። | 
| 13. | ሓምሳ ቑልፊ ወርቂ ኸኣ ገበረ እሞ ነቲ ዓለባታት በቲ ኣቑላፍ ንሓድሕዱ ኣጋጠሞ። እቲ ድንኳን ከኣ ሓደ ኾነ። | 
| 14. | ንመደረብታ እቲ ማሕደር ድማ ካብ ጸጉሪ ጤል ዓለባታት ገበረ። ነቲ ዓለባታት ዓሰርተው ሐደ ገበሮ። | 
| 15. | ምንዋሕ ሓደ ዓለባ ሰላሳ እመት፡ ወርዲ እቲ ሓደ ዓለባ ድማ ኣርባዕተ ኣመት ነበረ። እቲ ዓሰርተው ሃደ ዓለባ ኸኣ ስፍሩ ማዕረ ነበረ። | 
| 16. | ነቲ ሓሙሽተ ዓለባ ንበይኑ፡ ነቲ ሹድሹተ ዓለባ ኸኣ ንበይኑ ኣጋጠሞ። | 
| 17. | ኣብቲ ቐዳማይ እተጋጠመ ኣብ ጠርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ሃምሳ መኸንትቦ ገበረ። ኣብቲ ኻልኣይ እተጋጠመ ኸኣ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ሓምሳ መኸንትቦ ገበረ። | 
| 18. | እቲ መደረብታ ኺታጠም እሞ ሓደ ኪኸውንሲ፡ ሓምሳ ቑልፊ ኣስራዚ ገብረ። | 
| 19. | ነቲ መደረብታ ድማ ካብ እተቐረጸ ቑራብቲ ደዓውል መኽደን ገበረ። ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ቆርበት ተሃስ ካልእ መኽደን ገበረ። | 
| 20. | ነቲ ማሕደር ከኣ ኣብ ዕጨይቲ ሽጢም ደቅ ዚብል ኣልዋሕ ገበረ። | 
| 21. | ምንዋሕ ሓደ ሉሕ ዓሰርተ እመት ምግፋሕ ሓደ ሉሕ ከኣኣ እመትን ፈረቓን ነበረ። | 
| 22. | ነንሓደ ሉሕ ከክልተ ንሓድሕዱ እተጛጠመ ሸኻል ገበረ፡ ንኹሉ እቲ ኣልዋሕ ማሕደር ከምኡ ገበረ። | 
| 23. | እሞ ነቲ ማሕደር ዚኸውን ኣልዋሕ፡ ዕስራ ሉሕ ብሸነኽ ደቡብ ገበረ። | 
| 24. | ኣብ ትሕቲ እቲ ኻልእ ኣልዋሕ ከኣ ነቲ ኽልተ ሸኻሉ ኽልተ እግሪ ገበረ። | 
| 25. | በቲ ኻልኣይ ወገኑ ነቲ ማሕደር፡ ብሸነኽ ሰሜን ድማ ዕስራ ሉሕ። | 
| 26. | ምስ ኣርብዓ ብሩር እግሩ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ክልተ እግሪ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ክልተ እግሪ ገበረ። | 
| 27. | ብሸነኽ ድሕሪኣኡ ነቲ ማሕደር፡ ብሸነኽ ምዕራቡ ድማ ሹድሱተ ሉሕ ገበረ። | 
| 28. | ነቲ ማሕደር ብሸነኽ ድሕሪኡ ኸኣኣ ንኾረንዑ ኽልተ ልሉሕ ገበረ። | 
| 29. | እዚ ኻብ ታሕቲ ጀሚሩ ድርብ ነበረ፡ ክሳዕ ላዕሊ ኽሳዕ እቲ ቐዳማይ ቀለቤት፡ ብመልኡ ኸምኡ ነበረ። ንኽልቲኡ ኣብቲ ኽልተ ኹርናዕ ከምኡ ገበረ። | 
| 30. | እቲ ኣልዋሕ ሾሞንተ፡ እቲ ብሩር ኣእጋሩ ኸኣ ዓሰርተው ሹዱሽተ እግሪ፡ ኣብ ተትሕቲ ሃደ ሉሕ ክልተ እግሪ ነበረ። | 
| 31. | ጋድማት ድማ ካብ ዕጨይቲ ሸጢም ገበረ፡ ብሓደ ሸነኽ ማሕደር ንዘሎ ኣልዋሕ ሓሙሽተ፡ | 
| 32. | ብኻልኣይ ሸነኽ ማሕደር ንዘሎ ኣልዋሕ ከኣ ሓሙሽተ ጋድም፡ ብድሕሪ ማሕደር ብሸነኽ ምዕራቡ ንዘሎ ኣልዋሕ ድማ ሓሙሽተ ጋድም ገበረ። | 
| 33. | ነቲ ማእከላይ ጋድም ከኣ ብማእከል እቲ ኣልዋሕ ገይሩ ኻብቲ ሓደ ወሰን ናብቲ ኻልኣይ ወሰን ከም ዚሓልፍ ገበሮ። | 
| 34. | ነቲ ኣልዋሕ ብወርቂ ለበጦ፡ እቲ ጋድማት ዚኣትዎ ቐላብቱ ድማ ካብ ወርቂ ገበሮ፡ ነቲ ጋድማትውን ብወርቂ ለበጦ። | 
| 35. | ነቲ መጋረጃ ድማ ምስናይ ብብልሓት ፈላጥ ኣተገብሩ ኩሩቤል ገይሩ፡ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ገብሮ። | 
| 36. | ኣርባዕተ ዓንዲ ሽጢም ድማ ገበረሉ። ብወርቂ ኸኣ ለበጦ። መሰቓቐሊኡውን ካብ ወርቂ ነበረ። ኣርባዕተ እግሪ ብሩር ድማ ብፍሲ ገበረሉ። | 
| 37. | መጋረጃ ኣፍ ደገ ድንኳን ከኣ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ገይሩ ጠለፎ። | 
| 38. | ነቲ ሓሙሽተ ኣዕኑዱ ድማ ምስ መሰቓቐሊኡ ገበሮ። በቲ ጉልላቱን ኣዛንጉን ብወርቂ ለበጦ። እቲ ሓሙስተ እግሩ ኸኣ ኣስራዚ ነበረ። | 
| ← Exodus (36/40) → |