Exodus (35/40)  

1. ሙሴ ድማ ንኹሉ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ኣኪቡ፡ እቲ እግዚኣብሄር ኪግበር ዝኣዘዞ ነገር እዚ እዩ በሎም።
2. ሹድሹተ መዓልቲ ዕዩ ይተዐየ፡ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ሰንበት ዕረፍቲ እያ እሞ፡ ቅድስቲ ትኹነልኩም። ብእኡ ዮ ዝዐየየ ኹሉ ይሙት።
3. ኣብ ኣትነብርዎ ኹሉ ብመዓልቲ ስነበት ሓዊ ኣይተንድዱ።
4. ሙሴ ድማ ንብዘሎ ኣኺባ ደቂ እስራኤል ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ እቲ እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ዝኣዘዞ ነገር እዚ እዩ
5. ካባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ህያብ ውሰዱ። ነፍሲ ወከፍ ፍታው ልቢ ዘለዎ ንእግዚኣብሄር ህያብ የምጽእ፡ ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን፡
6. ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን ጸጉሪ ጤልን፡
7. እተቐረጸ ቑራብቲ ደዓውልን ቁራብቲ ተሃስን ዕጨይቲ ሽጢምን፡
8. ዘይቲ ንቐንዴልን ቀመማት ድማ ንዚቕባእ ዘይትን ንምኡዝ ዕጣንን፡
9. ኣእማን ዕንቁን ንኤፎድን ንሳንቃ ኣፍ ልብን ዚዛነቕ ኣእማንን።
10. ኣባኻትኩም ጥበበኛ ልቢ ዘለዎም ኩላቶም ይምጽኡ፡ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኹሉ ድማ ይግበሩ።
11. እቲ ማሕደር፡ እቲ ድንኳኑ መደረብታኡን ኣቑላፉን ኣልዋሑን ጋድማቱን ኣዕኑዱን ኣእጋሩ ድማ፡
12. ታቦትን እቲ መሰላታቱን መኽደን መታዐረቕን እቲ ዝጋረድ መጋረጃን፡
13. ሰደቓን እቲ መሰላታቱን ኩሉ ኣቓሑኡን እንጌራ ምርኣይን፡
14. እቲ ዜብርህ ቀዋሚ ቐንዴልን ኣቓሕኡን፡ ቁልዒ ቐንዴልን ንምብራህ ዚኸውን ዘይትን፡
15. መሰውኢ ዕጣንን እቲ መሰላታቱን፡ ዘይቲ ንመቕብእን፡ ምኡዝ ዕጣንን ኣፍ ደገ ነቲ ደገ ማሕደርን።
16. መሰውኢ ምሕራርን እቲ ናይ ኣስራዚ መጋረዲን መሰላታቱን ኩሉ ኣቓሑኡን፡ እቲ ገበራ ምስ ኣጋሮኡ፡
17. መጋረጃታት ኣጸድን ኣዕኑዱን ኣእጋሩን፡ መጋረጃ ኣፍ ኣጸድ ከኣ፡
18. ሽኻወልቲ ማሕደርን ሸኻውልቲ ኣጸድ እቲ ኣግማዱን፡
19. ኣብ መቕደስ ዜገልግሉ ኣልባስ ኣገልግሎት ቅዱሳት ኣልባስ ንኣሮን ካህንን ብኽህነት ዜገልግሉሉ ኣልባስ ደቁን ከኣ።
20. ኩሉ እቲ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ከኣ ካብ ቅድሚ ሙሴ ወጸ።
21. ነፍስ ወከፍ ልቡ ዝደፍኦ መጸ፡ ኩሉ መንፈሱ ፍቓዱ ዘልዐለሉ ንመስርሒ ድንኳን ምርኻብን ንኹሉ ኣገልግሎቱን ንቕዱሳት ኣልባስን ንእግዚኣብሄር ህያብ ኣምጽእ።
22. ፍታው ልቢ ዘለዎም ዘበሉ ሰባኡትን ኣንስትን መጺኦም ኣምባውርትን ኩሉ ኣቓሑ ወርቅን ሀቡ። ነፍስ ወከፍ ንእግዚኣብሄር ህያብ ወርቂ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን ጸጉሪ ጤልን ኣተቐረጸ ቑራብቲ ድዓውልን ቑራብቲ ተሃስን እተረኸበ ዘበለ ሰብ ኣምጽኦ።
23. ነፍስ ወከፍ ህያብ ብሩርን ኣስራዝን ዝሀበ፡ ህያቡ ንእግዚኣብሄር ኣምጽኤ። ነፍስ ወከፍ ዕጨይቲ ሽጢም ዝነበሮ ንዝኾነ ዕዮ ኣገልግሎት ኪኸውን ኣምጽኦ።
24. ነፍስ ወከፍ ህያብ ብሩርን ኣስራዝን ዝሀበ፡ ህያቡ ንእግዚኣብሄር ኣምጽኤ። ነፍስ ወከፍ ዕጨይቲ ሽጢም ዝነበሮ ንዝኾነ ዕዮ ኣገልግሎት ኪኸውን ኣምጽኦ።
25. ጥበበኛ ልቢ ዘለወን ኩለን ኣንስቲ ድማ በእዳወን ፈቲለን፡ እቲ ዝፈተላኦ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን ኣምጽኣኦ።
26. ኩለን ኣንስቲ ልበን ብጥበብ ዚልዐለን ከኣ ጸጉሪ ጤል ፈተላ።
27. እቶም ሓላቑ ድማ ኣእማን ዕንቁን ኣብ ኤፎድን ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልብን ዚዛነቕ ኣእማንን፡
28. ቀመማትን ዘይቲ ንምብራህን ንዘይቲ ቅብኣትን ንምኡዝ ዕጣንን ዚኸውን ኣምጻኡ።
29. ደቂ እስራኤል ነፍስ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ነቲ እግዚኣብሄር ኪግበር ብሙሴ ዝኣዘዞ ኹሉ ግብሪ ዚኸውን ክሂብ ልቡ ዘልዐሎ፡ ብፍታው ሃያብ ንእግዚኣብሄር ኣምጽኡ።
30. ሙሴ ድማ ንደቂ እስራኤል በሎም፡ ርእዩ፡ እግዚኣብሄር ንበሳልኤል ወዲ ኡሪ፡ ወዲ ሁር ካብ ነገድ ይሁዳ ብስሙ ጸውዖ።
31. ንእእዙ ድማ ብመንፈስ ኣምላኽ መልኦ፡ ብጥበብን ብምስትውዓልን ብፍልጠትን ብኹሉ ዕዮን፡
32. ንምሕሳብ ብልሓት ብወርቅን ብብሩርን፡ በስራዝን ንምዕያይ፡
33. ዚዛነቕ ኣእማን ንምውቃርን ንምጽራብ ዕጨይትን፡ ኩሉ ዓይነት ዕዮ ብልሓትን ምቕራጽን ንምዕያይ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልጺ እንጣጢዕ ከኣ ብብልሓት ንምእላምን ንምጥላፍን ንዕዮ ማእለማን ኩሉ ዓይነት ዕዮ ብልሓት ንምሕሳብን ብጥበባት ልቢ መልኦም።

  Exodus (35/40)