Exodus (34/40)  

1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ንኣኻ ኸምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒ ጽረብ፡ ኣብተን ዝሰበርካየን ቀዳሞት ጽላት ዝነበረ ቓላት ከኣ ኣነ ኣብዘን ጽላት እዚኤን ክጽሕፍ እየ።
2. ንጽባሕ ድማ ተዳሎ፡ ኣንጊህካ ኸኣ ናብ ከረን ሲና ደይብ እሞ ኣብ ርእሲ ኣቲ ኸረን ናባይ ተረኸብ።
3. ሓደ ሰብ እኳ ምሳኻ ኣይደይብ። ኣብ ኩሉ እቲ ከረን ከኣ ገለ ሰብ እኵ ኣይርኤ፡ ኣባጊዕን ኣሓን ድማ ኣብ ጥቓ እቲ ኸረን ኣይውፈራ ለቦ።
4. ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒ ኸኣ ጸረበ። ንጽብሔቱ ኸኣ ሙሴ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ድማ፡ ንኽልቲኤን ጽላት እምኒ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ናብ ከረን ሲና ደየበ።
5. እግዚኣብሄር ከኣ ብደበና ወሪዱ ኣብ ጥቓኡ ደው በለ እሞ ስም እግዚኣብሄር ኣወጀ።
6. እግዚኣብሄር ድማ ብቕድሚኡ ሓለፈ ኣወጀ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር፡ እግዚኣብሄር፡ መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ፡ ንኹራ ደንጓይ፡ በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን፡
7. ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ጸጋ ዚሕሉ፡ ዓመጽን ምትሕልላፍን ሓጢኣትን ይቕረ ዚብል፡ ግናኸ ንበዳሊ ኸም ንጹህ ዝይርኢ፡ ሓቲኣኣት ኣቦታት ደኣ ኣብ ደቅን ኣብ ደቂደቅን ክሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይ ወለዶ ዚቐጽዕ።
8. ሙሴ ድማ ቀልጢፉ ኣብ ምድሪ ፍግም ኢሉ ሰገደ።
9. እሞ በለ፡ ጐይታይ፡ እዚ ህዝቢዚ እዚ ተሪር ክሳድ ህዝቢ እዩ እሞ፡ ዓመጽናን ሓጢኣትናን ይቕረ ኽትብለልና፡ ርስትኻ ጌርካውን ክትቅበለናስ፡ ኣብ ዓይንኻ እንተ ደኣ ጸጋ ረኺበ፡ በጃኻ ጐይታይ ኣብ ማእከልና ይኺድ።
10. በለ ድማ፡ እንሆ ኣነ ኺድን ክገብር እየ። ንእኡ ዚመስል ኣብ ኩላ ምድሪ ወይ ኣብ ኹሎም ህዝብታት ዘይተገብረ ተኣምራት ኣብ ቅድሚ ኹሉ ህዝብኻ ኽገብር እየ። እቲ ኣነ ምሳኻ ዝገብሮ ነገር ድማ ዜፍርህ እዩ ኣሽሪም ንኽብሪ፡ ኣንስተይቲ ጣዖት ፈንቀ ዝሰግዶ ኣዕኑድን ኣግራብን እዩ። እሞ፡ ኩሉ እቲ ንስኻ ኣብ ማእከሉ ዘሎኻ ህዝቢ ግብሪ እግዚኣብሄር ኪርኢ እዩ።
11. እዚ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ፡ ሓሉ፡ እንሆ፡ ኣነ ኸኣ ንኣሞራውያንን ንኸንኣናውያንን ንሔታውያንን ንፈረዛውያንን ንሃዋውያንን ንይቡሳውያንን ካብ ቅድሜኻ ኸውጽኡ እየ።
12. ኣብ ማእከልካ ንመፈንጠራ ኸይኮኑስ፡ ምስቶም ኣብታ ንስኻ እትኣትዋ ምድሪ ዝነብሩ ኺዳን ከይትእቱ ተጠንቀቕ።
13. መሰውኢታትቶም ደኣ ኣፍርሱ፡ ሓውልታትቶም ስበሩ፡ ኣሽሪሞም ከኣ ኣብርሱ።
14. እቲ ቐናእ ዝስሙ እግዚኣብሄር፡ ንሱ ቐናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ንኻልእ ኣምላኽ ኣይትስገድ።
15. ደድሕሪ ኣማልኽቶም ምስ ዝምንዝሩን፡ ንኣማልኽቶም ከኣ ምስ ዚስውኡ፡ ከይዕድሙኻ እሞ ካብ መስዋእቶም ከይትበልዕ፡ ኣዋልዶም ድማ ነወዳትካ ኸይትወስድ፡ እተን ኣዋልዶም ከኣ ደድሕሪ ኣማልኽተን ኪምንዝራ ኸለዋ ንደቅኻ ድማ ደድሕሪ ኣማልኽተን ከየመንዘራኦም፡ ምስቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኪዳን ኣይትእቶ።
16. ደድሕሪ ኣማልኽቶም ምስ ዝምንዝሩን፡ ንኣማልኽቶም ከኣ ምስ ዚስውኡ፡ ከይዕድሙኻ እሞ ካብ መስዋእቶም ከይትበልዕ፡ ኣዋልዶም ድማ ነወዳትካ ኸይትወስድ፡ እተን ኣዋልዶም ከኣ ደድሕሪ ኣማልኽተን ኪምንዝራ ኸለዋ ንደቅኻ ድማ ደድሕሪ ኣማልኽተን ከየመንዘራኦም፡ ምስቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኪዳን ኣይትእቶ።
17. ዝፈሰሱ ኣማልኽቲ ንኣኻ ኣይትገብር።
18. ንበዓል ቅጫ ሓልዎ። ካብ ግብጺ ብወርሒ ኣቢብ ወጺእካ ኢኻ እሞ፡ ኣብቲ ምዱብ ግዜ ወርሒ ኣቢብ፡ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ቅጫ ብላዕ።
19. ምሓጸን ዝኸፈተ ኹላ፡ ተባዕታይ ዘበለ በኹሪ ማልካ ድማ ብዕራይን በጊዕን ናተይ እዩ።
20. በኹሪ ኣድጊ ግና ብበጊዕ ተበጀዎ። ክትብጀዎ እንተ ዘይፈቶኻ ድማ ክሳዱ ስበሮ። ካብ ደቅኻ ኸኣ ነቲ በኹሪ ዘበለ ተበጀዎ። ሓደ እኳ ጥራይ ኢዱ ኣብ ቅድመይ ኣይርኤ።
21. ሹድሹተ መዓልቲ ዕዮ፡ በታ ሳብዐይቲ መዓኢ ግና ዕረፍ። ብጊዜ ማሕረስን ዓጺድን ድማ ዕረፍ።
22. ኣብ ምጅማር ዓጺድ ስርናይ ናይ ስሙናት በዓል ኣብ መወዳእታ ዓመት ድማ በዓል ምትሕሳስ ኣብዕል።
23. ተባዕታይካ ዘበለ ኹሉ ኣብ ቅድሜኻ ኽስጉጉ እየ፡ ንዶባትካ ድማ ከግፍሖ እየ እሞ፡ እቲ ኣብ ዓመት ስለስተ ሳዕ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትርኤ ኢልካ ምስ እትድይብ ንምድርኻ ዚትምነ ሰብ የልቦን።
24. ንደም መስዋእተይ ምስ መጺጽ እንጌራ ኣይትሰውኣዮ። እቲ መስዋኣቲ በዓል ፋሲጋ ድማ ክሳዕ ንግሆ ኣይሕደር።
25. ንደም መስዋእተይ ምስ መጺጽ እንጌራ ኣይትሰውኣዮ። እቲ መስዋኣቲ በዓል ፋሲጋ ድማ ክሳዕ ንግሆ ኣይሕደር።
26. መጀምርታ እቲ ቐዳማይ ፍረ ምድርኻ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣእቱ።
27. ኣግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ በዚ ቓላት እዚ ምሳኻን ምስ እስራኤልን ኪዳን እተየ እየ፡ እሞ፡ እዚ ቓላት እዚ ንኣኻ ጽሓፎ፡ በሎ።
28. እንጌራ ኸይበልዐን ማይ ከይሰተየን፡ ኣብኡ ምስ እግዚኣብሄር ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ገበረ። ድማ ናይቲ ኺዳን ቃላት፡ እቲ ዓሰርተ ቓላት ኣብተን ጽላት ጸሐፎ።
29. ኮነ ኸኣ፡ ሙሴ ኻብ ከረን ሲና ኺወርድ ከሎ፡ በቲ ኸረን ምውራዱ እንተ ክልተ ጽላት ምስክር ኣብ ኢድ ሙሴ ነበራ፡ ምሴ ምስ እግዚኣቤር ብምዝራቡ ኣቲ ቖርበት ገጹ ኸም ዘንጸብረቐ ኣይፈለጠን ነበረ።
30. ኣሮንን ኩሎም ደቂ እስራኤልን ንሙሴ ምስ ረአዩ፡ እንሆ ቖርበት ገጹ የንጸብርቕ ነበረ እሞ፡ ናብኡ ንምቕራብ ፈርሁ።
31. ሙሴ ኸኣ ጸውዖም፡ ኣሮንን ኩሎም ሓለቑ እቲ ኣኼባን ድማ ናብኡ ተመልሱ፡ ሙሴ ኸኣ ተዛረቦም።
32. ድሕርዚ ኸኣ ኩሎም ደቂ እስራኤል ቀረቡ። ንሱ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ከረን ሲና ዝነገሮ ኹሉ ኣዘዞም።
33. ሙሴ ምሳታቶም ተዛሪቡ ምስ ወድኤ፡ ኣብ ገጽ ጉልባብ ገብረ።
34. ሙሴ ምስኡ ኺዛረብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ ዚኣቱ፡ ክሳዕ ዚወጽእ ነቲ ጉልባብ የልዕሎ ነበረ። ወጺኡ ኸኣ እቲ እተኣዘዞ ነገር ደቂ እድራኤል ይነግሮም ነበረ።
35. ደቂ እስራኣኤል ድማ ቁርበት ገጽ ሙሴ ኸም ዘንጸባርቕ፡ ገጽ ሙሴ ይርእዩ ነበሩ፡ ሙሴ ኸኣ ምስኡ ንምስራብ ክሳዕ ዚኣቱ ነቲ ጉልባብ ናብ ገጹ መለሶ።

  Exodus (34/40)