Exodus (33/40)  

1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ንስኻን እዚ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘደየብካዮ ህዝብን ካብዚ ኺዱ እሞ፡ ናብታ ንዘርእኻ ኽህቦ እየ ኢለ፡ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ዝመሓልኩሎም ምድሪ ደይብ።
2. ቀቅድሜኻ ድማ መልኣኽ ክሰድድ እየ እሞ ንኸነኣናውያንን ንኣሞራውያንን ንሔታውያንን ክሰጎም እየ።
3. ንሱ ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኼእትወካ እዩ። ንስኻ ተሪር ክሳድ ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ ኣብ መገሲ ምእንቲ ኸየጥፍኣካስ፡ ኣብ ማእከልካ ኣይድይብን እየ፡ በሎ።
4. እቶም ህዝቢ እዚ ኽፉእ ነገርዚ ምስ ሰምዑ፡ ጉሀዩ እሞ ሓደ እኳ ስልማቱ ኣይተሰለመን።
5. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ንደቂ እስራኤል፡ ንስኻትኩም ተረርቲ ኽሳብ ህዝቢ ኢኹም። ኣነ ቅጽበት ዓይኒ ኣብ ማእከልካ እንተ ዝድይብ፡ ምወዳእኩኻ ነይረ፡ ሕጂ ኸኣ ንኣኻ እንታይ ከም ዝገብረካ ምእንቲ ኺፈልጥ፡ ስልማትካ ኻባኻ ቐንጥት በሎም።
6. ደቂ እስራኤል ድማ ካብ ከረን ሆሬብ ንነጀው ስልማቶም ቀንጠጡ።
7. ሙሴ ድማ ነቲ ድንኳን ወሲዱ፡ ኣብ ወጻኢ እቲ ሰፈር፡ ካብ ሰፈር ኣርሕቕ ኣቢሉ ተኸሎ። ድንኳን ምርኻብ ከኣ ኣውጽኣሉ። ኮነ ኸኣ፡ ንእግዚኣብሄር ዝደለየ ዘበለ ንወጻኣኢ ሰፈር ናብ ድንኳን ምርኻብ ይኸይድ ነበረ።
8. ኮነ ድማ፡ ንሙሴ ናብ ድንኳን ምስ ዝወጽእ፡ ኩሉ እቲ ህዝቢ ተንሲኡ፡ ነፍስ ወከፍ ኣብ ኣፍ ድንኳኑ ደው በለ፡ ሙሴ ናብ ድንኳን ክሳዕ ዚአቱ፡ ደድሪኡ ይጥምቶ ነበረ።
9. ኮነ ኸኣኣ፡ ሙሴ ናብ ድንኳን ምስ ኣተወ፡ እቲ ዓንዲ ደበና ወሪዱ፡ ኣብ ኣፍ ድንኳን ይቐውም ነበረ።
10. ኩሉ ህዝቢ ድማ ነቲ ዓንዲ ደበና ኣብ ኣፍ ድንኳን ደው ኢሉ ረአዮ፡ ኩሉ እቲ ህዝቢ ተንስኤ እሞ፡ ነፍስ ወከፍ ኣብ ኣፍ ድንኳኑ ኾይኑ ይሰግድ ነበረ።
11. ሰብ ምስ ፈታዊኡ ኸም ዝዛረብ፡ እግዚኣብሄር ድማ ምስ ሙሴ ገጽ ንገጽ ተዛረበ። ሙሴ ኸኣ ናብ ሰፈር ተመልሰ። እቲ ጎበዝ ግልያኣኡ፡ እያሱ ወዲ ነዊ ግና ካብቲ ድንኳን ኣይፍለን ነበረ።
12. ሙሴ ድማ ንእግዚኣብሄር፡ እንሆ ንስኻ ነዚ ህዝቢ እዚ ኣደይቦ፡ ትብለኒ ኣለኻ። ምሳይ ንመን ከም እትሰድድ ከኣ፡ ንስኻ ኣየፍለጥካንን ። ንስኻ ግና፡ ብስምካ እፈልጠካ ኣሎኻ፡ ኣብ ዓይነይ ድማ ሞገስ ረኺብካ ኣሎኻ በልካኒ።
13. እምበኣር ኣብ ዓይንኻ ሞጎስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ ምእንቲ ኣብ ዓንኻ ሞጎስ ክረክብ በጃካ መገድኻ ኣፍልጠኒ። እዚ ህዝቢዚ ኸኣኣ ህዝብኻ ኸም ዝኾነ ርኤ በሎ።
14. እግዚኣብሄር ድማ ገጸይ ምሳኻ ይኸይድ፡ ከዕርፈካ ኸኣ እየ በሎ።
15. ገጽካ ምሳና ዘይኸይድ ኣንተ ኾይኑስ ካብዚ ኣይተደይበና።
16. ኣነን ህዝብኻን ድማ ኣብ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘለው ኹሎም ህዝብታት ከም እንፍለ ደኣ፡ ብምንታይ ይፍለጥ፡ ንስኻ ምሳይ ብምኻድካሶ ኣይኮነን፡ በሎ።
17. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ኣብ ዓይነይ ጸጋ ረኺብካ፡ ብስምካ ኸኣ ፈሊጠካ እየ እሞ፡ እዚ ዝበልካዮ ነገር ክገብሮ ኣየ፡ በሎ።
18. ንሱ ድማ፡ እምበኣር በጃኻ፡ ክብርኻ ኣርእየኒ፡ በለ።
19. ንሱ ኸኣ፡ ኩሉ ለውሃተይ ኣብ ቅድሜኻ ክእውጅ እየ። ነቲ ኽምጉሶ ዝደሌኹ ኽምጉሶ እየ፡ ነቲ ዝምሕሮ ዝደሌኹ ድማ ክምሕርቶ ኣየ በለ።
20. ሰብ ርእዮኒ ብህይወት ኣይነብርን እዩ እሞ፡ ገጸይ ክትርኢ ኣይትኽእልን ኢኻ፡ ድማ በለ።
21. እግዚኣብሄር ድማ እንሆ፡ ኣብዚ ጥቓይ ቦታ ኣሎ፡ ኣብቲ ኸውሒ ደው ክትብል ኢኻ።
22. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ክብረይ ኪሓልፍ ከሎ ኣብ ጭዳዱ ከውሒ እገብረካ ኣነ ኽሳኦ ዝሓልፍ ከኣ፡ ቢደይ ክኸውለካ እየ።
23. ኢደይ ድማ ኤልዕል እሞ ብድሕረይ ትርእየኒ ገጸይ ግና ኣይርኤን ኣዩ በለኦ።

  Exodus (33/40)