Exodus (32/40)  

1. እቲ ህዝቢ ኸኣ ሙሴ ኻብ ከረን ከይወረደ ኸም ዝደንጎየ ምስ ረአየ፡ ናብ ኣሮን ተኣከበ እሞ፡ ነዚ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣና ሙሴ፡ እቲ ሰብኣይ፡ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ፡ ተንስእ ቀቅድሜና ዚኸዱ ኣማልኽቲ ግበረልና በልዎ።
2. ኣሮን ድማ እቲ ኣብ ኣእዛን ኣንስትኹምን ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ዘሎ ቐላብቲ ወርቂ ቐንጢጥኩም ኣምጹኡለይ በሎም።
3. ኩሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ ኣብ ኣእዛኖም ዝነበረ ቐላብቲ ወርቂ ቐንጢጦም ናብ ኣሮን ኣምጽእዎ።
4. ንሱ ኸኣ ካብ ኣእዳዎም ወሲዱ ብመንደል መመሰሊ ቀሪጹ፡ ኣፍሲሱ ኸኣ ምራኽ ገበሮ። ንሳቶም ድማ ዎ እስራኤል፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘደየቡኻ ኣማልኽትኻ እዚኣቶም እዮም በሉ።
5. ኣሮን እዚ ምስ ረኣየ፡ ኣብ ቅድሚኡ መሰውኢ ሰርሔ፡ ጽባሕ ንእግዚኣብሄር በዓል እዩ፡ ኢሉ ድማ ኣወጀ።
6. ንጽባሒቱ ኣንጊሆም ተንሲኣኦም ዚሓርር መስዋእቲ ሰውኡ መስዋእቲ ምስጋናውን ኣቕረቡ። እቶም ህዝቢ ድማ ኪበልዑን ኪሰትዩን ኮፍ በሉ ኪስሕቑ ኸኣ ተንስኡ።
7. ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴ በሎ፡ እዚ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእካዮ ህዝብኻ በዲሉ እዩ እሞ፡ ኪድ ውረድ።
8. ካብቲ ዝኣዘዝክዎም መገዲ ብኡብኡ ኣግለሱ። ምራኽ ፍሲ ገብሩ፡ ሰገዱሉን ሰውኡሉን ከአ፡ ዎ እስራኣኤል እቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘደየቡኻ ኣማልኽትኻ እዚኣኣቶም እዮም ድማ በሉ።
9. እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ፡ እዚ ህዝቢ እዚ እርእዮ ኣሎኹ፡ እንሆ ህዝቡ ተሪር ክሳድ እዩ ።
10. ሕጂ ኹራይ ኣብኦም ኪነድድ እዩ፡ ኪውድኦም ሕደገኒ። ንኣኻ ድማ ዓብዩ ህዝቢ ኽገብረካ እየ፡ በሎ።
11. ሙሴ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኸምዚ ኢሉ ተማህለለ፡ ዎ እግዚኣብሄር ስለምንታይ ኩራኻ ኣብዚ ብዓብዩ ሓይልን ብጽንዕቲ ኢድን ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻኣካዮ ህዝብኻ ይነድድ።
12. ከመይከ ግብጻውያን ኣብ ኣኽራን ኪቐትሎም ካብ ገጽ ምድሪ ኸኣ ኬጽንቶም ንመከራ ኣውጽኦም፡ ኢሎም ዚዛረቡ፡ ካብቲ ነዳዲ ኹራኻ ደኣ ተመለስ፡ ካብቲ ንህዝብኻ ኽትገብሮ ዝሐሰብካዮ ኽፉእ ድማ ተጠዐስ።
13. ንኣብሃምን ንይስሃቅን ንእስራኤልን፡ ንኣታቶም ንዘርእኹም ከም ከዋኽብቲ ሰመይ ብዘላ ንዘርእኹም ክህቦ እየ፡ ንዘለኣለም ከኣ ኺርስትይዋ እዮም፡ ኢልካ ብርእስኻ ዝመሓልካሎም ንባሮትካ ዘክር።
14. እግዚኣብሄር ድማ ካብቲ ንህዝቡ ኺገብሮ ኢሉ ተዛሪብዎ ዝነበረ ኽፉእ ተጣዕሰ።
15. ሙሴ ድማ ተመልሰ ነተን ክልተ ጽላት ምስክር ብዝን በትን እተጻሕፋ፡ ብኽልቲኡ ገጸን ጽሑፋት ዝነበራ ጽላት ኣብ ኢዱ ሒዙ ኻብ ከረን ወረደ።
16. እተን ጽላት ድማ ስራሕ እግዚኣብሄር ነበራኣ፡ ኣብተን ጽላት እተቐርጻ ጽሕፈት ከኣ፡ ጽሕፈት እግዚኣብሄር እዩ።
17. እያሱ ድማ እልልታን ጭራሕ ምራሕ እቶም ህዝብን ምስ ሰምዔ ንሙሴ ኣብ ሰፈር ደሃይ ውግእ ይስማዕ ኣሎ፡ በሎ።
18. ሙሴ ኸኣ እዚ ደህይ ዝሰዐሩ ኣይኮነን ደሀይ እተሳዕሩ ድማ ኣይኮነን ኣነ ደሃይ ደርፊ እየ ዝሰምዕ ዘሎኹ በለ።
19. ኮነ ኸኣ፡ ሙሴ ናብ ሰፈር ምስ ቀረበ፡ ነቲ ምራኽን ነቲ ሳዕስዒትን ርእዩ፡ ኩራኡ ነደደ እሞ፡ ነተን ጽላት ካብ ኢዱ ደርበየን፡ ኣብ እግሪ እቲ ኸረን ከኣ ሰበረን።
20. ነቲ ዝገበርዎ ምራኽ ወሲዱ ድማ ብሓዊ ኣንደዶ እሞ፡ ጥሒኑ ኣድከሞ፡ ኣብ ማይ ነስኒሱ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ኣስተዮም።
21. ሙሴ ድማ ንኣሮን እዚ ዓብዩ ሓጢኣት ዘምጻእካሉስ እዚ ህዝቢዚ እንታይ ገብረካ በሎ።
22. ኣሮን ከኣ ኩራ ጐይታይ ኣይንደድ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ኽፉእ ምዃኑ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።
23. እቲ ሙሴ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘደየበና ሰብኣይ፡ ንእኡ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ፡ ቀቅድሜና ዚኸዱ ኣማልኽቲ ግበረልና በሉኒ።
24. ኣነ ድማ ወርቂ ዘለዎ ይቕንጥጦ፡ በልክዎም። ንሳቶም ከኣ ሀቡኒ ኣነ ድማ ናብ ሓዊ ደርቤኽዎ፡ እዚ ምራኽ እዚ ኸኣ ወጸ።
25. ኣሮን ነቲ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ንመነወሪ ስዲ ሓዲግዎም ነበረ እሞ፡ ሙሴ ስዲ ተፋንዮም ምስ ረአዮም፡
26. ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ሰፈር ደው ኢሉ፡ ነፍሲ ወከፍ ናይ እግዚኣብሄር ዝኾነ ናባይ ተኣከቡ።
27. ንሱ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፡ ነፍሲ ወከፍ ሴፋ ኣብ ሕቑኡ ይዕጠቕ። ካብ ደገ ናብ ደገ ኸኣ ኣብዚ ሰፈር ተመላለሱ፡ ነፍሲ ወከፍ ንሓው፡ ነፍሲ ወከፍ ንፈታዊኡ፡ ነፍሲ ውከፍ ንጎረቤቱ ይቐተል፡ በሎም።
28. ደቂ ሌዊ ድማ ከምቲ ዘረባ ሙሴ ገበሩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብቲ ህዝቢ ኣስታት ስለስተ ሽሕ ሰብኣይ ወደቑ።
29. ሙሴ ድማ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ በረኸት ምእንቲ ኺወሀብኩም ነፍስ ወከፍ ብወዱን ብሓውን ሎሚ ንእግዚኣብሄር ተቐደሱ በለ።
30. ኮነ ድማ ንጽባሒቱ ሙሴ ነቶም ህዝቢ ንስኻትኩም ሓጢኣትኩም እንተ ኣተዐረቕኩም ናብ እግዚኣብሄር ክድይብ እየ፡ በሎም።
31. ሙሴ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ተመሊሱ፡ ኣየ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ዓብዩ ሓጢኣት ገበረ ንኣታቶም ከኣ ኣማልኽቶም ወርቂ ገብሩ።
32. ሕጂ ድማ ንሙሴ ነቲ ዝበደለኒ ኻብ መጽሓፈይ እሓኮ።
33. ሕጂ ኸኣ ኪድ እሞ፡ ነዚ ህዝቢ ነብቲ ዝበልኩኻ ምርሓዮ። እንሆ፡ መልኣኽይ ቀቅድሜኻ ኪኸይድ እዩ። ኣነ ግና በታ ንኣታቶም ዝበጽሓላ መዓልቲ ሓጢኣቶም ኪቕጽዕ እየ። በሎ።
34. ሕጂ ኸኣ ኪድ እሞ፡ ነዚ ህዝቢ ነብቲ ዝበልኩኻ ምርሓዮ። እንሆ፡ መልኣኽይ ቀቅድሜኻ ኪኸይድ እዩ። ኣነ ግና በታ ንኣታቶም ዝበጽሓላ መዓልቲ ሓጢኣቶም ኪቕጽዕ እየ። በሎ።
35. እሞ እቲ ኣሮን ዝገበሮ ምራኽ ስለ ዝገበሩ፡ እግዚኣብሄር ነቶም ህዝቢ ቐዘፎም።

  Exodus (32/40)