Exodus (31/40)  

1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሰ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2. ኣንሆ ኣነ ንበሳልኤል ወዲ ኡሪ ወዲ ሁር፡ ካብ ነገድ ይሁዳ፡ ብስሙ ጸዊዐዮ ኣሎኹ።
3. ንጥበቡን ንምስትውዓልን ንፍልጠትን ንኹሉ ዓይነት ዕዮ፡ ኣብ ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ንምዕያይ ጥበብ ኪሓስብ፡ ንምዝናቕ ዝኸውን ኣእማን ኪቐርብ፡ዕጨይትውን ንምጽራብ፡ ኩሉ ዕዮ ንምጋባር መንፈስ ኣምላኽ መሊኤዮ ኣሎኹ።
4. ንጥበቡን ንምስትውዓልን ንፍልጠትን ንኹሉ ዓይነት ዕዮ፡ ኣብ ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ንምዕያይ ጥበብ ኪሓስብ፡ ንምዝናቕ ዝኸውን ኣእማን ኪቐርብ፡ዕጨይትውን ንምጽራብ፡ ኩሉ ዕዮ ንምጋባር መንፈስ ኣምላኽ መሊኤዮ ኣሎኹ።
5. ንጥበቡን ንምስትውዓልን ንፍልጠትን ንኹሉ ዓይነት ዕዮ፡ ኣብ ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ንምዕያይ ጥበብ ኪሓስብ፡ ንምዝናቕ ዝኸውን ኣእማን ኪቐርብ፡ዕጨይትውን ንምጽራብ፡ ኩሉ ዕዮ ንምጋባር መንፈስ ኣምላኽ መሊኤዮ ኣሎኹ።
6. እንሆ ኸኣ ንኦሆልያብ ወዲ ኣሒሳማክ፡ ካብ ነገድ ዳን፡ ምስኡ ገይረዮ ኣሎኹ። እቲ ዝእዘዘኩኻ ኩሉ ምእንቲ ኺገብሩ ኸኣ፡ ኣብ ልቢ ኹሎም ብልሓተኛታት ጥበብ ኣንቢሩ ኣሎኹ።
7. ድንኳን ምርኻብን ታቦት ምስክርን ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ መኽደን መተዓረቕን ኩሉ ኣቓሑ ድንዃንን፡
8. ሰደቓን ኣቓሑኡን ኣቲ ጽሩይ ቀዋሚ ቐንዴልን ኩሉ ኣቓሑኡን መሰውኢ ዕጣን ከኣ፡
9. መሰውኢ ምሕራርን ኩሉ ኣቓሑኡን እቲ ገብራ ኸኣ ምስናይ ኣጋሮኡ፡
10. ኣልባስ ኣገልግሎትን ቅዱስ ኣልባስ ድማ ናኣሮንን ካህንን ንደቁን ብኽህነት ዜገልግሉሉ ኣልባስ፡
11. ዘይቲ ቕብኣትን እቲ ንመቕደስ ዚኸውን ምኡዝ ዕጣንን፡ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ኹሉ ይግበርዎ።
12. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
13. ንስኻ ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ቀዳሲኹም ኣነ እግዚኣብሄር ክምዝኾንኩ ኽትፈልጡስ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንግኹምን ንውሉድ ወለዶኹም መፈለጥታ ኣየ እሞ፡ ስነብተይ ኣጸቢቕኩም ሓልው።
14. ንኣኻትኩም ቅድስቲ እያ እሞ፡ ንሰንበት ሕልውዋ። ብእኣ ገለ ዕዩ ዚዐዩ ኹሉ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ህዝባ ኽትምንቆስ እያ እሞ፡ እቲ ዘርክሳ ሞት ይሙት።
15. ሽዱሽተ መዓልቲ ዕዮ ይተዐየ፡ ሳብዐየቲ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰት ሰነበት ዕረፍቲ እያ። ብመዓልቲ ስነበት ዕዮ ዝዐየየ ኹሉ ሞት ይሙት።
16. ንውሉድ ወለድኦም ንናይ ዘለኣለም ኪዳን ንሰንበት ኬብዕልዋ ደቂ እስራኤል ንሰንበት ይሓልውዋ።
17. እግዚኣብሄር ብሹድሹተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ገብረ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ዐሪፉ ኣተንፊሱ እዩ እሞ፡ ንሳ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤልን ናይ ዘለኣለም መፈለጥታ እያ።
18. ኣብ ከረን ሲና ሙሴ ተዛረቡ ምስ ወድኤ ክልተ ጽላት ምስክር በጻብዕ እግዚኣብሄር እተጻሕፈ ጽላት እምኒ ሀቦ።

  Exodus (31/40)