| ← Exodus (31/40) → |
| 1. | እግዚኣብሄር ድማ ንሙሰ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ |
| 2. | ኣንሆ ኣነ ንበሳልኤል ወዲ ኡሪ ወዲ ሁር፡ ካብ ነገድ ይሁዳ፡ ብስሙ ጸዊዐዮ ኣሎኹ። |
| 3. | ንጥበቡን ንምስትውዓልን ንፍልጠትን ንኹሉ ዓይነት ዕዮ፡ ኣብ ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ንምዕያይ ጥበብ ኪሓስብ፡ ንምዝናቕ ዝኸውን ኣእማን ኪቐርብ፡ዕጨይትውን ንምጽራብ፡ ኩሉ ዕዮ ንምጋባር መንፈስ ኣምላኽ መሊኤዮ ኣሎኹ። |
| 4. | ንጥበቡን ንምስትውዓልን ንፍልጠትን ንኹሉ ዓይነት ዕዮ፡ ኣብ ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ንምዕያይ ጥበብ ኪሓስብ፡ ንምዝናቕ ዝኸውን ኣእማን ኪቐርብ፡ዕጨይትውን ንምጽራብ፡ ኩሉ ዕዮ ንምጋባር መንፈስ ኣምላኽ መሊኤዮ ኣሎኹ። |
| 5. | ንጥበቡን ንምስትውዓልን ንፍልጠትን ንኹሉ ዓይነት ዕዮ፡ ኣብ ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ንምዕያይ ጥበብ ኪሓስብ፡ ንምዝናቕ ዝኸውን ኣእማን ኪቐርብ፡ዕጨይትውን ንምጽራብ፡ ኩሉ ዕዮ ንምጋባር መንፈስ ኣምላኽ መሊኤዮ ኣሎኹ። |
| 6. | እንሆ ኸኣ ንኦሆልያብ ወዲ ኣሒሳማክ፡ ካብ ነገድ ዳን፡ ምስኡ ገይረዮ ኣሎኹ። እቲ ዝእዘዘኩኻ ኩሉ ምእንቲ ኺገብሩ ኸኣ፡ ኣብ ልቢ ኹሎም ብልሓተኛታት ጥበብ ኣንቢሩ ኣሎኹ። |
| 7. | ድንኳን ምርኻብን ታቦት ምስክርን ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ መኽደን መተዓረቕን ኩሉ ኣቓሑ ድንዃንን፡ |
| 8. | ሰደቓን ኣቓሑኡን ኣቲ ጽሩይ ቀዋሚ ቐንዴልን ኩሉ ኣቓሑኡን መሰውኢ ዕጣን ከኣ፡ |
| 9. | መሰውኢ ምሕራርን ኩሉ ኣቓሑኡን እቲ ገብራ ኸኣ ምስናይ ኣጋሮኡ፡ |
| 10. | ኣልባስ ኣገልግሎትን ቅዱስ ኣልባስ ድማ ናኣሮንን ካህንን ንደቁን ብኽህነት ዜገልግሉሉ ኣልባስ፡ |
| 11. | ዘይቲ ቕብኣትን እቲ ንመቕደስ ዚኸውን ምኡዝ ዕጣንን፡ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ኹሉ ይግበርዎ። |
| 12. | እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ |
| 13. | ንስኻ ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ቀዳሲኹም ኣነ እግዚኣብሄር ክምዝኾንኩ ኽትፈልጡስ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንግኹምን ንውሉድ ወለዶኹም መፈለጥታ ኣየ እሞ፡ ስነብተይ ኣጸቢቕኩም ሓልው። |
| 14. | ንኣኻትኩም ቅድስቲ እያ እሞ፡ ንሰንበት ሕልውዋ። ብእኣ ገለ ዕዩ ዚዐዩ ኹሉ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ህዝባ ኽትምንቆስ እያ እሞ፡ እቲ ዘርክሳ ሞት ይሙት። |
| 15. | ሽዱሽተ መዓልቲ ዕዮ ይተዐየ፡ ሳብዐየቲ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰት ሰነበት ዕረፍቲ እያ። ብመዓልቲ ስነበት ዕዮ ዝዐየየ ኹሉ ሞት ይሙት። |
| 16. | ንውሉድ ወለድኦም ንናይ ዘለኣለም ኪዳን ንሰንበት ኬብዕልዋ ደቂ እስራኤል ንሰንበት ይሓልውዋ። |
| 17. | እግዚኣብሄር ብሹድሹተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ገብረ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ዐሪፉ ኣተንፊሱ እዩ እሞ፡ ንሳ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤልን ናይ ዘለኣለም መፈለጥታ እያ። |
| 18. | ኣብ ከረን ሲና ሙሴ ተዛረቡ ምስ ወድኤ ክልተ ጽላት ምስክር በጻብዕ እግዚኣብሄር እተጻሕፈ ጽላት እምኒ ሀቦ። |
| ← Exodus (31/40) → |