Exodus (30/40)  

1. ዕጣን እትዐጥነሉ መሰውኢ ኸኣ ግበር፡ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ግበር።
2. ምንዋሑ ሓደ እመት ምግፋሑ ኸኣ ሓደ እመት፡ ኣርባዕተ መኣዝኑ ማዕረ፡ ምብራኹ ድማ ክልተ እመት ይኹን። ኣቕርንቱ ኸኣ ምስኡ ብሕደ እተገብረ ይኹን።
3. ላዕላዩን ጎባታቱን ብዙርያኡ ኣቕርንቱን ድማ ብጽሩይ ወርቂ ለብጦ። ካብ ወርቂ ጌርካ ድማ ብኽልተ ጎባኡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣኽሊል ገብሮ፡ ብእኡ ኺጽወርሲ እቲ መሰላታት ኣብኡ ኺእቱ፡ ኣብ ክልተ ወገኑ ግበሮ።
4. እቲ መሰላታት ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ግበሮ፡ ብወርቂ ኸኣ ለብጦ።
5. እቲ መሰላታት ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ግበሮ፡ ብወርቂ ኸኣ ለብጦ።
6. ነቲ ኣብ ቅድሚ ታቦት ምስክር ዘሎ መጋረጃ፡ ኣብ ቅድሚኡ፡ ነቲ ኣነ ኣብኡ ምሳኻ ዝራኸበሉ፡ ኣብ ልዕሊ ምስክር ዘሎ መኽደን መተዓረቒ፡ ኣብ ቅድሚኡ ገብሮ።
7. ኣብኡ ኣሮን ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን ይዕጠን። ንግሆ ንግሆ ቐነድል ኪዳሉ ኸሎ፡ ዕጣን ይዕጠን።
8. ኣጋ ምሸት ድማ ኣሮን ቀነድል ኬብርህ ከሎ፡ ናይ ወርትግ ዕጣን ንውሉድ ወለዶኹም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይዕጠን።
9. ጋሻ ዕጣን ኮነ፡ ዚሓርር መስዋእቲ ኾነ ወይ መስዋእቲ ብልዒ ኣይትቕርቡሉ። መስዋእቲ መስተ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ኣይትኽዐው።
10. ኣብቲ ኣቕርንቱ ድማ ኣሮን ኣብ ዓመት ሓንሳእ የተዐርቕ። ንውሉስ ወለደኹም ብደም መስዋእቲ ናይ ምትዕራቕ ሓጢኣት ኣብ ዓመት ሓንሳእ የተዐርቕ። ንሱ ንእግዚኣብሄር ቅዱስ ቅዱሳት እዩ።
11. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ።
12. ንደቂ እስራኤል ምስ እትቛጽሮም ምስ ተቖጽሩ፡ በቲ ምቑጻሮም ሕማም ከይኮኖም፡ ነፍ ወከፍ በጃ ነፍሱ ንእግዚኣብሄር ይሀብ።
13. ነፍስ ወከፍ ኣብቶም ቑጹራት ዝሓለፈ፡ በቲ ሲቃል መቕደስ ፈረቓ ሲቃል ይሀብ። ሲቃል ድማ ዕስራ ጌራ እዩ እሞ፡ ፈረቓ ሲቃል መባእ ንእግዚኣብሄር ይኹን።
14. ነፍስ ወከፍ ኣብቶም ቁጹራት ዝሐለፈ፡ ወዲ ዕስራ ዓመት ካባኡ ንላዕሊውን እቲ መባእ ንእግዚኣብሄር ይሀብ።
15. እቲ በጃ ነፍስኹም ንእግዚኣብሄር መባእ ክትህቡ ኢኹም፡ ሃብታም ካብ ፈረቓ ሲቃል ኣየብዝሕ፡ ድኻ ኸኣ ኣየውሕድ።
16. እቲ ገንዘብ መተዓረቒ ድማ፡ ንመተዓረቒ ነፍስኹም፡ ንደቂ እስራኤል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመዘከሪ ኪኸውን፡ ካብ ደቂ እስራኤል ወሲድካ ንኣገልግሎት ድንኳን ምርኻብ ግበሮ።
17. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
18. ንመሕጸቢ ዚኸውን ገበራ ድማ ካብ ኣስራዚ ኣጋሮኡ ኸኣ ካብ ኣስራዚ ግበሮ። ኣብ መንጎ ድንኳን ምርኻብ መሰውእን ኣንብሮ ኣሞ፡ ማይ ግበረሉ።
19. ኣሮንን ደቁን ድማ ኣእዳዎም ኣእጋሮምን ብእኡ ይተሓጸቡ።
20. ናብ ድንኳን ምርኻብ ኪኣትው ኸለው፡ ወይ ንእግዚኣብሄር መስዋኣቲ ሓዊ ብምንዳድ ኬገልግሉ ናብ መሰውኢ ምስ ዚቐርቡ፡ ምእንቲ ኸይትሞቱስ ምስይ ይተሓጸቡ።
21. ምእንቲ ኸይሞቱ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ይተሓጸቡ። እዚ ኸኣ ንኣታቶም ንእኡን፡ ንውሉድ ወለዶኦም ስርዓት ዘለኣለም ይኹን።
22. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ።
23. ካብ ዝበለጸ ጥዑም ጨና ንኣኻ ውሰድ፡ ሓሙሽተ ሚእቲ ሲቃል ዚነጥብ ከርበ ፈረቓኡ ኸኣ ማለት ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሲቃል፡ ካብ ጥዑም ዝጨናኡ ቓርፋ ካብ ጥዑም ዝጨናኡ ቓንጫ ዶሪራ ድማ ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሲቃል።
24. ሓሙሽተ ሚእቲ ሲቃል ብሲቃል መቕደስ ከኣ ካብ ሳናመኪ፡ ሓደ ሂን ዘይቲ ኣውልዕ ድማ።
25. ንእኡ ኸም ብብልሓት ገባር ቅብኢ እተገብረ ቕብኢ፡ ቅዱስ ዘይቲ ቕብኣት ግበሮ። ንሱ ቅዱስ ዝየቲ ቕብኣት ይኹን።
26. ብእኡ ድማ ነቲ ድንኳን ምርኻብን ንታቦት ምስክርን ቅባእ፡
27. ነቲ ሰንደቕ ኩሉ ኣቓሑኡን ንቐዋሚ ቐንዴልን ኩሉ ኣቓሑኡን ነመሰውኢ ዕጣን ከኣ፡
28. ንመሰውኢ ምሕራርን ኩሉ ኣቃሓኡን፡ ነቲ ገብራት ኣጋሮኡን ቅባእ።
29. ቅዱስ ቅዱሳን ኪኸውን ድማ ቀድሶ። ዚትንክዮ ዘበለ ኹሉ ኸኣኣ ይቕደስ።
30. ንኣሮንን ንደቁን ድማ ካህናት ኪኾኑኒ ቅብኣዮምን ቀድሶምን።
31. ንደቂ እስራኤል ከኣ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ዘይቲ ቅዱስ ቅብኢ ይኩነለይ።
32. ኣብ ስጋ ሰብ ኣይኩዖ፡ ካላውን ከምቲ ኣገባብራኡ ኣይትግበሩ። ንሱ ቅዱስ እዩ እሞ። ንኣኻትኩም ከኣ ቅዱስ ይኹን።
33. እቲ ኸምኡ ዝበለ ቕብኢ ዝገበረን፡ እቲ ካብኡ ንኻልእ ሰብ ዝለኸየን ንሱ ኻብ ህዝቡ ይመንቆስ።
34. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ጥዑም ጨናታት፡ ከርበን ሸኸለትን ከለበናን፡ ጥዑም ጨናታት ምስ ጽሩይ ዕጣንን በብዓይነቱ ማዕረ ማዕረ ኸም ዚኸውን ጌርካ ውሰድ።
35. ንእኡ ድማ ከም ብብልሓት እቶም ገበርቲ ቕባኢ ጨው ዝኣተዎ ጽሩይ ቅዱስ ቅባኢ ዕጣን ገብሮ።
36. ካብኡ ኣድኪምካ ጉዳእ እሞ፡ ኣብቲ ኣነ ምሳኻ ዝራኸበሉ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ቅድሚ ምስክር ኣንብሮ። ንኣኻትኩም ቅዱስ ቅዱሳን ይኹን።
37. እቲ በዚ ኣገባብራኣኡ እትገብሮ ዕጣን ንኣኻትኩም ኣይትግበሩ። ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ይኹነልካ።
38. ዝኾነ ይኹን ኪዕጠኖ ኢሉ ኸምኡ ዝበለ ዚገብር፡ ካብ ህዝቡ ይመንቆስ።

  Exodus (30/40)