Exodus (3/40)  

1. ሙሴ ድማ ኣብጊዕ የትሮ ሓሙኡ፡ ካህን ሚድያን ይጓሲ ነበረ። ነተን ኣባጊዕ እናኸብከበን ናብ ክንየው በረኻ፡ ናብ ሆሬብ ከረን ኣምላኽ መጸ።
2. መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ካብ ማእከል ኣሻኹ ቋጥቋጥ ብሃልሃልታ ሓዊ ተራእዮ። እተን ጠመተ ድማ እንሃ፡ እታ ቛጥቋጥ ብሓዊ ትነድድ ነበረት፡ ኣታ ቛጥቋጥ ግና ኣይተበልዔትን።
3. ሙሴ ኸኣ፡ እዚ ዓብዩ ትርኢት እዚ፡ እዛ ቛጥቋጥ ከመይ ኢላ ሞኹ ከም ዝይትብል ደኣ ኸይደ ኽርኢ በለ።
4. እግዚኣብሄር ድማ ኪርኢ ኸም ዝቐረበ ምስ ረአየ፡ ኣምላኽ ካብ ማእከል እታ ቛጥቋጥ፡ ሙሴ፡ ሙሴ፡ ኢሉ ጸውዖ። ንሱ ድማ፡ እኔኹ፡ በለ።
5. ሽዑ ኸኣ፡ ናብዚ ኣይትቕረብ። እዛ ደው ኢልካላ ዘሎኻ ቦታ ቅድስቲ ምድሪ እያ እሞ ኣሳእንካ ኻብ ኣእጋርካ ኣውጽእ፡ በለ።
6. ድማ ኣነ ኣምላኽ ኣቦኻ፡ ኣብርሃም፡ ኣቦኻ ይስሃቅ፡ ኣምላኽ ያእቆብ ከኣ እየ በለ። ሙሴ ድማ ንኣምላኽ ያእቆብ ከአ እየ፡ በለ። ሙሴ ድማ ንኣምላኽ ከይጥምት ፈርሄ ኣሞ ገጹ ኸደነ።
7. እግዚኣብሄር ድማ ጸበባ እቲ ኣብ ግብጺ ዘሎ ህዝበይ ፈሊጠ እየ እሞ ስቓዮም ኣጸቢቐ ርኤኹ፡ እቲ ብሰሪ መጨነቕቶም ዜእወይዎ ኸኣ ሰምዔ ኣሎኹ።
8. ስለዚ ኻብ ኢድ ግብጻውያን ከድሕኖም ወሪደ ኣሎኹ፡ ካብታ ምድሪ እቲኣ ኣብታ ጽብቕትን ርሕብትን ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፡ ናብታ ቦታ ኸነኣናውያን ሄታውያንን ኣሞራውያንን ፈረዛውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን ከደይቦም እየ።
9. ሕጂ ድማ እንሆ ኣውያት ደቂ እስራኤል ናባይ መጸ፡ እቲ ግብጻውያን ዘጥቅዕዎም ጥቕዓት ርኤኹ።
10. እምበኣር ሕጂ ንዓ፡ ንህዝበይ ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ኺተወጽኦም፡ ናብ ፈርኦን ክልእከካ እየ፡ በለ።
11. ሙሴ ድማ ንኣምላኽ፡ ናብ ፈርኦን ዝኸይድን ንደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ዘውጽእንከ፡ ኣነ መን እየ በለ፡ በሎ።
12. ኣምላኽ ከኣ ኣነ ምሳኻ ክኸውን እየ እሞ፡ ኣነ ኸም ዝለኣኽኩኻ ድማ፡ እዚኣ ትእምርቲ ትኹንካ፡ ነቲ ህዝቢ ኻብ ግብጺ ምስ ኣውጻእካዮ፡ ኣብዚ ኸረን እዚ ንኣምላኽ ከተገልግሉ ኢኹም በለ።
13. ሙሴ ድማ ንኣምላኽ፡ እንሆ፡ ናብ ደቂ እስራኤል መጺኡ፡ ኣቦታትኩም ናባኻትኩም ልኢኹኒ ምስ በልክዎም፡ ስሙ መን እዩ ኣንተ በሉንስ እንታይ ክብሎም ኣየ፡ በሎ።
14. ኣምላኽ ከኣ ንሙሴ፡ ኣቲ ዘሎኹ እየ ዘሎኹ፡ በሎ። በለ ድማ፡ ንደቂ እስራኤል፡ እቲ ኣሎኹ ናባኻትኩም ለኣኸኒ፡ በሎም።
15. ኣምላኽ ድማ ወሲኹ ንሙሴ በሎ፡ ንደቂ እስራኤል ከምዚ በሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም፡ ኣምላኽ ኣብርሃም፡ ኣምላኽ ይስሃቅ፡ ኣምላኽ ያእቆብ ከኣ ናባኻትኩም ለኣኸኒ። እዚ ንዘለኣለም ስመይ እዩ።
16. ኪድ ንዓበይቲ እስራኤል አኪብካ በሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም፡ ኣምላኽ ኣብርሃም፡ ኣምላኽ ይስሃቅ፡ ኣምላኽ ያእቆብ ከኣ ተገልጸለይ፡ ከምዚ ኢሉ፡ ብርግጽ በጺሔኩም፡ እቲ ኣብ ግብጺ ዝገብሩኹም ድማ ርኤኹ።
17. ካብ ጸበባ ግብጺ ናብ ምድሪ ኸነኣናውያን ሒታውያንን ኣሞራውያንን፡ ጸባን መዓርን ናብ እተውሕዝ ምድሪ ኸደይበኩም እየ፡ ድማ በልኩ።
18. ቃልካ ኸኣ ኪሰምዑ እዮም። ንስኻን ዓበይቲ እስራኣኤልን ናብ ንጉስ ግብጺ ኣቲኹም፡ ከምዚ ትብልዎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እብራውያን ተገልጸልና። ሕጂ ድማ በጃኻ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኽንስውእ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ናብ በረኻ ኽንከይድ በልዎ።
19. ብሓያል ኢድ እንተ ዘይኮነስ፡ ንጉስ ግብጽጺ ኽትከዱ ኸም ዘይሓድገኩም፡ እፈልጥ ኣሎኹ።
20. በቲ ኣብ ማእከላ ዝገብሮ ኺወቕዓ እየ። ድሕሪኡ ድማ ኪሓድጎኩም እየ።
21. ነቲ ህዝቢ እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ግብጻውያን መጎስ ክህቦ እየ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ምስ እትኸዱ፡ ጥራይ ኢድኩም ኣይትኸዱን ኢኹም።
22. ነፍስ ወከፍ ሰበይቲ ኣቕሓ ብሩርን ኣቅሓ ወርቅን ክዳውንትን ትለምን። ነዚ ኣብ ኣወደትኩም ኣዋልድኩም ግበርዎ፡ ንግብጻውያን ከኣ ትገፍዎም።

  Exodus (3/40)