← Exodus (3/40) → |
1. | ሙሴ ድማ ኣብጊዕ የትሮ ሓሙኡ፡ ካህን ሚድያን ይጓሲ ነበረ። ነተን ኣባጊዕ እናኸብከበን ናብ ክንየው በረኻ፡ ናብ ሆሬብ ከረን ኣምላኽ መጸ። |
2. | መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ካብ ማእከል ኣሻኹ ቋጥቋጥ ብሃልሃልታ ሓዊ ተራእዮ። እተን ጠመተ ድማ እንሃ፡ እታ ቛጥቋጥ ብሓዊ ትነድድ ነበረት፡ ኣታ ቛጥቋጥ ግና ኣይተበልዔትን። |
3. | ሙሴ ኸኣ፡ እዚ ዓብዩ ትርኢት እዚ፡ እዛ ቛጥቋጥ ከመይ ኢላ ሞኹ ከም ዝይትብል ደኣ ኸይደ ኽርኢ በለ። |
4. | እግዚኣብሄር ድማ ኪርኢ ኸም ዝቐረበ ምስ ረአየ፡ ኣምላኽ ካብ ማእከል እታ ቛጥቋጥ፡ ሙሴ፡ ሙሴ፡ ኢሉ ጸውዖ። ንሱ ድማ፡ እኔኹ፡ በለ። |
5. | ሽዑ ኸኣ፡ ናብዚ ኣይትቕረብ። እዛ ደው ኢልካላ ዘሎኻ ቦታ ቅድስቲ ምድሪ እያ እሞ ኣሳእንካ ኻብ ኣእጋርካ ኣውጽእ፡ በለ። |
6. | ድማ ኣነ ኣምላኽ ኣቦኻ፡ ኣብርሃም፡ ኣቦኻ ይስሃቅ፡ ኣምላኽ ያእቆብ ከኣ እየ በለ። ሙሴ ድማ ንኣምላኽ ያእቆብ ከአ እየ፡ በለ። ሙሴ ድማ ንኣምላኽ ከይጥምት ፈርሄ ኣሞ ገጹ ኸደነ። |
7. | እግዚኣብሄር ድማ ጸበባ እቲ ኣብ ግብጺ ዘሎ ህዝበይ ፈሊጠ እየ እሞ ስቓዮም ኣጸቢቐ ርኤኹ፡ እቲ ብሰሪ መጨነቕቶም ዜእወይዎ ኸኣ ሰምዔ ኣሎኹ። |
8. | ስለዚ ኻብ ኢድ ግብጻውያን ከድሕኖም ወሪደ ኣሎኹ፡ ካብታ ምድሪ እቲኣ ኣብታ ጽብቕትን ርሕብትን ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፡ ናብታ ቦታ ኸነኣናውያን ሄታውያንን ኣሞራውያንን ፈረዛውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን ከደይቦም እየ። |
9. | ሕጂ ድማ እንሆ ኣውያት ደቂ እስራኤል ናባይ መጸ፡ እቲ ግብጻውያን ዘጥቅዕዎም ጥቕዓት ርኤኹ። |
10. | እምበኣር ሕጂ ንዓ፡ ንህዝበይ ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ኺተወጽኦም፡ ናብ ፈርኦን ክልእከካ እየ፡ በለ። |
11. | ሙሴ ድማ ንኣምላኽ፡ ናብ ፈርኦን ዝኸይድን ንደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ዘውጽእንከ፡ ኣነ መን እየ በለ፡ በሎ። |
12. | ኣምላኽ ከኣ ኣነ ምሳኻ ክኸውን እየ እሞ፡ ኣነ ኸም ዝለኣኽኩኻ ድማ፡ እዚኣ ትእምርቲ ትኹንካ፡ ነቲ ህዝቢ ኻብ ግብጺ ምስ ኣውጻእካዮ፡ ኣብዚ ኸረን እዚ ንኣምላኽ ከተገልግሉ ኢኹም በለ። |
13. | ሙሴ ድማ ንኣምላኽ፡ እንሆ፡ ናብ ደቂ እስራኤል መጺኡ፡ ኣቦታትኩም ናባኻትኩም ልኢኹኒ ምስ በልክዎም፡ ስሙ መን እዩ ኣንተ በሉንስ እንታይ ክብሎም ኣየ፡ በሎ። |
14. | ኣምላኽ ከኣ ንሙሴ፡ ኣቲ ዘሎኹ እየ ዘሎኹ፡ በሎ። በለ ድማ፡ ንደቂ እስራኤል፡ እቲ ኣሎኹ ናባኻትኩም ለኣኸኒ፡ በሎም። |
15. | ኣምላኽ ድማ ወሲኹ ንሙሴ በሎ፡ ንደቂ እስራኤል ከምዚ በሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም፡ ኣምላኽ ኣብርሃም፡ ኣምላኽ ይስሃቅ፡ ኣምላኽ ያእቆብ ከኣ ናባኻትኩም ለኣኸኒ። እዚ ንዘለኣለም ስመይ እዩ። |
16. | ኪድ ንዓበይቲ እስራኤል አኪብካ በሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም፡ ኣምላኽ ኣብርሃም፡ ኣምላኽ ይስሃቅ፡ ኣምላኽ ያእቆብ ከኣ ተገልጸለይ፡ ከምዚ ኢሉ፡ ብርግጽ በጺሔኩም፡ እቲ ኣብ ግብጺ ዝገብሩኹም ድማ ርኤኹ። |
17. | ካብ ጸበባ ግብጺ ናብ ምድሪ ኸነኣናውያን ሒታውያንን ኣሞራውያንን፡ ጸባን መዓርን ናብ እተውሕዝ ምድሪ ኸደይበኩም እየ፡ ድማ በልኩ። |
18. | ቃልካ ኸኣ ኪሰምዑ እዮም። ንስኻን ዓበይቲ እስራኣኤልን ናብ ንጉስ ግብጺ ኣቲኹም፡ ከምዚ ትብልዎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እብራውያን ተገልጸልና። ሕጂ ድማ በጃኻ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኽንስውእ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ናብ በረኻ ኽንከይድ በልዎ። |
19. | ብሓያል ኢድ እንተ ዘይኮነስ፡ ንጉስ ግብጽጺ ኽትከዱ ኸም ዘይሓድገኩም፡ እፈልጥ ኣሎኹ። |
20. | በቲ ኣብ ማእከላ ዝገብሮ ኺወቕዓ እየ። ድሕሪኡ ድማ ኪሓድጎኩም እየ። |
21. | ነቲ ህዝቢ እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ግብጻውያን መጎስ ክህቦ እየ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ምስ እትኸዱ፡ ጥራይ ኢድኩም ኣይትኸዱን ኢኹም። |
22. | ነፍስ ወከፍ ሰበይቲ ኣቕሓ ብሩርን ኣቅሓ ወርቅን ክዳውንትን ትለምን። ነዚ ኣብ ኣወደትኩም ኣዋልድኩም ግበርዎ፡ ንግብጻውያን ከኣ ትገፍዎም። |
← Exodus (3/40) → |