Exodus (29/40)  

1. ካህናተይ ኪኾኑኒ ክትቅድሶም ከሎኻ ገበረሎም ነገር እዚ እዩ። ሓደ ዝራቦን ጎደሎ ዚብሎም ክልተ ድዑልን ውሰድ።
2. ዘብኹዔ እንጌራን ብዘይቲ እተቐምጥዔ ቕጫታትን፡ ዘይቲ እተለኸየ ረቂቕ ቅጫታትን ድማ ውሰድ ካብ ድኹም ሓርጭ ስርናይ ግበሮ።
3. ኣብ ሓደ መሶብ ኣንብሮ፡ በቲ መሶብ ጌርካ ምስቲ ዝራብዕን ምስቶም ክልተ ድዑልን ጌርካ ኣቕርቦ።
4. ንኣሮንን ንደቁን ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ኣቕርቦም፡ ብማይ ድማ ሕጸቦም።
5. ነቲ ኣልባሳት ወሲድካ ድማ፡ ንኣሮን ቀምሽ ታሕትን ናይ ኤፎድ። በቲ ብብልሓት እተገብረ ቅናት ኤፎድ ክደኖ። በቲ ብብልሓት እተገብረ ቅናት ኤፎድ ጌርካ ኸኣ ኣዕጥቆ።
6. ኣብ ርእሱ ድማ መጠምጠምያ ግብረሉ። ነቲ ቅዱስ ኣኽሊል ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ መጠምጠምያ ግበሮ።
7. ዚቕባእ ዘይቲ ወሲድካ ድማ ናብ ርእሱ ኹዒኻ ቅብኣዮ።
8. ንደቁ ኸኣ ኣቕርቦም ኣሞ፡ ቀመውሽ ታሕቲ ኽደኖም።
9. ንኣሮንን ንደቁን ድማ ብቕናት ኣዕጥቆም፡ መጠምጠምያውን ገብረሎም። እቲ ኽህነት ከኣ ንኣታቶም ናይ ዘለኣለም ሕጊ ይኹን። ንኣሮንን ንደቁን ከኣ ተቕድሶም።
10. ነቲ ዝራብዕ ድማ ናብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ኣቕርቦ፡ ኣሮንን ደቁን ከኣ ኣእዳዎም ኣብ ርእሲ እቲ ዝራብዕ የንብሩ።
11. ነቲ ዝራብዕ ከኣ ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ቅድሚ ኣግዚኣብሄር ሕረዶ።
12. ካብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲድካ ድማ በጻብዕካ ነቲ ኣቕርንቲ መሰውኢ ልኸዮ፡ ንኹሉ እቲ ደም ከኣ ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ ኽዐዎ።
13. ነቲ ናውቲ ኸብዲ ዜጎልብብ ቋንጡጥን ኣብ ልዕሊ ኸብዲ ዝለኦ ስብሕን ንኽልቲኡ ኹሊትን ኣብ ልዕሊኣኡ ዘሎ ስብሕን፡ ንኹሉ ወሲድካ ኣብ መሰውኢ ኣሕርሮ።
14. ናይቲ ዝራብዕ ስጋን ቆርበትን ፈረስን ግና፡ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ እሞ። ኣብ ወጻኢ ሰፈር ብሓዊ ኣንድዶ።
15. ነቲ ሓደ ድዑል ወሲድካ ድማ፡ ኣሮንን ደቁን ኣእዳዎም ኣብ ርእሲ እቲ ድዑል የንብሩ።
16. ነቲ ድዑል ከኣ ሕረዶ፡ ነቲ ደሙውን ኣብ ልዕሊ እቲ እተቖራረጸ ስጋኡን ርእሱን ኣንብሮ።
17. ነቲ ድዑል ድማ ብዘሎ ኣብ ኣብ መሰውኢ ኣሕደሮ። ንሱ ንእግዚኣብሄር ዚሓርር መስዋእቲ እዩ፡ ንሱ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና መስዋእቲ ሓዊ እዩ።
18. ነቲ ድዑል ድማ ብዘሎ ኣብ ኣብ መሰውኢ ኣሕደሮ። ንሱ ንእግዚኣብሄር ዚሓርር መስዋእቲ እዩ፡ ንሱ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና መስዋእቲ ሓዊ እዩ።
19. ነቲ ኻልኣይ ድዑል ወሲድካ ድማ፡ ኣሮንን ደቁን ኣእዳዎም ኣብ ርእሲ እቲ ድዑል የንብሩ።
20. ነቲ ድዑል ከኣ ሕረዶ፡ ካብ ደሙ ወሲድካ ድማ ኣብ ወሰን የመንየቲ እዝኒ ኣሮንን ኣብ ወሰን የማኖይ ኣእዛን ደቁን ኣብ የማኖት ዓበይቶ ኣእዳዎምን የማኖት ዓበይቶ ኣእጋሮምን ልኸ። ነቲ ደም ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ንጸጎ።
21. ካብቲ ኣብ መሰውኢ ዘሎ ደምን ካብቲ ዘይቲ መእብእን ወሲድካ ድማ ኣብ ኣሮንን ኣብ ኣልባሱን ኣብ ደቁን ኣብ ኣልባስ ደቁን ይእደሱ።
22. ድዑል ምቕዳስ እዩ እሞ፡ ናይቲ ድዑል ስብሒ፡ ኮልኩልን እቲ ናውቲ ኸብዲ ዚጉልብብ ቛንጢጥን ስብሒ ኸብድን ክልቲኡ ኹሊትን ኣቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ስብሕን የማናይ እግርን ውሰድ።
23. ካብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ ዘይብኹዔ እንጌራ ዘለዎ መሶብ ከኣ ሓደ ሕብስትን ሓደ ቕጫ እንጌራ ዘይትን ሓደ ራቂቕ ቅጫን ውሰድ።
24. እዚ ኹሉ ድማ ኣብ ኣእዳው ኣሮንን ኣብ ኣእዳው ደቁን ኣንብሮ እሞ፡ ከም ዚውዝውዝ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ እዚኣብሄር ወዝውዞ።
25. ካብ ኣእዳዎም ወሲድካ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ኣብ መሰውኢ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝሓርር መስዋእቶ ኣሕድሮ። እዚ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ እዩ።
26. ሓኸለ እቲ ድዑል ምቕዳስ ኣሮን ውሰድ እሞ ከም ዚውዝውዝ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወዝውዞ። ንሱ ኸኣ ግዴኻ ይኹን።
27. እቲ ንኣሮንን ንደቁን ዚግባእ፡ ነቲ ሓኸለ ዚውዝውዝ መስዋእትን ነቲ ዚለዐል መስዋእቲ እግርን ናይቲ ድዑል ምቕዳስ፡ ዝውዝወዝን ዚለዐልን ቀድሶ።
28. እዚ ዚለዐል መስዋእቲ እዩ እሞ፡ ካብ ደቂ እስራኤል ናሮንን ንደቁን ሕጊ ዘለኣለም ይኹን። እዚ ኻብቲ ደቂ እስራኤል ካብ ናይ ምስጋና መስዋእቶም ዚለዐል መስዋእቲ፡ ንእግዚኣብሄር ዚለዐል መስዋእቶም ይኹን።
29. እቲ ቅዱስ ኣልባስ ኣሮን ከኣ፡ ንሳቶም ብእኡ ኪቕብኡ። ብእኡ ድማ ኪቕደሱ ብድሕሪኡ ንደቁ ይኹን።
30. ካብ ደቁ እቲ ኣብ ስፍራኡ ኻህን ዚኸውን፡ እቲ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግል ናብ መቕደስ ዚኣቱ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ይልበሶ።
31. ነቲ ድዑል ምቕዳስ ወሲድካ ድማ ስጋኡ ኣብ ቅዱስ ቦታ ኣብስሎ።
32. ኣሮንን ደቁን ድማ ንስጋ እቲ ድዑልን ነቲ ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ኮይኖም ይብልዕዎ።
33. እዚ ብእኡ ምምላእ ኢዶምን ምቕዳሶምን ንመተዓረቒ እተገብረ ይብልዕዎ። ንሱ ቕዱስ እዩ እሞ፡ ካብኡ ጓና ኣይብላዕ።
34. ካብቲ ስጋ ምቕዳስ ወይ ካብቲ ኣንጌራ ገለ ኽሳዕ ንጽብሒቱ ኣንተ ተረፈ፡ ነቲ ተረፍ ብሓዊ ኣንድዶ፡ ቅዱስ እዩ ኣሞ፡ ኣይበላዕ።
35. ንኣሮንን ንደቁን ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ እዚ ኹሉ ገብረሎም። ሾብዓተ መዓልቲ ትቕድሶም።
36. ኣብ ጸጽባሕ ከኣ ንመተዓረቒ ዝኸውን ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ዝራብዕ ኣቕርብ። ነቲ መሰውኢ ኸኣ በቲ እትዕረቕሉ ኣጽርዮ፡ ክትቅስዶውን ልኸዮ።
37. ነቲ መሰውኢ ሾብዓተ መዕላቲ ኣተዐርቆን ቀድሶን። እቲ መሰውኢ ዝተንከዮ ኹሉ ኪቕደስ እዩ።
38. እቲ ኣብ መሰውኢ እትቕርቦ ኸኣ እዚ እዩ፡ ወርትግ ኣብ ጸጽባሕ ክልተ ገንሸል ዓመት።
39. እቲ ሓደ ገንሸል ብጊሓት ኣቕርቦ፡ እቲ ኻልኣይ ገንሸል ከኣ ምሸት ኣቕርቦ።
40. ምስቲ ሓደ ገንሸል ብራብዓይ ክፍሊ ሂን ጉዳእ ዘይቲ ኣውልዕ እተለውሰ ዓስራይ ክፍሊ ኤፋ ድኹም ሓርጭ፡ ንመስዋእቲ መስተውን ራብዓይ ክፍሊ ሂን ወይኒ ኣቕርብ።
41. ነቲ ኻልኣይ ገንሸል ድማ ከምቲ ናይ ብጊሓት መስዋእቲ ብልዕን ከምቲ መስዋእቲ መስርተን ምስኡ ጌርካ ኣግ ምሸት ኣቕርቦ። ንጥዑም ጨና መስዋእቲ ብልዕን ከምቲ መስዋእቲ መስተን ምስኡ ጌርካ ኣጋ ምሸት ኣቕርቦ። ንጥዑም ጨና፡ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር እዩ።
42. እዚ ኣብቲ ኣነ ኽዛረበካ ምሳኹም ዝራኸበሉ፡ ኣብ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ውሉድ ወለዶኹም ንወርትግ ዚሓርር መስዋኣቲ እዩ።
43. ኣብኡ ምስ ደቂ እስራኤል ክራኽርብ እየ፡ እቲ ድንኳን ድማ ብኽብረይ ኪቕደስ እዩ።
44. ነቲ ድንኳን ምርኻብን ንመስውእን ክቕድሶ እየ። ናሮንን ንደቁን ከኣ ካህናት ኪኾኑኒ ክቕድሶም እየ።
45. ኣነ ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ክነብር ኣምላኾም ድማ ኪኸውን እየ።
46. ኣብ ማእከሎም ክነብር ኢለ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኸም ዘውጻእክዎም ኣነውን እግዚኣብሄር ኣምላኾም ከም ዝኾንኩ ኺፈልጡ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ።

  Exodus (29/40)