Exodus (28/40)  

1. ንስኻ ኸኣ ንሓውካ ኣሮን ደቁ ድማ ምስኡ፡ ኣሮን ደቂ ኣሮን ከኣ፡ ናዳብን ኣቢሁርን ኣልኣዛርን ኢታምርን፡ ካህናት ኪኾነኒ፡ ካብ ማእከል ደቂ እስራኤል ናባኻ ኣቕርቦም።
2. ናኣሮን ሓውካ ድማ ንኽብርን ንጌጽን ዚኸውን ቅዱሳት ኣልባስ ግበረሉ።
3. ንስኻ ድማ ነቶም መንፈስ ጥበብ ዝመላእክዎም ብልቦም ፈላጣት ዝኾኑ ኹሎም ንኣሮንን ካህነይ ንምዃን ኪቕደስ፡ ኣልባስ ኪገብሩሉ ንገሮም።
4. እቲ ዝገብርዎ ኣልባስ ከኣ እዚ እዩ፡ ሳንቃ ኣፍ ልብን ኣፎድን ቀሚሽ ላዕልን ዓንጥዓንጦራይ ቀሚሽ ታሕትን መጠምጠምያን ቅናትን እሞ ካህነይ ኪኸውንሲ፡ ንሳቶም ወርቅን ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ወርቅን ሰማያዊ ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕ ልሕጺ እንጣጢዕን ወሲዶም፡ ንሓውካ ኣሮንን ንደቁን ቅዱስ ኣልባስ ይገብረሉም።
5. እቲ ዝገብርዎ ኣልባስ ከኣ እዚ እዩ፡ ሳንቃ ኣፍ ልብን ኣፎድን ቀሚሽ ላዕልን ዓንጥዓንጦራይ ቀሚሽ ታሕትን መጠምጠምያን ቅናትን እሞ ካህነይ ኪኸውንሲ፡ ንሳቶም ወርቅን ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ወርቅን ሰማያዊ ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕ ልሕጺ እንጣጢዕን ወሲዶም፡ ንሓውካ ኣሮንን ንደቁን ቅዱስ ኣልባስ ይገብረሉም።
6. ነቲ ኣፎድ ካብ ወርቅብ ሰማያውን ሕብሪ ደማን ጽሩይ ቀይሕን እታፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕ ገይሮም ብብልሃት ይግበርዎ።
7. ንምግጣሙ ብኽልተ ወሰኑ ኽልተ ኣተጋጠመ ኽፍሊ መንኩብ ይሀልዎ።
8. እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝኺውን ብብልሓት ኣተገብረ ዚዕጠቑሉ ቕናት ከኣ ምስኡ ብሓደ እተጋጠመ፡ ሓደ ዓይነት ዝስራሑ ካብ ወርቅን ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ይኹን።
9. ክልተ ኣምኒ ኦኒክስ ውሰድ እሞ ስም ደቂ እስራኤል ቅረጸሉ።
10. ሹድሽተ ኻብ ስሞም ኣብቲ ሓደ እምኒ፡ እቶም ዝተረፉ ሹድሽተ ስም ድማ ከከም ምላዶም ጌርካ ኣብቲ ኻልኣይ እምኒ ቕረጽ።
11. ቀራጽ እምኒ ማሕተም ከም ዚቐርጽ ከምኡ ኣብ ክልቲኡ እምኒ ስም ደቂ እስራኤል ቅረጽ። ዚሕዞ ኸኣ ትተዖ ወርቂ ኣዙረሉ።
12. ነቲ ኽልተ ኣእማን ድማ፡ ንደቂ እስራኤል ኣእማን መዘከርታ ኪኸውን፡ ኣብቲ መናኩብ ኣፎድ ግበሮ። ኣሮን ከኣ ኣብ ክልቲኡ መንኩቡ ስሞም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመዘከራት ይጹሮ።
13. ትትዖ ወርቂ ገብሮ።
14. ካብ ጽሩይ ወርቂ ኸኣ ከም ገመድ ብምጥዋይ እተገብረ ኽልተ ሰንሰለት ገብር፡ ነቲ እተጠውየ ሰንሰለት ምስቲ ትትዖ ገብሮ።
15. ብብልሓት እተገብረ ናይ ፍርዲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ኸኣ ግበር። ከም ስራሕ ኣፎድ፡ ካብ ወርቅን ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ኣተፋሕሰ ልሕጺ ኣንጣጢዕን ገብሮ።
16. ኣራባዕተ መኣዝኑ ማዕረ፡ ድርብ ድማ ይኹን። ምንዋሑ ስድሪ፡ ወርዱ ኸኣ ስድሪ ይኹን።
17. ዚዛነቕ ኣእማን፡ ኣርባዕተ መስርዕ ኣእማን ኣጥብቓሉ። ኣብ ቀዳማይ መስርዕ፡ ሳርድዮን፡ ቶጳዝዮን፡ ስመራግዶስ፡
18. ኣብ ካልኣይ መስርዕ ከኣ፡ ስመንጉኒ፡ ሰፊሮስ ኣልማዝ።
19. ኣብ ሳልሳይ መስርዕ ድማ፡ ህያክንቶስ ኣካት ኣሜቲጦስ።
20. ኣብ ራብዓይ መስርዕ ከኣ ክሪስሊትን ኦርኒክን ያሲጲስን። ብትትዖ ወርቂ ተኸቢቡ ይጥበቕ።
21. እቲ ኣእማን ድማ ከምቲ ስም ደቂ እስራኤል ዓሰርተው ክልተ ከምቲ ስሞም ይኹን። ነቶም ዓሰርተው ክልተ ነግድ፡ ነፍስ ወከፍ በብስሙ ኸም ቅርጺ ማሕተም ይኹን።
22. ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድማ ካብ ጽሩይ ወርቂ ኸም ገመድ ብምጥዋይ እተገብረ ሰለሰለታት ግበር።
23. ድማ ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ኽልተ ቐለቤት ወርቂ ግበር፡ እቲ ኽልተ ቐለቤት ከኣ ኣብ ክልተ መኣዝን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ግበሮ።
24. ንኽልቲኡ ኣተጠውየ ሰንሰለት ወርቂ ኸኣ ኣብቲ ኣብ መኣዝን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ልቢ ዘሎ ኽልተ ቐለቤት ግበሮ።
25. ንኽልቲኡ ኻልእ ኣምፊ እቲ እተጠውየ ሰንሰለት ከኣ ምስ ክልቲኡ ትትዖ ኣተሓሒዝካ ኣብቲ መንኩብ ኤፎድ ብሸነኽ ቅድሚት ግበሮ።
26. ክልተ ቐለቤት ድማ ካብ ወርቂ ገብር እሞ ኣብቲ ኽልተ ወሰን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ናብ ሸነኽ ኣፎድ ዘሎ ውሽጣዊ ጥርዚ ግበሮ።
27. ክልተ ቔለቤት ወርቂ ድማ ስራሕ እሞ ኣብ ክልቲኡ መንኩብ ኤፎድ ታሕቲ ብሸነኽ ቅድሚት ኣብ ጥቓ እቲ ዚገጠበሉ ኣብ ልዕሊ እቲ ብብልሓት እተገብረ ቕናት ኤፎድ ግበሮ።
28. እቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ኻብ ኤፎድ ከይፍለ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ብብልሓት እተገብረ ቕናት ኤፎድ ኪኸውን። ነቲ ቐላብቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ምስቲ ቐላብቲ ኤፎድ ናብ መቕደስ ምስ ዚኣቱ ነቲ ስም ደቂ እስራኤል ኣብቲ ናይ ፍርዲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ገይሩ፡ ወርትግ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመዘከርታ ኪኸውን፡ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ንመዘከርታ ኪኸውን፡ ኣብ ልዕሊ ልቡ ይጹሮ።
29. ንኡሪምን ቱሚምን ድማ ኣብ ናይ ፍርዲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ግበሮ። ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ ዝኣቱ ኣብ ልዕሊ ልቢ ኣሮን ይኹን፡ ኣሮን ከኣ ንፍርዲ ደቂ እስራኤል ወርትግ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ኡሪም፡ ቱሚም ማለት ብርሃን ፍጹምናን እዩ። ልዕሊ ልቡ ይጹሮ።
30. ንኡሪምን ቱሚምን ድማ ኣብ ናይ ፍርዲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ግበሮ። ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ ዝኣቱ ኣብ ልዕሊ ልቢ ኣሮን ይኹን፡ ኣሮን ከኣ ንፍርዲ ደቂ እስራኤል ወርትግ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ኡሪም፡ ቱሚም ማለት ብርሃን ፍጹምናን እዩ። ልዕሊ ልቡ ይጹሮ።
31. ናይ ኣፎድ ቀምሽ ላዕሊ ኸኣ ኹለንትናኡ ኻብ ሰማያዊ ግበሮ።
32. ኣብ ማእከሉ ድማ ንርእሲ ዜሕልፍ ኣፍ ይሀልዎ። እቲ ኣፍ ምእንቲ ኸያደድ፡ ኣብ ዙርይኡ ኸምቲ ድርዒ እተኣለመ መኽፈፊ ይሀልዎ።
33. ኣብ ዙርያ ታሕታይ ዘፈሩ ኸኣ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ሮማይን ገብረሉ። ኣብ መንጎኤን ድማ ኣብ ዙርያኡ፡ ቃጽል ወርቂ ገብረሉ።
34. ኣሞ ኣብ ዘፈር እቲ ቐምሽ ኣብ ዙርያኡ ቓጽል ወርቅን ሮማንን፡ ቃጽል ወርቅን ሮማንን ይኹን።
35. ኣሮን ናብ መቕደስ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪእቱ ኸሎንኪወጽእ ከሎን ምእንቲ ኸይመውት ኪስማዕሲ ኬገልግል ከሎ ይከደኖ።
36. ካብ ጽሩይ ወርቂ ድማ ብሊቃ ገብር። ኣብኡ ኸኣ ከም ቅርጺ ማሕተም ጌርካ፡ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ፡ ዚብል ቅረጸሉ።
37. ብሰናያዊ ፍሕሶ ጎአርካ ኣብ መጠምጠምያ ኣጥብቆ። ኣብቲ መጠምጠምያ ኸኣ ብሸንኽ ቅድሚት ይኹን።
38. ኣብ ግምባር ኣሮን ይኹን፡ ኣሮን ድማ እቲ ደቂ እስራኣኤል ዜቕርብዎ ኹሉ ቅዱስ ህያብ ናይቲ ቅዱስ ሃያቦም በደል ይጹር። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ ኪኾነልኩምሲ ወርትግ ኣብ ግብማሩ ይኹን።
39. ዓንጥዓንጦራይ ቀምሽ ታሕቲ ኸኣ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እለም። መጠምጠምያ ድማ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ ግበር። እተጠልፈ ቕናትውን ገብር።
40. ንደቂ ኣሮን ድማ ቀመውሽ ገብረሎም፡ ቅናውቲውን ግበረሎም። ንኽብርን ንጌጽን ከኣ መጠምጠምያታት ገብረሎም።
41. እዚ ንኣሮን ሃውካን ንደቁ ኸኣ ምስኡን ከደኖም፡ ቅብኣዮም ድማ፡ ኣእዳዎምውን ምላኣሎም፡ ካህናት ኪኾኑኒ ኸኣ ቀድሶም።
42. ንሕፈረቶም ዚኸድን ስረ ድማ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ ገብረሎም።
43. ኣሮንን ደቁን ከይብደሉ ኣሞ ከይሞቱ፡ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኪእትው ኸለው፡ ወይ ኣብ መቕደስ ኬግልግሉ ናብ መሰውኢ ኪቐርቡ ኸለው ይዕጠቕዎ። እዚ ንእኡ ብድሕሪኡ ኸኣ ንዘርኡ ሕጊ ዘለኣለም ይኹን።

  Exodus (28/40)