Exodus (27/40)  

1. መሰውኢ ድማ ካብ ዕጨይቲ ሸጢም ሓሙሽተ ኣመት ዝምንዋሑ፡ ሓሙሽተ እመት ዝምግፋሑ ገብር። እቲ መሰውኢ ኣርባዕቲኡ መኣዝኑ ማዕረ፡ ምብራኹ ድማ ሰለስተ እመት ይኹን።
2. ኣቕርንቱ ኸኣ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝኑ ግበረሉ፡ እቲ ኣቕርንቱ ምስኡ ብሓደ እተገብረ ይኹን፡ ብስራዚ ኸኣ ለብጦ።
3. ንሐሙኹስቱ ዚኸውን ቁራዕን መጽሓርያኡን ጭሔሎኡን መውግእ ስጋኡን ምድጃኡን ግበር፡ እዚ ኹሉ ኣቓሑኡ ኻብ ኣስራዚ ገብሮ።
4. ካብ ኣስራዚ ኸም መንፊት ዝበለ መጋረዲ ገብረሉ፡ ነቲ መንፊት ከኣ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝኑ ኣርባዕተ ቐለቤት ኣስራዚ ግበረሉ።
5. ንእኡ ድማ ኣብ ትሕቲ ኣርከን መሰውኢ ገብሮ፡ እቲ መንፊት ካብ ታሕቲ ኽሳኦ ፈረቓ መሰውኢ ይብጻሕ።
6. ነቲ መሰውኢ ድማ መሰላታት ግበረሉ፡ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም መሰላታት ጌርካ ብስራዚ ለብጦ።
7. እቲ መሰውኢ ምስ ዚጽወር እቲ መሰላታት ከኣ ብኽልተ ሸነኹ ኪኸውን፡ ናብቲ ቐላብቲ ይእቶ።
8. ጓንጋ ጌርካ ኻብ ሉሕ ገብሮ። ከምቲ ኣብ ከረን እተራኣየካ ኸምኡ ይግበርዎ።
9. ነቲ ማሕደር ኣጸድ ገብረሉ። ነቲ ኣጸድ ብሸነኽ ደቡብ ነቲ ሓደ ወገኑ ብተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕ ሚእቲ እመት ዝምንዋሑ መጋረጃታት ገብር።
10. ኣዕኑዱ ድማ ዕስራ፡ ኣእጋሩውን ካብ ኣስራዚ ዕስራ፡ ናይቲ ኣዕኑድ መሰቓቐልን ኣዛንጉን ከኣ ካብ ብሩር ይኹን።
11. ከምኡ ድማ በቲ ነዊሕ ሸነኽ ጥሜት ሚእቲ ኣመት ዝምንዋሑ መጋረጃታት፡ ኣዕኑዱ ኸኣ ዕስራ፡ ኣእጋሩውን ካብ ኣስራዚ ዕስራ፡ ናይቲ ኣዕኑድ መሰቓቐልን ኣዛንጉን ከኣ ካብ ብሩር ይኹን።
12. ብወርዱ ነቲ ኣጸድ ብሸነኽ ምዕራብ ድማ ሓምሳ እመት ዝምንዋሑ መጋረጃታት ኣዕኑዱ ኸኣ ዓሰርተ ኣእጋሩውን ዓሰርተ ይኹን።
13. ምግፋሕ እቲ ኣጸድ ብቕድሚት ብሸነኽ ምብራቕ ድማ ሓምሳ እመት ይኹን።
14. ናይቲ ሓደ ሸነኽ መጋረጃኣታት ዓሰርተው ሓሙሽተ እመት፡ ኣዕኑዱ ስለስተ፡ ኣእጋሩ ኸኣ ስለስተ ይኹን።
15. ንኣፍ እቲ ኣጸድ ድማ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ ኣንጣጢዕን ብምጥላፍ ኣተዐየ ዕስራ እመት መጋረጃ፡ ኣዕኑዱ ኣርባዕተ፡ ኣእጋሩ ኸኣ ኣርባዕተ ይኹን።
16. ንኣፍ እቲ ኣጸድ ድማ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ ኣንጣጢዕን ብምጥላፍ ኣተዐየ ዕስራ እመት መጋረጃ፡ ኣዕኑዱ ኣርባዕተ፡ ኣእጋሩ ኸኣ ኣርባዕተ ይኹን።
17. ነቲ ኣብ ዙርያ ኣጸድ ዝለኦ ኹሉ ኣዕኑድ ኣዛንግ ብሩርን መሰቓቐሊ ብሩርን ይገብሮ፡ ኣእጋሩ ኸኣ ካብ ኣስራዚ ይኹን።
18. ምንዋሕ እቲ ኣጸድ ሚእቲ እመት፡ ምግፋሑ ኸኣ ብኽልቲኡ ሸነኽ ሓምሳ እመት፡ ቁመቱ ድማ ሓሙሽተ እመት ይኹን፡ ካብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕ ኣእጋሩ ኸኣ ካብ ኣስራዚ ይኹን።
19. ኩሉ ኣቓሑ እቲ ማሕደርን ንመተዓያዩኡ ዚኸውን ኩሉን ኹሉ ሸኻውልቱን ኩሉ ሸኻውልቲ ኣጸድን ካብ ኣስራዚ ይኹን።
20. ንስኻ ድማ እቲ መብራህትታት ወርትግ ምእንቲ ኺበርህሲ፡ ካብ እተጎድኤ ኣውልዕ ንመብራህቲ ዚኸውን ጽሩይ ዘይቲ ኸምጽኣልካ፡ ንደቂ እስራኤል ኣዝዞም።
21. ኣብቲ ድንኳን ምርኻብ ብወጻኢ እቲ ኣብ ቅድሚ ምስክር ዘሎ መጋረጃ፡ ኣሮንን ደቁን ካብ ምሸት ክሳዕ ብጊሓት፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የዳልውዎ። ኣብ ደቂ እስራኤል ከኣ ንውሉድ ወለዶኦም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን።

  Exodus (27/40)