| ← Exodus (27/40) → |
| 1. | መሰውኢ ድማ ካብ ዕጨይቲ ሸጢም ሓሙሽተ ኣመት ዝምንዋሑ፡ ሓሙሽተ እመት ዝምግፋሑ ገብር። እቲ መሰውኢ ኣርባዕቲኡ መኣዝኑ ማዕረ፡ ምብራኹ ድማ ሰለስተ እመት ይኹን። |
| 2. | ኣቕርንቱ ኸኣ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝኑ ግበረሉ፡ እቲ ኣቕርንቱ ምስኡ ብሓደ እተገብረ ይኹን፡ ብስራዚ ኸኣ ለብጦ። |
| 3. | ንሐሙኹስቱ ዚኸውን ቁራዕን መጽሓርያኡን ጭሔሎኡን መውግእ ስጋኡን ምድጃኡን ግበር፡ እዚ ኹሉ ኣቓሑኡ ኻብ ኣስራዚ ገብሮ። |
| 4. | ካብ ኣስራዚ ኸም መንፊት ዝበለ መጋረዲ ገብረሉ፡ ነቲ መንፊት ከኣ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝኑ ኣርባዕተ ቐለቤት ኣስራዚ ግበረሉ። |
| 5. | ንእኡ ድማ ኣብ ትሕቲ ኣርከን መሰውኢ ገብሮ፡ እቲ መንፊት ካብ ታሕቲ ኽሳኦ ፈረቓ መሰውኢ ይብጻሕ። |
| 6. | ነቲ መሰውኢ ድማ መሰላታት ግበረሉ፡ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም መሰላታት ጌርካ ብስራዚ ለብጦ። |
| 7. | እቲ መሰውኢ ምስ ዚጽወር እቲ መሰላታት ከኣ ብኽልተ ሸነኹ ኪኸውን፡ ናብቲ ቐላብቲ ይእቶ። |
| 8. | ጓንጋ ጌርካ ኻብ ሉሕ ገብሮ። ከምቲ ኣብ ከረን እተራኣየካ ኸምኡ ይግበርዎ። |
| 9. | ነቲ ማሕደር ኣጸድ ገብረሉ። ነቲ ኣጸድ ብሸነኽ ደቡብ ነቲ ሓደ ወገኑ ብተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕ ሚእቲ እመት ዝምንዋሑ መጋረጃታት ገብር። |
| 10. | ኣዕኑዱ ድማ ዕስራ፡ ኣእጋሩውን ካብ ኣስራዚ ዕስራ፡ ናይቲ ኣዕኑድ መሰቓቐልን ኣዛንጉን ከኣ ካብ ብሩር ይኹን። |
| 11. | ከምኡ ድማ በቲ ነዊሕ ሸነኽ ጥሜት ሚእቲ ኣመት ዝምንዋሑ መጋረጃታት፡ ኣዕኑዱ ኸኣ ዕስራ፡ ኣእጋሩውን ካብ ኣስራዚ ዕስራ፡ ናይቲ ኣዕኑድ መሰቓቐልን ኣዛንጉን ከኣ ካብ ብሩር ይኹን። |
| 12. | ብወርዱ ነቲ ኣጸድ ብሸነኽ ምዕራብ ድማ ሓምሳ እመት ዝምንዋሑ መጋረጃታት ኣዕኑዱ ኸኣ ዓሰርተ ኣእጋሩውን ዓሰርተ ይኹን። |
| 13. | ምግፋሕ እቲ ኣጸድ ብቕድሚት ብሸነኽ ምብራቕ ድማ ሓምሳ እመት ይኹን። |
| 14. | ናይቲ ሓደ ሸነኽ መጋረጃኣታት ዓሰርተው ሓሙሽተ እመት፡ ኣዕኑዱ ስለስተ፡ ኣእጋሩ ኸኣ ስለስተ ይኹን። |
| 15. | ንኣፍ እቲ ኣጸድ ድማ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ ኣንጣጢዕን ብምጥላፍ ኣተዐየ ዕስራ እመት መጋረጃ፡ ኣዕኑዱ ኣርባዕተ፡ ኣእጋሩ ኸኣ ኣርባዕተ ይኹን። |
| 16. | ንኣፍ እቲ ኣጸድ ድማ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ ኣንጣጢዕን ብምጥላፍ ኣተዐየ ዕስራ እመት መጋረጃ፡ ኣዕኑዱ ኣርባዕተ፡ ኣእጋሩ ኸኣ ኣርባዕተ ይኹን። |
| 17. | ነቲ ኣብ ዙርያ ኣጸድ ዝለኦ ኹሉ ኣዕኑድ ኣዛንግ ብሩርን መሰቓቐሊ ብሩርን ይገብሮ፡ ኣእጋሩ ኸኣ ካብ ኣስራዚ ይኹን። |
| 18. | ምንዋሕ እቲ ኣጸድ ሚእቲ እመት፡ ምግፋሑ ኸኣ ብኽልቲኡ ሸነኽ ሓምሳ እመት፡ ቁመቱ ድማ ሓሙሽተ እመት ይኹን፡ ካብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕ ኣእጋሩ ኸኣ ካብ ኣስራዚ ይኹን። |
| 19. | ኩሉ ኣቓሑ እቲ ማሕደርን ንመተዓያዩኡ ዚኸውን ኩሉን ኹሉ ሸኻውልቱን ኩሉ ሸኻውልቲ ኣጸድን ካብ ኣስራዚ ይኹን። |
| 20. | ንስኻ ድማ እቲ መብራህትታት ወርትግ ምእንቲ ኺበርህሲ፡ ካብ እተጎድኤ ኣውልዕ ንመብራህቲ ዚኸውን ጽሩይ ዘይቲ ኸምጽኣልካ፡ ንደቂ እስራኤል ኣዝዞም። |
| 21. | ኣብቲ ድንኳን ምርኻብ ብወጻኢ እቲ ኣብ ቅድሚ ምስክር ዘሎ መጋረጃ፡ ኣሮንን ደቁን ካብ ምሸት ክሳዕ ብጊሓት፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የዳልውዎ። ኣብ ደቂ እስራኤል ከኣ ንውሉድ ወለዶኦም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን። |
| ← Exodus (27/40) → |