← Exodus (26/40) → |
1. | ብዓሰረተ ዓለባታት ማሕደር ግበር። ምስ ናይ ብብልሓት ፈላጥ እተገብረ ኩሩቤል ጌርካ፡ ካብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ግበሮ። |
2. | ምንዋሕ እቲ ሓደ ዓለባ ዕስራን ሶሞንተን እመት፡ ወርዲ እቲ ዓለባ ኸኣ ኣርባዕተ እመት ይኹን። ስፍሪ ኹሉ እቲ ዓለባታት ማዕረ ይኹን። |
3. | እቲ ሓሙሽተ ዓለባታት ብሓደ ይጋጠም፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ሓሙሽተ ዓለባታት ብሓደ ይጋጠም። |
4. | ኣብቲ ብሓደ ኣተጋጠመ ኸኣ፡ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ኸኣኣ ከምኡ ግበር። |
5. | ኣብቲ ሓደ ዓለባ ሓምሳ መኽንትቦ ግበር። ኣብቲ ኻልኣይ እተጋጠመ ኸኣ፡ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ሓምሳ መኸንትቦ ግበር። እቲ መኽንትቦታት ንሓድሕዱ መጣምቲ ይኹን። |
6. | ሓምሳ መቑለፊ ወርቂ ድማ ግበር። እቲ ማሕደር ሓደ ኪኸውንሲ፡ ነቲ ዓለባታት በቲ ኣቑላፍ ንሓድሕዱ ኣጋጥሞ። |
7. | ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ዚድረብ ድማ ካብ ጸጉሪ ጤል ዓለባታት ገብር። እቲ ዓለባታት ከኣ ዕሰረተው ሓደ ግበሮ። |
8. | ምንዋሕ ሓደ ዓለባ ሰላሳ እመት፡ ወርዱ ኸኣ ኣርባዕተ እመት ይኹን። እቲ ዓሰርተው ሓደ ዓለባ ስፍሩ ማዕረ ይኹን። |
9. | ሓሙሽተ ኻብቲ ዓለባ ብሓደ ጌርካ ኣጋጥሞ። ከምኡ ኸኣ እቲ ሽዱሽተ ዓለባ ብሸነኽ ቅድሚት ኣቲ ድንኳን ደርቦ። |
10. | ኣብቲ ሓደ እተጋጠመ፡ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ሓምሳ መቑለፊ ግበር። |
11. | ካብ ኣስራዚ ኸኣ ሓምሳ መቑለፊ ግበር፡ ነቲ ኣቑላፍ ናብቲ መኸንትቦታት ኣእትዎ፡ እቲ መደረብታ ሓደ ኪኸውን ኣጋጥሞ። |
12. | ካብቲ ናይ መደረብታ ዓለባታት ድንኳን ዝሐለፈ፡ ምእንቲ ኪኸድኖ፡ ብኽልተ ሸነኹ፡ እመት በዚ እመት በቲ፡ ነቲ ማሕደር በዝን በትን ይጀርበብ። |
13. | ነቲ መደረብታ ኸኣ ካብ ኣተቆርጸ ቑራብቲ ደዓውል መኽደን ግበረሉ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ካብ ቁርበት ታሃስ መኽደን ግበር። |
14. | ነቲ መደረብታ ኸኣ ካብ ኣተቆርጸ ቑራብቲ ደዓውል መኽደን ግበረሉ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ካብ ቁርበት ታሃስ መኽደን ግበር። |
15. | ነቲ ማሕደር ድማ ደው ዚብል ኣልዋሕ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ገብረሉ። |
16. | ምንዋሕ ሓደ ሉሕ ዓሰርተ ኣመት፡ ምግፋሕ ሓደ ሉሕ ከኣ እመትን ፈረቓን ይኹን። |
17. | ነንሓደ ሉሕ ከኣ ክልተ ንሓድሕዱ ኣተጋጠመ ሸኻል ይገበሮ። ንኹሉ ኣልዋሕ እቲ ማሕደር ከምኡ ገብሮ። |
18. | ነቲ ማሕደር ከኣ ኣልዋሕ ገብረሉ። ዕስራሉሕ ብሸነኽ ደቡብ ገብር። |
19. | ኣብ ትሕቲ እቲ ዕስራ ሉሕ ድማ ካብ ብሩር ኣርብዓ እግሪ ግበር። ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ነቲ ኽልተ ሽኻል ክልተ ሽኻል ክልተ ኣግሪ ገብረሉ። |
20. | በቲ ኻልኣይ ወገን ነቲ ማሕደር ብሸነኽ ሰሜን ድማ ዕድራ ሉሕ። |
21. | ኣቲ ኣርብዓ ናይ ብሩር እግሩ ኸኣ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ክልተ እግሪ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻልእ ሉሕ ድማ ክልተ እግሪ ገብር። |
22. | ብድሕሪ እቲ ማሕደር ብሸነኽ ምዕራቡ ሹድሽተ ሉሕ ገብር። |
23. | ነቲ ማሕደር ብሸነኽ ድሕሪኡ ድማ ንመኣዝኑ ኽልተ ሉሕ ገብረሉ። |
24. | እዚ ኻብ ታሕቲ ጀሚሩ ድርብ ይኹን፡ ክሳዕ ላዕሊ ኽሳዕ ኣቲ ቐዳማይ ቀለቤት ብምሉኡ ኸምኡ ይኹን። ክልቲኡ ኸምኡ ይኹን። ኣብክልቲኡ መኣዝን ይኹን። |
25. | እቲ ኣልዋሕ ሹድሽተ እቲ ናይ ብሩር ኣእጋሩ ኸኣ ዓሰርተው ሹድሽተ እግሪ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ክልተ እግሪ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻልእ ሉሕ ድማ ክልተ እግሪ ይኹን። |
26. | ጋድማት ከኣ ካ ዕጨይቲ ሽጢም ግበር፡ ብሓደ ሸነኽ ኣቲ ማሕደር ንዘሎ ኣልዋሕ ሓሙሽተ፡ |
27. | ብኻልኣይ ሸነኽ እቲ ማሕደር ንዘሎ ኣልዋሕ ድማ ሓሙሽተ ጋድም፡ ብድሕሪ እቲ ማሕደር ብሸነኽ ምዕራብ ንዘሎ ኣልዋሕ ከኣ ሓሙሽተ ጋድም ገብር። |
28. | ኣቲ ኣብ ማእከል እቲ ኣልዋሕ ዘሎ ማእከላይ ጋድም ካብቲ ሓደ ወሰን ክሳዕ እቲ ኻልኣይ ወሰን ይሕለፍ። |
29. | ነቲ ኣልዋሕ ድማ ብወርቂ ለብጦ፡ እቲ ጋድማት ዚኣትዎ ቐለብቲ ኸኣ ካብ ወርቂ ገብሮ፡ ነቲ ጋድማርውን ብወርቂ ለብጦ። |
30. | ነቲ ማሕደር ከምቲ ኣብቲ ኸረን ዝረኤኻዮ ኣሰራርሓኡ ጌርካ ክትተኽሎ ኢኻ። |
31. | ድማ ሰማያውን ሕሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ጌርካ፡ መጋረኣ ገብር፡ ምስ ብብልሓት እተገብረ ኩሩቤል ይገብር። |
32. | ብወርቂ ኣብ እተለበጠ መሰቓቐሊ ወርቂ ዘለዎ፡ በርባዕተ እግሪ ብሩር ድማ ዝበለ፡ ኣርባዕተ ዓንዲ ሸጢም ጌርካ ስቐሎ። |
33. | ነቲ መጋረጃ ኸኣ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣቑላፍ ስቐሎ፡ ነቲ ታቦት ምስክር ድማ ናብ ውሽጢ እቲ መጋረጃ ኣእትዎ። እቲ መጋረጃ ከኣ ኣብ መንጎ ቅድስትን ቅድስተ ቅዱሳንን ይፍለየልኩም። |
34. | ነቲ መኽደን መተዓረቒ ድማ ኣብቲ ቅድስተ ቅዱሳን ኣብ ልዕሊ ታቦት ምስክር ገብሮ። |
35. | ነቲ ሰደቓ ኸኣ ኣብ ወጻኢ መጋረኣ ኣንብሮ፡ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴል ድማ ኣብ መንጽር ሰደቓ ነቲ ማሕደር ብሸነኽ ደቡብ፡ ነቲ ሰደቓ ኸኣ ብሸነኽ ሰሜኑ ገብሮ። |
36. | ነቲ ኣፍ ድንኳን ድማ ብሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ብምጥላፍ እተዐየ መጋረጃ ግበር። |
37. | ነቲ መጋረጃ ኸኣ ሓሙሽተ ዓንዲ ሸጢም ግበረሉ ብወርቂ ድማ ለብጦ፡ መስቓቐሊኡ ኸኣ ኣብ ወርቂ ይኹን። ካብ ኣስራዚ ድማ ሓሙሽተ እግሪ ብፍሲ ግበረሉ። |
← Exodus (26/40) → |