Exodus (26/40)  

1. ብዓሰረተ ዓለባታት ማሕደር ግበር። ምስ ናይ ብብልሓት ፈላጥ እተገብረ ኩሩቤል ጌርካ፡ ካብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ግበሮ።
2. ምንዋሕ እቲ ሓደ ዓለባ ዕስራን ሶሞንተን እመት፡ ወርዲ እቲ ዓለባ ኸኣ ኣርባዕተ እመት ይኹን። ስፍሪ ኹሉ እቲ ዓለባታት ማዕረ ይኹን።
3. እቲ ሓሙሽተ ዓለባታት ብሓደ ይጋጠም፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ሓሙሽተ ዓለባታት ብሓደ ይጋጠም።
4. ኣብቲ ብሓደ ኣተጋጠመ ኸኣ፡ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ኸኣኣ ከምኡ ግበር።
5. ኣብቲ ሓደ ዓለባ ሓምሳ መኽንትቦ ግበር። ኣብቲ ኻልኣይ እተጋጠመ ኸኣ፡ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ሓምሳ መኸንትቦ ግበር። እቲ መኽንትቦታት ንሓድሕዱ መጣምቲ ይኹን።
6. ሓምሳ መቑለፊ ወርቂ ድማ ግበር። እቲ ማሕደር ሓደ ኪኸውንሲ፡ ነቲ ዓለባታት በቲ ኣቑላፍ ንሓድሕዱ ኣጋጥሞ።
7. ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ዚድረብ ድማ ካብ ጸጉሪ ጤል ዓለባታት ገብር። እቲ ዓለባታት ከኣ ዕሰረተው ሓደ ግበሮ።
8. ምንዋሕ ሓደ ዓለባ ሰላሳ እመት፡ ወርዱ ኸኣ ኣርባዕተ እመት ይኹን። እቲ ዓሰርተው ሓደ ዓለባ ስፍሩ ማዕረ ይኹን።
9. ሓሙሽተ ኻብቲ ዓለባ ብሓደ ጌርካ ኣጋጥሞ። ከምኡ ኸኣ እቲ ሽዱሽተ ዓለባ ብሸነኽ ቅድሚት ኣቲ ድንኳን ደርቦ።
10. ኣብቲ ሓደ እተጋጠመ፡ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ሓምሳ መቑለፊ ግበር።
11. ካብ ኣስራዚ ኸኣ ሓምሳ መቑለፊ ግበር፡ ነቲ ኣቑላፍ ናብቲ መኸንትቦታት ኣእትዎ፡ እቲ መደረብታ ሓደ ኪኸውን ኣጋጥሞ።
12. ካብቲ ናይ መደረብታ ዓለባታት ድንኳን ዝሐለፈ፡ ምእንቲ ኪኸድኖ፡ ብኽልተ ሸነኹ፡ እመት በዚ እመት በቲ፡ ነቲ ማሕደር በዝን በትን ይጀርበብ።
13. ነቲ መደረብታ ኸኣ ካብ ኣተቆርጸ ቑራብቲ ደዓውል መኽደን ግበረሉ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ካብ ቁርበት ታሃስ መኽደን ግበር።
14. ነቲ መደረብታ ኸኣ ካብ ኣተቆርጸ ቑራብቲ ደዓውል መኽደን ግበረሉ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ካብ ቁርበት ታሃስ መኽደን ግበር።
15. ነቲ ማሕደር ድማ ደው ዚብል ኣልዋሕ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ገብረሉ።
16. ምንዋሕ ሓደ ሉሕ ዓሰርተ ኣመት፡ ምግፋሕ ሓደ ሉሕ ከኣ እመትን ፈረቓን ይኹን።
17. ነንሓደ ሉሕ ከኣ ክልተ ንሓድሕዱ ኣተጋጠመ ሸኻል ይገበሮ። ንኹሉ ኣልዋሕ እቲ ማሕደር ከምኡ ገብሮ።
18. ነቲ ማሕደር ከኣ ኣልዋሕ ገብረሉ። ዕስራሉሕ ብሸነኽ ደቡብ ገብር።
19. ኣብ ትሕቲ እቲ ዕስራ ሉሕ ድማ ካብ ብሩር ኣርብዓ እግሪ ግበር። ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ነቲ ኽልተ ሽኻል ክልተ ሽኻል ክልተ ኣግሪ ገብረሉ።
20. በቲ ኻልኣይ ወገን ነቲ ማሕደር ብሸነኽ ሰሜን ድማ ዕድራ ሉሕ።
21. ኣቲ ኣርብዓ ናይ ብሩር እግሩ ኸኣ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ክልተ እግሪ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻልእ ሉሕ ድማ ክልተ እግሪ ገብር።
22. ብድሕሪ እቲ ማሕደር ብሸነኽ ምዕራቡ ሹድሽተ ሉሕ ገብር።
23. ነቲ ማሕደር ብሸነኽ ድሕሪኡ ድማ ንመኣዝኑ ኽልተ ሉሕ ገብረሉ።
24. እዚ ኻብ ታሕቲ ጀሚሩ ድርብ ይኹን፡ ክሳዕ ላዕሊ ኽሳዕ ኣቲ ቐዳማይ ቀለቤት ብምሉኡ ኸምኡ ይኹን። ክልቲኡ ኸምኡ ይኹን። ኣብክልቲኡ መኣዝን ይኹን።
25. እቲ ኣልዋሕ ሹድሽተ እቲ ናይ ብሩር ኣእጋሩ ኸኣ ዓሰርተው ሹድሽተ እግሪ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ክልተ እግሪ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻልእ ሉሕ ድማ ክልተ እግሪ ይኹን።
26. ጋድማት ከኣ ካ ዕጨይቲ ሽጢም ግበር፡ ብሓደ ሸነኽ ኣቲ ማሕደር ንዘሎ ኣልዋሕ ሓሙሽተ፡
27. ብኻልኣይ ሸነኽ እቲ ማሕደር ንዘሎ ኣልዋሕ ድማ ሓሙሽተ ጋድም፡ ብድሕሪ እቲ ማሕደር ብሸነኽ ምዕራብ ንዘሎ ኣልዋሕ ከኣ ሓሙሽተ ጋድም ገብር።
28. ኣቲ ኣብ ማእከል እቲ ኣልዋሕ ዘሎ ማእከላይ ጋድም ካብቲ ሓደ ወሰን ክሳዕ እቲ ኻልኣይ ወሰን ይሕለፍ።
29. ነቲ ኣልዋሕ ድማ ብወርቂ ለብጦ፡ እቲ ጋድማት ዚኣትዎ ቐለብቲ ኸኣ ካብ ወርቂ ገብሮ፡ ነቲ ጋድማርውን ብወርቂ ለብጦ።
30. ነቲ ማሕደር ከምቲ ኣብቲ ኸረን ዝረኤኻዮ ኣሰራርሓኡ ጌርካ ክትተኽሎ ኢኻ።
31. ድማ ሰማያውን ሕሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ጌርካ፡ መጋረኣ ገብር፡ ምስ ብብልሓት እተገብረ ኩሩቤል ይገብር።
32. ብወርቂ ኣብ እተለበጠ መሰቓቐሊ ወርቂ ዘለዎ፡ በርባዕተ እግሪ ብሩር ድማ ዝበለ፡ ኣርባዕተ ዓንዲ ሸጢም ጌርካ ስቐሎ።
33. ነቲ መጋረጃ ኸኣ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣቑላፍ ስቐሎ፡ ነቲ ታቦት ምስክር ድማ ናብ ውሽጢ እቲ መጋረጃ ኣእትዎ። እቲ መጋረጃ ከኣ ኣብ መንጎ ቅድስትን ቅድስተ ቅዱሳንን ይፍለየልኩም።
34. ነቲ መኽደን መተዓረቒ ድማ ኣብቲ ቅድስተ ቅዱሳን ኣብ ልዕሊ ታቦት ምስክር ገብሮ።
35. ነቲ ሰደቓ ኸኣ ኣብ ወጻኢ መጋረኣ ኣንብሮ፡ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴል ድማ ኣብ መንጽር ሰደቓ ነቲ ማሕደር ብሸነኽ ደቡብ፡ ነቲ ሰደቓ ኸኣ ብሸነኽ ሰሜኑ ገብሮ።
36. ነቲ ኣፍ ድንኳን ድማ ብሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ብምጥላፍ እተዐየ መጋረጃ ግበር።
37. ነቲ መጋረጃ ኸኣ ሓሙሽተ ዓንዲ ሸጢም ግበረሉ ብወርቂ ድማ ለብጦ፡ መስቓቐሊኡ ኸኣ ኣብ ወርቂ ይኹን። ካብ ኣስራዚ ድማ ሓሙሽተ እግሪ ብፍሲ ግበረሉ።

  Exodus (26/40)