← Exodus (25/40) → |
1. | እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ |
2. | ደቂ እስራኤል መባእ ኪህቡኒ ተዛረቦም፡ እቲ መባኤይ ከኣ ካብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብልዑ ኽህብ ዝፈተወ ውሰዱ። |
3. | እቲ ኻባታቶም እትወስድዎ መባእ ድማ እዚ እዩ ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን፡ |
4. | ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ጻዕዳ ፈትልን፡ ጸጉሪ ጤል ድማ፡ |
5. | እተቐረጸ ቑራብቲ ደዓውልን ቑራብቲ ተሃስን፡ ዕጨይቲ ሽጢምን፡ |
6. | ዘይቲ ንቐንዴል፡ ቀመማት ዕጣን ድማ፡ |
7. | ኣእማን ዕንቁን ንኣፎድን ንሳንቃ ኣፍ ልብን ዚዛነቕ ኣእማንን። |
8. | ኣብ ማእከሎም ምእንቲ ኽነብር ድማ መቕደስ ይገብረለይ። |
9. | ከምቲ ኹሉ ኣነ ዘርእየካ ምስሊ እቲ ማሕደርን ምስሊ ኹሉ ኣቓሑኡን ከምኡ ግበርዎ። |
10. | ታቦት ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ይግበሩ፡ ምንዋሑ ኽልተ እመትን ፈረቓን፡ ምግፋሑ ኸኣ እመትን ፈረቓን፡ ምብራኽውን እመትን ፈረቓን ይኹን። |
11. | ብጹሩይ ወርቂ ኸኣ ለብጦ፡ ውሽጡን ግዳሙን ለብጦ። ላዕላዩ ኸኣ ብዙርያኡ ኣኽሊል ወርቂ ግበርሉ። |
12. | ኣርባዕተ ቐለቤት ወርቂ ኣፍሲስካ ድማ ኣብ ኣርባዕቲኡ እግሩ ገብር፡ ክልተ ቐለቤት ብሓደ ሸነኹ፡ ክልተ ቐለቤት ከኣ ብኻልኣይ ሸነኹ። |
13. | ካብ ዕጨይቲ ሽጢም መሰላታት ገብር እሞ ብወርቂ ለብጦ። |
14. | እቲ ታቦት ብእኡ ማንቲ ኺጽወርሲ፡ ነቲ መሰላታት ናብቲ ኣብ ጎባታት ታቦት ዘሎ ቐላብቲ ኣእተዎ። |
15. | እቲ መስላታት ኣብቲ ቐላብቲ ታብት ይቀመጥ እምበር፡ ካብኡ ኣይውጻእ። |
16. | ነቲ ኣነ ዝህበካ ምስክር ኣብቲ ታቦት ከተንብሮ ኢኻ። |
17. | መኽደን መተዓረቒ ድማ ካብ ጽሩይ ወርቂ ግበር፡ ምንዋሑ ኽልተ እመትን ፈረቓን ምግፋሑ ኸኣ ኣመትን ፈረቓን ይኹን። |
18. | ክልተ ኩሩቤል ድማ ኣብ ወርቂ ኽትገብር ኢኻ። ቀጥቂጥካ ትሰርሖም እሞ ኣብ መኽደን መተዓረቒ ኣብ ክልተ ወሰኑ ትገብሮም። |
19. | ሓደ ኩሩቤል ኣብ ሓደ ወሰን፡ ካልኣይ ኩሩቤል ከኣ ኣብቲ ኻልኣይ ወሰን ግበሮም። ነቶም ኩሩቤል፡ ምስቲ መኽደን መተዓረቒ ሓደ ኾይኑ፡ ብኽልተ ወሰን ግበርዎም። |
20. | እቶም ኩሩቤል ከኣ ንሓድሕዶም ገጽ ንገጽ መሊሶም ኣኽናፎም ልዕሊ ኣቢሎም ይዘርግሑ፡ ነቲ መኽደን መተዓረቒ ድማ በኽናፎም ይኽውልዎ። ገጽ እቶም ኩሩቤል ካብቲ መኽደን መተዓረቒ የብል። |
21. | ነቲ መኽደን መተዓረቒ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ታቦት ግበሮ። እቲ ኣነ ዝሀበካ ምስክር ከኣ ኣብቲ ታቦት ኣንብሮ። |
22. | ኣብኡ ድማ ንኣኽ ኽግለጸልካ እየ፡ ካብቲ መኽደን መተዓረቒ ኻብ መንጎ እቶም ኣብ ልዕሊ ታቦት ምስክር ዘለዉ ኽልተ ኩሩቤል እቲ ንደቂ እስራኤል ኢለ ዝእዝዘካ ኹሉ ኽነግረካ እየ። |
23. | ሰደቓ ድማ ካብ ዕጨይቲ ሸጢም ግበር፡ ምንዋሑ ኽልተ እመት ምግፋሑ ኸኣ ሓደ እመት ምብራኹውን እመትን ፈረቓን ይኹን። |
24. | ብጹሩይ ወርቂ ለብጦ፡ ብዙርያኡ ኸኣ ኣኽሊል ወርቂ ገብረሉ፡ ነቲ ኽቡስ ከኣ ኣብ ዙርያኡ ኣኽሊል ወርቂ ግበረሉ። |
25. | ኣርባዕተ ቐለቤት ወርቂ ድማ ግበረሉ፡ ነቲ ቐላብቲ ኸኣ ኣብቲ ኣርባዕተ እግሪ ዘለዎ ኣርባዕተ ምኣዝኑ ግበሮ። |
26. | ኣርባዕተ ቐለቤት ወርቂ ድማ ግበረሉ፡ ነቲ ቐላብቲ ኸኣ ኣብቲ ኣርባዕተ እግሪ ዘለዎ ኣርባዕተ ምኣዝኑ ግበሮ። |
27. | እቲ ቐላብቲ ድማ፡ ንምጽዋር እቲ ሰደቓ መሰላታት ኪኣትዎ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ኽቡስ ይኹን። |
28. | እቲ ሰደቓ ብእኡ ግበር እሞ ብወርቂ ለብጦ። |
29. | ድማ ዚኽዕወሉ ጻሕልታቱን ጭሔሎታቱን ኩስኩስታቱን ጽዋኣቱን ግበር፡ ካብ ጽሩይ ወርቂ ገብሮ። |
30. | ኣብቲ ሰደቓ ድማ ወርትግ እንጌራ ምርኣይ ኣብ ቅድመይ ተንብር። |
31. | ቀዋሚ ቐንዴል ድማ ካብ ጽሩይ ወርቂ ግበር። እቲ ቓዋሚ ቐንዴል ምስ እግሩን ዘንጉን ብምቕጥቃጥ ይገብር። ጽውኣቱን ከበብቱን ዕምባባቱን ምስኡ ብሓደ ይኹን። |
32. | ካብ ጎቦታቱ ሹድሹተ ጨንፈር ይውጻእ፡ ካብቲ ቐዋሚ ቐንዴል ብሓደ ጎቦኡ ስለስተ ጨንፈር፡ ካብቲ ቐዋሚ ቐንዴል ጎቦኡ ድማ ሰለስተ ጨንፈር ይውጻእ። |
33. | ኣብ ሓደ ጨንፈር ዕምባባ ለውዚ ዚመስል ሰለስተ ጽዋእ መምስ ክበብን ዕምባባን። ነቲ ኻብቲ ቐዋሚ ቐንዴል ዚወጽእ ሹዱሽተ ጨንፈር ከምኡ ይገበሮ። |
34. | ኣብ ትሕቲ እቲ ኻብኡ ዚወጽእ ክልተ ጨንፈር ክበብ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻብኡ ዚወጽእ ክልተ ጨንፈር ክበብ፡ እሞ ነቲ ኻብ ቀዋሚ ቐንዴል ዚወጽእ ሹዱሽተ ጨንፈር ከምኡ ይኹን። |
35. | ኣብ ትሕቲ እቲ ኻብኡ ዚወጽእ ክልተ ጨንፈር ክበብ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻብኡ ዚወጽእ ክልተ ጨንፈር ክበብ፡ እሞ ነቲ ኻብ ቀዋሚ ቐንዴል ዚወጽእ ሹዱሽተ ጨንፈር ከምኡ ይኹን። |
36. | ክበብቱን ጨንፈሩን ምስኡ ብሓደ ይኹን፡ ኩሉ ኻብ ጽሩይ ወርቂ ብምቕጥቃጥ ብሓደ እተሰርሔ ይኹን። |
37. | ንእኡ ድማ ሾብዓተ ቕልዒ ቐንዴል ስርሓሉ። ኣቲ ቅልዔ ቐንዴል ከኣ ንቕድሚት ኣቢሉ ኸም ዜብርህ ኣብ ልዕሊኡ ይነበር። |
38. | መሳቕይኡን መዋህለል ርስሓቱን ከኣ ኣብ ጽሩይ ወርቂ ይኹን። |
39. | ንሱ ምስ እዚ ኹሉ ኣቓሑ እዚ፡ ብሓደ ታለንተ ጽሩይ ወርቂ ይገበር። |
40. | ከምቲ ኣብቲ ኸረን እተራእየካ ምስልታቱ ኽትገብሪ ኸኣ ጠምቶ። |
← Exodus (25/40) → |