Exodus (25/40)  

1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2. ደቂ እስራኤል መባእ ኪህቡኒ ተዛረቦም፡ እቲ መባኤይ ከኣ ካብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብልዑ ኽህብ ዝፈተወ ውሰዱ።
3. እቲ ኻባታቶም እትወስድዎ መባእ ድማ እዚ እዩ ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን፡
4. ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ጻዕዳ ፈትልን፡ ጸጉሪ ጤል ድማ፡
5. እተቐረጸ ቑራብቲ ደዓውልን ቑራብቲ ተሃስን፡ ዕጨይቲ ሽጢምን፡
6. ዘይቲ ንቐንዴል፡ ቀመማት ዕጣን ድማ፡
7. ኣእማን ዕንቁን ንኣፎድን ንሳንቃ ኣፍ ልብን ዚዛነቕ ኣእማንን።
8. ኣብ ማእከሎም ምእንቲ ኽነብር ድማ መቕደስ ይገብረለይ።
9. ከምቲ ኹሉ ኣነ ዘርእየካ ምስሊ እቲ ማሕደርን ምስሊ ኹሉ ኣቓሑኡን ከምኡ ግበርዎ።
10. ታቦት ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ይግበሩ፡ ምንዋሑ ኽልተ እመትን ፈረቓን፡ ምግፋሑ ኸኣ እመትን ፈረቓን፡ ምብራኽውን እመትን ፈረቓን ይኹን።
11. ብጹሩይ ወርቂ ኸኣ ለብጦ፡ ውሽጡን ግዳሙን ለብጦ። ላዕላዩ ኸኣ ብዙርያኡ ኣኽሊል ወርቂ ግበርሉ።
12. ኣርባዕተ ቐለቤት ወርቂ ኣፍሲስካ ድማ ኣብ ኣርባዕቲኡ እግሩ ገብር፡ ክልተ ቐለቤት ብሓደ ሸነኹ፡ ክልተ ቐለቤት ከኣ ብኻልኣይ ሸነኹ።
13. ካብ ዕጨይቲ ሽጢም መሰላታት ገብር እሞ ብወርቂ ለብጦ።
14. እቲ ታቦት ብእኡ ማንቲ ኺጽወርሲ፡ ነቲ መሰላታት ናብቲ ኣብ ጎባታት ታቦት ዘሎ ቐላብቲ ኣእተዎ።
15. እቲ መስላታት ኣብቲ ቐላብቲ ታብት ይቀመጥ እምበር፡ ካብኡ ኣይውጻእ።
16. ነቲ ኣነ ዝህበካ ምስክር ኣብቲ ታቦት ከተንብሮ ኢኻ።
17. መኽደን መተዓረቒ ድማ ካብ ጽሩይ ወርቂ ግበር፡ ምንዋሑ ኽልተ እመትን ፈረቓን ምግፋሑ ኸኣ ኣመትን ፈረቓን ይኹን።
18. ክልተ ኩሩቤል ድማ ኣብ ወርቂ ኽትገብር ኢኻ። ቀጥቂጥካ ትሰርሖም እሞ ኣብ መኽደን መተዓረቒ ኣብ ክልተ ወሰኑ ትገብሮም።
19. ሓደ ኩሩቤል ኣብ ሓደ ወሰን፡ ካልኣይ ኩሩቤል ከኣ ኣብቲ ኻልኣይ ወሰን ግበሮም። ነቶም ኩሩቤል፡ ምስቲ መኽደን መተዓረቒ ሓደ ኾይኑ፡ ብኽልተ ወሰን ግበርዎም።
20. እቶም ኩሩቤል ከኣ ንሓድሕዶም ገጽ ንገጽ መሊሶም ኣኽናፎም ልዕሊ ኣቢሎም ይዘርግሑ፡ ነቲ መኽደን መተዓረቒ ድማ በኽናፎም ይኽውልዎ። ገጽ እቶም ኩሩቤል ካብቲ መኽደን መተዓረቒ የብል።
21. ነቲ መኽደን መተዓረቒ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ታቦት ግበሮ። እቲ ኣነ ዝሀበካ ምስክር ከኣ ኣብቲ ታቦት ኣንብሮ።
22. ኣብኡ ድማ ንኣኽ ኽግለጸልካ እየ፡ ካብቲ መኽደን መተዓረቒ ኻብ መንጎ እቶም ኣብ ልዕሊ ታቦት ምስክር ዘለዉ ኽልተ ኩሩቤል እቲ ንደቂ እስራኤል ኢለ ዝእዝዘካ ኹሉ ኽነግረካ እየ።
23. ሰደቓ ድማ ካብ ዕጨይቲ ሸጢም ግበር፡ ምንዋሑ ኽልተ እመት ምግፋሑ ኸኣ ሓደ እመት ምብራኹውን እመትን ፈረቓን ይኹን።
24. ብጹሩይ ወርቂ ለብጦ፡ ብዙርያኡ ኸኣ ኣኽሊል ወርቂ ገብረሉ፡ ነቲ ኽቡስ ከኣ ኣብ ዙርያኡ ኣኽሊል ወርቂ ግበረሉ።
25. ኣርባዕተ ቐለቤት ወርቂ ድማ ግበረሉ፡ ነቲ ቐላብቲ ኸኣ ኣብቲ ኣርባዕተ እግሪ ዘለዎ ኣርባዕተ ምኣዝኑ ግበሮ።
26. ኣርባዕተ ቐለቤት ወርቂ ድማ ግበረሉ፡ ነቲ ቐላብቲ ኸኣ ኣብቲ ኣርባዕተ እግሪ ዘለዎ ኣርባዕተ ምኣዝኑ ግበሮ።
27. እቲ ቐላብቲ ድማ፡ ንምጽዋር እቲ ሰደቓ መሰላታት ኪኣትዎ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ኽቡስ ይኹን።
28. እቲ ሰደቓ ብእኡ ግበር እሞ ብወርቂ ለብጦ።
29. ድማ ዚኽዕወሉ ጻሕልታቱን ጭሔሎታቱን ኩስኩስታቱን ጽዋኣቱን ግበር፡ ካብ ጽሩይ ወርቂ ገብሮ።
30. ኣብቲ ሰደቓ ድማ ወርትግ እንጌራ ምርኣይ ኣብ ቅድመይ ተንብር።
31. ቀዋሚ ቐንዴል ድማ ካብ ጽሩይ ወርቂ ግበር። እቲ ቓዋሚ ቐንዴል ምስ እግሩን ዘንጉን ብምቕጥቃጥ ይገብር። ጽውኣቱን ከበብቱን ዕምባባቱን ምስኡ ብሓደ ይኹን።
32. ካብ ጎቦታቱ ሹድሹተ ጨንፈር ይውጻእ፡ ካብቲ ቐዋሚ ቐንዴል ብሓደ ጎቦኡ ስለስተ ጨንፈር፡ ካብቲ ቐዋሚ ቐንዴል ጎቦኡ ድማ ሰለስተ ጨንፈር ይውጻእ።
33. ኣብ ሓደ ጨንፈር ዕምባባ ለውዚ ዚመስል ሰለስተ ጽዋእ መምስ ክበብን ዕምባባን። ነቲ ኻብቲ ቐዋሚ ቐንዴል ዚወጽእ ሹዱሽተ ጨንፈር ከምኡ ይገበሮ።
34. ኣብ ትሕቲ እቲ ኻብኡ ዚወጽእ ክልተ ጨንፈር ክበብ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻብኡ ዚወጽእ ክልተ ጨንፈር ክበብ፡ እሞ ነቲ ኻብ ቀዋሚ ቐንዴል ዚወጽእ ሹዱሽተ ጨንፈር ከምኡ ይኹን።
35. ኣብ ትሕቲ እቲ ኻብኡ ዚወጽእ ክልተ ጨንፈር ክበብ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻብኡ ዚወጽእ ክልተ ጨንፈር ክበብ፡ እሞ ነቲ ኻብ ቀዋሚ ቐንዴል ዚወጽእ ሹዱሽተ ጨንፈር ከምኡ ይኹን።
36. ክበብቱን ጨንፈሩን ምስኡ ብሓደ ይኹን፡ ኩሉ ኻብ ጽሩይ ወርቂ ብምቕጥቃጥ ብሓደ እተሰርሔ ይኹን።
37. ንእኡ ድማ ሾብዓተ ቕልዒ ቐንዴል ስርሓሉ። ኣቲ ቅልዔ ቐንዴል ከኣ ንቕድሚት ኣቢሉ ኸም ዜብርህ ኣብ ልዕሊኡ ይነበር።
38. መሳቕይኡን መዋህለል ርስሓቱን ከኣ ኣብ ጽሩይ ወርቂ ይኹን።
39. ንሱ ምስ እዚ ኹሉ ኣቓሑ እዚ፡ ብሓደ ታለንተ ጽሩይ ወርቂ ይገበር።
40. ከምቲ ኣብቲ ኸረን እተራእየካ ምስልታቱ ኽትገብሪ ኸኣ ጠምቶ።

  Exodus (25/40)