| ← Exodus (24/40) → |
| 1. | ንሙሴ ኸኣኣ፡ ንስኻን ኣሮንን ንዳብን ኣቢሁን ሰብዓ ኻብ ዓበይቲ እስራኤልን ዃንኩም ናብ እግዚኣብሄር ደይቡ። ኣብ ርሑቕ ዃንኩም ድማ ስገዱ። |
| 2. | ሙሴ ኸኣ ብበይኑ ናብ እግዚኣብሄር ይቕረብ፡ ንሳቶም ግና ኣይቕረቡ፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ ምስኡ ኣይደይቡ፡ በሎ። |
| 3. | ሙሴ ድማ መጺኡ ነቶም ህዝቢ ኹሉ ዘረባ እግዚኣብሄር ኩሉ ሕጋጋትን ነገሮም። ኩሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ብሓደ ደሃይ፡ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ኹሉ ቓላት ንገብር ኢሎም መለሱ። |
| 4. | ሙሴ ድማ ንኹሉ ቓል ኣግዚኣብሄር ጸሐፎ። ንጽብሒቱ ኸኣ ኣንጊሁ ተንሲኡ ኣብ እግሪ እቲ ኸረን መሰውኢ፡ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ድማ ዓሰርተው ክልተ ሓወልቲ ሰርሔ። |
| 5. | ካብ ደቂ እስራኤል ከኣ ኣጉባዝ፡ ዚሐርር መስዋእቲ ኺስውኡ፡ ካብ ዝራብዐት ድማ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ኬቅርቡ፡ ሰደደ። |
| 6. | ሙሴ ድማ ፈረቓ እታ ደም ወሲዱ ኣብ ጭሔሎታት ገበሮ። ፈረቓ እቲ ደም ከኣ ናብ መሰውኢ ነጸጎ። |
| 7. | ነቲ መጽሓፍ መጽሓፍ ኪዳን ወሲዱ ድማ ኣብ እዝኒ እቶም ህዝቢ ኣነበቦ። ንእዘዝ ድማ በሉ። |
| 8. | ሙሴ ኸኣ ነቲ ደም ኪዳን እግዚኣብሄር ብኹለን እዘን ቓላት እዚኤን ምሳኻትኩም ዝገበሮ እንሆ በለ። |
| 9. | ሙሴን ኣሮንን ናዳብን ኣቢሁን ካብ ዓበይቲ እስራኤል ድማ ሰብዓ ኾይኖም ደየቡ። ንኣምላኽ እስራኤል ከኣ ረአይዎ። እቲ ትሕቲ እግሩ ድማ ብብሩህ ሰፈሮስ ከም እተገብረ ምድሪ ቤት ምጽራዩ ኸኣ ከም ሰማይ ነበረ። |
| 10. | ኢዱ ናብቶም ሕሩያት ደቂ እስራኤል ኣይዘርግሔን፡ ንሳቶምሲ ንኣምላኽ ደኣ ረአዩ፡ በልዑን ሰተዩን ከኣ። |
| 11. | ኢዱ ናብቶም ሕሩያት ደቂ እስራኤል ኣይዘርግሔን፡ ንሳቶምሲ ንኣምላኽ ደኣ ረአዩ፡ በልዑን ሰተዩን ከኣ። |
| 12. | እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ናባይ ኣብዚ ኸረን ደይብ፡ ኣብኡ ኸኣ ጽናሕ ጽላት እምንን እቲ ኽትምህሮም ኢለ ዝጸሐፍክዎ ሕግን ትእዛዝን ክህበካ እየ፡ በሎ። |
| 13. | ሙሴን እያሱን ግልያኡን ድማ ተንስኡ፡ ሙሴ ኸኣ ናብ ከረን ኣምላኽ ደየበ። |
| 14. | ነቶም ዓበይቲ ድማ፡ ናባኻትኩም ክሳዕ እንምለስ፡ ኣብዚ ጽንሑና። እንሆ ኸኣ፡ ኣሮንን ሁርን ምሳኻትኩም ኣለው፡ ገነ ነገር ዘለዎ፡ ናባታቶም ይምጻእ፡ በሎም። |
| 15. | ሙሴ ድማ ነብ ከረን ደየበ፡ ነቲ ኸረን ደበና ኣጎልበቦ። በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ንሙሴ ኻብ ማእከል ኣቲ ደበና ጸውዖ። |
| 16. | ትርኢት ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ነዒንቲ ደቂ እስራኤል ከም ዚባላዕ ሓዊ ኾይኑ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ተራእየ። |
| 17. | ትርኢት ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ነዒንቲ ደቂ እስራኤል ከም ዚባላዕ ሓዊ ኾይኑ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ተራእየ። |
| 18. | ሙሴ ኸኣ ኸረንውን ደየበ። ሙሴ ኣብቲ ኸረን ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ገብረ። |
| ← Exodus (24/40) → |