| ← Exodus (23/40) → |
| 1. | ወረ ሓሶት ኣይተልዕል። ምስክር ሓሶት ክትከውን ኢልካ፡ ኢድካ ምስ ዓማጺ ኣይተልዕል። |
| 2. | ክፉእ ንምግባር ደድሕሪ እቶም ብዙሓት ዘንቢልካ ፍርዲ ንምቕናን ኣይትዛረብ። |
| 3. | ብፍርድስ ነቲ ድኻ ድማ ኣይተንግጸሉ። |
| 4. | ብዕራይ ጸላኢኻ ወይ ኣድጊ ጠፊኡ እንት ረኸብካ፡ ናብኡ ምለሰሉ። |
| 5. | ኣድጊ ጸላኢኻ ኻብ ትሕቲ ጽዕነቱ ወዲኡ እንተ ርኤኻ እማ ከይትሕግዞ ክትሐድጎ እንተ ሓሰብካ፡ ምስኡ ዃንካ ኣጸቢቕካ ሓግዞ። |
| 6. | ነቲ ድኻኻ ብነገሩ ፍትሒ ኣይተቕንነሉ። |
| 7. | ካብ ዘረባ ሓሶት ርሐቕ። ኣነ ንረሲእ ኣየጽድቖን እየ እሞ፡ ነቲ ንጹህን ንጻድቕን ኣይትቕተል። |
| 8. | መማለዲ ነቶም ዘርእዩ የዕውር፡ ዘረባ ጻድቃን ከኣ የቕንን እዩ ኣሞ፡ መማለዲ ኣይትውሰድ። |
| 9. | ንስደተኛ ኣይትጽቀጦ፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ነፍሲ ስደተኛ ኸምይ ከም ዝኾነት ትፈልጡ ኢኹም። |
| 10. | ሹድሹተ ዓመት ምድርኻ ዝራእ ፍርያት ኸኣ ኣእቱ። |
| 11. | በታ ሳብዐይቲ ዓመት ግና፡ ድኻ ህዝብኻ ምእንቲ ኽበልዓ፡ ትዕረፍ ሕደጋ፡ እቲ ዝተረፈ ድማ እንስሳ መሮር ይብልዓዮ። ኣብ ኣታኽልቲ ወይንኻን ኣብ ኣውሊካን ድማ ከምኡ ገብር። |
| 12. | ሹድሽተ መዓልቲ ዕዮኻ ዕየ፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና፡ ብዕራይካን ኣድግኻን ምእንቲ ኸዐርፉ፡ ወዲ እታ ባርያኻን እቲ ስደተኛን ድማ ኬተንፍሱ ዕረፍ። |
| 13. | እቲ ዝበልኩኹም ኩሉ ሐልው። ስም ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይትስመዩ፡ ካብ ኣፍካ ኣይሰማዕ። |
| 14. | ሰለስተ ሳዕ ኣብ ዓመት በዓል ግበረለይ። |
| 15. | በቲ ምዱብ እዋን ብወርሒ፡ ኣቢብ፡ ብእኣ ኸብ ግብጺ ወጺእካ ኢኻ እሞ፡ በዓል ቅጫ ሐሉ፡ ከምቲ ዛዘዝኩኻ ሾብዓተ መዓልቲ ቅጫ ብላዕ። ጥራይ ኢዶም ከኣ ኣብ ቅድመይ ኣይረኣዩ። |
| 16. | ናይቲ ኣብ ግራት ዝዝራእካዮ፡ ናይ ቀዳማይ ዕዮኻ በዓል ዓጺድ ሐሉ። እቲ ፍረ ዕዮኻ ኻብ ግራት ምስ ኣከብካ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ዓመት ናይ ምእካብ በዓል ኣብዕል። |
| 17. | ኩሉ ወዲ ተባዕታይካ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይምጻእ። |
| 18. | ደም መስዋእቲ ምስ ብኹዕ እንጌራ ኣይትሰውእ። ስብሒ በዓለይ ክሳዕ ንግሆ ኣይሕደር። |
| 19. | ቀዳማይ በኹሪ ፍረ ምድርኻ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣምጽእ። ንማሕስእ ብጸባ ኣዲኡ ኣይተብስል። |
| 20. | ኣብ መገዲ ኺሕወካ ናብቲ ዘዳለኽዎ ቦታ ድማ ኬእትወካ፡ እንሆ ኣነ መልኣኽ ቀቅድሜኻ ኽልእኽ እየ። |
| 21. | ኣብ ቅድሚኡ ተጠንቀቕ፡ ድምጹ ኸኣ ስማዕ፡ ኣይተምርሮ። ስመይ ኣብኡ እዩ እሞ፡ ንበደልኩም ኣይሓድግን እዩ። |
| 22. | ድምጹ ኣጸቢቕካ እንተ ሰማዕካ፡ ኣነ ዝብለካ ኹሉ ድማ እንተ ገብርካ፡ ኣነ ንጸላእትኻ እጸልኦም፡ ንዚጻረሩኻ ድማ እጻረሮም። |
| 23. | መልኣኸይ ቀቅድሜኻ ኪኸይድ እዩ እሞ፡ ናብ ምድሪ ኣሞራውያንን ሔታውያንን ፈረዛውያንን ከነኣናውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን ኬእትወካ እዩ። ኣነ ድማ ከጽንቶም እየ። |
| 24. | ንኣማልኽቶም ኣይትስገድ፡ ኣይተገልግሎም ድማ፡ ከም ግብሮም ከኣ ኣይትግበር። ብጥራስ ደኣ ኣፍርሶም፡ ኣዕኑዶም ከኣ ሓሸምሸም ኣብል። |
| 25. | ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣገልግሉ፡ ንሱ ኸኣ እንጌራኻን ማይካን ኪባርኸልካ እዩ፡ ሕማም ከኣ ካብ ማእከልካ ኼርሕቖ እየ። |
| 26. | ኣብ ሃገርካ እተዋግር ወይ መኻን ሰበይቲ ኣይትርከብን። ፍቕዲ መዓልታትካ ድማ ክመልኦ እየ። |
| 27. | ናብቶም እትመጾም ኹሎም ህዝብታት መፍርሄይ ቀቅድሜኻ ኽሰድድ፡ ከሸብሮም ድማ እየ። ንኹገብሮም እየ። |
| 28. | ንሃዋውያንን ንከንኣናውያንን ንሔታውያንን ኣብ ቅድሜኻ ዚሰጉ ተናኸስቲ ጽንጽያ ቀቅድሜኻ ኽሰድድ እየ። |
| 29. | እታ ምድሪ ምእንቲ ኸይትባድም፡ ኣራዊት መሮር ከኣ ከይበዝሑኻ፡ ብሓንቲ ዓመት ካብ ቅድሜኻ ኣይሰጎምን እየ። |
| 30. | ተፋሪኻ ነታ ምድሪ ኽሳዕ እትወርሳ በብቕሩብ ካብ ቅድሜኻ ኽሰጎም እየ። |
| 31. | ነቶም ኣብታ ምድሪ ዚነብሩ ኣብ ኣእዳውኩም ክህበኩም እየ፡ ካብ ቅድሜኻ ኸኣ ክትሰጎም ኢኻ እሞ፡ ሽዑ ዶብካ ኻብ ባሕሪ ኤርትራ ኽሳዕ ባሕሪ ፍልስጥኤም፡ ካብ በረኻ ድማ ክሳዕ እቲ ርባ ኽገብሮ እየ። |
| 32. | ምሳታቶም ኮነ፡ ምስ ኣማልኽቶም እንተ ኣገልገልካ እዚ መፈንጠራ ኪኾነካ እዩ እሞ፡ ንኣይ ንምዳል ምእንቲ ኸየስሕቱኻስ ኣብ ምድርኻ ኣይንበሩ። |
| ← Exodus (23/40) → |