Exodus (23/40)  

1. ወረ ሓሶት ኣይተልዕል። ምስክር ሓሶት ክትከውን ኢልካ፡ ኢድካ ምስ ዓማጺ ኣይተልዕል።
2. ክፉእ ንምግባር ደድሕሪ እቶም ብዙሓት ዘንቢልካ ፍርዲ ንምቕናን ኣይትዛረብ።
3. ብፍርድስ ነቲ ድኻ ድማ ኣይተንግጸሉ።
4. ብዕራይ ጸላኢኻ ወይ ኣድጊ ጠፊኡ እንት ረኸብካ፡ ናብኡ ምለሰሉ።
5. ኣድጊ ጸላኢኻ ኻብ ትሕቲ ጽዕነቱ ወዲኡ እንተ ርኤኻ እማ ከይትሕግዞ ክትሐድጎ እንተ ሓሰብካ፡ ምስኡ ዃንካ ኣጸቢቕካ ሓግዞ።
6. ነቲ ድኻኻ ብነገሩ ፍትሒ ኣይተቕንነሉ።
7. ካብ ዘረባ ሓሶት ርሐቕ። ኣነ ንረሲእ ኣየጽድቖን እየ እሞ፡ ነቲ ንጹህን ንጻድቕን ኣይትቕተል።
8. መማለዲ ነቶም ዘርእዩ የዕውር፡ ዘረባ ጻድቃን ከኣ የቕንን እዩ ኣሞ፡ መማለዲ ኣይትውሰድ።
9. ንስደተኛ ኣይትጽቀጦ፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ነፍሲ ስደተኛ ኸምይ ከም ዝኾነት ትፈልጡ ኢኹም።
10. ሹድሹተ ዓመት ምድርኻ ዝራእ ፍርያት ኸኣ ኣእቱ።
11. በታ ሳብዐይቲ ዓመት ግና፡ ድኻ ህዝብኻ ምእንቲ ኽበልዓ፡ ትዕረፍ ሕደጋ፡ እቲ ዝተረፈ ድማ እንስሳ መሮር ይብልዓዮ። ኣብ ኣታኽልቲ ወይንኻን ኣብ ኣውሊካን ድማ ከምኡ ገብር።
12. ሹድሽተ መዓልቲ ዕዮኻ ዕየ፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና፡ ብዕራይካን ኣድግኻን ምእንቲ ኸዐርፉ፡ ወዲ እታ ባርያኻን እቲ ስደተኛን ድማ ኬተንፍሱ ዕረፍ።
13. እቲ ዝበልኩኹም ኩሉ ሐልው። ስም ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይትስመዩ፡ ካብ ኣፍካ ኣይሰማዕ።
14. ሰለስተ ሳዕ ኣብ ዓመት በዓል ግበረለይ።
15. በቲ ምዱብ እዋን ብወርሒ፡ ኣቢብ፡ ብእኣ ኸብ ግብጺ ወጺእካ ኢኻ እሞ፡ በዓል ቅጫ ሐሉ፡ ከምቲ ዛዘዝኩኻ ሾብዓተ መዓልቲ ቅጫ ብላዕ። ጥራይ ኢዶም ከኣ ኣብ ቅድመይ ኣይረኣዩ።
16. ናይቲ ኣብ ግራት ዝዝራእካዮ፡ ናይ ቀዳማይ ዕዮኻ በዓል ዓጺድ ሐሉ። እቲ ፍረ ዕዮኻ ኻብ ግራት ምስ ኣከብካ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ዓመት ናይ ምእካብ በዓል ኣብዕል።
17. ኩሉ ወዲ ተባዕታይካ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይምጻእ።
18. ደም መስዋእቲ ምስ ብኹዕ እንጌራ ኣይትሰውእ። ስብሒ በዓለይ ክሳዕ ንግሆ ኣይሕደር።
19. ቀዳማይ በኹሪ ፍረ ምድርኻ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣምጽእ። ንማሕስእ ብጸባ ኣዲኡ ኣይተብስል።
20. ኣብ መገዲ ኺሕወካ ናብቲ ዘዳለኽዎ ቦታ ድማ ኬእትወካ፡ እንሆ ኣነ መልኣኽ ቀቅድሜኻ ኽልእኽ እየ።
21. ኣብ ቅድሚኡ ተጠንቀቕ፡ ድምጹ ኸኣ ስማዕ፡ ኣይተምርሮ። ስመይ ኣብኡ እዩ እሞ፡ ንበደልኩም ኣይሓድግን እዩ።
22. ድምጹ ኣጸቢቕካ እንተ ሰማዕካ፡ ኣነ ዝብለካ ኹሉ ድማ እንተ ገብርካ፡ ኣነ ንጸላእትኻ እጸልኦም፡ ንዚጻረሩኻ ድማ እጻረሮም።
23. መልኣኸይ ቀቅድሜኻ ኪኸይድ እዩ እሞ፡ ናብ ምድሪ ኣሞራውያንን ሔታውያንን ፈረዛውያንን ከነኣናውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን ኬእትወካ እዩ። ኣነ ድማ ከጽንቶም እየ።
24. ንኣማልኽቶም ኣይትስገድ፡ ኣይተገልግሎም ድማ፡ ከም ግብሮም ከኣ ኣይትግበር። ብጥራስ ደኣ ኣፍርሶም፡ ኣዕኑዶም ከኣ ሓሸምሸም ኣብል።
25. ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣገልግሉ፡ ንሱ ኸኣ እንጌራኻን ማይካን ኪባርኸልካ እዩ፡ ሕማም ከኣ ካብ ማእከልካ ኼርሕቖ እየ።
26. ኣብ ሃገርካ እተዋግር ወይ መኻን ሰበይቲ ኣይትርከብን። ፍቕዲ መዓልታትካ ድማ ክመልኦ እየ።
27. ናብቶም እትመጾም ኹሎም ህዝብታት መፍርሄይ ቀቅድሜኻ ኽሰድድ፡ ከሸብሮም ድማ እየ። ንኹገብሮም እየ።
28. ንሃዋውያንን ንከንኣናውያንን ንሔታውያንን ኣብ ቅድሜኻ ዚሰጉ ተናኸስቲ ጽንጽያ ቀቅድሜኻ ኽሰድድ እየ።
29. እታ ምድሪ ምእንቲ ኸይትባድም፡ ኣራዊት መሮር ከኣ ከይበዝሑኻ፡ ብሓንቲ ዓመት ካብ ቅድሜኻ ኣይሰጎምን እየ።
30. ተፋሪኻ ነታ ምድሪ ኽሳዕ እትወርሳ በብቕሩብ ካብ ቅድሜኻ ኽሰጎም እየ።
31. ነቶም ኣብታ ምድሪ ዚነብሩ ኣብ ኣእዳውኩም ክህበኩም እየ፡ ካብ ቅድሜኻ ኸኣ ክትሰጎም ኢኻ እሞ፡ ሽዑ ዶብካ ኻብ ባሕሪ ኤርትራ ኽሳዕ ባሕሪ ፍልስጥኤም፡ ካብ በረኻ ድማ ክሳዕ እቲ ርባ ኽገብሮ እየ።
32. ምሳታቶም ኮነ፡ ምስ ኣማልኽቶም እንተ ኣገልገልካ እዚ መፈንጠራ ኪኾነካ እዩ እሞ፡ ንኣይ ንምዳል ምእንቲ ኸየስሕቱኻስ ኣብ ምድርኻ ኣይንበሩ።

  Exodus (23/40)