Exodus (22/40)  

1. ሰብ ወይ በጊዕ ሰሪቑ እንተ ሓረደ ወይ እንተ ሸጦ፡ ኣብ ክንዲ ብዕራይ ሓሙሽተ ብዕራይ፡ ኣብ ክንዲ በጊዕ ድማ ኣርባዕተ በጊዕ ይኽሐስ።
2. ሰራቒ ጥሒሱ ኺኣቱ ኸሎ እንተ ተረኸበ፡ ወቒዖምዎ ኸኣ እንተ ሞተ ዕዳ ደም የብሉን።
3. ጸሓይ እንተ በረቐቶ ግና፡ ዕዳ ደም ኣለዎ። እቲ ሰራቒ ኸኣ ዘሰረቖ ይምለስ። ገንዘብ እንተ ሰአነ ግና፡ ኣብ ክንዲ እቲ ዝሰረቖ ይሽየጥ።
4. እቲ ዝሰረቖ ብዕራይ ኮነ ወይ ኣድጊ ወይ በጊዕ፡ ኣብ ኢዱ ብህይወቱ እንተ ተረኸበ፡ ካዕበት ገይሩ ይኽፈል።
5. ሰብ ግራት ወይ ኣታኽልቲ ወይኒ እንተ ኣብልዔ፡ ማሉ ፈንዩ ናብ ግራት ካልእ ይብላዕ ኣንተ ሓደጎ፡ ካብ ግራቱ እታ ዝበለጸት፡ ካብ ኣታኽልቲ ወይኑ ኸኣ እታ ዝበለጸት ይኽሓሶ።
6. ሓዊ ወጺኡ ሓጹር እንተ ረኸበ፡ እሞ ቅሚጦ ወይ ዘይጹድ ወይ ግራት እንተ በልዔ፡ እቲ ሓዊ ዘንደደ ኻሕሳ ይኽሓሶ።
7. ሰብ፡ ገንዘብ ወይ ኣቕሓ ኣብ ጎረቤቱ ኽሕለወሉ ሕድሪ እንተ ሀቦ እሞ ካብ ቤት እቲ ሰብ እንተ ተሰርቀ፡ እቲ ሰራቒ ኸኣ እንተ ተረኸበ ካዕበት ገይሩ ይኽሓሶ።
8. እቲ ሰራቒ ኣንተ ዘይተረኸበ፡ እቲ በዓል ቤት ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቕረብ፡ ኢዱ ናብ ገንዘብ ብጻዩ ኸም ዘይዘርግሔ ይምሐል።
9. ብዝኾነ ነገር እንተ ኸሰሰ፡ ብዛዕባ ብዕራይ ኮነ፡ ኣድጊ ኾነ፡ በጊዕ ኮነ፡ ክዳን ኮነ ወይ ማንም ዝጠፍኤ ኣቕሓ፡ እቲ ሓደ፡ እዚ እዩ፡ እንተ በለ፡ ነገር ክልቲኦም ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ይምጻእ። ኣቲ ኣምላኽ ዝፈደዮ ንብጻዩ ኻዕበት ይኽሓሶ።
10. ሰብ ኪሕልወሉ ኢሉ፡ ኣድጊ ወይ ብዕራይ ወይ በጊዕ ወይ ዝኾነ እንስሳ፡ ሕድሪ እንተ ሀቦ፡ ንሱ ኸኣ ኣንተ ሞተ፡ ወይ እንተ ተሰብረ፡ ወይ ዝረኣዮ ዜልቦ እንተ ተዘምተ፡
11. ናብ ገንዘብ ብጻዩ ኢዱ ኸም ዘይዝርግሔ ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ማሕላ እግዚኣብሄር ይኹን። እቲ ዋናኡ ድማ ማሕላ ይቀበል፡ እቲ ኸኣ ኣይኽሓስ።
12. ካብኡ ኣንተ ተሰርቀ ግና፡ ነቲ ዋናኡ ይተከኣሉ።
13. ኣራዊት እንተ በትብቶ ኸኣ፡ ነቲ እተበትበተ ንምስክር ኪኾኖ የምጽኣዮ፡ ተኽላ ግና ኣይሀብ።
14. ሰብ ካብ ብጻዩ ገለ እንተ ለመነ፡ ዋናኡ ኸየሎ ኸኣ እንተ ተሰብረ ወይ እንተ ሞተ፡ ካሕሳ ይኽሓሶ።
15. ኣቲ ዋና ምስኡ እንተ ነበረ ግና ኣይኽሓስ፡ ተኻርዩ እንተ ኾነ፡ ብኽራይ ኣትዩ እዩ።
16. ሰብ ዘይተሓጽየት ጓል እንተ ኣስሐተ፡ እሞ ምስኣ እንተ ደቀሰ፡ ሰበይቱ ኽትከውን ገዝቢ የግዝማ።
17. ኣቦኣ ኣይህበካን፡ ኢሉ እንተ ኸልኦ፡ ከም ገዝሚ ኣዋልድ ገንዘብ ይኽፈል።
18. ንጠንቋሊት ብህይወት ኣይትሕደጋ።
19. ምስ እንሳሳ ዝድቅስ ኩሉ ሞት ይሙት።
20. ብጀካ ንእግዚኣብሄር ጥራይ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዚስውእ ይጽነት።
21. ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ምድሪ ግብጺ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ንስደተኛ ኣይትዐምጾ ወይ ኣይትጽቀጦ።
22. ንመበለታትን ንዘኽታማትን ዘበሉ ኣይትግፍዕዎም።
23. እንተ ገፋዕካዮም፡ እሞ ኣባይ እንተ ጠርዑ ጥርዓኖም ኣጸቢቐ ኽሰምዕ እየ።
24. ኩራይ ይነድድ እሞ፡ ብሴፍ እቐትለኩም። ሽዑ ኣንስትኹም መበለታት፡ ደቅኹም ከኣ ዘኽታማት ይኾኑ።
25. ካብ ህዝበይ ምሳኽ ንዝነበር ድኻ ገንዘብ እንተ ኣለቃሕካ፡ ከም በዓል ሓረጣ ኣይትኹኖ፡ ሓረጣውን ኣይትጽዐኖ።
26. ክሳን ብጻይካ ታሕዚ ኣንተ ሓዝካ ጸሓይ ከይዐረበት ምለሰሉ።
27. እቲ ስጋኡ ዚኸድነሉ ኽዳኑ፡ ንሱ ጥራይ እዩ እሞ፡ ብምንታይ ኪድቅስ፡ ኪኸውን ድማ እዩ ኣነ መሓሪ እየ እሞ፡ እንተ ጠርዓለይ ክሰምዖ እየ።
28. ንኣምላኽ ኣይጽረፉ፡ ንመስፍን ህዝብኻ ድማ ኣይትርገም።
29. ካብ ምልኣት ሪቕካን ካብ መጽሙቕ ወይንኻን ንምቕራብ ኣይትደንጉዩ። ካብ ኣወዳትካ እቲ በኹሪ ንኣይ ሀበኒ።
30. ካብ ኣብርዑካን ካብ ኣባጊኻን ድማ ከምኡ ግበር። ሾብዓተ መዓልቲ ምስ ኣዲኡ ይጽናሕ፡ በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ንኣይ ትህበኒ።
31. ቅዱሳት ሰባት ትኾነኒ። ኣብ መሮር ኣራዊት ዝሓዞ ስጋ ኣይትብልዑ፡ ነኽላባት ደርብይዎ።

  Exodus (22/40)