Exodus (21/40)  

1. እቲ ኣብ ቅድሚኦም እተንብሮ ፍርድታት እዚ እዩ።
2. እብራዊ ባርያ እንተ ተሻየጥካ፡ ሹድሹተ ዓመት ይገዛእካ፡ ኣብታ ሳብዐይቲ ግና ብኸምኡ ሓራ ይውጻእ።
3. በይኑ እንተ ኾይኑ ዝመጾ፡ በይኑ ይውጻእ። በዓል ሰበይቲ እንተ ኾይንይ እታ ሰበይቱ ኸኣ ምስኡ ትውጻእ።
4. ጐይታኡ ሰበይቲ እንተ ሀቦ እሞ ኣወዳትን ኣዋልድን እንተ ወለደትሉ፡ እታ ሰበይትን ደቃን ንጐይታኣ ይኹኑ፡ ንሱ በይኑ ይውጻእ።
5. እቲ ብርያ ግና፡ ጐይታይን ሰበይተይን ደቀይን እፈቱ ኣሎኹ፡ ሓራ ኣይውጽእን፡ እንተ በለ፡
6. ሽዑ እቲ ጐይታኡ ናብ ቅድሚ ኣምላኽ የቕርቦ እሞ፡ ኣብ ማዕዶ ወይ ኣብ ልዳት ኣቕሪቡ፡ እቲ ጎይትኡ እዝኑ ብመስፈ የንኩሎ፡ ንሓዋሩ ኸኣ ይግዝኣዮ።
7. ሰብ፡ ጓሉ ንባርነት እንተ ሸጠ፡ ንሳ ኸምቶም ሓራ ዚወጹ ባሮት ኣይትውጻእ።
8. ነቲ ዘእተዋ ጐይታኣ ባህ እንተ ዘይበለቶ፡ ሓራ የውጽኣያ። እንድሕሪ ጠለማ ኸኣ፡ ናብ ጓና ህዝቢ ኺሸጣ ኣይግብኦን።
9. ንወዱ እንተ ኣመርዓዋ ድማ እቲ ነዋልድ ዚግባእ ይግበረላ።
10. ካልእ ሰበይቲ እንተ ኣምጽኣሉ ድማ፡ ቀለበት ክዳናን ከም ሰበይቱ ዚግባእ ኣይጉድለላ።
11. እዚ ሰለስተ ነገርዚ እንተ ዘይገበረላ ግና፡ ብኸምኡ ብዘይ ገንዘብ ሓራ ትውጻእ።
12. እቲ ንሰብ ወቒዑ ዝቐተለ ሞት ይሙት።
13. ኣምላኽ ደኣ ኣብ ኢዱ ዘውደቖ እምበር፡ ዘይተጻናተዎ እንተ ኾይኑ፡ ንሱ ዚሐድመሉ ቦታ ኽገብረልካ እየ።
14. ሰብ ተተናኹሉ ንብጻዩ ብጉርሒ እንተ ቐተሎ ኸኣ፡ ኪመውት ካብ መሰውእየይ ኣውጽኣዮ።
15. ነቦኡ ወይ ነዲኡ ዝወቕዔ ሞት ይሙት።
16. ንሰብ ሰሪቑ ዝሸጦ፡ ወይ ኣብ ኢዱ እንተ ተረኸበ፡ ሞት ይሙት።
17. ነቦኡ ወይ ነዲኡ ዝገረመ ሞት ይሙት።
18. ሰባት እንተ ተባኣሱ እሞ እቲ ሓደ ንብጻዩ ብእምኒ ወይ ዐሚኹ ኣንተ ወቕዖ፡ ግናኸ ከይሞተ ኣብ ዓራት ኣንተ ደቀሰ፡
19. በትሩ ተመርኩሱ ኸኣ ንግዳም ኪወጽእ እንተ ኸአለ፡ እቲ ዝወቕዖ ሓራ ውጹእ እዩ። ናይቲ ዘብኮሮ ጊዜ ጥራይ ይኽሓሶ፡ ፈጺሙ ኽሳዕ ዚሐዊ ኸኣ የፈውሶ።
20. ሰብ ነቲ ባርያኡ ወይ ነታ ብርያኡ ብበትሪ ወቒዕዎስ ኣብ ኢዱ እንተ ሞቶ፡ ቅጽዓት ይቀጻዕ።
21. ሓንቲ ውይ ክልተ መዓልቲ እንተ ተንስኤ ግና፡ ገንዘቡ እዩ እሞ ኣይቀጻዕ።
22. ሰባት እንተ ተባኣሱ እሞ ጥንስቲ ሰበይቲ እንተ ደፍኡ፡ ጥንሳ ድማ እንተ ኸደ፡ ካልእ ጉድኣት ኣንተ ዘይኮነ፡ ሰብኣይ እታ ሰበይቲ ዝጸዐኖ ኻሕሳ ይኽሕስ፡ ፈራዲ ኸም ዝመደቡሉ ኸኣ ይዕደ።
23. ጉድኣት እንተ ኾነ ግና ነፍሲ ኣብ ክንዲ ነፍሲ ክትህብ ኢኻ።
24. ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ። ኣብ ክንዲ እግሪ፡ ኣብ ክንዲ እግሪ፡ እግሪ።
25. ኣብ ክንዲ ምንዳድ፡ ምንዳድ። ኣብ ክንዲ ቑስሊ ቁስሊ። ኣብ ክንዲ ሕበጥ፡ ሕበጥ።
26. ሰብ ዓይኒ እቲ ባርይኡ ወይ ዓይኒ እታ ባርይኡ ወቒዑ እንተ ኣጥፍኤ፡ ካሕሳ እታ ዓይኑ ሓራ የውጽኣዮ።
27. ስኒ እቲ ባርይኡ ወይስኒ እታ ባርያኡ እንተ ሰበረ፡ ካሕሳ እታ ስኑ ሓራ የውጽኣዩ።
28. ብዕራይ ንሰብኣይ ወይ ንሰበይቲ ወጊኡ ኣንተ ቐተለ፡ ነቲ ብዕራይ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ፡ ስጋኡ ድማ ኣይበላዕ። እቲ በዓል ብዕራይ ግና ናጻ እዩ።
29. እቲ ብዕራይ ካብ ቀደሙ ተዋጋኢ እንተ ኾነ፡ እሞ ነቲ ዋናኡ ኣስሚዖምሉ ኸለው እንተ ዘይሐለዎ፡ ንሰብኣይ ወይ ንሰበይቲ እንተ ቐተለ፡ ነቲ ብዕራይ ብዳርባ እምኒ ይቐተልዎ፡ እቲ ዋናኡ ኸኣ ይሙት።
30. ጋር ነፍሱ ይሀብ።
31. ወዲ እንተ ወግኤ፡ ወይ ንጓል እንተ ወግኤ ኸኣ፡ ኸምዚ ፍርዲ ባርያ ወይ ነንስተይቲ ባርያ እንተ ወግኤ፡ እቲ ዋና እቲ ብዕራይ ንጐይታ እቲ ውጉእ ሰላሳ ሲቃል ብሩር ይሀቦ፡ ነቲ ብዕራይ ድማ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ።
32. ሰብ ጉድጓድ እንተ ኸፈተ ወይ ከኣ ሰብ ጉድጓድ ኣንተ ኾዐተ እሞ ኣንተ ዘይከደኖ፡ ናብኡ ድማ ብዕራይ ወይ ኣድጊ እንተ ወደቐ፡
33. ሰብ ጉድጓድ እንተ ኸፈተ ወይ ከኣ ሰብ ጉድጓድ ኣንተ ኾዐተ እሞ ኣንተ ዘይከደኖ፡ ናብኡ ድማ ብዕራይ ወይ ኣድጊ እንተ ወደቐ፡
34. እቲ በዓል ጉድጓድ ነቲ ዋናኡ ገንዘብ ክሒሱ የዕርፎ። እቲ ዝሞተ ኸኣ ንእኡ ይኹን።
35. ብዕራይ ሓደ ሰብ ንብዕራይ ካልእ ሰብ እንተ ቐተለ፡ ነቲ ብህይወት ዘሎ ብዕራይ ሸይጦም ሽያጡ ይማቐሉ። ነቲ ምውት ከኣ ይማቐልዎ።
36. እቲ ብዕራይ ካብ ቀደሙ ፍሉጥ ተዋጋኢ እንተ ኾነ፡ እሞ ዋናኡ እንተ ዘይሐለዎ፡ ኣብ ክንዲ ብዕራይ ይኽሐስ። እቲ ዝሞተ ኸኣ ንእኡ ይኹን።

  Exodus (21/40)