| ← Exodus (20/40) → |
| 1. | እግዚኣብሄር ድማ እዚ ቓላት እዚ ኹሉ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ። |
| 2. | ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። |
| 3. | ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ። |
| 4. | ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለው፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለው፡ ኣብ ማይ ከኣኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለው፡ ምስልን ስእልን ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር። |
| 5. | ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ ኣግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይ ወለዶ ዚቐጽዕ፡ |
| 6. | ንዚፈትዉንን ትእዛዘተይ ንዚሕልውን ግና ክሳዕ ኣሻሓት ምሕረት ዝገብር እየ። |
| 7. | እግዚኣብሄር ስሙ ብኸንቱ ንዘልዐለ ኸይቀጽዔ ኣይሓድጎን እዩ እሞ፡ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብኸንቱ ኣይተልዕል። |
| 8. | መዓልቲ ሰንበት ክትቅድሳ ዘክር። |
| 9. | ሹድሹተ መዓልቲ ዕየ፡ ተግባርካ ኹሉ ግበር። |
| 10. | እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰንበት እያ። ብእኣ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ማልካን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ዚነብር ስደተኛን ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየ። |
| 11. | እግዚኣብሄር ብሹድሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘሎ ኹሉን ገይሩ እየ ኣሞ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ዐረፈ። ስለዚ እግዚኣብሄር ንመዓልቲ ሰንበት ባረኻብ ቀደሳን። |
| 12. | ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕሲ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር። |
| 13. | ኣይትቕተል። |
| 14. | ኣይትዘሙ። |
| 15. | ኣይትስረቕ። |
| 16. | ኣብ ብጻይካ ብሓሶት ኣይትመስክር። |
| 17. | ቤት ብጻይካ ኣይተትመነ። ሰበይቲ ብጻይካ፡ ግዙኡ፡ ግዝእቱ፡ ብዕራዩ፡ ኣድጉ፡ ገንዘብ ብጻይካ ዘበለ ኹሉ ድማ ኣይትተምነ። |
| 18. | ኩሎም ህዝቢ ድማ ነጉድን ሃልሃልታን ደሃይ መለኸትን እቲ ኸረን ክተክኽን ረአዩ። እቶም ህዝቢ እዚ ምስ ረአዩ ኸኣ፡ ኣንቀጥቀጡ፡ ርሒቖም ድማ ደው በሉ። |
| 19. | ንሙሴ ድማ፡ ንስኻ ንገረና ንሰምዕ ኢና፡ ኣምላኽ ግና ምእንቲ ኸይንመውት፡ ኣይዛረበና፡ በልዎ። |
| 20. | ሙሴ ኸኣ ንቶም ህዝቢ፡ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ ፍርሃቱ ኣብ ቅድሜኹም ኪኸውን፡ ኣምላኽ ምእንቲ ኺዕዘበኩም እዩ ዝመጻ እሞ፡ ኣይትፍርሁ፡ በሎም። |
| 21. | እቲ ህዝቢ ኣብ ርሑቕ ቁመ፡ ሙሴ ኸኣ ናብቲ ኣምላኽ ዘለዎ ጣቓ ቐረበ። |
| 22. | እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ንደቂ እስራኤል ከምዚ በሎም፡ ኣነ ኻብ ሰማይ ከም እተዛረበኩም፡ ባዕላትኩም ርኤኹም። |
| 23. | ምሳይ ኣማልኽቲ ኣይትግበሩ፡ ኣማልኽቲ ብሩርን ኣምልኽቲ ወርቅን ንኣኻትኩም ኣይትግበሩ። |
| 24. | መሰውኢ መሬት ስርሓለይ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዚሐርር መስዋእትታትካን መስዋእቲ ምስጋናኻን፡ ኣባጊዕካን ኣብዑርካን ሰውእ። ስመይ ኣብ ዘዘከርኩላ ኹሉ ቦታ ናባኻ መጺኤ ኽባርኸካ እየ። |
| 25. | መስውኢ እምኒ እንተ ገበርካለይ፡ ብመንደልካ እንተ ተንኬኻዮ ተርክሶ ኢኻ እሞ፡ ብውቑር እምኒ ኣይትንደቆ። |
| 26. | ናብ መሰውእየይ፡ ኣብ ልዕሊኡ ሕፍረትካ ኸይቅላዕሲ፡ ብመሳልል ኣይትደይብ። |
| ← Exodus (20/40) → |