| ← Exodus (2/40) → | 
| 1. | ሓደ ሰብኣይ ከኣ ካብ ቤት ሌዊ ኸይዱ ጓል ሌዊ ኣእተወ። | 
| 2. | እታ ሰበይቲ ድማ ጠነሰት፡ ወዲውን ወለደት። ንሱ ጽቡቕ ቆልዓ ምዃኑ ምስ ረኣየት ከኣኣ፡ ስለስተ ወርሒ ሓብኣቶ። | 
| 3. | ደጊም ምሕባኡ ምስ ሰኣነት፡ ሳጹን ሻምብቆ ወሲዳ ብቕጥራንን ብዝፍትን ለቕለቐቶ፡ ነቲ ቖልዓ ናብኡ ኣእይታ ድማ፡ ኣብ ገምገም ርባ ኣብ ሰልሰላ ኣንበረቶ። | 
| 4. | ሓብቱ ድማ እንታይ ከም ዝረኽቦ ኽትፈልጥ፡ ርሕቕ ኢላ ደው በለት። | 
| 5. | ጓል ፈርኦን ከኣ ክትሕጸብ ናብ ርባ ወረደት፡ እተን ኣግራዳ ድማ ገምገመገምገም እቲ ርባ ይዛወራ ነበራ። ኣብ ማእከል ሰልሰላ ሳጹን ረኣየት እሞ፡ ገረዳ ሰዲዳ ኣምጽኣቶ። | 
| 6. | ከፊታ ድማ ነቲ ሕጻን ረኣየቶ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቖልዓ ይበኪ ነበረ። ደንጊጻትሉ ድማ እዚ ኻብ እብራውያን እዩ በለት። | 
| 7. | ሽዑ እታ ሓብቱ ጓል ፈራኦን፡ ካብተን ኣብራውያን ኣንስቲ ነዚ ሕጻንዚ እተጥብወልኪ መጉዚትዶ ኸጽውዓልኪ ክኸይድ በለታ። | 
| 8. | ጓል ፈርኦን ከኣ ኪዲ በለታ። እታ ጓል ድማ ከደት፡ ነደ እቲ ሕጻን ከኣ ጸውዓታ። | 
| 9. | ጓል ፈርኦን ድማ፡ ነዚ ሕጻንዚ ወሲድኪ እትብውለይ ኣነ ኸኣ ዓስብኺ ክህበኪ እየ በለታ። እታ ሰበይቲ ድማ ነቲ ሕጻን ወሲዳ ኣጥበወቶ። | 
| 10. | እቲ ሕጻን ከኣ ዐበየ፡ ናብ ጓል ፈርኦንውን ኣምጽኣቶ። ወዳ ድማ ኾነ። ካብ ማይ ኣውጺኤዮ እየ፡ ኢላ ሙሴ ኣውጽኣትሉ። | 
| 11. | ኮነ ድማ፡ በተን መዓልትታት እቲኤን ሙሴ ምስ ዐበየ፡ ናብ ኣሕዋቱ ወጺኡ፡ ነቲ ብርቱዕ ጻዕሮም ረአየ። ግብጻዊ ሰብኣይ ድማ ንእብራዊ ሰብኣይ፡ ካብቶም ኣሕዋቱ ኪወቕዖ ረአየ። | 
| 12. | ናብዝን ናብትን ግልጽ ኢሉ፡ ሰብ ከም ዜልቦ ረአየ፡ ነቲ ግብጻዊ ቐቲሉ ኣብ ሑጻ ሓብኦ። | 
| 13. | በታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ድማ ወጸ፡ እንሆ ክልተ እብራውያን ሰብኡት ኪበኣሱ ረአየ። ነቲ ዝዐመጸ፡ ከምይ ንብጻይካ እትወቕዖ፡ በሎ። | 
| 14. | ንሱ ድማ መን መስፍንን ፈራድን ገይሩ ኣብ ልዕሌና ሸመካ፡ ንስኻ ነቲ ግብጻዊ ኸም ዝቐተልካዮ ክትቀትለኒዶ ትደሊ ኣሎኻ፡ በለ። ሽዑ ሙሴ ፈርሄ፡ እዚ ነግርዚ ብርግጽ ተፈሊጡ እዩ፡ ድማ በለ። | 
| 15. | ፈርኦን ከኣ እዚ ነገርዚ ሰሚዑ ንሙሴ ኪቐትሎ ደለየ። ሙሴ ግና ካብ ቅድሚ ፈርኦን ሀደመ፡ ኣብ ምድሪ ሚድያን ድማ ተቐመጠ፡ ኣብ ጥቓ ዔላ ኸኣ ኮፍ በለ። | 
| 16. | ካህን ሚድያን ድማ ሾብዓተ ኣዋልድ ነበራኦ። ንሳተን መጺኤን ነባጊዕ ኣቦኤን ኬስትያ፡ ማይ ቀዲሔን ነቲ ጋብላታት መልኣኦ። | 
| 17. | ጓሶት ዳ መጺኦም ሰጎጉወን፡ ሙሴ ግና ተንሲኡ ረድኤን፡ ኣባጊዔን ድማ ኣስተየ። | 
| 18. | ናብ እቡኤን ራጉኤል ምስ መጻ ኸኣ፡ ንሱ ሎሚ ኸመይ ኢልክን ቀልጢፍክን መጺእክን፡ በለን። | 
| 19. | ንሳተን ድማ፡ ሓደ ግብጻዊ ሰብኣይ ካብ ኢድ እቶም ጓሶት ኣድሐነና፡ ማይ ቀዲሑ ኸኣ ነባጊዕና ኣስተየና በለኦ። | 
| 20. | ኣዋልዱ ድማ ኣበይ ደኣ ኣሎ። ስለምንታይከ ነቲ ሰብቲ ሐደግክንኦ፡ እንጌራ ኺበልዕ ጸውዓኦ በለን። | 
| 21. | ሙሴ ድማ ምስቲ ሰብኣይ ኪነብር ፈተወ። ንሱ ኸኣ ጺጶራ ጓሉ ንሙሴ ሀቦ። | 
| 22. | ወዲ ድማ ወለደት እሞ ኣነ ኣብ ምድሪ ጓና ስደተኛ እየ ኢሉ ስሙ ጌርሾም ኣውጽኣሉ። | 
| 23. | ኮነ ድማ፡ ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲ ንጉሰ ግብጺ ሞተ። ደቂ እስራኤል ከኣ ካብ ባርነቶም እተላዕለ እህህ በሉ፡ ጨርሑ ድማ፡ እቲ ኣውያቶም ብዛዕባ ባርነቶም ከኣ ናብ ኣምላኽ ደየበ። | 
| 24. | ኣምላኽ ድማ ቁዝማኡም ሰምኤ፡ ኣምላኽ ከኣ ነቲ ምስ ኣምርሃምን ምስ ይስሃቅን ምስ ያእቆብን ዝኣተዎ ኺዳን ዘከረ። | 
| 25. | ኣምላኽ ድማ ናብ ደቂ እስራኤል ረአየ፡ ኣምላኽ ከኣ ህልዋቶም ፈለጠ። | 
| ← Exodus (2/40) → |