Exodus (19/40)  

1. ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዚወጹ ኣብ ሳልሰይቲ ወርሒ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ በረኻ ሲና መጹ።
2. ካብ ረፊዲም ተላዒሎም ናብ በረኻ ሲና መጹ፡ ኣብቲ በረኻ ድማ ሰፈሩ። እስራኤል ከኣ ኣብኡ ኣብ መንጽር እቲ ኸረን ሰፈሩ።
3. ሙሴ ድማ ናብ ኣምላኽ ደየበ። እግዚኣብሄር ከኣ ካብቲ ኸረን ጸዊዑ በሎ፡ ንቤት ያእቆብ ከምዚ በሎም፡ ንደቂ እስራኤል ከኣ ነገሮም፡
4. ኣቲ ኣብ ግብጻውያን ዝገበርክዎን፡ በኽናፍ ንስሪ ጾይረ ናባይ ከም ዘምጻእኩኹም ድማ ባዕላትኩም ርኢኹም ኢኹም።
5. ሕጂ ድማ ቃለይ ኣጸቢቕኩም እንተ ሰማዕኩም፡ ኪዳነይውን እንተ ሓሎኹም፡ ኩላ ምድሪ ናተይ እያ ኣሞ፡ ሓላፉ ኹሎም ህዝብታት ገንዘብይ ክትኮነኒ ኢኹም።
6. ንስኻትኩም ድማ መንግስቲ ኻህናትን ቅዱስ ህዝብን ክትኮነኒ ኢኹም። እቲ ንደቂ እስራኤል እትዛረቦም ነገር እዚ እዩ።
7. ሙሴ ድማ መጺኡ ንዓበይቲ ህዝቢ ጸዊዔ፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኹሉ ቓላት ነገሮም።
8. ኩሎም ህዝቢ ኸኣ ብሓደ ኾይኖም እግዚኣብሄር ዝበሎ ኹሉ ንገብር፡ ኢሎም መለሱ። ሙሴ ድማ ቃል እቲ ህዝቢ ናብ እግዚኣብሄር መለሰ።
9. እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ፡ ክዛረበካ ኸሎኹ፡ እቶም ህዝቢ ምእንቲ ኺሰምዑ፡ ንሓዋሩ ድማ ኪኣኣምኑኻስ፡ እንሆ ኣነ ብጸሊም ደበና ኽመጸካ እየ በሎ። ሙሴ ኸኣ ዘረባ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ነገሮ።
10. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ እግዚኣብሄር በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ኹሉ ህዝቢ ናብ ከረን ሲና ኽወርድ እዩ እሞ፡ ናብቶም ህዝቢ ኺድ፡ ሎምን ጽባሕን ቀድሶም፡ ክዳውብቶም ከኣ ይሕጸቡ። ነታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ይዳለው።
11. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ እግዚኣብሄር በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ኹሉ ህዝቢ ናብ ከረን ሲና ኽወርድ እዩ እሞ፡ ናብቶም ህዝቢ ኺድ፡ ሎምን ጽባሕን ቀድሶም፡ ክዳውብቶም ከኣ ይሕጸቡ። ነታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ይዳለው።
12. ነቶም ህዝቢ ድማ ብዙርያኡ ዶብ ግበረሎም። በሎም ከኣ፡ ናብ ከረን ከይትድይቡ፡ ወይ ነቲ ዶብ ከይትትንክዩ ተጠንቀቑ። ነቲ ኸረን ዝተንከዮ ዘበለ ሞት ይሙት።
13. ገለ ኢድ ኣይተንክዮ፡ እንስሳ እንተ ኾነ ወይ ሰብ፡ ብዳርባ እምኒ ሓደው ብመንትግ ደኣ ይሙት እምበር፡ ብህይወት ኣይንበር። መለኸት ኣንዊሑ ምስ ዚንፋሕ፡ ሽዑ ናብ ከረን ይደይቡ።
14. ሙሴ ድማ ካብቲ ኸረን ናብቲ ህዝቢ ወረደ፡ ነቲ ህዝቢ ኸኣ ቀደሶ፡ ንሳቶምውን ክዳውንቶም ሓጸቡ።
15. ነቶም ህዝቢ ድማ፡ ነታ ሰልሰይቲ መዓልቲ ተዳለው፡ ናብ ሰበይቲ ኸኣ ኣይትቕረቡ በሎም።
16. ኮነ ኸኣ፡ በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኺወግሕ ከሎ ነጉድን በርቅን ከቢድ ደበናን ናብ ልዕሊ እቲ ኸረን ኮነ፡ ኣዝዩ ብርቱዕ ደሃይ መለኸትውን ተሰምዔ። እቲ ኣብ ሰፍር ዝነበረ ኹሉ ህዝቢ ድማ ተምበድበደ።
17. ሙሴ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ምስ ኣምላኽ ኪራኸብ ካብ ሰፈር ኣውጽኦ። ኣብ እግሪ ኸረን ድማ ደው በሉ።
18. እግዚኣብሄር ብሓዊ ናብኡ ስለ ዝወረደ፡ ኩሉ ኸረን ሲና ይተክኽ ነበረ። ትኪ ኸኣ ከም ትኪ እቶን ካብኡ ዐረገ። ኩሉ እቲ ኸረን ከም ትኪ እቶም ካብኡ ዐረገ። ኩሉ እቲ ኸረን ኣዝዩ ኣንቀጥቀጠ።
19. እቲ ደሃይ መለኸት ከኣ ኣዝዩ እናበርትዔ ኸደ። ሙሴ ተዛረበ፡ እግዚኣብሄር ድማ ብቓሉ መለሰሉ።
20. እግዚኣብሄር ከኣ ናብ ልዕሊ ኸረን ሲና ናብ ርእሲ እቲ ኸረን ወረደ። እግዚኣብሄር ንሙሴ ናብ ርእሲ እቲ ኸረን ጸውዖ። ሙሴ ኸኣ ደየበ።
21. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ውረድ ኣሞ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኪርእዩ ኸይቀረቡ፡ ብዙሓት ከኣ ኸይጠፍኡስ፡ ኣጠንቅቆም።
22. እቶም ናብ እግዚኣብሄር ዚቐርቡ ኻህናት ድማ እግዚኣብሄር ከየጥፋኦም ርእሶም ይቀድሱ በሎ።
23. ሙሴ ኸኣኣ ንእግዚኣብሄር በሎ ንስኻ፡ ናብ ዙርያ ኣቲ ኸረን ዶብ ግበር፡ ቀድሶ ድማ፡ ኢልካ ኣጠንቂቕካና ኢኻ እሞ፡ ኣቶም ህዝቢ ናብ ከረን ሲና ኺድይቡ ኣይኽእሉን።
24. እግዚኣብሄር ከኣ፡ ኪድ ውረድ እሞ፡ ንስኻ ኣሮን ድማ ምእንቲ ኸየጥፍኦም፡ ናብ እግዚኣብሄር ኪድይቡ ኢሎም ኣይጥሐሱ፡ በሎ።
25. ሙሴ ድማ ናብቶም ህዝቢ ወሪዱ ነገሮም።

  Exodus (19/40)