Exodus (18/40)  

1. የትሮ ካህን ሚድያን ሓሙ ሙሴ፡ ኣምላኽ ንሙሴን ንህዝቡን እስራኤልን ዝገበሮ ኹሉ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ካብ ግብጺ ኸም ዘውጽኤ፡ ሰምዔ።
2. ሽዑ የትሮ ሓሙ ሙሴ ንሲፎራ ሰበይቲ ሙሴ፡ ንሱ ሰዲድዋ ዝነበረ።
3. ንኽልቲኦም ደቃ ድማ ወሰዶም። ሙሴ ኸኣ ኣነ ኣብ ምድሪ ጓና ስደተኛ ኾንኩ፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ስም እቲ ሓደ ጌርሾም ኣውጽኣሉ።
4. ስም እቲ ኻልኣይ ድማ፡ ኣምላኽ ኣቦይ ረዳእየይ ነበረ እሞ፡ ካብ ሴፍ ፈርኦን ከኣ ኣድሓነኒ፡ ኢሉ ኣልኣዛር ኣውጽኣሉ።
5. የትሮ ሓሙ ሙሴ ድማ ምስ ደቂ ሙሴን ሰበይቱን ናብ ሙሴ፡ ኣብቲ ንሱ ሰፊርዎ ዝነበረ በረኻ፡ ኣብ ጥቓ ኸረን ኣምላኽ መጸ።
6. ንሙሴ ድማ፡ ኣነ የትሮ ሓሙኻ ሰበይትኻን ክልቲኦም ደቃ ድማ ምስኣን፡ ናባኻ እመጽእ ኣለኹ በሎ።
7. ሙሴ ኸኣ ሓሙኡ ኪቕበል ወጸ፡ ሰገደሉ ሰዐሞ ድማ። ናይ ድሓን ምህላዎም ንሓድሕዶም ተሓታተቱ፡ ናብ ድኳን ከኣ ኣተው።
8. ሙሴ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ምእንቲ እስራኤል ኢሉ ፈርኦንን ንግብጻውያንን ዝገበሮ ኹሉን እቲ ኣብ መገዲ ዝረኸቦም ኩሉ ጭንቀትን እግዚኣብሄር ከኣ ከም ዘድሓኖምን ንሓሙኡ ነገሮ።
9. የትሮ ድማ በቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ካብ ኢድ ግብጻውያን ብምድሓኑ ዝገበሮ ኹሉ ጽቡቕ ነገር ተሐጎሱ።
10. የትሮ ድማ፡ እቲ ኻብ ኢድ ግብጻውያንን ካብ ኢድ ፈርኦንን ዘድሓነኩም፡ እቲ ንህዝቢ ኻብ ትሕቲ ኢድ ግብጻውያን ዝድሐነ እግዚኣብሄር ካብ ኩሎም ኣማልኽቲ ኸም ዚዐቢ ሕጂ ፈልጥኩ፡ በለ።
11. የትሮ ሓሙ ሙሴ ድማ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ንኣምላኽ ወሰደሉ። ኣሮንን ኩሎም ዓበይቲ እስራኤልን ምስ ሓሙ ሙሴ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እንጌራ ኺበልዑ መጹ።
12. የትሮ ሓሙ ሙሴ ድማ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ንኣምላኽ ወሰደሉ። ኣሮንን ኩሎም ዓበይቲ እስራኤልን ምስ ሓሙ ሙሴ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እንጌራ ኺበልዑ መጹ።
13. ኮነ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ ሙሴ ነቲ ህዝቢ ኸፈርድ ተቐመጠ። እቲ ህዝቢ ድማ ካብ ብጊሓት ክሳዕ ምሸት ንሙሴ ኸቢብዎ ደው ኢሉ ነበረ።
14. ሓሙ ሙሴ ኸኣ እቲ ኣብ ህዝቢ ዚገብሮ ኹሉ ምስ ረኣየ፡ እዚ ኣብዚ ህዝቢ እትገብሮ ዘለኻ ነገር እንታይ እዩ፡ ስለምንታይከ ኢኻ፡ ኩሉ ህዝቢ ኻብ ብጊሓት ክሳዕ ምሸት ከቢቡካ ደው ኢሉ ኸሎ፡ ንስኻ በንኻ ኾፍ እትብል በሎ።
15. ሙሴ ድማ ንሓሙኡ፡ እቲ ህዝቢ ኣምላኽ ኪሓትት ናባይ ይመጽእ፡
16. ነገር ምስ ዚህልዎም ናባይ ይመጹ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ መንጎ ሓደ ሰብን ኣብ መንጎ ብጻዩን እፈርድ፡ ስርዓት ኣምላኽን ሓጋጋቱን ድማ እነግሮም፡ በሎ።
17. ሓሙ ሙሴ ኸኣ በሎ፡ እዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ነገር ኣይጽቡቕን እዩ።
18. ንስኻን እዚ ምሳኻ ዘሎ ህዝብን ክትደኽሙ ኢኹም፡ እዚ ነገርዚ ኻብ ዓቕምኻ ዚኸብድ እዩ፡ እሞ በይንኻ ኽትገብሮ ኣይትኽእልን ኢኻ።
19. ሕጂ ኸኣ ክመኽረካ፡ ቃላአይ ስማዕ፡ እግዚኣብሄር ድማ ምሳኻ ይኹን። ንስኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ኹን፡ እቲ ነገሮም ድማ ንስኻ ናብ ኣምላኽ ኣብጽሕ።
20. ስርዓታትን ሕጋጋትን ምሀሮም፡ ዚኸዱላ መገድን ዚገብርዎ ግብርን ከኣ ንገሮም።
21. ንስኻ ኻብ ኩሉ ህዝቢ ኽኣልቲ ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ሰባት ሕረ። ንኣታቶም ከኣ ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ሓላቑ ሓምሳን ሓላቑ ዓሰርተን ኣብ ልዕሊኦም ሸመሎም።
22. ወርትግ ድማ ንህዝቢ ይፍረዱ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ዓብዩ ነገር ዝኾነ ኹሉ ናባኻ ይምጽኡ። ኩሉ ንእሽቶ ነግር ግና ባዕልቶም ይፍረድዎ። እቲ ጾር ምሳኻ እንተ ጾሩ ኸኣ፡ ንኣኻ ይፈኹሰካ።
23. እዚ ነገርዚ እንተ ገበርካ፡ ኣምላኽ ድማ ከምኡ እንተ ኣዘዘካ፡ ክትጸንዕ ትኽእል ኢኻ። ኩሉ እዚ ህዝብዚ ድማ ናብ ቦትኡ ብሰላም ይአቱ።
24. ሙሴ ድማ ቃል ሓሙኡ ሰሚዑ ዝበሎ ኹሉ ገበረ።
25. ሙሴ ኸኣ ካብ ኩሉ እስራኤል ከኣልቲ ሰባት ሓርዩ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሓለቑ ኪኾኑ፡ ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ሓላቑ ሓምሳን ሓላቑ ዓሰርተን ገበሮም።
26. ንሳቶም ድማ ንህዝቢ ወርትግ ፈረዱ። ብርቱዕ ነገር ዝኾነ ኸኣ ናብ ሙሴ ኣምጽኡሉ፡ ኩሉ ንእሽቶ ነገር ግና ንሳቶም ፈረዱ።
27. ሙሴ ድማ ንሓሙስ ሰደዶ፡ ንሱ ኸኣኣ ናብ ሃገሩ ኸደ።

  Exodus (18/40)