← Exodus (18/40) → |
1. | የትሮ ካህን ሚድያን ሓሙ ሙሴ፡ ኣምላኽ ንሙሴን ንህዝቡን እስራኤልን ዝገበሮ ኹሉ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ካብ ግብጺ ኸም ዘውጽኤ፡ ሰምዔ። |
2. | ሽዑ የትሮ ሓሙ ሙሴ ንሲፎራ ሰበይቲ ሙሴ፡ ንሱ ሰዲድዋ ዝነበረ። |
3. | ንኽልቲኦም ደቃ ድማ ወሰዶም። ሙሴ ኸኣ ኣነ ኣብ ምድሪ ጓና ስደተኛ ኾንኩ፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ስም እቲ ሓደ ጌርሾም ኣውጽኣሉ። |
4. | ስም እቲ ኻልኣይ ድማ፡ ኣምላኽ ኣቦይ ረዳእየይ ነበረ እሞ፡ ካብ ሴፍ ፈርኦን ከኣ ኣድሓነኒ፡ ኢሉ ኣልኣዛር ኣውጽኣሉ። |
5. | የትሮ ሓሙ ሙሴ ድማ ምስ ደቂ ሙሴን ሰበይቱን ናብ ሙሴ፡ ኣብቲ ንሱ ሰፊርዎ ዝነበረ በረኻ፡ ኣብ ጥቓ ኸረን ኣምላኽ መጸ። |
6. | ንሙሴ ድማ፡ ኣነ የትሮ ሓሙኻ ሰበይትኻን ክልቲኦም ደቃ ድማ ምስኣን፡ ናባኻ እመጽእ ኣለኹ በሎ። |
7. | ሙሴ ኸኣ ሓሙኡ ኪቕበል ወጸ፡ ሰገደሉ ሰዐሞ ድማ። ናይ ድሓን ምህላዎም ንሓድሕዶም ተሓታተቱ፡ ናብ ድኳን ከኣ ኣተው። |
8. | ሙሴ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ምእንቲ እስራኤል ኢሉ ፈርኦንን ንግብጻውያንን ዝገበሮ ኹሉን እቲ ኣብ መገዲ ዝረኸቦም ኩሉ ጭንቀትን እግዚኣብሄር ከኣ ከም ዘድሓኖምን ንሓሙኡ ነገሮ። |
9. | የትሮ ድማ በቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ካብ ኢድ ግብጻውያን ብምድሓኑ ዝገበሮ ኹሉ ጽቡቕ ነገር ተሐጎሱ። |
10. | የትሮ ድማ፡ እቲ ኻብ ኢድ ግብጻውያንን ካብ ኢድ ፈርኦንን ዘድሓነኩም፡ እቲ ንህዝቢ ኻብ ትሕቲ ኢድ ግብጻውያን ዝድሐነ እግዚኣብሄር ካብ ኩሎም ኣማልኽቲ ኸም ዚዐቢ ሕጂ ፈልጥኩ፡ በለ። |
11. | የትሮ ሓሙ ሙሴ ድማ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ንኣምላኽ ወሰደሉ። ኣሮንን ኩሎም ዓበይቲ እስራኤልን ምስ ሓሙ ሙሴ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እንጌራ ኺበልዑ መጹ። |
12. | የትሮ ሓሙ ሙሴ ድማ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ንኣምላኽ ወሰደሉ። ኣሮንን ኩሎም ዓበይቲ እስራኤልን ምስ ሓሙ ሙሴ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እንጌራ ኺበልዑ መጹ። |
13. | ኮነ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ ሙሴ ነቲ ህዝቢ ኸፈርድ ተቐመጠ። እቲ ህዝቢ ድማ ካብ ብጊሓት ክሳዕ ምሸት ንሙሴ ኸቢብዎ ደው ኢሉ ነበረ። |
14. | ሓሙ ሙሴ ኸኣ እቲ ኣብ ህዝቢ ዚገብሮ ኹሉ ምስ ረኣየ፡ እዚ ኣብዚ ህዝቢ እትገብሮ ዘለኻ ነገር እንታይ እዩ፡ ስለምንታይከ ኢኻ፡ ኩሉ ህዝቢ ኻብ ብጊሓት ክሳዕ ምሸት ከቢቡካ ደው ኢሉ ኸሎ፡ ንስኻ በንኻ ኾፍ እትብል በሎ። |
15. | ሙሴ ድማ ንሓሙኡ፡ እቲ ህዝቢ ኣምላኽ ኪሓትት ናባይ ይመጽእ፡ |
16. | ነገር ምስ ዚህልዎም ናባይ ይመጹ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ መንጎ ሓደ ሰብን ኣብ መንጎ ብጻዩን እፈርድ፡ ስርዓት ኣምላኽን ሓጋጋቱን ድማ እነግሮም፡ በሎ። |
17. | ሓሙ ሙሴ ኸኣ በሎ፡ እዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ነገር ኣይጽቡቕን እዩ። |
18. | ንስኻን እዚ ምሳኻ ዘሎ ህዝብን ክትደኽሙ ኢኹም፡ እዚ ነገርዚ ኻብ ዓቕምኻ ዚኸብድ እዩ፡ እሞ በይንኻ ኽትገብሮ ኣይትኽእልን ኢኻ። |
19. | ሕጂ ኸኣ ክመኽረካ፡ ቃላአይ ስማዕ፡ እግዚኣብሄር ድማ ምሳኻ ይኹን። ንስኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ኹን፡ እቲ ነገሮም ድማ ንስኻ ናብ ኣምላኽ ኣብጽሕ። |
20. | ስርዓታትን ሕጋጋትን ምሀሮም፡ ዚኸዱላ መገድን ዚገብርዎ ግብርን ከኣ ንገሮም። |
21. | ንስኻ ኻብ ኩሉ ህዝቢ ኽኣልቲ ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ሰባት ሕረ። ንኣታቶም ከኣ ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ሓላቑ ሓምሳን ሓላቑ ዓሰርተን ኣብ ልዕሊኦም ሸመሎም። |
22. | ወርትግ ድማ ንህዝቢ ይፍረዱ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ዓብዩ ነገር ዝኾነ ኹሉ ናባኻ ይምጽኡ። ኩሉ ንእሽቶ ነግር ግና ባዕልቶም ይፍረድዎ። እቲ ጾር ምሳኻ እንተ ጾሩ ኸኣ፡ ንኣኻ ይፈኹሰካ። |
23. | እዚ ነገርዚ እንተ ገበርካ፡ ኣምላኽ ድማ ከምኡ እንተ ኣዘዘካ፡ ክትጸንዕ ትኽእል ኢኻ። ኩሉ እዚ ህዝብዚ ድማ ናብ ቦትኡ ብሰላም ይአቱ። |
24. | ሙሴ ድማ ቃል ሓሙኡ ሰሚዑ ዝበሎ ኹሉ ገበረ። |
25. | ሙሴ ኸኣ ካብ ኩሉ እስራኤል ከኣልቲ ሰባት ሓርዩ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሓለቑ ኪኾኑ፡ ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ሓላቑ ሓምሳን ሓላቑ ዓሰርተን ገበሮም። |
26. | ንሳቶም ድማ ንህዝቢ ወርትግ ፈረዱ። ብርቱዕ ነገር ዝኾነ ኸኣ ናብ ሙሴ ኣምጽኡሉ፡ ኩሉ ንእሽቶ ነገር ግና ንሳቶም ፈረዱ። |
27. | ሙሴ ድማ ንሓሙስ ሰደዶ፡ ንሱ ኸኣኣ ናብ ሃገሩ ኸደ። |
← Exodus (18/40) → |