Exodus (17/40)  

1. ኩሉ እቲ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ካብ በረኻ ሲን ነቐለ። ከም ትእዛዝ እግዚኣብሄር ድማ ካብ ሰፈር እናተጓዕዙ ኣብ ረፊዲም ሰፈሩ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ዚሰትዮ ማይ ኣይነበሮን።
2. እቶም ህዝቢ ድማ፡ እንሰትዮ ማይ ሀቡና ኢሎም ምስ ሙሴ ተቛየቑ፡ ስለምንታይከ ንእግዚኣብሄር ትፍትኑ፡ በሎም።
3. እቶም ህዝቢ ድማ ኣብኡ ማይ ጸሚኦም ንሙሴ፡ ስለምናትይ ኢኻ፡ ንሕናን ደቅናን ማልናን ብጽምኢ ኽንመውት ካብ ግብጺ ዘደየብካና፡ ኢሎም ኣጉረምረሙሉ።
4. ሙሴ ድማ፡ ነዚ ህዝብዚ እንታይ ክገብሮ እየ፡ ብዳርባ ኣምኒ ኪቐትለኒ ቕሩብ ተሪፍዎም ኣሎ፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ኣእወየ።
5. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ናብ ቅድሚ ህዝቢ ሕለፍ እሞ፡ ካብ ዓበይቲ እስራኤል ከኣ ምሳኻ ውሰድ፡ እታ ነታ ርባ ዝወቓዕካላ በትርኻ ድማ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ኺድ።
6. እንሆ ኣነ ኣብኡ ኣብ ቅድሜኻ ኣብ ልዕሊ ኸውሒ ሆሬብ ደብ ክብል እየ። ነቲ ኸውሒ ክትወቕዖ ኢኻ፡ ነቶም ህዝቢ ዜስተ ማይ ድማ ካብኡ ኺወጽእ እዩ፡ በሎ። ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓበይቲ እስራኤል ከምኡ ገበረ።
7. ብዛዕባ እቲ ቛየቛ ደቂ እስራኤል፡ ንእግዚኣብሄር፡ ድማ፡ እግዚኣብሄርሲ ኣብ ማእከልናዶ ኣሎ ወይ ኣይፋሉን፡ ኢሎም ስለ ዝፈተንዎ፡ ስም እታ ቦታ ማሳን መሪበን ኣውጽኡላ።
8. ሽዑ ኣማሊቅ መጺኡ፡ ምስ እስራኤል ኣብ ረፊዲም ተዋጋኤ።
9. ሙሴ ድማ ንእያሱ፡ ሰባት ሕረየልና እሞ፡ ወጺእካ ምስ ኣማሊቅ ተዋጋእ። ኣነ ጽባሕ በትሪ ኣምላኽ ኣብ ኢደይ ሒዘ ኣብ ርእሲ ኣቲ ኹርባ ደው ክብል እየ በሎ።
10. ኢያሱ ኸኣ ከምቲ ሙሴ ዝበሎ ገበረ፡ ምስ ኣማሊቅ ከኣ ተዋግኤ። ሙሴን ኣሮንን ሁርን ድማ ናብ ርእሲ እቲ ኹርባ ደየቡ።
11. ኮነ ኸኣ፡ ሙሴ ኢዱ ምስ ዜልዕል፡ እስራኤል ይስዕር ነበረ።
12. ኣእዳው ሙሴ ኸኣ ረብረባ እሞ እምኒ ወሲዶም ብ ትሕቲኡ ኣንበሩ፡ ንሱውን ኣብ ልዕሊኡ ተቐመጠ። ኣሮንን ሁርን ከኣ ሓደ በዚ ሐደ በቲ ኾይኖም ኣእዳው ይድግፉ ነበሩ። ኣእዳው ኸኣ ጸሓይ ክሳዕ ኣትዐርብ ጸንዓ።
13. እያሱ ድማ ንኣማሊቅን ንህዝቡን ብስሕለት ሴፍ ቀርደዶም።
14. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ንዝኽሪ ኣማሊቅ ካብ ትሕቲ ሰማይ ፈጺሙ ኽድምስሶ እየ እሞ፡ እዚ ንመዘከርታ ኣብ መጽሓፍ ጽሐፎ፡ ንእያሱውን ኣብ እዝኑ ኣስምዓዮ በሎ።
15. ኢድ ናብ ዝፋን እግዚኣብሄር ተላዒላ ኣላ እሞ፡ ውግእ እግዚኣብሄር ምስ ኣማሊቅ ካብ ወለዶ ንወለዶ እዩ፡ ድማ በለ።
16. ኢድ ናብ ዝፋን እግዚኣብሄር ተላዒላ ኣላ እሞ፡ ውግእ እግዚኣብሄር ምስ ኣማሊቅ ካብ ወለዶ ንወለዶ እዩ፡ ድማ በለ።

  Exodus (17/40)