Exodus (16/40)  

1. ኩሎም ኣኼባ ደቂ እስራኤል ድማ ካብ ኤሊም ነቒሎም፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ምስ ወጹ፡ ኣብ ካልኣይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ፡ ኣብ መንጎ ኤልምን ሲናን ናብ ዘላ በረኻ ሲን መጹ።
2. ኩሎም ኣኬባ ደቂ እሰራኤል ድማ ኣብቲ በረኻ ንሙሴን ኣሮንን ኣጉረምረሙሎም።
3. ደቂ እስራኤል ከኣ፡ እቲ ኣብ ጥቃ ቑራዕ ስጋ ኾፍ ኢልና እንጌራ ኽሳዕ ኣንጸግብ ክንበልዕ ከሎና፡ ብኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ግብጺ እንተ ንመውት መንምሀበና። ንስኻቱም ነዚ ኹሉ ኣኺባ ብጥሜት ክትቀትሉ ናብ በረኻ ኣውጻእኩምና በልዎም።
4. ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴ በሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ኻብ ሰማይ እንጌራ ኽዝንመልኩም እየ። እቶም ህዝቢ ብሕገይ ዚኸዱ እንተ ኾኑ፡ ወይስ እንተ ዘይኮኑ፡ ምእንቲ ኽፍትኖምሲ እናወጹ ነንመዓልቱ ዜድሊ ይእረዩ።
5. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ብሳድሰይቲ መዓልቲ ኼዳልው ዘምጽእዎ ነቲ ነንመዓልቲ ዚርእይዎ ኻዕበቱ ይኹን።
6. ሙሴን ኣሮንን ድማ ንኹሎም ደቂ እስራኤል እግዚኣብሄር ካብ ምድሪ ግብጺ ኸም ዘውጽኣኩም፡ ምሽት ክትፈልጡ ኢኹም።
7. ብጊሓት ከኣ ክብሪ እግዚኣብሄር ክትሪኡ ኢኹም። እቲ ንእግዚኣብሄር ምጉሩምራምኩም ሰሚዕዎ እዩ እሞ፡ ንኣና እተጉረምርሙልናስ፡ ንሕና እንታይ ኢና በልዎም።
8. ሙሴ ድማ እዚ እግዚኣብሄር ምሸት ስጋ ንምብላዕ ብጊሓት ከኣ እንጌራ ንምጽጋብ ንኣኻትኩም ብምሃቡ እዩ ዝኸውን። እግዚኣብሄር እቲ ዘጉረምረምኩምሉ ምጉርምራም ሰሚዕዎ እዩ እሞ ንሕና እንታይ ኢና፡ ንእግዚኣብሄር ኢኹም እምበር፡ ንኣና ኣይኮንኩምን ዘጉረምረምኩምልና በለ።
9. ሙሴ ድማ ንኣሮን፡ ንኹሉ ኣኼባ ደቂ እስራኤል፡ ምጉርምራምኩም ሰሚዑ እዩ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅረቡ በሎም በሎ።
10. ኮነ ኸኣ፡ ኣሮን ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ምስ ተዛረበ፡ ንሳቶም ንበረኻ ገጾም ጠመቱ፡ እንሆ ኸኣ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ብደበና ተራእየ።
11. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
12. ምጉርምራም ደቂ እራስኤል ሰሚዔ እየ እሞ፡ ምሸት ስጋ ኽትበልዑ ኢኹም፡ ብጊሓት ከኣ እንጌራ ኽትጸግቡ ኢኹም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምኳነይ ክትፈልጡ ኢኹም፡ ኢልካ ተዛረቦም።
13. ኮነ ኸኣ፡ ንምሸቱ ብርኒጎታት ተላዒለን ነቲ ሰፈር ከደናኦ። ብጊሓት ድማ ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ዛዕዝዓ ወዲቑ ነበረ።
14. እቲ ዛዕዝዓ ምስ ዘፈፈ ኸኣ፡ እንሆ፡ ገጽ ኣቲ በረኻ ገለ ደቂቕ ከቢብ፡ ከም ኣሳሕይታ ዝምድቃቑ ኣብ ምድሪ ነበረ።
15. ደቂ እስራኤል ድማ እዚ ምስ ረኣዩ፡ እንታይ ምዃኑ ኣይፈለጡን ኣሞ፡ እዚ እንታይ ኣዩ፡ ኢሎም ንሓድሕዶም ተሓታተቱ። ሙሴ ኸኣ እዚ እግዚኣብሄር ክትበልዕዎ ዝሀበኩም እንጌራ ኣዩ።
16. እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ነገር ድማ እዚ እዩ፡ ነፍስ ወከፍ ንብልዑ ዚኣክል ካብኡ ይኣከብ። ከም ፍቕዲ ነፍሳትኩም ንነፍሲ ወከፍ ሓደ ጎመር፡ ነፍሲ ወከፍ ነቶም ኣብ ድንኳኑ ዘለው ይውሰደሎም፡ በሎም።
17. ደቂ እስራኤል ድማ ከምኡ ገብሩ። ሓደ ብዙሕ ሓደ ኸኣ ሒደት ዝኣከበ ኣየትረፈ፡ እቲ ሒደት ዝኣከበ ኸኣ ኣየጉደለ። ነፍስ ወከፍ እቲ ብልዑ ዚኣኽሎ ኣከበ።
18. ሙሴ ድማ፡ ሓደ እኳ ኻብኡ ገለ ኽሳዕ ንብጽሒቱ ኣየትርፍ በሎም።
19. ሙሴ ድማ፡ ሓደ እኳ ኻብኡ ገለ ኽሳዕ ንብጽሒቱ ኣየትርፍ በሎም።
20. ንሙሴ ግና ኣይሰምዕዎን እሞ፡ ገለ ሰባት ካባኡ ኽሳዕ ንጽብሒቱ ኣትረፉ፡ ንሱ ኸኣ ሕሰኸ፡ በድበደ ድማ። ሙሴ ኸኣ ብኣታቶም ተናደደ።
21. ነፍሲ ወከፍ ንግሆ ንግሆ ኻብኡ መጠን ብልዑ ዚኣክል ይእክብ ነበረ። ጸሓይ ምስ ሞቐት ግና መኸኸ።
22. ኾነ ኸኣ፡ በታ ሳድሰይቲ መዓልቲ ኻብቲ እንጌራ ኻዕበት ኣከቡ፡ ክልተ ጎመር ንሓደ። ኩሎም ሓላቑ እቲ ኣኼባ ድማ መጺኦም ንሙሴ ነገርዎ።
23. ንሱ ኸኣ፡ እዚ እቲ እግዚኣብሄር ቅድስቲ ሰነበት እያ፡ እትስንክተዎ ሰንክቱ፡ እተፍልሕዎውን ኣፍልሑ። እቲ ዝተረፈ ኹሉ ኸኣ ኣንብርዎ፡ ክሳዕ ጽባሕ ይተሐለወልኩም በሎም።
24. ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞም ከኣ ንጽባሕ ኣንበርዎ፡ ንሱ ኣይበድበድን ኣይሕሰኸን ድማ።
25. ሙሴ ኸኣ ሎሚ ናይ እግዚኣብሄር ሰነበት እያ፡ ሎሚ ኣብ መሮር ኣይትረኽቡን ኢኹም እሞ፡ ሎሚ ብልዕዎ።
26. ሹዱሽተ መዓልቲ ኣከቡ፡ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና ሰንበት እያ፡ ብእእ ኣይርከብን እዩ፡ በለ።
27. ኮነ ድማ፡ ካብቶም ህዝቢ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኺእከቡ ወጹ፡ ኣይረኸቡን ከኣ።
28. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ትእዛዛተይ ሓጋጋተይን ምሕላው እትኣብዩ፡
29. ርአዩ፡ ኣግዚኣብሄር ሰንበት ሂብኩም እዩ እሞ፡ ስለዚ በታ ሳድሰይቲ መዓልቲ ንኽልተ መዓልቲ ዚኸውን እንጌራ ይህበኩም ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ ኣብ ዘዘለዎ ይቀመጥ። በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ሓደ እኳ ኻብ ስፍርኡ ኣይውጻእ በሎ።
30. እቲ ህዝቢ ኸኣ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ዐረፈ።
31. ቤት እስራኤል ድማ ስሙ ማና በልዎ። ፍረ ጻቅዳ ይመስል ነበረ፡ ጻዕዳ ኸኣ ነበረ፡ ምጥዓሙውን ከም ሕምባሻ ምስ መዓር ነበረ።
32. ሙሴ ድማ በለ፡ እግዚኣብሄርሲ፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኸውጽኣኩም ከሎኹ ኣብ በረኻ ዝመገብኩኹም እንጌራ ምእንቲ ኺርእዩስ፡ ካብኡ ሓደ ጎመር ምልኡ፡ ንውሉድ ወለዶኹም ከኣ ይተዐቑር፡ ኢሉ እዚ ነገርዚ ኣዘዘ።
33. ሙሴ ድማ ንኣሮን ኣቕሓ ኣምጻእካ ናብኡ ሓደ ጎመር ምሉእ ማና ኣእቱ፡ ንውሉድ ውለዶኹም ኪዕቑር ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንብሮ በሎ።
34. ኣሮን ከኣ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኪዕቁር ኣብ ቅድሚ እቲ ምስክር ኣንበሮ።
35. ደቂ እስራኤል፡ ናብ ዓዲ ሃገረ ሰብ ክሳዕ ዚኣትው፡ ኣርብዓ ዓመት ማና በልዑ። ናብ ወሰን ሀግር ከነኣን ክሳዕ ዚበጽሑ፡ ማና በልዑ።
36. ጎመር ግና ዓስራይ ኣፍ ኤፋ እዩ።

  Exodus (16/40)