Exodus (15/40)  

1. ሽዑ ሙሴን ደቂ እስራኤል እዚ መዝሙር እዚ ንእግዚኣብሄር ከምዚ ኢሎም ዘመሩሉ፡ ንሱን ኣዝዩ ኽብ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር እዝምር ኣሎኹ። ንፈረስን ፈረሰኛን ናብ ሃሕሪ ደርበዮም።
2. እግዚኣብሄር ሓይለይ መዝሙረይን እዩ። ምድሓነይ ከኣ ኮነኒ እዚ ኣምላኸይ እዩ እሞ፡ ከኽብሮ እየ። ኣምላኽ ኣቦይ እዩ እሞ ክብ ከብሎ እየ።
3. እግዚኣብሄር ተዋጋኢ እዩ፡ስሙ እግዚኣብሄር እዩ።
4. ሰረገላታት ፈርኦንን ሰራዊቱን ናብ ባሕሪ ደርበዮም፡ እቶም ሕሩያት ሓለቓታቱ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ጠሓሉ።
5. መዓሙቑ ከደኖም፡ ከም እምኒ ናብ ታሕቲ ወረዱ።
6. ጐይታይ የማነይትኻ ብሓይላ ኸበረት፡ ጐይታይ፡ የማነይትኻ ንጸላኢ ቐጥቀጠቶ።
7. ብዕቤት ግርማኻ ንዝተንስኡኻ ጨፍለቕካዮም፡ ቑጥዓኻ ሰደድካ፡ ከም ሓሰር በልዓቶም።
8. ብትንፋስ ኣፍንጫኻ ማያት ተኾመሩ። ወሓዝቲ ኸኣ ከም ኩምራ ደው በሉ፡ ማያት መዓሙቕ ድማ ኣብ ማእከል ባህሪ ረግኡ።
9. እቲ ጸላኢ ኸኣ፡ ገስጊሰ ኸርክቦም እየ፡ ምርኮ ኺመቅል እየ። ነፍሰይ ከኣ ብእኦም ትጸግብ፡ ሴፈይ እመልሕ፡ ኢደይ ድማ ተጥፍኦም በለ
10. ብንፋስካ ኣንፈስካ፡ ባሕሪ ድማ ኣጎልበቦም። ከም ዓረር ኣብ ብርቱዕ ማያት ጠሓሉ።
11. ዎ እግዚሄር ኣብ መንጎ ኣማልኽቲ ከማኻ ዝበለ መን እዩ፡ ብምስጋና ኣተፈራህካ፡ ገበር ታኣምራት፡ ብቕድስናኻ ኸማኻ ዝኸበረ መን እዩ፡
12. የመነይትኻ ዘርጋሕካ፡ ምድሪ ወሐጠቶም።
13. ነቲ እተበጆኻዮ ህዝቢ ብምሕረትካ መራሕካ። ብሓይልኻ ናብ ቅዱስ ማሕደርካ መራሕካዮም።
14. ህዝብታት ሰሚዖም ተምበድበዱ፡ ኣብ ፍልስጤኤም ዚነብሩ ጭንቀት ሓዞም።
15. ሽዑ ሓላቑ ኤዶም ተሸበሩ፡ ነቶም ሓያላት ሞኣብ ራዕዲ ሒዞም። ኣብ ከነኣን ዚነብሩ ኹሎም መኸኹ።
16. ዎ እግዚኣብሄር፡ ህዝብኻ ኽሳዕ ዚሓልፍ፡ እቲ ዘጥሬኻዮ ህዝቢ ኽሳዕ ዚሓልፍ፡ ስምባድን ፍርሃትን ወደቆም፡ ብሓይሊ ቕልጽምካ ኸኣኣ ከም እምኒ ትም ይብሉ።
17. ዎ እግዚኣብሄር ናብታ ንማሕደርካ ዝገበርካያ ቦታ፡ ጐይታይ፡ ናብቲ ኣእዳውካ ዘዳለዋኦ መቕደስ፡ ኣብ ከረን ርስትኻ ተእትዎምን ትተኽሎምን፡
18. እግዚኣብሄር ንወርትግ፡ ንዘለኣለም ይነግስ።
19. ኣፍራስ ፈርኦን ምስ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ናብ ባሕሪ ኣተው፡ እዝጋኢብሄር ድማ ነቲ ማያት ባሓሪ ናብ ልዕሊኦም መለሶ፡ ደቂ እስራኣኤል ግና ብማኣከል ባሕሪ ብንቑጽ ሐለፉ።
20. ነብዩት ማርያም ሓብቲ ኣሮን ከኣ ከበሮ ብኢዳ ወሰደት፡ ኩለን ኣንስቲ ድማ ብኸበሮን ብሳዕስዒትን ደድሕሪኣ ወጻ።
21. ሚርያም ከኣ መለስትሎም፡ ንሱ ኣዝዩ ክብ ዝበለ እዩ፡ ንፈረስን ንፈረሰኛታትን ናብ ባሕሪ ደርብዩ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ።
22. ሙሴ ድማ ንእስራኤል ካብ ባሕሪ ኤርትራ ኣንቀሎም፡ ናብ በረኻ ሹር ወጹ። ሰለስተ መዓልቲ በረኻ ኸዱ፡ ማይ ከኣ ኣይረኸቡን።
23. ናብ ማራ ድማ መጹ፡ ማይ ማራ መሪር ነበረ እሞ፡ ኪሰትይዎ ኣይከኣሉን። ብዛዕባዚ ስማ ማራ ተባህለት።
24. እቶም ህዝቢ ኸኣኣ ንሙሴ እንታይ ክንሰቲ ኢና፡ ኢሎም ኣጉረምረሙሉ።
25. ንሱ ኸኣ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ። እግዚኣብሄር ድማ ሓንቲ ኦም ኣርእዩ፡ ናብቲ ማይ ደርበያ፡ እቲ ማይ ከኣ መቀረ። ኣባኡ ሕግን ስርዓትን ገበረሎም፡ ኣብኡ ኸኣ ፈተኖም
26. በለ ድማ፡ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተጠንቂቕካ እንተ ገብርካ፡ ንትእዛዛቱውን ጽን ኣንተ በልካ፡ ኩሉ ሕጋጋቱ ድማ ኣንተ ሓሎኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ፈዋሲኻ እየ እሞ፡ እቲ ናብ ግብጻውያን ዝሰደድክዎ ሓማም ኣይትሰደልካን እየ።
27. ናብ ኤሊም ድማ ወጹ፡ ኣብኣ ዓሰርተው ክልተ ዓይኒ ማይን ሰብዓ ኦም ተምርን ነበረ። ኣብኣ ኸኣ ኣብ ጥቓ ማይ ሰፈሩ።

  Exodus (15/40)