| ← Exodus (15/40) → |
| 1. | ሽዑ ሙሴን ደቂ እስራኤል እዚ መዝሙር እዚ ንእግዚኣብሄር ከምዚ ኢሎም ዘመሩሉ፡ ንሱን ኣዝዩ ኽብ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር እዝምር ኣሎኹ። ንፈረስን ፈረሰኛን ናብ ሃሕሪ ደርበዮም። |
| 2. | እግዚኣብሄር ሓይለይ መዝሙረይን እዩ። ምድሓነይ ከኣ ኮነኒ እዚ ኣምላኸይ እዩ እሞ፡ ከኽብሮ እየ። ኣምላኽ ኣቦይ እዩ እሞ ክብ ከብሎ እየ። |
| 3. | እግዚኣብሄር ተዋጋኢ እዩ፡ስሙ እግዚኣብሄር እዩ። |
| 4. | ሰረገላታት ፈርኦንን ሰራዊቱን ናብ ባሕሪ ደርበዮም፡ እቶም ሕሩያት ሓለቓታቱ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ጠሓሉ። |
| 5. | መዓሙቑ ከደኖም፡ ከም እምኒ ናብ ታሕቲ ወረዱ። |
| 6. | ጐይታይ የማነይትኻ ብሓይላ ኸበረት፡ ጐይታይ፡ የማነይትኻ ንጸላኢ ቐጥቀጠቶ። |
| 7. | ብዕቤት ግርማኻ ንዝተንስኡኻ ጨፍለቕካዮም፡ ቑጥዓኻ ሰደድካ፡ ከም ሓሰር በልዓቶም። |
| 8. | ብትንፋስ ኣፍንጫኻ ማያት ተኾመሩ። ወሓዝቲ ኸኣ ከም ኩምራ ደው በሉ፡ ማያት መዓሙቕ ድማ ኣብ ማእከል ባህሪ ረግኡ። |
| 9. | እቲ ጸላኢ ኸኣ፡ ገስጊሰ ኸርክቦም እየ፡ ምርኮ ኺመቅል እየ። ነፍሰይ ከኣ ብእኦም ትጸግብ፡ ሴፈይ እመልሕ፡ ኢደይ ድማ ተጥፍኦም በለ |
| 10. | ብንፋስካ ኣንፈስካ፡ ባሕሪ ድማ ኣጎልበቦም። ከም ዓረር ኣብ ብርቱዕ ማያት ጠሓሉ። |
| 11. | ዎ እግዚሄር ኣብ መንጎ ኣማልኽቲ ከማኻ ዝበለ መን እዩ፡ ብምስጋና ኣተፈራህካ፡ ገበር ታኣምራት፡ ብቕድስናኻ ኸማኻ ዝኸበረ መን እዩ፡ |
| 12. | የመነይትኻ ዘርጋሕካ፡ ምድሪ ወሐጠቶም። |
| 13. | ነቲ እተበጆኻዮ ህዝቢ ብምሕረትካ መራሕካ። ብሓይልኻ ናብ ቅዱስ ማሕደርካ መራሕካዮም። |
| 14. | ህዝብታት ሰሚዖም ተምበድበዱ፡ ኣብ ፍልስጤኤም ዚነብሩ ጭንቀት ሓዞም። |
| 15. | ሽዑ ሓላቑ ኤዶም ተሸበሩ፡ ነቶም ሓያላት ሞኣብ ራዕዲ ሒዞም። ኣብ ከነኣን ዚነብሩ ኹሎም መኸኹ። |
| 16. | ዎ እግዚኣብሄር፡ ህዝብኻ ኽሳዕ ዚሓልፍ፡ እቲ ዘጥሬኻዮ ህዝቢ ኽሳዕ ዚሓልፍ፡ ስምባድን ፍርሃትን ወደቆም፡ ብሓይሊ ቕልጽምካ ኸኣኣ ከም እምኒ ትም ይብሉ። |
| 17. | ዎ እግዚኣብሄር ናብታ ንማሕደርካ ዝገበርካያ ቦታ፡ ጐይታይ፡ ናብቲ ኣእዳውካ ዘዳለዋኦ መቕደስ፡ ኣብ ከረን ርስትኻ ተእትዎምን ትተኽሎምን፡ |
| 18. | እግዚኣብሄር ንወርትግ፡ ንዘለኣለም ይነግስ። |
| 19. | ኣፍራስ ፈርኦን ምስ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ናብ ባሕሪ ኣተው፡ እዝጋኢብሄር ድማ ነቲ ማያት ባሓሪ ናብ ልዕሊኦም መለሶ፡ ደቂ እስራኣኤል ግና ብማኣከል ባሕሪ ብንቑጽ ሐለፉ። |
| 20. | ነብዩት ማርያም ሓብቲ ኣሮን ከኣ ከበሮ ብኢዳ ወሰደት፡ ኩለን ኣንስቲ ድማ ብኸበሮን ብሳዕስዒትን ደድሕሪኣ ወጻ። |
| 21. | ሚርያም ከኣ መለስትሎም፡ ንሱ ኣዝዩ ክብ ዝበለ እዩ፡ ንፈረስን ንፈረሰኛታትን ናብ ባሕሪ ደርብዩ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ። |
| 22. | ሙሴ ድማ ንእስራኤል ካብ ባሕሪ ኤርትራ ኣንቀሎም፡ ናብ በረኻ ሹር ወጹ። ሰለስተ መዓልቲ በረኻ ኸዱ፡ ማይ ከኣ ኣይረኸቡን። |
| 23. | ናብ ማራ ድማ መጹ፡ ማይ ማራ መሪር ነበረ እሞ፡ ኪሰትይዎ ኣይከኣሉን። ብዛዕባዚ ስማ ማራ ተባህለት። |
| 24. | እቶም ህዝቢ ኸኣኣ ንሙሴ እንታይ ክንሰቲ ኢና፡ ኢሎም ኣጉረምረሙሉ። |
| 25. | ንሱ ኸኣ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ። እግዚኣብሄር ድማ ሓንቲ ኦም ኣርእዩ፡ ናብቲ ማይ ደርበያ፡ እቲ ማይ ከኣ መቀረ። ኣባኡ ሕግን ስርዓትን ገበረሎም፡ ኣብኡ ኸኣ ፈተኖም |
| 26. | በለ ድማ፡ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተጠንቂቕካ እንተ ገብርካ፡ ንትእዛዛቱውን ጽን ኣንተ በልካ፡ ኩሉ ሕጋጋቱ ድማ ኣንተ ሓሎኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ፈዋሲኻ እየ እሞ፡ እቲ ናብ ግብጻውያን ዝሰደድክዎ ሓማም ኣይትሰደልካን እየ። |
| 27. | ናብ ኤሊም ድማ ወጹ፡ ኣብኣ ዓሰርተው ክልተ ዓይኒ ማይን ሰብዓ ኦም ተምርን ነበረ። ኣብኣ ኸኣ ኣብ ጥቓ ማይ ሰፈሩ። |
| ← Exodus (15/40) → |