Exodus (14/40)  

1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ።
2. ንደቂ እስራኤል፡ ተመሊሶም ኣብ መንጎ ሚግዶልን ባሕርን ኣብ መንጽር ጲሃሒሮት ኪሰፍሩ፡ ንገሮም። ኣብ መንጽር በዓልጸፎን፡ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ሰፈሩ።
3. ፈርኦን ድማ ብዛዕባ ደቂ እስራኤል፡ በረኻ ውጢጥዎም ኣብ ምድሪ ቀባሕባሕ ይብሉ ኣለው፡ ኪብል እዩ።
4. ኣነ ድማ ንሊቢ ፈርኦን ከትርሮ ኣየ፡ ንሱ ኸኣኣ ደድሕሪኦም ስዒቡ ኺሰጎም እዩ። ፈርኦን በብኹሉ ሰራዊቱ ከኽብር እየ፡ ግብጻውያን ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኽፈልጡ እዮም። ከምኡ ኸኣ ገበሩ።
5. ድማ ንንጉስ ግብጺ እቲ ህዝቢ ኸም ዝሀደመ ነገርዎ። ልቢ ፈርኦንን ገላውኡን ከኣ ብዛዕባ እቲ ህዝቢ ተለወጡ፡ ከይግዝኡናስ ንእስራኤል ብምሕዳግና እንታይ እዩ ዝገበርናዮ፡ ድማ በሉ።
6. እሞ ሰረገላኡ ኣዳላወ፡ ህዝቡውን ምስኡ ወሰደ፡
7. ሹድሹተ ሚእቲ ሕሩያት ሰረገላታትን ኩለን ሰረገላታትን ግብጽን ኣብ ኩለን ከኣ ተዋጋእቲ ወሰደ።
8. እግዚኣብሄር ንልቢ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኣትረሮ እሞ፡ ንሱ ደድሕሪ እቶም ብልዕልቲ ኢድ ዚወጹ ዝነበሩ ደቂ እስራኣኤል ገስገሰ።
9. ግብጻውያን ድማ፡ ኩሎም ኣፋስ ፈርኦንን ሰረገላኣትቱን ፈረሰኛታቱን ኩሎም ሰራዊቱን ደድሕሪኦም ገስጊሶም ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኣብ ጲሃሒሮት ኣብ መንጽር በዓል ጸፎን ሰፊሮም ከለው ኣርከብዎም።
10. ፈርኦን ምስ ደቂ እስራኤል ኣዒንቶም ኣልዐሉ፡ እንሆ ኸኣ ግብጻውያን ደድሕሪኦም ገስጊሶም፡ ደቂ እስራኤል ድማ ኣዝዮም ፈርሁ፡ ናብ እግዚኣብሄር ከኣ ተማህለሉ።
11. ንሙሴ ድማ፡ ናብዚ በረኻ ኽንመውት ዝወሰድካናስ፡ ኣብ ግብጺዶ መቓብር ኣይነበረን፡ ካብ ግብጺ ዘውጻእካናስ፡ ንምንታይ እዚ ገብርካና።
12. እቲ ኣብ ግብጺ ዝበልናካኸ እዚ ነግርዚዶ ኣይኮነን፡ ኣብ በረኻ ኻብ እንመውት ንግብጻውያን ከነገልግል ይሔሸና እሞ፡ ንግብጻውያን ንገዝኣዮም ሕደገናዶ ኣይበልናን፡ በልዎ።
13. ሽዑ ሙሴ ነቶም ህዝቢ፡ ኣይትፍርሁ ሎሚ ዝገብረልኩም ርአዩ። እዞም ሎሚ እትርእይዎም ግብጻውያን ደጊም መሊስኩም ንዘለኣለም ኣይትርእይዎምን።
14. እዝጋኢብሄር ኪዋግኣልኩም እዩ እሞ፡ ህድኡ በለኦም።
15. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ስለምንታይ ናባይ ኣትምህለል፡ ንደቂ እስራኤል ኪጉዐዙ ንገሮም።
16. ንስኻ ድማ በትርኻ ኣልዒልካ፡ ኢድካ ናብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሕ እሞ ምቐሎ፡ ደቂ እስራኤል ከኣ ናብ ማእከል ባሕሪ ናብቲ ንቑጽ ይእተው።
17. ኣነ ድማ እንሆ፡ ልቢ ግብጻውያን ከትርር እየ። ንሳቶም ከኣ ደድሕሪኦም ኪኣትው እዮም እየ፡ ብፈራኦንን ብኹሎም ሰራዊቱን ብሰረገላታቱን ብፈረሰኛታቱን ከኽብር እየ።
18. ብፈራኦንን ብሰረገላታቱን ብፈረሰኛታቱን ምስ ከበርኩ ድማ፡ ግብጻውያን ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኺፈልጡ እዮም።
19. እቲ ብቕድሚት ሰፈር እስራኤል ዚኸይድ ዝነበረ መልኣኽ ኣምላኽ ድማ ተላዒሉ ንድሕሪኦም ከደ። እቲ ዓንዲ ደበና ኸኣ ካብ ቅድሚኦም ተላዒሉ ኣብ ድሕሪኦም ደው በለ።
20. ናብ መንጎ ሰፈር ግብጽን ሰፈር እስራኤልን ኣተወ። ኣብኡ ኸኣ ደበናን ጸልማትን ነበረ፡ ነታ ለይቲ ኸኣ ኣብርሃ። ለይቲ ብምልእታ እቲ ሓደ ናብቲ ሓደ ኣይቀረበን።
21. ሙሴ ድማ ኢዱ ናብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሔ። እግዚኣብሄር ከኣ ነቲ ባሕሪ ለይቲ ብምልእታ ብብርቱዕ ንፋስ ምብራቕ ኣልጊሱ፡ ነቲ ባሕሪ ኣንቀጾ። እቲ ማያት ከኣ ተመቕለ።
22. ደቂ እስራኣኤል ድማ በቲ ንቑጽ ናብ ማኽከል ባሕሪ ኣተወ። እቲ ማይ ከኣ ብየማነ ጸጋሞም ከም መንደቕ ደው በለ።
23. ግብጻውያን ድማ ኹሎም ኣፍራሽ ፈራኦንን ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ደድሕሪኦም ገስጊሶም፡ ናብ ማእከል ባሕሪ ምስ ኮነ፡ እግዚኣብሄር ካብቲ ዓንዲ ሓውን ካብ ደበናን ናብ ሰራዊት ግብጻውያን ጠመተ፡ ንሰራዊት ግብጻውያን ኣሸበሮም።
24. ነቲ ሰረገላታቶም ከኣ መንኩራኹሩ ኣምለቑ፡ ብጭንቂ ተጓዕዙ። ግብጻውያን ከኣ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ክንዳኦም ምስ ግብጻውያን ይዋጋእ ኣሎ እሞ፡ ካብ ቅድሚ እስራኤል ንህደም በሉ።
25. ነቲ ሰረገላታቶም ከኣ መንኩራኹሩ ኣምለቑ፡ ብጭንቂ ተጓዕዙ። ግብጻውያን ከኣ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ክንዳኦም ምስ ግብጻውያን ይዋጋእ ኣሎ እሞ፡ ካብ ቅድሚ እስራኤል ንህደም በሉ።
26. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ኢድካ ናብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሕ እሞ፡ እቲ ማያት ናብ ልዕሊ ግብጻውያን፡ ናብ ልዕሊ ሰረገላታቶምን ፈረሰኛታቶምን ይምለስ በሎ።
27. ሙሴ ኸኣኣ ኢዱ ናብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሔ፡ እቲ ባሕሪ ድማ ብጊዜ ጽባሕ በርቲዑ ናብ ምውሓዙ ተመልሰ፡ ግብጻውያን ከኣ ኪሀድሙ ኸለው ተጓነፍዎ። እግዚኣብሄር ድማ ንግብጻውያን ናብቲ ማእከል ባሕሪ ደርበዮም።
28. እቲ ማያት ከኣ ተመልሰ፡ ነቶም ደድሕሪኦም ናብ ባሕሪ ዝኣተው፡ ንሰረገላታትን ንፈረሰኛታትን ንኹሉ ሰራዊት ፈርኦንን ድማ ደፈኖም። ካባታቶም ሓደ እኳ ኣይተረፈን።
29. ደቂ እስራኤል ግና ኣብ ማእከል ባሕሪ ብንቑጽ ከዱ፡ እቲ ማያት ከኣ ብየማነ ጸጋሞም ከም መንደቕ ኮነሎም።
30. ከምኡ እግዚኣብሄር በታ መዓልቲ እቲኣ ንእስራኤል ካብ ኢድ ግብጻውያን ኣብ ገምገም ባሕሪ ረአየ።
31. እስራኤል እታ እግዚኣብሄር ኣብ ግብጻውያን ዝገብራ ዓባይ ኢድ ረአየ እሞ፡ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ፈርሁ። ብእግዚኣብሄር ብባርይኡ ሙሴን ድማ ኣመኑ።

  Exodus (14/40)