Exodus (12/40)  

1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴንን ናሮንን ኣብ ምድሪ ግብጺ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም።
2. ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ንኣኻትኩም መጀመርታ ኣዋርሕ ትኹን፡ ንሳ መጀምርታ ኣዋርሕ ዓመት ትኹንኩም።
3. ንኹሉ ኣኸኢባ እስራኣኤል ከምዚ ኢልኩም ተዛረቡ፡ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ብዓስረይቲ መዓልቲ ነፍ ወከፍ ንቤት ኣቦ ሓደ ገንሸል ነንቤት ሓደ ገንሸል ይውሰድ።
4. እቶም ስድራ ቤት ንሓደ ገንሸል ዚውሕዱ እንተ ኾኑ፡ ንሱን እቲ ቤቱን ዝቐረበ ጎረቤቱን ብቑጽሪ ነፍሳት ሓደ ይውሰድ። ነፍስ ወከፍ ከም ዚበልዕ መጠን ኣብቲ ገንሸል ቁጸሩ።
5. ዓመት ዝገበረ፡ ጎደሎ ዜብሉ ተባዕታይ ገንሸ ይኹነልኩም። ካብ ኣባጊዕ ወይ ካብ ኣጣል ትወስዱ።
6. ኣብዛ ወርሒ ኢዚኣ ኸኣ ኽሳዕ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ሓልውዎ። ሽዑ ኹሉ እቲ እኩብ ማሕበር እስራኤል ኪመሲ ኸሎ ይሕረዶ።
7. ኣብታ ዚብልዓ ቤት ድማ፡ ካብቲ ደሙ ወሲዶም ንኽልቲኦም ቐዋሚ ልዳትን ነቲ ላዕላይ ልዳትን ይልከይዎ።
8. ነቲ ስጋኡ ድማ በቲ ለይቲ እቲኣ ይብልዎ፡ ብሓዊ ጠቢሶም፡ ምስ ቅጫን ምስ መሪር ሓምልን ይብልዕዎ።
9. ምስናይ ርእሱን ኣእጋሩን ናውቲ ኸብዱን ብሓዊ ይጠበስ ኣምበር፡ ካብቲ ዝሕላ ኾነ፡ ካብቲ ብማይ ዝበሰለ ኣይትብልዑ።
10. ካብኡ ድማ ገለ እኳ ኽሳዕ ንግሆ ኣይተትርፉ። እቲ ኻብኡ ኽሳዕ ንግሆ ዝተረፈ ኸኣ ንሓዊ ኣንድድዎ።
11. ከምዚ ጌርኩም ድማ ከተብልዕዎ ኢኹም፡ ሓቛቕኹም ተዐጢቕኩም፡ እሳእንኩም ኣብ ኣእጋርኩም፡ ኣባትርኩም ከኣ ኣብ ኣእዳውኩም ሒዝኩም ቀልጢፍኩም ብልዕዎ። ንሱ ፋስጋ እግዚኣብሄር እዩ።
12. በዛ ለይቲ እዚኣ ብምድሪ ግብጺ ኽሓልፍ እየ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንሳሳ፡ ንኹሉ በኹሪ ሃገር ግብጺ ኽወቅዕ ኣብ ኩሎም ኩሎም ኣማልኽቲ ግብጺ ኸኣ ፍርድታት ክገብር እየ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
13. ንምድሪ ግብጺ ምስ ዝወቅዕ ድማ፡ ኣብተንን ዘሎኹምወን ኣባይቲ እቲ ደም ምልክት ይኹንኩም፡ ነቲ ደም ርእየ ኽሓልፈኩም እየ። እቲ ዚጥፍእ መዓትውን ኣባኻትኩም ኣይከውንን።
14. እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ንመዘከርታ ትኹነልኩም፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ተብልዕዋ። ሕጊ ዘለኣለም ጌርኩም ንውሉድ ወለዶ ኣብልዕዋ።
15. ሾብዓተ መዓልቲ ቕጫ ትበልዑ። ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ክሳዕ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ብኹዑ ዝበልዔ ዘበለ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ እስራኤል ክትቁረጽ እያ እሞ፡ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነቲ ማይ ብሑቑ ካብ ኣባይትኹም ኣውጽኡ።
16. በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ቅዱስ ኣኼባ፡ በታ ይኹነልኩም። ብኣታተን ገለ ዕዩ ኣይገበር። እቲ ንነፍስ ወከፍ ዚበልዖ ንሱ ጥራይ ይተዐየየልኩም።
17. ነዚ በዓል ቅጫ ሓልውዎ። በዛ መዓልቲ እዚኣ ብሰራዊትኩም ካብ ምድሪ ግብጺ ኣውጺኤዮ እየ እሞ፡ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ንውሉድ ወለዶ ሕጊ ዘለኣለም ጌርኩም ሓልውዋ።
18. ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ ካብታ ወርሒ ድማ ንመበል ኦኣሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ምሸት፡ ክሳዕ መበል ዕስራን ሓደን መዓልቲ ምሸት ኣብታ ወርሒ፡ ቕጫ ኽትበልዑ ኢኹም።
19. ወሰንተኛ እንተ ኾነ፡ ወይ ወዲ ዓዲ ብኹዕ ዝበልዔ ዘበለ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ኣኼባ እስራኤል ኣብ ኣባይትኹም ማይ ብሑቑ ኣይረኸብ።
20. ገለ እኳ ብኹዕ ኣይትብልዑ፡ ኣብ ኩሉ እትነብርዎ ቕጫ ብልዑ።
21. ሙሴ ድማ ንኹሎም ዓበይቲ እስራኤል ጸዊዑ በሎም፡ ነንማይ ቤትኩም ገንሸል ሓሪኹም ውሰዱ እሞ ፋሲጋ ሕረዱ።
22. ዕትርቲ ስምዕዛ ውሰዱ፡ ኣብቲ ኣብ ጭሔሎ ዘሎ ደም ከኣ ጥምዕዎ፡ ነቲ ላዕላይ ልዳትን ንኽልቲኡ ቀዋሚ ልዳትን በቲ ኣብ ጭሔሎ ዝለኦ ደም ልኸይዎ። ክሳዕ ብጊሓት ድማ ኻባኻትኩም ሓደ ሰብ እኳ ኣብ ኣፍ ቤቱ ኣይውጻእ።
23. እግዚኣብሄር ንግብጻውያን ኪወቅዕ ኪሓልፍ እዩ እሞ፡ ነቲ ደም ኣብ ላዕላይ ልዳትን ኣብ ክልቲኡ ቀዋሚ ልዳትን ምስ ረኣየ፡ እግዚኣብሄር ነታ ደገ ኺሐልፉ እዩ፡ ነቲ ዜጥፍእ ድማ ናብ ቤትኩም ኣትዩ ኺወቕዓኩም ኣይሕድጎን።
24. ኣዚ ነገርዚ ንኣኻን ንደቅኽን ሕጊ ዘለኣለም ጌርኩም ሐልውዎ።
25. ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ዚህበኩም ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡ ከምቲ እተዛረቦ፡ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ሓልው።
26. ንስኻትኩም ከኣ፡ እዚ ነቲ ግብጻውያን ኪወቅዕ ከሎ፡ ኣብ ግብጺ ኣባይቲ ደቂ እስራኤል ዝሐለፈ፡ ኣባይትና ድማ ዘድሐነ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ፋስጋ እዩ፡ ትብሉ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ፍግም ኢሉ ሰገደ።
27. ደቂ እስራኤል ድማ ከይዶም ከምኡ ገበሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ዝኣዘዞም ገበሩ።
28. ደቂ እስራኤል ድማ ከይዶም ከምኡ ገበሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ዝኣዘዞም ገበሩ።
29. ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ እግዚኣብሄር ንኹሉ በኹሪ ሃገር ግብጺ፡ ካብቲ ኣብ ዝፋንይ ዚቕመጥ በኹሪ ፈርኦን ክሳዕ በኹሪ ኣቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ እሱር፡ ንኹሉ በኹሪ እንስሳ ድማ ቐተለ።
30. ሽዑ ፈርኦን፡ ንሱን ኩሎም ገላውኡን ኩሎም ግብጻውያንን ብለይቲ ተንስኡ። ምውት ዜብላ ቤት ኣይነበረትን እሞ፡ ኣብ ግብጺ ብርቱዕ ዋይዋይታ ኾነ።
31. ንሙሴን ንኣሮንን ብለይቲ ጸዊዑ ድማ፡ ንስኻትኩም ደቂ እስራኤልን ተንስኡ እሞ ካብ ማእከል ህዝበይ ውጹ። ከምቲ ዝበልኩምዎ ኺዱ፡ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ።
32. ከምቲ ዝበልኩምዎ ድማ ኣባጊዕኩም ኣሓኹምን ውሰዱ። ኪዱ እሞ ንኣይ ከኣ መርቑኒ፡ በለ።
33. እቶም ግብጻውያን ድማ፡ ኹልና ኽንመውት ኢና፡ ኢሎም ነቶም ህዝቢ ኻብታ ሃገር ቀልጢፎም ኬውጽእዎም ሀወኽዎም።
34. እቶም ህዝቢ ድማ ነቲ ብሒቖም ገና ኸይበኹዔ ወሰድዎ፡ ነቲ መልወሲኦም ከኣ ብኽዳውንቶም ጠቕሊሎም ኣብ መንኩቦም ጸርዎ።
35. ደቂ እስራኤል ከኣኣ ከምቲ ሙሴ ዝበሎም ገበሩ። ካብ ግብጻዋያን ኣቓሑ ብሩርን ኣቓሑ ወርቅን ክዳውንትን ለመኑ።
36. እግዚኣብሄር ድማ ነቶም ህዝቢ ዝደለይዎ ኹሉ ኺህብዎም ኣብ ቅድሚ ሰብ ግብጺ ሞጎስ ሀቦም። ንሰብ ግብጺ ኸኣኣ ገፈፍዎም።
37. ደቂ እስራኤል ድማ ብዘይ ቑልዑ ሸድሹተ ሚእቲ ሽሕ ዚኣክል ኣጋር ካብ ራዕምሴስ ናብ ሱኮት ተጓዕዙ።
38. ምስኦም ድማ ብዙሕ ሕውስዋስ ህዝብን ኣባጊዕን ኣሓን፡ ኣዝየን ብዙሓት ማል ደየበ።
39. ኣቲ ካብ ግብጺ ዘውጽእዎ ብሑቑ ኣይበኹዔን ነበረ እሞ፡ ካብኡ ቅጫታት ሰንከቱ። ካብ ግብጺ ስለ ኣተሰጉ፡ ኪድንጉዩ ኣይከኣሉን እሞ፡ ስንቆም ኣየዳለውን ነበሩ።
40. ደቂ እስራኤል ኣብ ግብጺ ተቐሚጦም ዝነበሩ ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ኣዩ።
41. ኮነ ኸኣ፡ ኣብ መወዳእታ እተን ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት፡ በታ መዓልቲ ኣቲኣ ኾነ፡ ኹሎም ሰራዊት ኣግዚኣብሄር ካብ ምድሪ ግብጺ ወጹ።
42. እዛ ለይቲ እዚኣ፡ ብእኣ ብብኹሎም ደቂ እስራኣኤል ንውሉድ ወለዶኦም ፍጹም ንእግዚኣብሄር እተሓለውት እያ።
43. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን በሎም፡ ሕጊ ፋሲጋ እዚ እዩ፡ ጓና ዘበለ ኻብኡ ኣይብላዕ።
44. ብገንዘብ እተዐደገ ባርያ ግና፡ ምስ ገዘርካዮ፡ ካባኡ ይብላዕ።
45. ስደተኛን በዓል ዓስብን ካብኡ ኣይብሎኡ።
46. ኣብ ሓንቲ ቤት ይብላዕ፡ ካብቲ ስጋ ገለ እኳ ኻብ ንግዳም ኣይተውጽእ፡ ዓድሚ ድማ ኣይትስበሩ።
47. ኩሉ ኣኼባ እስራኤል ነዚ ይግበሮ።
48. ጓና ምሳኻ እንተ ተቐመጠ እሞ ንእግዚኣብሄር ፋሲጋ ኺገብር እንተ ደለየ፡ ምስኡ ዘሎ ተባዕታይ ዘበለ ኹሉ ይገዘር፡ ሽዕ ኺገብር ይቕረብ፡ ከም ወዲ ዓዲ ኸኣ ይኹን። ዝይግዙር ዘበለ ግና ካብኡ ኣይብላዕ።
49. ንወዲ ዓድን ኣብ መንጎኹም ንዚነብር ጓናን ሓደ ሕጊ ይኹን።
50. ኩሎም ደቂ እስራኤል ድማ እዚ ገብሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ዝኣዘዞም፡ ከምኡ ገበሩ።
51. ኮነ ኸኣ፡ ንእግዚኣብሄር በታ መዓልቲ እቲኣ ንደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ኣውጽኤ።

  Exodus (12/40)