Exodus (11/40)  

1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ናብ ልዕሊ ፈራኦንን ናብ ልዕሊ ግብጽን ገና ሓደ መዓት ከምጽእ እየ። ድሕርቲ ኻብዚ ኽትወጹ ኺሓድጉኩም እየ። እቲ ኺሓድገኩም ከሎ ድማ ደፊኡ፡ ኪሰጎኩም እዩ።
2. እምበኣር ኣብ እዝኒ ህዝቢ ተዛረብ፡ ነፍስ ወከፍ ሰብኣይ ካብ ጎረቤቱ ነፍሲ ወከፍ ስበይቲ ድማ ካብ ጎረቤታ ኣቕሓ ብሩርን ኣቕሓ ውርቅን ይለምኑ፡ በሎ።
3. እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ግብጻውያን ሞገስ ሀቦ። ሙሴ እቲ ሰብኣይ ድማ ኣብ ሃገር ግብጺ ኣብ ቅድሚ ገላው ፈርኦንን ኣብ ቅድሚ ህዝብን ኣዝዩ ዓብዩ ነበረ።
4. ሙሴ ድማ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ በለ፡ ኣነ ፍርቂ ለይሪ ኣቢለ ኣብ ማእከል ግብጺ ኽወጽእ እየ።
5. ኩሉ በኹሪ ሃገር ግብጺ ኸኣ ካብ በኹሪ ኣቲ ኣብ ዝፋኑ ዝቕመጥ ዘሎ ፈርኦን ክሳዕ በኹሪ እታ ኣብ ምድሪ ምጥሓን ዘላ ግዝእቲ፡ ኹሉ በኹሪ እንስሳ ድማ ኪመውት እዩ።
6. ኣብ ኩላ ሀገር ግብጺ ኸኣ ከምኡ ዝበለ ከቶ ዘይኮነ መሊሱ ድማ ከምኡ ዝበለ ዝይከውን ዓብዩ ዋይዋይታ ኪኸውን እዩ።
7. እግዚኣብሄር ግና ኣብ መንጎ ግብጻውያንን ኣብ መንጎ እስራኤልን ከም ዚፈሊ፡ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ናብ ኩሎም ደቂ እስራኤል ካብ ሰብ ክሳዕ ኣንስሳ፡ ከልቢ ልሳኑ ኣየወሳውስን።
8. እዞም ገላውኻ ኹሎም ናባይ ኪወርዱ እዮም። ኣብ ቅድመይ ሰጊዶምለይ ድማ፡ ንስኻን እቲ ዝስዕበካ ኹሉ ህዝብን ውጻእ፡ ኩብሉ እዮም። ድሕርዚ ኽወጽእ እየ፡ በለ። ካብ ፈርኦን ከኣ ብቑጥዓ ተናዲዱ ወጸ።
9. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ተኣምራተይ ኣብ ምድሪ ግብጺ ምእንቲ ኺበዝሕን ፈርኦን ኣይሰምዓኩምን እዩ።
10. ሙሴን ኣሮንን ከኣ እዚ ኹሉ ተኣምራት እዚ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ገበርዎ። እግዚኣብሄር ድማ ንልቢ ፈርኦን ኣትረሮ፡ ንሱ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገሩ ኣይሰደዶምን።

  Exodus (11/40)