← Exodus (11/40) → |
1. | እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ናብ ልዕሊ ፈራኦንን ናብ ልዕሊ ግብጽን ገና ሓደ መዓት ከምጽእ እየ። ድሕርቲ ኻብዚ ኽትወጹ ኺሓድጉኩም እየ። እቲ ኺሓድገኩም ከሎ ድማ ደፊኡ፡ ኪሰጎኩም እዩ። |
2. | እምበኣር ኣብ እዝኒ ህዝቢ ተዛረብ፡ ነፍስ ወከፍ ሰብኣይ ካብ ጎረቤቱ ነፍሲ ወከፍ ስበይቲ ድማ ካብ ጎረቤታ ኣቕሓ ብሩርን ኣቕሓ ውርቅን ይለምኑ፡ በሎ። |
3. | እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ግብጻውያን ሞገስ ሀቦ። ሙሴ እቲ ሰብኣይ ድማ ኣብ ሃገር ግብጺ ኣብ ቅድሚ ገላው ፈርኦንን ኣብ ቅድሚ ህዝብን ኣዝዩ ዓብዩ ነበረ። |
4. | ሙሴ ድማ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ በለ፡ ኣነ ፍርቂ ለይሪ ኣቢለ ኣብ ማእከል ግብጺ ኽወጽእ እየ። |
5. | ኩሉ በኹሪ ሃገር ግብጺ ኸኣ ካብ በኹሪ ኣቲ ኣብ ዝፋኑ ዝቕመጥ ዘሎ ፈርኦን ክሳዕ በኹሪ እታ ኣብ ምድሪ ምጥሓን ዘላ ግዝእቲ፡ ኹሉ በኹሪ እንስሳ ድማ ኪመውት እዩ። |
6. | ኣብ ኩላ ሀገር ግብጺ ኸኣ ከምኡ ዝበለ ከቶ ዘይኮነ መሊሱ ድማ ከምኡ ዝበለ ዝይከውን ዓብዩ ዋይዋይታ ኪኸውን እዩ። |
7. | እግዚኣብሄር ግና ኣብ መንጎ ግብጻውያንን ኣብ መንጎ እስራኤልን ከም ዚፈሊ፡ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ናብ ኩሎም ደቂ እስራኤል ካብ ሰብ ክሳዕ ኣንስሳ፡ ከልቢ ልሳኑ ኣየወሳውስን። |
8. | እዞም ገላውኻ ኹሎም ናባይ ኪወርዱ እዮም። ኣብ ቅድመይ ሰጊዶምለይ ድማ፡ ንስኻን እቲ ዝስዕበካ ኹሉ ህዝብን ውጻእ፡ ኩብሉ እዮም። ድሕርዚ ኽወጽእ እየ፡ በለ። ካብ ፈርኦን ከኣ ብቑጥዓ ተናዲዱ ወጸ። |
9. | እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ተኣምራተይ ኣብ ምድሪ ግብጺ ምእንቲ ኺበዝሕን ፈርኦን ኣይሰምዓኩምን እዩ። |
10. | ሙሴን ኣሮንን ከኣ እዚ ኹሉ ተኣምራት እዚ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ገበርዎ። እግዚኣብሄር ድማ ንልቢ ፈርኦን ኣትረሮ፡ ንሱ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገሩ ኣይሰደዶምን። |
← Exodus (11/40) → |