Exodus (10/40)  

1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እዚ ትእምርትታተይ እዚ ምእንቲ ኣብ ማእከሎም ከገብር፡ እቲ ኣብ ግብጻዋይን ዝዐየኽዎ ነገርን፡ እቲ ኣብ ማእከሎም ዝገበርክዎ ትኣምርትታተይን ኣብ ኣእዛን ወድኻን ወዲ ወድኻን ምእንቲ ኽትነግር፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡስ ኣነ ንልቡን ልንቢ ገላውኡን ኣትሪረ እየ እሞ፡ ናብ ፈርኦን እቶ።
2. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እዚ ትእምርትታተይ እዚ ምእንቲ ኣብ ማእከሎም ከገብር፡ እቲ ኣብ ግብጻዋይን ዝዐየኽዎ ነገርን፡ እቲ ኣብ ማእከሎም ዝገበርክዎ ትኣምርትታተይን ኣብ ኣእዛን ወድኻን ወዲ ወድኻን ምእንቲ ኽትነግር፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡስ ኣነ ንልቡን ልንቢ ገላውኡን ኣትሪረ እየ እሞ፡ ናብ ፈርኦን እቶ።
3. ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብ ፈርኦን ኣትዮም በልዎ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እብራውያን ከምዚ ይብል፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ኣብ ቅድመይ ከይትተሐት እትኣቢቢ፡ ንህዝበይ ከገልግሉኒ ሕደጎም።
4. ንስኻ ንህዝበይ ምሕዳጉ ኣንተ ኣቤኻ ግና እንሆ ጽባሕ ናብ ምድርኻ ኣንበጣ ኸምጽእ እየ።
5. ንምድሪ ኸኣ ኪኸድና እየ፡ ገጽ ምድሪ እኵ ኺርእዩ ኣይክእሉን። ነቲ ኻብ በረድ ድሒኑ ዝተረፈልኩም ትርፊ ድማ ኪበልዖ እየ። ነተን ኣብ መሮር ዘዐብያልኩም ኩለን ኣእዋም ከኣ ኼብልዔን እዩ።
6. ኣባይትኻን ኣባይቲ ኹሎም ገላውኻን ኣባይቲ ኹሎም ግብጻውያንን ኪመልእ እዩ። ከማኡ ዝበለ ኣቦታትካን ኣቦታት ኣቦታትካን ኣብ ምድሪ ኻብ እተፈጥሩላ መዓልቲ ጀሚሮም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣየረኣዩን። ተመሊሱ ኸኣ ካብ ፈርኡን ወጸ።
7. ንፈርኦን ድማ ገላውኡ ክሳዕ መኣዝከ እዚ ሰብኣይዚ መፈንጠራ ኪኾነና እዩ፡ ነዞም ሰባት፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ኬገልግሉ፡ ሕደጎም። ግብጺ ኸም ዝጠፍኤትዶ ገና ኣይፈለጥካን ኢኻ፡ በልዎ።
8. ሽዑ ንሙሴን ንኣሮንን ናብ ፈርኦን መለስዎም። ንሱ ድማ ኪድ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣገልግሉ። እቶም ዝኸዱ ግና መነመን እዮም፡ በሎም።
9. ሙሴ ድማ በዓል እግዚኣብሄር ከነብዕል ኢና እሞ፡ ምስ ናኣሽቱናን ምስ ዓበይትናን ክንከይድ ኢና ምስ ኣወዳትናን ምስ ኣዋልድናን ምስ ኣባጊዕናን ምስ ኣሓናን ክንከይድ ኢና በለ።
10. ንሱ ድማ ከምቲ ኣነ ምስ ደቅኹም ዝሕደግኩኹም ከምኡ፡ ኸኣ እግዚኣብሄር ምስኻትኩም ይኹን። ርኣዩ ክፍኣት ኣብ ቅድሜኹም ኣሎ።
11. ከምኡ ኣይኮነን፡ ሰብኡት ደኣ ኺዱ ኝእግዚኣብሄር ኣገልግሉ። እቲ ዝደሌኹምዎ ኸኣ ንሱ እዩ፡ በሎም። ካብ ቅድሚ ፈርኦን ድማ ሰጎግዎም።
12. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ምእንቲ ኣንበጣ ናብ ምድሪ ግብጺ ኺድይብ እሞ፡ ንኹሉ ብቑሊ ምድርን ነቲ በረድ ዝሓደጎ ኹሉን ኪበልዕሲ ኣእዳውካ ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብጺ ዘርግሕ በሎ።
13. ሙሴ ኸኣ በትሩ ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብጺ ዘርጊሔ፡ እግዚኣብሄር ድማ ኣብታ ምድሪ ብኹላ እታ መዓልቲ እቲኣን ብኹላ ለይቲ ንፋስ ምብራቕ ኣንበጣ ኣምጽኤ።
14. እቲ ኣንበጣ ኸኣ ናብ ልዕሊ ኹላ ምድሪ ግብጺ ደየበ። ኣብ ኩላ ሃገር ግብጺ ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ረገፈ። ክንዳኡ ዝምብዝሑ ኣንበጣ ቕድሚኡ ኣይነበረን። ብድሕሪኡ ኸኣ ከምኡ ዝበለ ከቶ ኣይከውንን።
15. ምድሪ ኽሳዕ እትጽልምት ንገጽ ኩላ ምድሪ ኸደና። ንኹሉ ብቑሊ ምድርን ነቲ በረድ ዝሓደጎ ኹሉ ፍረ ኦምን ድማ በልዖ። ኣብ ኩላ ምድሪ ግብጺ ገለ ለምለም ኣብ ኦም ወይ ኣብ ብቑሊ ግራት ኣይተረፈን።
16. ሽዑ ፈርኦን ንሙሴን ንእሮንን ቀልጢፉ ጸዊዑ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንኣኻትኩምን በደልኩ።
17. ሕጂ ግና እዛ ጊዜ እዚኣ ጥራይ፡ በጃኻ በደልይ ሕደገለይ። እዚ ሞትዚ ጥራይ ኬርሕቐለይ ድማ ንእግዚኣብሄር ለመነ።
18. እግዚኣብሄር ድማ ህቦብላ ንፋስ ምዕራብ መለሰ። ነቲ ኣንበጣ ገፊፉ ኸኣ ናብ ባሕሪ ኤርትራ ደርበዩ። ኣብ ኩላ ምድሪ ግብጺ ሓደ ኣንበጣ እኳ ኣይተረፈን።
19. እግዚኣብሄር ድማ ህቦብላ ንፋስ ምዕራብ መለሰ። ነቲ ኣንበጣ ገፊፉ ኸኣ ናብ ባሕሪ ኤርትራ ደርበዩ። ኣብ ኩላ ምድሪ ግብጺ ሓደ ኣንበጣ እኳ ኣይተረፈን።
20. እግዚኣብሄር ግና ንልቢ ፈርኦን ኣትረሮ እሞ ንደቂ እስራኤል ኣይሓደጎምን።
21. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኢድካ ናብ ሰማይ ዘርግሕ፡ ኣብ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ጸልማት ዚርምስስ ጸልማት እኳ ደኣ ይኹን በሎ።
22. ሙሴ ድማ ኢዱ ናብ ሰማይ ዘርግሔ፡ ኣብ ኩላ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ሰለስተ መዓልቲ ግብ ዝበለ ጸልማት ኮነ።
23. ሰለስተ መዓልቲ ሓደ ነቲ ኻልኣዩ ኣይረኣየን፡ ካብ ምቕማጡ ኸኣ ሓደ እኵ ኣይተንስኤን። ንኹሎም ደቂ እስራኤል ግና ኣብ እተመጥዎ ብርሃን ገብረ።
24. ፈርኦን ድማ ንሙሰኢ ጸዊዑ፡ ኪድ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ ኣብዝጊዕኩምን ኣሓኹምን ጥራይ ይትረፉ። ቑልዑኹም ድማ ምሳኻትኩም ይኺዱ በሎ።
25. ሙሴ ኸኣ፡ ንስኻ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና እንስውኦ መስዋእቲ ሕሩድን ዚሐርር መስዋእትን ኣብ ኢድና ኽትህበና ኢኻ።
26. ኣቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣነገልግለሉ ኻብኤን ክንወስድ ኢና እሞ፡ ስለዚ ማልና ድማ፡ ሓንቲ ሸኾና ኸይተረፈት ምሳና ኪኸዳ እየን። ንሕና ድማ ኣብኣ ኽሳዕ እንበጽሕ፡ ንእግዚኣብሂር ብምንታይ ከም እነገልግሎ ኣይንፈልጥን ኢና በለ።
27. ኣግዚኣብሄር ግና ልቢ ፈርኦን ኣትረረ፡ እሞ ኺሓድጎም ኣይፈተወን።
28. ፈርኦን ድማ፡ ካብይ ኪድ ገጸይ ምስ እትርኢ መዓልቲ ኽትመውት ኢኻ እሞ፡ መሊስካ ገጸይ ከይትርኢ ንርእስኻ ተጠንቀቕ በሉ።
29. ሙሴ ኸኣ፡ ከም ዝበልካዮ ይኹን፡ ደጊም መሊሰ ገጽካ ኣይርእን በለ።

  Exodus (10/40)